“እንሆ ኸኣ [እቶም ኣጋንንቲ]፡ “ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጺእካ፧” እናበሉ ጨደሩ።...እንሆ ድማ ብዘላ እታ ዓዲ ንኢየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።” ማቴ 8፡29; 34.
ጐይታና ነዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ ዝመሃረ፡ ነቲ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ዚኣክል መጽጕዑ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ ሰንበት መዓልቲ ፈዊሱ ዓራቱ ጸይሩ ኪኸይድ ምስ ኣዘዞ እዩ። በቲ ግብሩ ሓሪቖም ክሳዕ ንምቕታሉ ሓሰቡ። ጐይታ ድማ ነዚ ሓሳቦም እዚ ስለ ዝተረድኦ፡ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ዝገበሮ ኸም ዝገበረ ኣስፊሑ ገለጸሎም። ኣብዚ ትምህርቱ እዚ ድማ ብዛዕባ ሰለስተ ዓይነት ሞት ዜገርም መግለጺ ሃበ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሞት ገና ብኣካለ-ስጋ ብህይወት ከለኻ እትሞቶ ናይ ልዕሊ መቓብር ሞት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ድማ ብኣካል ስጋ ሞይትካ ናብ መቓብር እትወርደሉ ሞት እዩ። እቲ ሳልሳይ ሞት ግና፡ በቲ ልዕሊ መቓብር ከለኻ እትምቶ መንፈሳዊ ሞት እዩ ዝውሰን።
“ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትረኣዩ ኸይትገብሩተጠንቀቁ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።” ማቴ 6፡1
እዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ካብ ፍቕዲ ሓሙሽተ ዚጅምር እኳ እንተ ዀነ መሰረትን ኣርእስትን ናይቲ መልእኽቲ ግና ኣብ ፍቕዲ ሓደ’ዩ ዚጅምር። እዚ ኣርእስቲ እዚ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ከረን ስብከት ኣርእስትታት ሓደ እዩ።
ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ካብቲ ኣብ ወንጌል፡ ማቴ 6 ፍቕዲ 24 ተጠቒሱ ዘሎ፡ “ንኽልተ ጐይታት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩ” ዚብል ሓሳብ እዩ ዚብገስ። እቲ ገንዘብ ዝጐይታኡ ሰብ፡ ብዛዕባ ዚምገቦን ዚኽደኖን እዩ ዚጭነቕ። እቲ ኣምላኽ ዝጐይታኡ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደኣ ይሓልይን ይግደስን እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ድልየታቱ ኣይጭነቕን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ንሓደ ጐይታ ጥራይ ምግዛእ ዕሽነት ኰይኑ ተሰሚዕዎም፡ ብሓንሳእ ንኽልተ ተጻረርቲ ጐይቶት ኣብ ሓደ ሰብነት ኬአንግዱ ዚደልዩ ሰባት ምብዛሖም እዩ።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ “ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ዋና እቲ ኣታኽልቲ ነቲ ሕርሻ ዜድልይ ኵሉ ድሕሪ ምድላው፡ ነቲ ኣታኽልቱ ዚከናኸኑ ሓረስቶት ረኺቡ፡ ብመገስ ሂብዎም ናብ መገሻኡ ኸደ። መገስ ማለት ርብዒ ሲሶ ወይ ፍርቂ ናይቲ እቶት እናወሰዱ ኼገግልዎ ዚግበር ስምምዕ ማለት እዩ። እቲ ወይኒ ፍረ ዚህበሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ብጽሒቱ ኼምጽኡሉ ባሮቱ እንተ ለኣኸ፡ እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቶም ኪገብርዎ ስለ ዝደለዪ፡ ነቶም ልኡኻት ንገሊኦም ወቒዖም ስጐጕዎም ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም። እቲ በዓል ኣታኽልቲ፡ “ንወደይሲ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑ” ኢሉ እንተ ለኣኾ ድማ፡ እቲ ርስቲ ንሓዋሩ ናታቶም ኪኸውን ኢሎም፡ “እዚ እቲ ወራሲ እዩ።
ኣብቲ መስከረም 30 ዝነበረ ሰንበት፡ “መስቀል የልዕል እሞ ይስዓበኒ” ዚብል ኣርእስቲ ምርኣይና ዚዝከር እዩ። ጐይታ ኣስዕብ ኣቢሉ መስቀልና ኣልዒልና ኽንስዕቦ ዘድለየሉ ምኽንያት ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ንነፍሱ (ባዕሉ) ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና “ምዃኑ ዚገልጽ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣዝዩ ረቂቕ ብምዃኑ ብቐሊሉ ክትርድኦ ስለ ዜጸግም ምስቲ ዓውደ ንባብ ኣገናዚብካ ምርኣይ ዜድልዮ እዩ። እታ ነዚ ምስጢር እዚ ኽንርድኦ እተኽእለና፡ እታ ኣብ ፍቕዲ 9፡23 ተጠቒሳ ዘላ፡ “ዝዀነ ሰብ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ፡ (እንተሎ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ይቕበጽ) መዓልቲ መዓልቲ’ውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ” እትብል ሃይለ ቃል እያ።
ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብዚ ለይቲ እዚ ኺዝምርዎ ዝሓደሩ መዝሙር፡ “ወመኑ መሓሪ ዘከማከ” ዚብል እዩ። “ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን ኣሎ” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ኸኣ እዩ።ጐይታና’ውን ኣብቲ ዝተነበበልና ንባብ ውንጌል፡ ነቶም ንሰብ ምፍራድን ምዅናንን እምበር ካልእ ጥበብ ዘይነበሮም ፈሪሳውያን፡ “ ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን” ዚብል ሃይለ ቃል ከም ዝተዛረቦም ተጻሒፉልና ኣሎ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብዕለት ጥቅምቲ 7, 2018 “ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ኣብ ማቴ 6፡25-34 መሰረት ብምግባር ከም ዝተመሃርናን፡ ናይ ጭንቀት ዓብይ መድሓኒት ድማ፡ “ቀዳምነት ሂብካ ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይ” ምዃኑ ምድምዳምናን ዝዝከር እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸመይ ኢኻ እትደልያ፧ ዝጠፍአት ዕንቁ ምድረ-ቤት ገዛኻ ኰስቲርካ፡ ዝጠፍአት በጊዕ ኣብ ሩባን ኵርባን ኰሊልካ ኢኻ ትደልያ። ድልያ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸምዚ ዝተጠቕሰ መገዲ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ