S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 13 ክሳብ ሕዳር 19 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር  "ሎቱ ስብሐት ወሎቱ ኣኵቴት። ለዘቀደሳ ለሰንበት።” (ንሰንበት ንዝቀደሳ ንዕኡ ፍጹም ምስጋና ይግብኦ) ኢላ ቤተ ክርስትያ መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትእግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ፡ዕጉስ፡ ዝደለዮ ዘበለ ዝገብር፡ ዕብየቱን ከኣልነቱን እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረቱ ኣብ ዕድሜና እዚ ዕለት ዝሃበና፡ ካብ ፍቃዱ ከይንወጽእ፡ እቲ ንሱ ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ከይንስእን፡ ግዳይ ዘልኣለማዊ ሞት ከይንኸውን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዘይምፍጻም፡ዘስዕቦ ሞትን ናይ ዘልኣለም ስቓይን ከምኡውን ንሞት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ።

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 6 ክሳብ 13 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙርኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ” (በደልና ኣይትዘክሮ) ኢላ  ቤተ ክርስትያና  መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትአዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና።ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ ፡ዕጉስ፡ ዝገበሮ ምሕረት እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረትካ እምበር ከም ኣበሳና ኣይኹን፡ እዳበለት ምሕረት እግዚኣብሄር ክዝክሩ ትጽዋዓሉ ሰሙን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ሓቅታት ምሕረት እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ምርኣይ እዩ።

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 30 ክሳብ ሕዳር 05 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙርክርስቶስ ሠርዐ ሰንበተ ክርስቶስ ሰንበት ፈጠረ (ሰርዔ) ኢላ  ቤተ ክርስትያና  መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትንሱ ኸምቲ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዂሉውን ይሰልጦ።ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ሰንበት ዝዀነ፡ ዘይነጽፍ ፈልፋሊ ማይ ህይወት ድማ ዘለዎ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ክርስቶስ ጠቢቕና ብዙሕን ነባርን ፍረ ምእንቲ ክንፈሪ ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ሓቅታት እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ።

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 18 ክሳብ 23 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙርበጊዜሁ ኃለፈ ክረምት” (ጊዜኡ ሓልዩ ክረምቲ ሓሊፉ) ኢላ  ቤተ ክርስትያና  ትሰምዮ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ኩሉ ኣብ ኢዱ ሙኻኑ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎመዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃን ንጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።ግብሩ ክንጥምት ኢዩ። ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላክ ኣብዚ ጽሑፍዚ ሓቢርና ንርእዮ፡ ነቲ ዘፍርሕ ዝነበረ፡ ክረምቲ ወቅቱ ሓልዩ ክሓልፍ ካብ ገበሮ፡ ነቲ ኣብ ማዕልታዊ ህይወትና ዘይሓልፍ ዝመስል ዝገጥመና ዘሎ ጭንቀት፡ከመይ ኢልና ክንሰግሮ ከም ዝግባእና ክንርኢ ኢና።

ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ክገብር እየ ኢሉ ሐሰበ።ሉቃ 1216-1729,30። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 3 ክሳብ 9 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙርኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ” (ናይ ጥበቡ ውዕለት ድንቅን መስተንክርን እዩ።) ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ንከዋክብቲ ሰማይ ብብርሃን ዘድመቀ፡ ንምድሪ ብኣዚዮም ዝማሩክ ብሉጻት ዕምባባታት ዝሸለመ፡ንመሬት ፍሬኣ ክትህብ ዝገበረ፡ ንቅዱሳን ኣቦታት መጐሶም  ዝኾነ፡ አምላክ ምስጋና ነቅርበሉ ጊዜ እዩ።

ኣቕሊብናሎም እንተሊና፡ ናይዚ ዕለት እዚ ንባባትና ብዘይካ ግብረ ሃዋርያት፡ ኵላቶም መርዓዊ-ጠቀስ እዮም። መዝሙር ሊቃውንትናውንትዌድሶ መርዓትዚብልዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ፡መርዓዊዚብሎ ዘሎ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።መርዓትዚብላ ዘሎ ድማ ንቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንገዛእ ርእሱ ድማዓርኪ መርዓዊብምባል ገሊጽዋ ኣሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ዓብይ መልእኽቲ እዚ ዚዛረቦ ዘሎ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ንኣታቶምኣሻቓሊዀይኑ ዝረኸብዎ ዜና ምስ ነገርዎ እዩ።

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 18 ክሳብ 23 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙርበጊዜሁ ኃለፈ ክረምት” (ጊዜኡ ሓልዩ ክረምቲ ሓሊፉ) ኢላ  ቤተ ክርስትያና  ትሰምዮ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ኩሉ ኣብ ኢዱ ሙኻኑ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎመዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃን ንጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።ግብሩ ክንጥምት ኢዩ። ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላክ ኣብዚ ጽሑፍዚ ሓቢርና ንርእዮ፡ ነቲ ዘፍርሕ ዝነበረ፡ ክረምቲ ወቅቱ ሓልዩ ክሓልፍ ካብ ገበሮ፡ ነቲ ኣብ ማዕልታዊ ህይወትና ዘይሓልፍ ዝመስል ዝገጥመና ዘሎ ጭንቀት፡ከመይ ኢልና ክንሰግሮ ከም ዝግባእና ክንርኢ ኢና።

“እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።” ማርቆስ 2፡28።

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዕለት 25 መስከረም ግእዝ ናይ ክረምቲ መወዳእታ ናይ ሓጋይ መጀመርታ ብክብሪ ውዕለት እግዚኣብሄር ትዝክሮሉ ዕለት እዩ። ዘመነ ክረምቲ ዘብቅዓሉ መስከረም 25  ስለዝኮነ ኣብዚ ብኣቦታት ሊቃውንቲ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙርትብሎ መርዓት ለመርዓዊሃ ወልድ እኁየ ነዐ ኀቤየ፡ ወሪደ ኢታጐነዲእዚ ማለት ከኣ መርዓት (ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን) መርዓዊ  (ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ) ፍትወይ ናባይ ንዓ እትብሎ። ናይዚ ምሥጢሩ ከኣ ሃዋርያት ብቃላቶም ዘይሰበክዎ ስብከት ዘይመሃርዎ ትምህርቲ፡ የሎን፡ ነቢያትውን ብቃሎም ዘይተነበይዎ ፡ትንቢት የሎን። ናይ ነቢያት ትንቢት ናይ ሃዋርያት ስብከት ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም በጽሐ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ማር 223-28 ጐይታ ሰንበት ሙዃኑ ነብያት ዝተነበይዎ ጉይትነትን ሃዋርያት ዘረጋገጽዎ ምስ ህይወትና ኣረጋጊጽና ክንርኢ ኢና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div