“ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ’ውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።”ዮሃን 3፡11። እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዳግማይ ልደትና ኸነስተንትን ዚሰርዓትልና መዓልቲ እያ። ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ሊቕ፡ ሕቡእ ወደ መዝሙር፡ በለይቲ ንጐይታ ኺረኽቦ ምስ መጸ፡ ጐይታ “ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን’’ ብምባል ኣገዳስነት ዳግም ልደት ብዘየማትእ መገዲ ገለጸሉ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ናይ ጐይታ ቓል መሰረት ብምግባር ፡ ብምስጢር ጥምቀት ካብ ማይ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ እንውለደሉ ናይ ጸጋ ኣገልግሎት ሰርዓትልና።
“ዓመጻ ስለ ዝበዝሐ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።” ማቴ 24፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ነዚ ሰሙን‘ዚ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ሰሪዓትልና ኣላ። ምጽኣት መድሓኒና ምቕራቡ ኻብ ዜመልክቱና ኣገደስቲ ምልክታት ሓደ ድማ፡ ኵነታት ፍቕሪ ሓድሕድና እዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ ኸነስተንትን ከሎና፡ መብዛሕትና ነዛ ኣዝያ ኸተስግኣና ዚግብኣ ወሳኒት ትእምርቲ ፈጺምና ኣይነስተብህለላን ኢና። ፍቕሪ እትዝሕለሉ ምኽንያት ድማ ብብዝሒ ዓመጻ ስለ እተዕብለል ምዃኑ ጐይታ ኣግሂዱልና ኣሎ። ፍቕሪ ሰብ ብፍቕሪ ዓመጻ እናተዓብለለ ምስ ዚኸይድ፡ ብድሕሪኡ ንሰብ ምፍቃር ዕሽነት ኰይኑ’ዩ ዚስምዓካ። ነቲ ርኹስ ረብሓ ዓመጻ ስለ እትሃርፎ፡ ነቲ ኸተፍቅሮ ዚግብኣካ ሰብ ክትዕምጾ ድሕር ኣይትብልን ኢኻ።
“…እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ።” (ዮሃ 5፡14)
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 24, 2019፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መጻጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።
“ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። .. ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ..” (ዮሃ 2፡16, 17)
እዚ ሰንበት እዚ፡ መጋቢት 17, 2019 ሳልሳይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ምኵራብ ተባሂላ ድማ ትስመ። መንቀሊ ሓሳባት ናይዚ ዕለት መልእኽቲ ድማ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ሰፊሩ ዘሎ፡ ጐይታ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ቤት ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ሰሪሑ፡ ንኵሎም ሰጒጉ ዘውጽኣሉ ፍጻመ እዩ።
“ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (1 ጴጥ 1፡15-16)
እዛ ሰንበት፡ መጋቢት 10, 2019 ካልኣይ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን እያ። ‘ቅድስት’ ተባሂላ ድማ ትጽዋዕ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና ድማ ንቅድስና ዝምልኸት ትምህርቲ ክንከታተል ኢና።
“ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።” (1ዮሃ 3:1)።
መእተዊ፥ እዚ ሰንበት እዚ፡ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ፡ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር፡ ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን፡ ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን፡ ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።
“ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቕን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደልይ’ሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” ዮሃ 4፡23-24።
“ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞም’ውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።” ሉቃ 2፡51።
መቸም ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንመሃሮ ክንወርሶን ዚግብኣና ትምህርትን ባህርይን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ነቲ ንኣርኣያኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስፊሩ ዝገለጸልና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክብርን ምስጋናን ይኹን። እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ ኣጕሊሑ ገሊጹልና ዘሎ ኣርኣያኣ ድማ እዚ ኸም ኣርእስቲ ሒዝናዮ ዘለና፡ “ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” ዚብል ሓሳብ እዩ። ብዛዕባኣ እዚ ምስክርነት እዚ ንፈለማ ጊዜ ኣይኰነን ዚንገር ዘሎ። ገና ሓዳስ ሓራስ ኰይና ምስቲ ፍቁር ወዳ ኣብ መብልዕ ማል ኰይና፡ ሰብ ጥበብን ጓሶትን ናብቲ ንሳን ፍቁር ህጻን ወዳን ዘለውዎ ቦታ መጺኦም ዝበሉዎን ዝገበርዎን ኵሉ ምስ ተዓዘበት፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ኵነታት፡ “ማርያም ግና ነዚ ነገር’ዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።” ኢሉ መስኪሩላ ኣሎ (ሉቃ 2፡19)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ