S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምድራዊ ሃብትን ዕሽነቱን!

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታ እናመሃረ እንከሎ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ድምጹ ዓው ኣቢሉ “ንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይ” በሎ። ምናልባት እቲ ንልቢ ዝረትዕ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ ዘረባ ጸጋ ምስ ሰምዔ ይኸውን ንሓዉ ምእንቲ ከእምነሉ ዝለመኖ (ሉቃ 4፡22)። ጐይታ ግን ኣብ መንጎኦም ዳኛን መማቐልን ገይሩ ዝሸሞ ከምዘየለ ሓበሮ። ንሱ በቲ ናይ ሓጢኣትን ጽድቅን ነገር ከዳኒ፡ ካብቲ ናይ ሰማያት ርስቱ ከኣ ክመቕለና ደኣ እዩ መጺኡ እምበር፡ ነዚ ናይ ምድሪ ነገር ከዳኒ ኣይመጸን (ዮሃ 18፡36)። ነቲ ናይ ምድሪ ክንቀብጾ፡ ኣብ ኢድና እንተልዩ እኳ ሼጥና ንድኻታት ክንመቕሎ እሞ መዝገብና ኣብ ሰማያት ክንዓቁር እዩ ዝምዕደና (ማቴ 19፡21-23)።

“ኢየሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዓበኒ፡ በሎ። እቲ ጐበዝ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነብሮ፡ ዘረባኡ ምስ ስምዔ፡ እናጐሀየ ኸደ። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”

ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ከምዘይኮነት ክንፈልጥን ክንጥንቀቕን፡ ንልብና ካብ ስስዔ ክንሕሉ እዩ ምዒዱና። ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ትርከብ ዘይኮነትስ ትጠፍእ እያ። ገንዘብ ሕሱም ጐይታ፡ ንዘፍቀርዎ መወዳእታኦም ብዙሕ ስቓይን ሞትን ኣምጺኢሎም እዩ (ማቴ 27፡3-5፣ 1ጢሞ 6፡9-10)። ካብቶም ንጊዜ ምጽኣት ንኸይንዳሎ ንልብና ዘኽብዱ ነገራት ሓደ ስሰዐ እዩ (ሉቃ 21፡34-35)። ስለዚ ልብና ካብዚ ተሓልዩ ክነብር ይግባእ።

ጐይታ ነዚ ኩነታት እዚ ንምግላጽ ሓደ ጽቡቕ ዝኾነ ምስላ ተጠቕመ። ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግራቱ ስለዝቐደወሉ ብዙሕ እኽሊ ኪረክብ ምዃኑ ረኣየ። ገና እቲ እኽሊ ከይኣከቦ ከሎ ብዛዕባ ዘቐምጠሉ ቦታ ክጭነቕ ጀመረ። ብዙሕ ምስ ሓሰበ፡ ነቲ ዘለዎ ንኣሽቱ ቆፎ ኣፍሪሱ ኣግፊሑ ክሰርሖ ወሰነ። ከምኡ ምስ ገበረ፡ እኽሉ ከኣ ምስ ኣከበ፡ ንነፍሱ ከምዚ ኢሉ ክዛረባ መዲቡ “ኣቲ ነፍሰይ ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል ዝተደለበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ዕረፊ ብልዒ ስተዪ ተሓጎሲ” ክብላ ሓሰበ። ብዙሕ እኽሊ ስለ ዝሓዘ ብዙሕ ዕድመ ዝህልዎ መሰሎ። መመሊሳ እንተበልዐት እንተሰየት ጥራይ ነፍሲ እትዓርፍ መሰሎ። ናይ ነፍሲ ዕረፍቲ ብኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ብብልዕን መስተን ኣይርከብን እዩ። ብዙሓት እናበልዑ ዘይጸግቡ እናሰተዩ ከኣ ዘይረውዩ ከም ዘለዉ ቃል ነብያት ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጹልና እዩ (ሚክ 6፡14-15፣ ሃጌ 1፡6-11)።

“ንስኻ ትበልዕ፣ ግናኸ ኣይትጸግብን፣ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ኪኸውን እዩ፣ ትሕዝ፣ ግናኸ ኣይተድሕንን፣ እቲ ዘድሐንካዮ ኸኣ ንኣደዳ ሰይፊ ኽምጥዎ እየ። ንስኻ ትዘርእ፣ ግናኸ ኣይትዐጽድን፣ ፍረ ኣውልዕ ትጐድእ፣ ግናኸ ዘይቲ ኣይትልከን። ኰልዒ ወይኒ ትጸምቝ፣ ወይኒ ግና ኣይትሰትን።” ሚክ 6፡14-15። ቅዱሳን ከኣ ጥራይ ኢዶም ከለዉ ሓለፋ እቶም ወይኖምን እኽሎምን ምስ በዝሐ ዝሕጎስዎ ተሓጎሶም እዮም (መዝ 4፡7፣ ኣን 3፡17-19)። እቶም ንሓጎሶም ኣብ ኣምላኽ ዝገበሩ ጥራይ እዮም እናተሓጎሱ ነፍሶም ከኣ ዓሪፋ እትነብር (መዝ 85፡6፣ መዝ 97፡12፣ ኣን 3፡18፣ ሮሜ 12፡12፣ ፊሊ 3፡1)።

ነቲ ሃብታም ማለት ብገንዘብ ሃብታም በእምሮ ግና ድኻ ዝነበረ ዓሻ ሰብኣይ ኣምላኽ ነቐፎ። “ኣታ ዓሻ፡ ነፍስኻ በዛ ለይቲ እዚኣ ካባኻ ክወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ” በሎ። ንነፍሱ ዝኸውን እንጌራ ሒዙላ፡ ነፍሱ ኮፍ ኢላ እትበልዓሉ ዕድመ ግን ኣይሓዘላን። ይትረፍ ብዙሕ ዓመታት ኬብልዓስ ንሓንቲ ለይቲ እኳ ኬጽንሓ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ቆፎ ንርእሱ ጥራይ ክእክቦ ዘይኮነስ፡ ንድኻታት ብምሃቡ ኣብ ሰማያት ክእክቦ፡ ማለት በቲ ናይ ስጋ ሃብቲ ብሰናይ ግብሪ ሃብቲሙ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ንምዃን ሓሲቡ እንተዝኸውን፡ ፍሪኡ ዝእክበሉ ዕድመ ምረኸበ ነይሩ ይኸውን (ዳን 4፡27)። እንተኾነ ነፍሲ ረሲኣን ብድንገት ክትምንጠል፡ ነፍሲ ጻድቃን ንንስሓን ንለበዋን ዝኸውን ጊዜ ክትረክብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንቡር እዩ (ኢሳ 38፡1፣ መዝ 73፡18-19)። ረሲእ ክእክብ፡ እንተኾነ ንኻልእ ሓዲግዎ ክኸይድ’ውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ልሙድ ተርእዮ እዩ (መክ 2፡26፣ ምሳ 13፡22፣ ኢሳ 8፡2፣ እዮ 27፡17)።

እቲ ንርእሱ መዝገብ ዝእክብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድኻ እምበር ሃብታም ኣይኮነን። እቲ ንርእሱ ኼድሕና ዚደሊኼጥፍኣ ምዃኑ ቅዱሳት ጽሑፋት የረጋግጹ እዮም (ማቴ 10፡39 “እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ።“)። እቲ ምእንቲ ጐይታ ኢሉ ንርእሱ ዜጥፍኣን ዚውፍያን ግን ክረኽባ እዩ። ስለዚ እቶም ካብቲ ምድራዊ መዝገቦም ንድኻታት ዝመቐሉ ብሰናይ ግብሪ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት እዮም ዝስመዩ። ከምቲ ቅዱስ ሃዋርያ ያእቆብ 1፡27 “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።” ኢሎም ሃዋርያት ካብ ማዕዱና ሎሚውን ቤተ ክርስቲያን “ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ” ነንዕሎቱ ዝኸውን ንዓና ዘድልየና ፈሊጡ በጊዜኡ ዝህብ ኣምላኽ ከም ዘሎና ፈሊጥና፡ ንህይወትና በዚ ምድራዊ ሃብቲ ንጊዜኡ ክንጥቀመሉ ኣብዚ ምድሪ ኣብ ንጸንሓሉ ኢሉ ዝሃበና ዓሽና፡ ሰማያዊ ርስትና ከይነጥፍእ፡ ካብዚ ዝሓለፉ ኣቦታት ህይወት ተማሂርና ህይወትና ክንመርሕ እዩ ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዕለት ንባብ ዝሕብረና እሞ፡ ነዚ ዝዓቁር ልቢ ክህበና እግዚኣብሄር ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።

ዕለት፥  ሰንበት 1 መስከረም 2019    ( 26 ነሓሰ 2011ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 144/145፡15-16

ዓይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። አንተ ትሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ። ትሰፍሕ የማነከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበሥርዓትከ።

ዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም።ኢድካ ትኸፍት እሞ፣ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2 ቆረ 8፡1-25

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘኤጲፋንዮስ

ያእ 1፡17 - ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 12፡13-16

ግብ 22፡6-22

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div