“…እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ።” (ዮሃ 5፡14)
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 24, 2019፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መጻጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።
“ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። .. ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ..” (ዮሃ 2፡16, 17)
እዚ ሰንበት እዚ፡ መጋቢት 17, 2019 ሳልሳይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ምኵራብ ተባሂላ ድማ ትስመ። መንቀሊ ሓሳባት ናይዚ ዕለት መልእኽቲ ድማ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ሰፊሩ ዘሎ፡ ጐይታ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ቤት ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ሰሪሑ፡ ንኵሎም ሰጒጉ ዘውጽኣሉ ፍጻመ እዩ።
“ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (1 ጴጥ 1፡15-16)
እዛ ሰንበት፡ መጋቢት 10, 2019 ካልኣይ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን እያ። ‘ቅድስት’ ተባሂላ ድማ ትጽዋዕ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና ድማ ንቅድስና ዝምልኸት ትምህርቲ ክንከታተል ኢና።
“ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።” (1ዮሃ 3:1)።
መእተዊ፥ እዚ ሰንበት እዚ፡ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ፡ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር፡ ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን፡ ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን፡ ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።
“ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቕን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደልይ’ሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” ዮሃ 4፡23-24።
“ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞም’ውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።” ሉቃ 2፡51።
መቸም ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንመሃሮ ክንወርሶን ዚግብኣና ትምህርትን ባህርይን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ነቲ ንኣርኣያኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስፊሩ ዝገለጸልና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክብርን ምስጋናን ይኹን። እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ ኣጕሊሑ ገሊጹልና ዘሎ ኣርኣያኣ ድማ እዚ ኸም ኣርእስቲ ሒዝናዮ ዘለና፡ “ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” ዚብል ሓሳብ እዩ። ብዛዕባኣ እዚ ምስክርነት እዚ ንፈለማ ጊዜ ኣይኰነን ዚንገር ዘሎ። ገና ሓዳስ ሓራስ ኰይና ምስቲ ፍቁር ወዳ ኣብ መብልዕ ማል ኰይና፡ ሰብ ጥበብን ጓሶትን ናብቲ ንሳን ፍቁር ህጻን ወዳን ዘለውዎ ቦታ መጺኦም ዝበሉዎን ዝገበርዎን ኵሉ ምስ ተዓዘበት፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ኵነታት፡ “ማርያም ግና ነዚ ነገር’ዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።” ኢሉ መስኪሩላ ኣሎ (ሉቃ 2፡19)።
ጐይታና፡ ነዒንቲ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ካብ ዚፍውስ ንደሓር ኣብ ኢየሩሳሌም ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ ነበረ። ብድሕሪኡ ድማ “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ። እቲ ደገ-ኣባጊዕ ኣነ እየ፡ ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዚብል ከቢድ ትምህርቲ ይምህር ስለ ዝነበረ እቶም ተጻረርቱ ፈጺሞም ዓቕሎም ኬጽብቡ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ኣብ ልቦም ተደጕሉ ዜቕለልዎም ዝነበሩ ምእንቲ ኺገልጾ ሓደ ኣገዳስን በዳህን ሕቶ ሓተቶም። ነዚ ሕቶ እዚ ኺሓትቶም ከሎ፡ ብእኡ ፈጽፊጾም ንኺቐትልዎ ድሮ ኣብ ኣእዳዎም ኣእማን ጨቢጦም ነበሩ። ስለዚ ብቝጥዓ ደሞም ፈሊሑ፡ ምፍሳስ ንጹህ ደሙ ጸሚኦም ከለው፡ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩኒ ዘለኹም፧” ኢሉ በዳሂ ሕቶ ሓተቶም። እዚ ዝርርብ እዚ ናብ ምርምር ስለ ዜእትዎም፡ ብመጠኑ ቝጥዓኦም ኪበርድ ዚሕግዝ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ “ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካ ኣይኰነናን ብእምኒ እንቐትለካ፧” ኢሎም ካብ ዘረባኡ ንላዕሊ ግብሩ ይረትዖም ከም ዝነበረ ተኣመኑ (ዮሃ 10፡31-33)።
“ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ።ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶምን።” ሉቃ 2፡38 ከምቲ ሕጊ-ሙሴ ዚእዝዞ፡ ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም መዓልታት ምንጻሃ (40 መዓልታት) ምስ መልአት፡ ነቲ እንኮን በዅርን ውሉዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቝማ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ኽትገብሮ፡ እቲ ንምንጻሃ ዚግባእ መስዋእቲ ኽትውፍይ ምስ ዮሴፍን ወዳ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ናብ ቤት መቕደስ ከደት (ዘጸ 13፡2 ዘሌ 12፡4,6,8)። ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ተኣዚዞም እናፈጸምዎ ኸለው ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክልተ ነብያት ናባታቶም መጹ። እቲ ቐዳማይ፣ ስምኦን ኪኸውን ከሎ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ሃና ጓል ፋኑኤል ነበረት። ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ ከኣ ብዛዕባ ሃና ጓል ፋኑኤል ዜዘንትው እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ