S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ

“ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።” ማቴ 7፡19 እዚ ሰንበት እዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንህይወትና ምስቲ ዘሎ ወቅቲ ናይ ክራማት ብምግንዛብ ክንፍትሽ ዝሕግዘና ጽሑፋት ወንጌል እናቅረበት እያ፡ ተዘካክረና። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ ከም ዝኮነ ንሕና ድማ ብፍረና ከመይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ንልለይ ንሎሚ ካብ ዝቀረበልና ወንጌል ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንማሃር ኢና። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ከሎ ንሃዋርያት ካብ ነብያት ሓሶት ክንጥንቀቕ ከም ዘድሊ ሓበረ። ምጥንቃቕ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ሓሶት ሓቂ መሲለ ኪቐርብን ከደናግርን ስለ ዝኽእል እዩ። ንዓና ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሕዝበ ክርስትያን እሞ ክንደይ ጸሚምናሉ ኣብ ዘሎና ብትንቢታት ክንደይ ምጥንቃቕ ዘየድልየና። ነቢይ ሓሶት ብውሽጡ ሓደገኛ ክነሱ ብደጊኡ ግን ድሓን መሲለ ክረአ ይኽእል። ማለት ቆርበት በጊዕ ተኸድነ ተኹላ ኮይኑ ይመጸካ። ንዓናኸ ሎሚ እንታይ ይመጻና ከም ዘሎ እሞ ነስተውዕል ሕዝበ ክርስትያን። ስለዚ ቆርበት ሕልፍ ኢልካ ውሽጡ  ክትምርምር የድሉ። ሎሚ ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ዘለዉ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ናይ እግዚኣብሄር ዘይኮኑ መልእኽትታት ከመይ ንመምዮም ንህሉ፧ ንሓሰውቲ ነብያት ብኸመይ ከም እንፈልጦምን፡ ብኸመይ ክንርእዮምን ከም ዝግብኣና ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ይገልጸልና እዩ። ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኣብነት ንርኤይ፡

“ኪኸውን ድማ እዩ፣ ገለ ሰብ ገና እንተ ተነበየ፣ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፣ ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሶት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፣ ብህይወት ኣይትነበር፣ ኪብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡንውን ኪንበ ኸሎ ኺወግእዎ እዮም።” ዘካርያስ 13፡3

“ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።”ማቴ 24 ፡11።

“ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።”ማር 13፡22።

“ነብያት፣ ከንቱነት እናረኣዩ፣ ሓሶት እናጠንቈሉሎም፣ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦስ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እናበሉ ብዘይጠቅም ጸብሪ ለቕለቑሎም” ህዝ 22 ፡28።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ቃል ከም እንርእዮ፡ እቲ ቀንዲ መለለይኦም ከኣ ፍሪኦም እዩ። ፍረ ከኣ ቀልጢፍካ ክትርኢ ስለዘይትኽእል ብትዕግስቲ ምምርማር የድሊ። እቲ ዝዛረቦን ዘፍርዮን ነገር ከተዛምዶ ይግብኣካ። ሓሶት እናሰበኸ ኣብ ህይወቱ ናይ ሓቂ ፍረ ከፍሪ ኣይክእልን እዩ። ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያና መዓልታዊ ንርእዮ ዘሎና ምናልባት ጽቡቕ ፍረ ዝመስለ ነገራት ኣብ ህይወቱ ክረኣዩ ይኽእል ይኾኑ። ግን ከም ኣርተፊሻል (artificial) ፍረ ክትምገቦም ዘይከኣል፡ ህይወት ዘይብሎም እዮም። ኣብ ዘሎናዮ ዘመን ኣብ ማእከልናን ዙርያን ዝግበሩ፡ ዝበሃሉ፡ ዝፍጸሙ፡ ዕሎታዊ ናብራን ስለዝኾኑ ንምርድኡ ኣየጸግመናን እዩ። ሎሚ ደኾን ጽባሕ እንዳተባህለ ህይወትና ክንደይ ዝደኸመ ወሰን የብሉን። ስለዚ ከምቲ ኣምላኽ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ዝደልያ፡ ንሕና’ውን ብኣምሳሉ ኢና ተፈጢርና እሞ ከምኡ ኬንና ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ክንደልያ ይግባእ (መዝ 51፡6፣ 1ሳሙ 16፡6-10)።

ጽቡቕ ኦም ኩለ ጊዜ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዝፈሪ። ክፉእ ኦም ከኣ ከምኡ እዩ። ስለዚ ካብ ተኾርባ በለስ ክንጽበ የብልናን። ምናልባት እቲ ፍረ በለስ ኣብኡ ተጣቢቑ እንተጸንሐ’ውን ስቕ ኢልና ክንቅበሎ ኣይግባእን። ሽዑ ኢና ብዝያዳ ክንጠራጠር ዝግብኣና (ማቴ 12፡33-36፣ ለቃ 13፡7፣ ዮሃ 15፡8፣ ፊሉ 4፡17)።

ጐይታይ ጐይታይ‛ ብምባል ወይ ከኣ ብስሙ ኣብ ካልኦት ሰባት ሓይሊ ስለዝገበርካ ናይ ጐይታ ኢካ ማለት ኣይኮነን፡ ወይወን ነቲ ቦታ ክትሕዞ ሓላፍነት ክትውንን ምኽኣል ቅኑዕ ኣሎኻ ማለት ኣይኮነን። ንኻልኦት ካብቲ ዓማጺ ድያብሎስ ገላጊልካ፡ ንርእስኻ ግን ዓመጻ ደኣ እምበር ፍቓድ ኣምላኽ ዘይትገብር እንተኻንካ ትርጉም የብሉን። እቲ ስም ጐይታ መጀመርያ ኣባኻ ከይሰርሐ ኣብ ካልኦት እንተ ሰራሕካሉ ንኣኻ እንታይ ይጠቅም። እዚ ስም እዚ ክንሰርሓሉ ጥራይ ዘይኮነስ ኣባና ክሰርሕ እሞ ካብ ግብሪ ዓመጻ ከላቕቐና እዩ ተዋሂቡ። ኽንድሕንን ምስኡ ንዘለኣለም ንኽንነብርን ከኣ ፍቓድ ኣምልኽ ክንገብር ናይ ግድን እዩ (ግብ 22፡14,25፣ ሮሜ 12፡2፣ ኤፌ 6፡6፣ ዮሃ 9፡31፣ 1ዮሃ 2፡17፣ ማቴ 12፡50፣ እብ 13፡ 21)። ኣምላኽ ከኣ ፍቓዱ ንዝገብር ነቲ ናቱ ደኣ እምበር ንገባር ዓመጻ ኣይፈልጥን እዩ (2ጢሞ 2፡19፣ 1ቆረ 8፡3፣ ገላ 4፡9)።

እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብርን ዘይገብርን፡ ፍረ ዘለዎን ዘይብለን ሰብ ዝፈላየሉ መንገዲ ከኣ ፈተና ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እዩ። ካብዚ ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል ከም ዝረኣናዮ፡ እቲ ምስ ብክልተ ኣባይቲ ዝተሃንጹ ሰባት እዩ ተመሲሉ። ክልቲኦም ከነነጻጽሮም ከለና ሓደ ዝገብሮም ነጥቢ ክልቲኦም ቤት ኪሰርሑ ምኽኣሎም እዩ። እቲ ኣብ ሑጻ ዝሰረተ ቅድሚ እቲ ኣብ ከውሒ ዝሰረተ ክውድእን ቀልጢፉ ክዕቆበላን ከም ዝኽእል ርጉጽ እዩ። ዝወሓደ ጉልበት ከኣ ይውድእ። እቲ ኣብ ከውሒ ዝሰረተ ከኣ ብዙሕ ይጽዕር፡ ብዙሕ ጊዜ ይወስደሉ ደንጐዩ ከኣ ንቤቱ የጽልለላ። እንተኾነ እቲ ውሒዚ ናይ ፈተና ምስ መጸ ፍሪኦም ርኢኻ መን ከም ዝሓይሽ ከተለሊ ትኽእል። እቲ ብዓል ሑጻ ቤቱ ለኪማቶ ትጠፍእ፡ እቲ ብዓል ከውሒ ግን ንርእሳ ደው ኢላስ ንእኡ ከኣ ካብቲ ዝዘንም ዘሎ ዝናምን ካብቲ ዝውሕዘ ዘሎ ውሒዝን ትሰትሮ። ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ከም ዝሕብረና፡ እቲ ከውሒ ክርስቶስ እዩ (1ቆረ 3፡11)። ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ኮይኑ መንፈሳዊ ቤትና ክንሰርሓለ እንፍን ኩሉ ከኣ ሑጻ እዩ። ስለዚ ውድቀትና ከይዓቢ ነቲ ካብ ውድቀት ክሕልወና ዝከኣሎ ጐይታ ክንፈልጦን ኣብኡ ክንስረትን ስለዘድሊ እያ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጊዜን ወቅትን ርእስና ክንምርምር እተዘኻክረና ዘላ።

ጐይታ ንቃለ ብስልጣን ደኣ እምበር ከምቶም ጸሓፍቲ ብስክፍታ ይሰብኮ ኣይነበረን። ብስልጣን ይሰብኽ ነይሩ ማለት እቲ ቃል ኣብ ኣፉን ኣብ ህይወቱን ሓቂ ከም ዝኾነ ይንጸባረቕ ከም ዝነበረ ንርዲእ። ጐይታ ብስልጣን ይሰብኽ ከም ዝነበረ ግን ከኣ ዘይጭድር ምንባሩ ኢና ንፈልጥ። ስልጣን ብዓይነት ድምጺ ዘይኮነስ ብዓይነት ህይወት እዩ። ጐይታ ግን ብትምህርቱ ንኹለ ሰብ ኩለ ጊዜ የገርሞ ነበረ (ማር 6፡2፣ ማር 11፡18፣ ለቃ 4፡32፣ ዮሃ 7፡46)። እዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስትያና ነቲ ዝተዋህባ ሓላፍነት ነዚ ኣብነት ክርስቶስ ክትስዕብ ዝተዋህባ ቤተ ክርስትያናን ንሕና ከም ውልቀሰብ ኩላትና ከመይ ትውጻእ ኣላ፧ ንሕናኸ ከም ኣካላታ ከመይ ንሓቂ ደው ኢልና ንህልወ ንኸውን፧ ኦም ብፍሪኡ እዩ ዝፍለጥ ከም ዝተባህለ፡ ንሓቂ ዲና ደው ኢልና ካብ እግዚኣብሄር ዓስቢ ክንጽበ ወይስ ሰብ ከይብሉና ኢልና ብዘይ ፍረ ክንከውን እቲ ምርጫ ናባና እዩ ተገዲፉልና ኣሎ። እምበኣር በዚ ጊዜ እዚ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ተዳሊዎ ዘሎ ንክራማት ዘድሃበ ዘይኮነስ ንህይወትና እንታይ ይፈርይ ምህልዉ ንምምርማር ቤተ ክርስቲያን ትላበው ኣላ። ሎሚ ንመን ንፈርህ፡ ነቲ ዘንብረና ንህይወትና ዝቆጻጸርዶ ወይ ንኻልእ ጊዜዊ ክብሪ፧ ነዚ ሓቂ ፈሊና ፈሊጥና ከምቲ እግዚኣብሄር ዝደልየና ክንከውን እግዚኣብሄር ይርድኣና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበትሓምለ14, 2019 (ሓምለ7, 2011ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 135/6፡25-26

ዘይሁብ ፡ ሲሳየ ፡ ለኵሉ ፡ ዘሥጋ ፤ እስመ ፡ ለዓለም ፡ ምሕረቱ። ግነዮ ፡ ለአምላከ ፡ ሰማይ። ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2ቆረ 9፡5-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ማቴ 7፡21-ፍጻሜ

ያቆብ 3፡13-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ(ንኣኵተከ)

ግብ 27፡18-26

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div