ጐይታ፡ ኣብታ ዝተታሕዘላ ለይቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሒዝዎም፡ ናብቲ ኣዘውቲሩ ዚጽልየሉ፡ “ጌተሰማኔ” ዝተባህለ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኸደ። ወንጌላዊ ማቴዎስን ማርቆስን ኣዘንትዮምዎ ኸም ዘለው፡ ናብቲ ስፍራ ጸሎት ምስ ወሰዶም “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ዀኑ፡ ምሳይውን (ብጸሎት) ንቕሑ” ኢሉ ተዛረቦም። እዞም ደቀ መዛሙርቲ ንጐይታኦም ከምዚ ዀይኑ ርእዮምዎ፡ ከምዚ ኺዛረብ’ውን ሰሚዖምዎ ኣይፈልጡን እዮም።
ካብ ኣካላት ቅድስቲ ስላሴ ኽንመሃሮም ካብ ዚግብኣና ዓበይቲ ኣርኣያታት ሓደ፡ እዚ ከም መሪሕ ጥቕሲ ናይዚ ርእስናትና መሪጽናዮ ዘሎና ሓሳባት እዩ። ብመሰረት ምስጢረ ስላሴ ናይ ሰረተ-እምነትና፡ እግዚኣብሄር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል ሰለስተ ኪኾኑ ከለው፡ ብመለኮት፡ ብፍቓድ፡ ብስልጣን፡ ብባህርይን ብህልውናን ሓደን ምብልላጽ ዘይብሎም ማዕረን እዮም። ስለዚ ነፍሲ ወከፎም ከካብ ርእሶም ኪዛረቡ ዀነ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዅሉ ነገሮም ሓደ ስለ ዝዀኑ ድማ ዚሓስብዎ ዚዛረብዎ ዀነ ዚገብርዎ ፍልልይ ኣይምሃለዎን ነይሩ።
ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ሰፊረን ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ሃይለ-ቃላት ናይ ጐይታ፡ ሓንቲ እዛ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” እትብል ሓሳብ እያ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ተወሊዱስ ኣብኣውን ይነብር ንዘሎ ሰብ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንካን” ክትብሎ ኸሎኻ፡ እቲ ሰማዒ ብቐሊሉ ኸይርድኦ ይኽእል እዩ። ጐይታና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነት ናይ ደቀ መዛሙርቱ እምበር ብዛዕባ ጂኦግራፍያዊ ህላዌኦም ይዛረብ ከም ዘየሎ ግና ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ንዘሎ ኵሉ ሰብ ብሩህ እዩ። ካብ መንን ናይ መንን ምዃን በቲ ዘሎኻዮ ቦታ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ዘሎካ ኣካይዳ እዩ ዚውሰን።
ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝሓ ዓለም፡ ‘ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡’ ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ ‘ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።” ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 11፡29,30)። ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።” ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 2፡21)።
ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌልን ካልኦት ንባባትን ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘብዓልናዮ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዚምልከቱ እዮም። እቲ ንምእመናንን ኣገልገልትን ዚወሃብ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ዓለም ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ ኽሳዕ ዘለኣለም ምሳና ዚነብር እዩ። እዚ መንፈስ‘ዚ ድማ ብክርስቶስ ንዚኣምንን ንዚስዕብን ኵሉ ዚወሃብ ምዃኑ ቓሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዚነብር ቅብኣት (መንፈስ ቅዱስ) ኵሉ ጊዜ ይምህረናን ይመርሓናን እዩ።
ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ጀሚርና ኽሳዕ እዚ ዕለት እዚ ንኣስታት ሾብዓተ ሰናብቲ ኽንዝኽሮን፡ ንእኡ ዚምልከቱ ንባባት ኸነንብብን፡ ከምቲ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ “ክርስቶስ ተንስኣ እምሙታን” እናተባሃሃልና ክሳዕ እዛ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ብእኡ ሰላምታና ኽንለዋወጥ ኢና ጸኒሕና። ምኽንያቱ እቲ “ተስፋ ኣቦ” ዝተሰምየ መንፈስ ቅዱስ ኽንቅበል ዘብቅዓና ትንሳኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
እዚ ናይዚ ዕለት’ዚ ንባብ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ብዛዕባ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ እዩ። ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።
ጐይታና ደጊሙ፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብ ምግፋፍ ሰብ ምስ መለሶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ረቝሑ ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ሓተቶ። ነቲ ሕቶ ብውክልና ናይ ኵላቶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ፈልዩ እንተ ኣቕረበሉ እኳ፡ ንዅላቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን፡ ብድሕሪኦም ንዝመጹ ዅላቶም ወለዶታትን ዚምልከት እዩ ዝነበረ። በእምሮና፡ “እዚ ሕቶ’ዚ ንጴጥሮስ ጥራይ ዝተሓትተ ሕቶ እዩ” ኢልና ዘይንሓስብ እኳ እንተ ዀንና፡ ብግብሪ ግና መዓልታውን ምሉእ ዕድሜናን ኸም ዘይምልከተና ጌርና ኸም እንርእዮ ኣሉ ኺበሃል ዘይከኣል ሓቂ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ