ማርያም መግደላዊት ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓንቲ ዀይና፡ ካብተን ንጐይታና ናብ ዝኸዶ ዅሉ ዝሰዓባኦ ቅዱሳት ኣንስቲ ነበረት። ጐይታ ነቶም ኣብኣ ዝሓደሩ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ኣውጺኡ ምሕረት ዝሃባ ፈዋሲኣ ስለ ዝነበረ ኣዝያ ተፈቅሮ ነበረት (ሉቃ 8፡2-3)። እንተ ዀነ፡ ነቲ እተፍቅሮ ጐይታ፡ እቲ ሕሱም ሞት ካብኣ ፈልዩ ስለ ዝወሰዶ ናብ ዓሚቚ ሓዘን ኣተወት። እቲ ቕድሚ ሞቱ ኺግበረሉ ዚግባእ ኵሉ ተማሊኡ ዘይተገብረሉ ዀይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ገና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት።
እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ዚ ጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” ተባሂሉ ዝተነግረ እዩ (መዝ 118፡25-26)።
እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ” ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ብርግጽ እቲ ቐዳማይ ልደትና እቲ ካብ ኣብራኽ ወለድና ዝተወለድናዮ ስጋዊ ልደት እዩ። በቲ ካብ ምዕራባውያን ዝተወርሰ ባህሊ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ነቲ ስጋዊ ልደቱ’ዩ ዓመት መጸ ብብዙሕ ወጻኢታት ኬኽብር ዚረኣይ። ነቲ ዝዓበየን ንዘለኣለማዊ ዕጫኡ ዚውስንን ካልኣይ ልደቱ ዚዝክር ግና ዳርጋ የልቦን ኪብሃል ዚከኣል እዩ። እቲ ቐዳማይ ልደትና ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ናይ ምንባር ዕድል ኪፈጥረልና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ልደት ግና ኣብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንባር ረብሓን ክብርን እዩ ዜውርሰና።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ሰንበትን ሳምንትን እዚ “ገብር ሄር” ወይ ከኣ “ሕያዋይ ባርያ” ኢላ’ያ እትጽውዖ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን ብዛዕባ’ቲ ከከም ዓቕሙ ኻብ ኢድ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዓይነትን መጠንን ናይ መክሊት ኬስተንትንን ርእሱ ኺምርምርን ዝተሰርዐ ኣገዳሴ ጊዜ ድማ እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኣዚና ኽንሓስበሉ ዚግብኣና ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጾም እናጾምናዮ ኽነስና፡ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃበና መክሊት ርእስና ምምርማርን፡ ዘጉደልናዮ ምፍጻምን እንተ ረሲዕናዮ፡ ነቲ ጾምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነትን ክብርን ከም ዜስእኖ ኸነስተውዕል ዝተመደበልና ጊዜ እዩ።
እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንብባ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርኸብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ።
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 4, 2018፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መጻጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ፡ ለካቲት 25, 2018 ሳልሳይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ምኵራብ ተባሂላ ድማ ትስመ። መንቀሊ ሓሳባት ናይዚ ዕለት መልእኽቲ ድማ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ሰፊሩ ዘሎ፡ ጐይታ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ቤት ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ሰሪሑ፡ ንኵሎም ሰጒጉ ዘውጽኣሉ ፍጻመ እዩ።
እዛ ሰንበት፡ ለካቲት 18, 2018 ካልኣይ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን እያ። ‘ቅድስት’ ተባሂላ ድማ ትጽዋዕ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና ድማ ንቅድስና ዝምልኸት ትምህርቲ ክንከታተል ኢና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ