“...ነቲ ሰብ’ቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ።”ሉቃ 11፡26።
እቲ ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ሂቡና’ሎ። ኣእምሮኡን መንፈሳውነቱን ጽቡቕ ዘሎ ሰብ፡ ከምዚ ዝበለ ኣርእስቲ ኼንብብ ወይ ኪሰምዕ ከሎ ኸም ዚስምብድ ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ መወዳእታኡ ዘየተሓሳስቦ ሰብ ኪህልው ኣይግባእን’ዩ። እቲ መወዳእታ ኽትበጽሖ እትደልይ ቦታ ምስ ወሰንካ ኢኻ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ናብኡ ዜብጽሕ መገዲ እትመርጾ። ናብ ከረን ኪበጽሕ ዘንቀደ ሰብ፡ መገዲ መንደፈራ ወይ መገዲ ባጽዕ ኪመርጽ ኣይክእልን’ዩ። ኣብዚ ምድራዊ ናብራ፡ ኣዝዩ ዝኽፍአ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከምኡ ዚገብር ሰብ ኣሎ ኺበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ግና፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው ዚደልይ ክነሱ፡ ነቲ ናብኡ ዘየእትው ገፊሕ ናይ ጥፍኣት መገዲ ዚመርጽ ግን ማእለያ የብሉን። መወዳእታኻ ብሰናይ ትምኒት ጥራይ ኪሰምርን ኪጽብቕን ኣይክእልን’ዩ። መወዳእታኻ ዚጽብቕ፡ በቲ እትመርጾን እትኸዶን መንፈሳዊ መገድን ጕዕዞን’ዩ።
ኣብ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ከም ዝተገንዘብናዮ፡ ጐይታና፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣልዒሉ ዓበይቲ መልእኽትታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ዝተላዕለ ሰብ፡ ነብዪ ዮናስ’ዩ። ሰብ ነነዌ፡ በቲ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ኣብ ከብዲ ዓሳ ተዋሒጡ ዝነበረ ዮናስ ዝነገሮም ቃል ኣሚኖም ንልቢ ኣምላኽ ዘስመረ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣዝሒሉ ምሕረት ዘዝነመ ንስሓ ኣተዉ። ካብ ዮናስ ዚዓብይ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዘይኰነ ኣብ መቓብር፡ ኣብ ከብዲ መሬት፡ ሰለስተ መዓልቲን ለይትን ተቐቢሩ ብትንሳኤ ድሕሪ ምውጽኡ ብእኡ ዘይኣምን ዘበለ ዅሉ ሰብን ህዝብን፡ ካብቲ ንሰብ ነነዌ ዝተበየነ ዚኸፍእ ፍርዲ ይጽበዮ ኣሎ። እቶም ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም ዝተመልሱ ሰብ ነነዌ ድማ፡ ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ-ክርስቶስ ምስክር ኰይኖም ኪዅንንዎ’ዮም። ምኽንያቱ እቲ በቲ ንእሽቶን እምቢተኛን ዮናስ ብፍጹም ንስሓ ዝተመልሰ ህዝቢ ካብቲ ስብከት፡ ናይቲ ዝዓበየ ዮናስ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብንስሓ ዘይተመልሰ ህዝቢ ኣዝዩ ዝሓሸ’ዩ። ንሓደ ኽፉእን ዘማውን ወለዶ ብዘይካ በቲ ትእምርቲ ዮናስ ዝዀነ ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ብኻልእ ኪድሕን ኣይክእልን’ዩ።
እቲ ኻልኣይ፡ ጐይታና ዝጠቐሶ ሰብ ድማ እቲ ልዑል ጥበብ ዝተዓደለ ንጉስ ሰለሙን’ዩ። ነዚ ልዑል ጥበብ’ዚ ንምርኣይን ንምስማዕን ብዙሓት ሰባት ናብ ኢየሩሳሌም ይመጹ ነበሩ። ሓንቲ ኻብኣቶም ድማ እታ ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸት ንግስቲ ሳባ’ያ። እዛ ንግስቲ፡ ጥበብ ናይ ሓደ ድኹምን መዋትን ንጉስ ንምስማዕ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ተጓዒዛ ዝመጸት ሰብ’ያ። እስራኤላውያን፡ ግና እቲ ንርእሱ ጥበብን ምንጪ ዅሉ ጥበብን ዝዀነ ክርስቶስ ኣብ ማእከሎም እናረኣይዎ፡ ነዓቕዎ። ጥበብ ከም ዘለዎ ኪኽሕዱ ኣይከኣሉን። ስለዚ ድማ፦ “ነዚ ጥበብ’ዚ፡ ነዚ ሓይሊ’ዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ’ቲ ጸራቢዶ ኣይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሃልዶ ኣይኰነትን፧ . . .” ይብልዎ ነበሩ (ማቴ 13፡54,56 )። ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ ግና፡ ንሱ ካብ ሰለሞን ዝዓበየ እዩ። ስለዚ እቶም ጥበብ መዋቲ ሰብ ኺሰምዑ ነዊሕ ተጓዒዞም ዝመጹ፡ ነቶም ጥበብ ናይቲ ዘለኣለማዊ ወዲ ኣምላኽ ምሳታቶም እናሃለወ ዘይተቐበልዎ፡ ኪዅንንዎም ምዃኖም ጐይታ ኣርጊጹ ነገረና። እቲ ሳልሳይ ጐይታና ነቲ ወለዶ ዝመስለሉ ሰብ ድማ፡ ሓደ ኻብ ርኹስ መንፈስ ዝተናገፈ ሰብ’ዩ። እቲ ርኹስ መንፈስ ምስ ኵሉ’ቲ ንህይወት ናይቲ ሰብ ዘጋዕዘየ ሓጢኣት ምስ ወጸ፡ እታ ነፍሲ ተዀስቲሩ ኸም ዝጸረየ ገዛ ባዶ ዀነት። ድሕር’ዚ እታ ነፍሲ ብቕዱስ መንፈስን ብፍረ ናይቲ መንፈስን ክትምላእ ይግባእ ነይሩ። እንተ ዀነ ጥራሓ ዀይና ቐጸለት። እቲ ርኹስ መንፈስ መሕደሪ ስኢኑ፡ ምናልባት ካልኣይ ዕድል እንተ ረኸበ፡ ናብቲ ሰብ ምስ ተመልሰ፡ ባዶን ጥራዩን ኰይኑ ጸንሖ። ፍጥረት ድማ ባዶነት (vaccum) ኣይፈቅድን’ዩ።
ስለዚ ተመሊሱ ኸም ዘይንቀል ኰይኑ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺነብር፡ ካብኡ ዚገድዱ ኻልኦት ሾብዓተ ኣጋንንቲ ሒዙ መጺኡ ሻምናይ ርእሱ ኣብኡ ይነብር። ንውሽጡ ብመንፈስ ቅዱስ መሊእዎን ኣግዚእዎን እንተ ዚኸውን ግና እቲ ርኹስ መንፈስ ይትረፍ ኪምለሶ፡ ኣይምሓሰቦን’ውን ነይሩ። መንፈስ ቅዱስ ግና ጥርሑ ልቢ ስለ ዝረኣየ ጥራይ ባዕሉ ደፊኡ ኣይኣትውን’ዩ። ነቲ ባዕሉ ፈትዩ ዝሃቦ ናይቲ ሰብ ናይ ነጻ ምርጫ መሰል የኽብሮ’ዩ። ሰይጣን ግን ዓመጸኛ ስለ ዝዀነ፡ ፍቓድ ከይሓተተ ብሓይሊ’ዩ ዚኣትው። ድሕሪ’ዚ እምበኣር’ዩ ጐይታ፡ መወዳእታ ናይዚ ሰብ’ዚ ካብቲ መጀመርታኡ ኣዝዩ ዝገደደ ኸም ዚኸውን ዝተዛረበ። ጐይታ ነዚ ሰለስተ ኣብነታት ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ነቲ ህዝቢ ኣመልኪቱ ኸም ዝተዛረቦ ኣብርሀ። እዚ ዅሉ ኺዛረብ ምኽንያት ዝዀኖ፡ ብዙሓት ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ናብኡ መጺኦም፡ “ካባኻ ትእምርቲ ኽንርእይ ንደልይ ኣሎና” ምባሎም’ዩ። ጐይታ ድማ፡ “ክፉእን ዘማውን ወለዶ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ይደልይ” ድሕሪ ምባል፡ ብዘይካ’ቲ ብትእምርቲ ዮናስ ዝተመሰለ ትእምርቲ ሞቱን ትንሳኤኡን ካልእ ትእምርቲ ኸም ዘይወሃቦም ኣረጋገጸሎም። ንሰለስቲኡ ነጥብታት ድሕሪ ምዝርዛሩ ድማ፡ እቲ ኽፉእ ወለዶ’ቲ መወዳእታኡ ኻብ መጀመርታኡ ዝገደደ ኸም ዚዀኖ ገለጸሉ። በዚ ጐይታ ዝሃቦ መስተንክርን ረቂቕን መግለጺ መሰረት እምበኣር፡ ሓደ ህዝቢ ዝኸፍአ መወዳእታ ዚህልዎ በዚ ዚስዕብ ሰለስተ ምኽንያታት’ዩ።
1. ብሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ኣሚኑ ብንስሓ ምስ ዘይመላለስ
2. ንጥበብ ክርስቶስ ምስ ዘይቅበሎን ምስ ዘይነብረሉን፡
3. መንፈስ ቅዱስ ዘይመልኦ ጥርሑ ሰብ ምስ ዚኸውን’ዩ።
1. ብሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ኣሚኑ፡ ብንስሓ ምስ ዘይመላለስ፦ እምነትን ንስሓን፡ ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም’የን። ብሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ዝኣመነ ሰብ፡ ንስሓ ናይ ድሕነቱ ምስጢርን ጥበብን’ዩ። ዘይንሳሕ ሰብ፡ ኣበሰኛ ኽነሱ ንጹህ’የ ዚብልን፡ ንገዛእ ርእሱን ንኣምላኽን ሓሳዊ ዚገብር ገበነኛ ሰብ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ዮሃንስ፦ “ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።” ብምባል ገሊጹልና’ዩ (1ዮና1፡7-10 ፣ ምሳ 30፡12 ) ። ኣብዚ ምስጢረ ንስሓ ኸም ዝተመሃርናዮ፡ ንስሓ ማለት ሓጢኣትካ ብደም ክርስቶስ ሓጺብካ ምንጻህ ማለት’ዩ። ኣብዛ ውድቕቲ ዓለም’ዚኣን ኣብዚ ሓጥእ ስጋን ንነብር ክሳዕ ዘለና፡ ብዘይ ሓጢኣት ክንከውን ስለ ዘይንኽእል፡ ንስሓ መዓልታዊ ተግባርና ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ቃል እግዚኣብሄር፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትዉ ብቑዓት ዚዀኑ እቶም ክዳውንቶም (ልብሲ ምድሓኖም) ብሓጢኣት ዘይጽይቑን፡ ምስ ዚጽዩቑ ድማ ብኡንብኡ ብደም ናይቲ ገንሸል ሓጺቦም ዜጻዕድውን’ዮም (ራእ 3፡4,5 ፣ 7፡14 ፣ 22፡14 )። ጐይታና፡ ገለ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ’ቶም ጲላጦስ ኣብ ልዕሊ መስዋእቶም ሓሪዱ ንደሞም ምስ ደም መስዋእቶም ዝጸናበሮ ሰባት ምስ ኣዘንተዉሉ፡ “. . .እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም” ብምባል ናይ ዘይተነስሐ ሰብ መወዳእታ ኣዝዩ ኽፉእ ምዃኑ ኸም ዝገለጸ ኽንርስዖ ዘይግባእ ሓቂ’ዩ (ሉቃ 13፡1-5) ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ዘይተነስሐ ህዝቢ ይነቕፎን፡ “ወይለኻ” እናበለ የጠንቅቖን ነበረ (ማቴ 11፡20-24)። እቲ ንስሓ ዚሕሰም ሰብ፡ እቲ መወዳእታኡ ኼበላሽው ዝመረጸ ሰብ ጥራሕ’ዩ።
2.ንጥበብ ክርስቶስ ዚንዕቅን ዘይነብረሉን ሰብ ምዃን፦ መፈጸምታና ኻብ ዜጸብቑልና ኣገደስቲ ነገራት ሓደ እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ጥበብ’ዩ። እቲ ብኣምላኽ ንሰብ ዝተዋህበ ጥበብ፡ ክርስቶስ ምዃኑ ድማ እቲ ብርሃን-ዓለም ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና’ዩ። “ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ። . . .ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም።”(1ቈረ 1፡24,30,31 )
ስለዚ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፡ ጥበብ ዘይብሉ ሰብ’ዩ። ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ብጥበብ ክንመላለስ’ዩ ዚእዝዘና (ቈሎ 4፡5 ) ። እቲ ዅሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ዝዀነ ክርስቶስ ኣብ ውሽጡ ዘይሓደረ ሰብ ግና ንጥበብ ኪፈልጣን ኪነብራን ኣይክእልን’ዩ (ቈሎ 2፡3 )። መጀመርታ ጥበብ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ ሓቂ’ዩ (እዮ 28፡28 )። ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ብክርስቶስ ዚመላለስ ሰብ ከም ዚርከብ፡ “እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪመላለሱ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና’ዩ (2ጢሞ 3፡12 ፣) ። እቲ ነዛ በዅሪ ጥበባት ዘጥረያ ሰብ፡ ዝዀነ ዓይነት ካልእ መንፈሳዊ ጥበብ ኣይጐድሎን’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ንዓብይ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዚዀኑ ሰባት ንምምራጽ ካብ ዚጥቀሙሉ ረቛሒታት ሓደ፡ “ጥበብ ዝመልኦም” ዚብል ነበረ (ግሃ 6፡3 )። ስለዚ እቲ ጥበብ ዘይብሉን ዝጐደሎን ሰብ መወዳእታኡ ኺበላሸው ዚኽእልን ሓደጋ ዜንጸላለዎን’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ፡ ነቲ ኸየስተሓፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪወሃቦ’ውን’ዩ።” ዚብል ወርቃዊ ምዕዶ ተጻሕፈልና (ያእ 1፡5 )። ዝዀነ ሰብ ነታ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት ጥበብ እንተዘይ ወኒኑ፡ ናይ ግድን በታ ሰይጣናዊት ጥበብ ይነብር ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብ መንጎ’ታ ሰይጣናዊትን ኣምላኻዊትን ጥበብ ዘሎ ፍልልይ ድማ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ተገሊጹልና ኣሎ (ያእ 3፡13-17) ። ስለዚ ድማ ኢና፡ ንጥበብ ክርስቶስ ኣዚና ኽንብህጋን ንመወዳእታና ኸነጸብቐላን ዚግብኣና።
3. መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ጥርሑ ሰብ ምዃን፦ መንፈስ ቅዱስ ዘይብልካ ምዃን፡ መፈጸምታኻ ዜበላሽው ሓደገኛ ዅነተ-ህላወ ስለ ዝዀነ፡ እግዚኣብሄር ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ፡ ብድሕሪኡ ድማ ብክርስቶስ ገይሩ ብዙሕ ተስፋ ሃበ (ዮኤ 2፡18,19 ፣ዮሃ 14፡16,26)። ከምቲ ዘተስፈዎ ድማ ካብ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ጀሚሩ ንዅሉ ኣማኒ ክርስትያን፡ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ሃበ (ግብ 2፡1-4,38,39 )። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ብምስጢረ ሜሮን ነቲ ተስፋ ኣቦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ትፍጽሞ ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ” ኢላ ዘጠንቀቐና፡ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ መፈጸምታና ዝገደደ ኸም ዚኸውን ኬፍልጠና ስለ ዝደለየ እዩ (1ተሰ 5፡19 ) ። እቲ ፈትዩ ዝሓደረካ መንፈስ ቅዱስ ጸሊኡ ዚሓድገካ ድማ፡ ዘይምእዛዝ ብዝወለዶ ሓጢኣት ህይወትካ ምስ ዚበላሽው ምዃኑ፡ ካብ ህይወት ንጉስ ሳኦል ክንመሃር ንኽእል ኢና (1ሳሙ 10፡10 )። መንፈስ ቅዱስ ምስ ተሓድገ ምድራዊ ህይወቱን መወዳእታኡን ኸም ዝተበላሸወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዜስክሕ ቋንቋ ገሊጹልና ኣሎ (1ሳሙ 16፡14-23 ) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዘይብሉ ባዶ ህይወት፡ ሰይጣንን ሰራዊቱን ዘይንቕነቕ ዕርዲ’ዮም ዚሃንጹ። እቲ መንፈስ ቅዱስ ዘይብልካ ምዃን ዜውርዶ ዕንወት እንታይ ከም ዚመስል ካብ ህይወት ሳኦል ዝተማህረ ንጉስ ዳዊት፡ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ኸቢድ ሓጢኣት ብንስሓ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ብፍቓደኛ መንፈስ ደግፈኒ (እምበር) ቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒ” ዚብል ነበረ (መዝ 51፡11,12 )። እምበኣር ንሕና’ውን ብምስጢረ ሜሮን ማሕተምን ዕርቡንን መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተቐበልና ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣጥፊእና መወዳእታና ኸይንጽይቕ ክንጥንቀቕ ይግብኣና።
እምበኣር ናብ ገዛእ ህይወትና ምልስ ንበል’ሞ ርእስና ንመርምር። ካብቲ መወዳእታኡ ዜበላሽው ክፉእን ዘማውን ወለዶ ዲና፧ ወይስ ካብቲ ብዘየቋርጽ ንስሓ፡ ብሰማያዊ ጥበብ፡ ብምልኣት መንፈስ ቅዱስ መፈጸምታኡ ዜጸብቕ ለባም ወለዶ፧ ቃል ቅዱሳን ሃዋርያት፡ “ካብዚ ቔናን ወለዶ ድሓኑ” ኢሉ ኣጠንቂቑና’ዩ’ሞ፡ መወዳእታኻ ካብ ዜበላሽው ዕሽነታዊ ምርጫታትን ቅዲ ህይወትን ርእስና ነድሕን (ግብ 2፡38,39 )።ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ኽሳዕ ዘሎና፡ ኣካል ናይቲ “ሕሩይ ወለዶ፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ” ምዃንና ወርትግ ነረጋግጽ (1ጴጥ 2፡9 )። ንመወዳእታኻ፡ ኣብቲ መጀመርታኻ ኴንካ’ምበር ኣብቲ መወዳእታኻ ምስ በጻሕካ ኸተዐርዮ ስለ ዘይትኽእል፡ እቲ መወዳእታ ኸየርከበና፡ ጭራሕ ምራሕ ከይኰነ፡ ከምተን ጢናአን ባዶ ገይረን፡ ቀንዴለን ጭልምልም እናበለ ነቲ ጀማርን ደምዳምን እምነተን ዝተጸበያ ዓያሱ ደናግል ከይንኸውን ንጠንቀ (ማቴ 25፡1-13)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ