እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽቡር ዕለተ-ሰንበት ተዳልዩልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ብዛዕባ ምስላ መርዓ ዕዱማትን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ዘስተምሃረሉ ኽፍሊ ወንጌል’ዩ። እዚ ማቴዎስን ሉቃስን ጽሒፎምዎ ዘለዉ ምስላ ኣብቲ ኣገላልጽኡ’ኳ ቚሩብ ፍልልይ ይሃልዎ’ምበር፡ እቲ መሰረታዊ ሓሳቡን ቀንዲ መልእኽቱን ፍጹም ሓደ እዩ። ማቴዎስ ከም መርዓ፡ ሉቃስ ከኣ ከም ናይ ድራር ዕድመ ገሊጽዎ ኣሎ። ክልቲአን ፈላሊኻ በበይነን ምርኣይ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ሓሳበን ሓደ ስለ ዝኾነ ብሓደ ኽንርእየን ኢና። ከምቲ ሉቃስ ኢልዎ ዘሎ፡ ጐይታ ኣብ ድራር ተዓዲሙ ከሎ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ” በሎ።
ምናልባት ምስ ጐይታ ኮፍ ኢልካ ምብላዕ ዓቢይ በረኸት ረኺቡሉ ይኸውን። ስለዚ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከምኡ ኢልካ ምስ ጐይታ እንጌራ እናበላዕካ ምንባር ኣዝዩ ጥዑምን ብጽእናን ምዃኑ ተራእዮ። ብሓቂ ድማ ከምቲ ኣብ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ፡ ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዓደሙ ኲሎም ብጹኣን እዮም (ራእ 19፡9)። ጐይታ ነዚ ሰብኣይ’ዚ ክምስለሉ ጀመረ። እቲ ምስላ ከኣ ምዕዳም ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዕድመ ምኽባር ከም ዜድሊ ዝገልጽ እዩ። ስለዚ ኣብቲ ምስላ ናብቲ መርዓ ወይ ከኣ ድራር ንኽጽዉዑ ዝተመደቡ ሰባት ነበሩ። ስለዚ ከኣ እቶም ዓደምቲ ባሮት መጀመርታ ናባታቶም ተላእኩ። እቲ ንብጽእና ዝኸውን ዕድል ተዋሂብዎም ነበረ። ሎሚ’ውን ንዓና እዚ ዕድመን ጥዕናን ተዋሂቡና ንሰምዖን ነንቡቦን ዘሎና፡ ሓደ ዓቢ ትዕድልቲ እዩ።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ብጽእና ዜውህቡና ነገራት ብዝርዝር ተጠቒሶም ንረኽቦም ኢና (መዝ 1፡1፣ 119፡2፣ ምሳ 3፡13፣ ኢሳ 30፡18፣ ዮሃ 20፡29፣ ሮሜ 4፡6፣ ሮሜ 14፡22፣)። ከምኡ’ውን መንግስቲ ኣምላኽ ከም መርዓ፡ ክርስቶስ ከም መርዓዊ (ማቴ 9፡15፣ ራእ 21፡2፣ ኢሳ 62፡5)፡ ቤተ ክርስትያን (ኣመንቲ) ከኣ ከም መርዓት ዝምሰል ምዃኑ ቃል ኣምላኽ ይነግረና (2ቆረ 11፡2፣ ራእ 22፡17፣ ኢሳ 54፡4-5፣ ኤር 3፡1-4፣ ሆሴ 2፡19)። መንግስተ ሰማያት ብዘይካ ብመርዓ ብኻልእ ብዙሕ ነገር ትምሰል እያ (ማቴ 13፡24,31,44,47፣ ማቴ 20፡1፣ ማቴ 25፡1)።
ጐይታ ከምቲ ኲሉጊዜ እንርእዮ “ንዑ” እናበለ እዩ ዝዕድም (ዘፍ 7፡1፣ ዘሁ 10፡29፣ ኢሳ 1፡18፣ ኢሳ 55፡1፣ ማቴ 11፡28፣ ራእ 22፡17)። እዞም ሰባት ከምኡ ተጸዊዖም ከብቅዑ፡ ነቲ ዕድመ ሸለል በልዎ። ንሕናኸ ሎሚ ሕዝበ ክርስቲናይና፧ እቶም ኣብ ማቴዎስ ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ነቶም ዝተላእኩ ገሪፎም ቐተልዎም። እቶም ኣብ ሉቃስ ተጠቒሶም ዘለዉ ከኣ ኬመኻንዩ ጀመሩ። እቶም ዝተቐትሉን ዝተገርፉን ከኣ ናይ ነብያት ምሳሌ እዮም። እቶም ዜመኽነዩ ዂሎም ከኣ ምኽንያቶም ብቑዕ ኣይነበረን። ምኽንያቱ እቲ ዕድመ ድራር እዩ ኔሩ። ስለዚ ከኣ እቲ ጊዜ ምሸት እዩ። “ግራተይ ኪኾልል፡ ኣብዑረይ ኪፍትን” ዚብሉ ኣብ ምሸት ኣብ እዋን ድራር ኽፍጸም ዚኽእል ኣይነበረን። ኬይኮለሉ ኬይፈተኑ ድዮም ዚዕድጉ፧ እንተኾነ እቲ ምኽንያት ነቲ ዓዳሚ ስለ ዘይተቐበልዎ እዩ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ጐይታ ምኽንያት ምእንቲ ኪስእኑ እዩ ተጋሂዱ (ዮሃ 9፡41)። ሎሚውን ንሕና ብቤተ ክርስቲያን ዝዋሃበና ዘሎ መልእኽቲ፡ እንታይ ምኽንያት፡ኾን ንህብ ንህልው፧
እቶም ዝተመደበሎም ካብ ኣበዩ፡ እግዚኣብሄር ንኣታቶም ዘገድደሉ ምኽንያቱ ኣይነበሮን። ንሱ ንኽብሪ ኬብቅዖም ዓደሞም። ንሳቶም ግን ነቲ ዕድመ ብምንጻጎም ዘይብቑዓት ምዃኖም ባዕላቶም መስከሩ። ቀደሙ’ውን ጐይታ ንሃዋርያቱ ኺልእኮም ከሎ ናብ ከተማ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ክሓቱ ነጊርዎም እዩ። እዚ ማለት ከኣ ንሰብ “መን እዩ ብቑዕ፧” ኢሎም ክሓቱ ማለት ኣይኮነን። እቲ ብቕዓት ንወንጌል ብምቕባል ወይ ብዘይ ምቕባል እዩ ዝምዘን። እቲ ዝተቐበለ ብቑዕ እቲ ዘይተቐበለ ከኣ ዘይብቑዕ ምዃኑ ባዕሉ እዩ ዝምስክር። እዚ ከኣ ብዓል ጳውሎስ ብግብሪ ኣርእዮምዎ እዮም። ስለዚ እዞም ሰባት ዘይምብቅዖም ባዕላቶም ካብ መስከሩ ጐይታ “ሓደ ካብቶም ዕዱማት ካብዛ ድራረይ ኣይኪጥዕምን እዩ” ኢሉ ፈረዶም። ብፍላይ ከኣ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ ኣጥፍኦም (ግብ 13፡46-47፣ ግብ 18፡6)።
ብድሕርዚ ኻልኦት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚበቕዑ ክደሊ ባሮቱ ለኣኸ። እቲ ዕድመ ቅድሚ ሕጂ ናብ ዝተፈልዩ ሰባት እዩ ኔሩ። እዚ ኸኣ ምሳሌ ናይቲ ፍሉይ ህዝቢ ዝኾነ ህዝቢ እስራኤል እዩ (ዮሃ 1፡12)። ንሳቶም ምስ ኣበዩ ግን እቲ ዕድመ ናብ ኲሉ ቦታ ተዘርግሔ። ናብ መገድታት፡ ቃራናታት፡ ኣደባባያትን ኣባይትን በጽሔ። እዚ ከኣ ናብቶም ኣብ ዝኾነ መገድን ቃራናታትን ዜምልኹ ዚነበሩ ኣህዛብ ማለት እዩ። ነቶም ዝረኸብዎም ከኣ ክመምይዎም ኣይተነግሮምን። ምኽንያቱ እቶም “ሕያዎት” ተብሂሎም ዚተጸውዑ ዕድመኦም ኣየኽበሩን። ሕጂ ግን መንነቱ ብዘየገድስ ሕያዋይ ይኹን ሕሱም ኲሉ ኪጽዋዕ ነበሮ። ኣምላኽ ነቲ ዕድመ ንዂሉ ሰብ ከም ዝሃቦ ይሕብረና። ዓሌት፡ ወገን፡ ጾታ፡ ዕድመ፡ ትሕዝቶ፡ ወይ ጠባይ ዘይፈሊ ዕድመ ነበረ (ሮሜ 2፡9-11)። ንኺኣትዉ ክጋደልዎም ነገሮም። ስለዚ ነቶም ጸዋዕቲ ቀሊል ሓላፍነት ኣይነበረን። እቲ ዳስ ክሳዕ ዝመልእ ኪጽውዑ ነበሮም። እቲ ዳስ ከይመልአ ከኣ እቲ ንጉስ ናብቲ ዳስ ኣይኣቱን እዩ። ሎሚ’ውን ንኽንሳሕ ምጽዓቱ የደንጉዮ ከምዘሎ ፈሊጥና ህይወትና ክንፍትሽ እዩ እዚ ዕድል ዝዋሃበና ዘሎ።
ኣብ እስራኤል ናብ መርዓ ክትከይድ ከሎኻ እትኽደኖ ፍሉይ ክዳን መርዓ ዝነበሮም ይመስል። ምኽንያቱ እቲ ንጉስ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብ ምስ ረኣየ ተቖጠዐ። እዞም ሰባት ካብ ገዝኦም ንመርዓ ኢሎም ዚወጹ ኣይኮኑን። ሰባት እዮም ተጋዲሎም ካብ መገዲ ናብቲ ዳስ ዘእተዉዎም። ስለዚ ከምቲ ስርዓት ከማልኡ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ንጉስ እዚ፡ ነቲ ሰብኣይ ካብ ዘቖጥዖ ክዳን መርዓ ኪረክብ ዚኽእል ሰብ ከም ዝነበረ ንርዳእ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣጽቂጡ ደኣ’ምበር ምኽንያት ኣይነበሮን። ናብቲ ዳስ ኪኣትዉ ከለዉ በቲ ንጉስ ክዳን መርዓ ዝተዋህቦም ይመስል (ኢሳ 61፡10)። ልብሲ ምድሓን ዘይለበሰ ሰብ ናብቲ መርዓ ናይቲ ገንሸል ኪኣትዉ ከም ዘይከኣለ ንርዳእ። ስለዚ ድማ ናብ ፍርዲ ተደርበየ። ክበልዕ፡ ክሰቲ፡ ክሕጎስን ክኸብርን ዝተጸውዐ ሰብ ክዳን መርዓ ሰኣን ምግባሩ ናብ ሓውን ስቓይን ምሕርቃም ኣስናንን ተወፈየ (ማቴ 25፡30፣ ማቴ 8፡12-13,42,50፣ ማቴ 24፡51፣ ሉቃ 13፡28)።
“ጽዉዓት ብዙሓት እዮም ሕሩያት ግና ሒደት እዮም” ዝብል ቃል ብብዝሒ ደጋጊሙ ዝጠቕሳ ጥቕሲ እያ። ነቶም ሕሩያት ዘውሕዶም ምኽንያት ብዙሕ ኪኸውን ይኽእል። እቲ ቀዳማይ ምኽንያት ብቐንዱ ካብቶም ዝተጸውዑ “ሕራይ” ኢሎም ዚቕበሉ ዉሑዳት እዮም። እቲ ካልኣይ ካብቶም ሕራይ ኢሎም ዝተቐበሉ ነቲ ዕድመ ከም ዚበቕዑ ኮይኖም ዝቐርቡ ከኣ ዉሑዳት ይኾኑ። ንኣብነት ክዳን መርዓ (ልብሲ ምድሓን) ዘይተኸድኑ ኪዀኑ ይከኣል። እቲ ሳልሳይ ከኣ እቲ ዂሉ ኣማሊኦም መጺኦም ከብቅዑ ኣብቲ መኣዲ ምስ ተቐረቡ እቲ መግቢ ዘይፈትዉዎ ኪኸውን ይከኣል። እቲ ራብዓይ ከኣ ፈትዮም በሊዖምዎ ከብቅዑ ምስ ተመገብዎ ኣብ ዉሽጦም ሰኣን ጥዕና ዘይሰማምዖም ኪኸውን ይከኣል። ከምኡ’ውን በሊዖም ተሰማሚዕዎም ከሎ ዝበልዕሉ ዕላማ ዘይትግብሩ ኪኸውን ይከኣል። እዚ ኲሉ ምኽንያታት ነቲ ቚጽሪ ሕሩያት ከውሕዶ ይኽእል። ነቲ ምውሓድ ናይቶም ሕሩያት፡ እቲ ዓዳሚ ምኽንያት ኪኸውን ከም ዘይክእል ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ እቲ ዳስ ክመልኣሉ እናደለየ ክነሱ ኬውሕዶም ኣይደልን እዩ።
እምበኣር ብሓሳባትና፡ ብቓላትና ዀነ ብግብርና፡ መዓልታዊ ብዛዕባ ክርስቶስ ዘለና ኣረኣእያ ንገልጽ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ዘለና ፍልልያትን ምምስሳልን ነንጸባርቕ ከም ዘሎና ወርትግ ንዘክር። እታ ብክርስቶስ ዚገሃደላ እተጨንቕ ናይ ፍርዲ መዓልቲ ምስመጸት፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኸሎና ዘንጸባረቕናዮ ፍልልያት ኬጽድቐልና’ዩ። ብኣካል ስጋ ኣብ ዝወረደሉ ፍልልያት ኬምጽእ ከም ዝመጸ ገሊጹልና’ዩ። ብመለኮታዊ ኽብሩ ንፍርዲ ምስ ተገልጸ ድማ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ንሓጥኣን ካብ ጻድቃን ፈላልዩ፡ ነቲ ሓቀኛ ዝኸበደን ዘለኣለማውን ፍልልይ ከም ዜምጽእ ነገረና። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ እምበኣር፡ “ናበየናይ ወገን ኰን ተፈሊናን ንፍለይን ንኸውን፧” ዚብል’ዩ። እቲ ሎሚ ብሓሳቡን ብቓሉን ብግብሩን ናይ ክርስቶስ ኪኸውን ርእሱ ዝፈለየ፡ ኣብቲ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ዚኸውን ምፍልላይ ብዙሕ ኪረብሕ’ዩ። እቲ ብሓሳቡን ቃሉን ግብሩን ካብ ክርስቶስ ዝተፈልየ ግና፡ በቲ እኩይ ምርጫኡ ንዘለኣለም ኪውጻዕ’ዩ። እምበኣር ኣይንዓሽው፡ ወገን ክርስቶስ ንምዃን ርእስና ንፍለይ!! ናብቲ ክቡር ዕድሜኡ ንጸንበር!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ነሓሰ 18, 2019 ( ነሓሰ 12, 2011ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 71/72፡1-2 “እግዚኦ ፡ ኵነኔከ ፡ ሀቦ ፡ ለንጉሥ ፤ወጽድቅከኒ ፡ ለወልደ ፡ ንጉሥ። ከመ ፡ ይኰንኖሙ ፡ ለሕዝብከ ፡ በጽድቅ ” “ዎ ኣምላኽ፣ ንንጉስ ፍርድኻ፣ ንወዲ ንጉስውን ጽድቅኻ ሀቦም። ንሱ ኸኣ ንህዝብኻ ብጽድቂ፣ ንጥቑዓትካውን ብቅንዕና ኺፈርዶም እዩ።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ቆረ 9፡17-ፍጻሜ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ማቴ 22፡1-15 |
ይሁዳ 1፡1-14 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘእግዚእትነ አው ዘዮሐንስ ኣፈወርቅ |
ግብ 24፡1-22 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ