ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ንዘሎ ቕንያት “ዘውእቱ ኣባ ዮሐኒ ዘጽጌ” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ንሎሚ እምበኣር ከም ፍቃድ ኣምላኽ ካብዚ ናይ ቅዳሴ ንባብ ወንጌል ማቴ 6፡33,34 ተበጊስና ክንመሃር ኢና። ጐይታ ኣብ ወንጌል ካብ ዝመሃሮ ማእለያ ዘይብሉን ዓበይትን ትምህርትታት፡ ንዕለታዊ ናብራን ኵለንተናዊ ዅነታትን ናይ ወዲ ሰብ ዚጸልው ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዚዳረግ ኣሎ ኽትብል ኣጸጋሚ እዩ።
“...፡ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።” ማር 8፡34
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳብ 25 ንዘሎ ቕንያት “መስቀል” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ነቲ ንግስቲ ኢለኒ ነቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ፡ ኣይሁድ ግና አዕሚቘም ዝቐበርዎ መስቀል ዝረኸበትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ መዓልቲ ዘጠቓለለ፡ ብዓብዩ ግን ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መስቀል ዝተፈጸመ ድሕነት ክንዝክርን ነቲ ናትና መስቀል አብ ጸጽባሕ ነልዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን ኽንምርምርን ዝተሰርዓላና ቕንያት ድማ እዩ።
እዚ ሰንበት በዓል ደብረ ታቦር እንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ደብረ ታቦር ጐይታና ካብቲ ኣዘውቲሩ ዝኸዶ ዝነበረ ኣኽራናት ሓደ እዩ። ኣብ ሳድሳይ መዓልቲ ናይቲ ኢየሱስ ንሱ እቲ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ ርእሱ ዝገለጸሉ መዓልቲ (ማቴ 16፡16)፡ ንሰለስተ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንጴጥሮስ፡ ያእቆብን ዮሃንስ ሒዙ ናብዚ ኸረን እዚ ደየበ። ኣብኡ ድማ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ትርኢት ረኣዩ። ጐይታኦም ዘንጸባርቕ ግርማን ክብሪን ለቢሱ ምስቶም ዓብይቲ ዝሓለፉ ነብያት ሙሴን ኤልያስን ክዘራረብ፡ ካብ ሰማይ ድማ ብእኡ ዝሰመርኹ ፍቁር ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ ኢሉ ዝምስኽር ድምጺ ሰምዑ።
ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳብ 15 ዘሎ ሳምንቲ “ፍረ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተስሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ኵሉ’ውን ፍረ ጠቀስ እዩ። አብ ዝሓለፉ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባ “ምስላ ዘርእን ዘራእን፡” ከምኡ ድማ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ።
እዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ’ቲ ኣኽሊል ምስጢራት ዝዀነ “ምስጢረ ቍርባን” ሰፊሕን ዓሚቝን ትምህርታዊ መሰረት ዘንበረሉኽፍሊ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ እቲ ዚግባእ ርድኢት ኪህልዎን እቲ ዚግባእ ስጕምትን ኪወስድ ዘይከኣለ ክርስትያን፡ እቲ ንርእሱ ንሓደጋ ዝመጠወ ዓሻ ክርስትያን እዩ። ብዛዕባ ኻልኦት ኣብያተ እምነታት ክንዛረብ እኳ እንተ ዘይደፈርና፡ ኣብዚ ናይ ሓበሻና ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን በዚ ምስጢር እዚ ዚምልከት ኣዚና ድሒርናን ካብ ጸጋ ጐዲልናን ከም ዘሎና ነጋሪ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ።
ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝተጠቕሰ ዓብዪ ሃይለ-ቃል ዝተዛረበ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንጎ ትምህርቱ ኣትዩ “መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ ተዛረበለይ፡” ምስ በሎ እዩ። ጐይታ ግና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሲቪላዊ ጕዳያት ኪጽመድ ስለ ዘይመጸ፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” ኢሉ መለሰሉ። ዋላ ነቲ ሓዉ እንተ ተዛረቦ’ውን ሕራይ ኢሉ ኸይመቕሎ ይኽእል እዩ። ብእኡ ዝኣመነ ወደ መዝሙሩ እንተ ዀነ ጥራይ እዩ ዚስምዖ። ስለዚ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብቶም ብይን ሂቦም ፈጺሚ ኺገብሩ ዚኽእሉ ምድራውያን ሹማምንቲ- ሕጊ ኪኸይድ ነበሮ።
ሕመረት ወይ ማእከላይ መልእኽቲ ናይ ክርስትና፡ ንስሓ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ጸራግ መገዲ፡ እንኮ መልእኽቱ፡” መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ዚብል ነበረ (ማቴ 3፡1.2)። እቲ ጥምቀቱ ድማ “ጥምቀት ንስሓ” ይበሃል ነበረ (ግብ 19፡4)። ጐይታና ድማ ተጠሚቝን ንኣርብዓ መዓልታት ኣብ ምድረ በዳ ብዲያብሎስ ተፈቲኑ ምስ ተመልሰ፡ ንሱ’ውን መልእኽቱ፡ ልክዕ ከም ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ተነስሑ” ዚብል ኰነ። እቲ ዜገርም ኸኣ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱን ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱን ኺልእኮም ከሎ’ውን ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣዕጢቝ ምልኣኹ እዩ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 1 ክሳዕ 8 ንዘሎ መዓልታት “ዮሃንስ” ኢላ’ያ እትሰምዮ። ነቲ ነብያት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝተነብዩሉ፡ ካብ ኣረጋውያን ወለዲ ብተኣምር ዝተወልደ፡ ብስራታዊ ገብርኤል ብዛዕባ ልደቱ ዝተዛረበሉ፡ ብልደቱ ብዙሓት ዝተሓጐስሉ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእ ኪእውጅን መገዱ ኺጸርግን ዝተሓርየ፡ ልዑል ትጽቢትን ክቱር ትሕትናን ዝተዓደለ፡ ንመለኮት ኬጥምቕ ጸጋን ክብርን ዝተዓደለ፡ እቲ ስጉው መለኮት ብልሳኑ “ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ኣይተንሰአን” ኢሉ ዝመስከረሉ ቕዱስ ዮሃንስ ንምዝካር ዝዓለመ ሳምንቲ ድማ እዩ (ማቴ 11፡7-13)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ