S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ንሳቶም ከኣ፡ ‘ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን’ኳ ተራእይዎ’ በሉ።”ሉቃ 24፡34። ጐይታና፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ለመንኩድሕሪ ምባሉ፡ንስኻ ምስ ተመለስካ ድማ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮምኢሉ ተማሕጺንዎ ነበረ። እዛምስ ተመለስካእትብል ቃል ካብ እምነት ርሒቑ ከም ዝነበረ ዜመልክተና እዩ። ኣብታ ህሞትቲኣኣ ኻብ እምነት ስለ ዝረሓቐ ድማ ብቐሊል ምፍርራህ ኪኽሕድ ዝኸኣለ። ምስ ተመልሰ ኼጸናንዖም ዚንገሮ ዘሎ፡ ንሳቶምውን በታ ሚሔ ናይ ሰይጣን ካብ እምነቶም ተዳኺሞም ስለ ዝነበሩ እዩ። ምኽንያቱ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ፡ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለው፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖም ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎምብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማር 1614)

እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያና ሰሪዓትልና ዘላ ናይ ዕለት ንባብ ናይ ወንጌል፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታኦም ድሕሪ ምስምዖም እኳ ተስፋ ቘሪጾም ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ገጾም ዚጐዓዙ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣስፊሑ ኣዘንትዩልና ኣሎ። ናይቲ ኻልኣዩ ስም እኳ እንተ ዘይተፈልጠ ናይቲ ሓደ ስም ግና ቀለዮጳ ነበረ። ስለዚ ካብ ሃዋርያት ዘይኰኑስ ካብቶም 72 ኣርድእቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ክልተ ሰባት ብዛዕባ ፍጻሜታት ናይቲ ሳልስቲ እናተዘራረቡ ኺጐዓዙ ኸለው፡ ጐይታ ኸም ሓላፍ መገዲ ተመሲሉ ተጸምቢሩ መጓዕዝቶም ኰነ። ዘይፈልጥዎ ጋሻ ተጸምቢርዎም ክነሱ፡ ገና ኣርእስቶም ከይለወጡ ዝርርቦም ቀጸሉ። ጐይታ ብዛዕባ ተጨኒቖም ዚዘራረብሉ ዘለው ጕዳይ ምስ ሓተቶም ስነ ልቦናዊ ዀነ መንፈሳዊ ሃለዋቶም ከም መስትያት ቀሊዑ ዜርእይ ሓጺር ጽሟቕ መልሲ ሃብዎ። እቲ መልሲ ብዛዕባ መንነትን ዓይነት ህይወትን ናይ ጐይታ ዜደንቕ መግለጺ ዝሓዘ ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡንውን ዜጠቓልልዩ።

እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም።ዮሃ 2025። 

ድሕሪ ትንሳኤ ጐይታና፡ እዚ ሰንበት ኻልኣይ ሰንበት እዩ። ብፍላይ እዛ ሰንበትዚኣ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ኣብ ሓደ ዕጹው ገዛ ብሓባር ተኣኪቦም ከለዉ፡ ብሃንደበት ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ዝተገልጸላ ዕለት ስለ ዝዀነትያ፡ዳግማይ ትንሳኤተባሂላ እትጽዋዕ እምበር፡ ጐይታስ ሓንሳእ እምበር ክልተ ሳዕ ኣይተንስአን። ኣብታ ቐዳመይቲ ሰንበት (ፋሲካ) ምድሪ ምስ መሰየ ጐይታ ነቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርቲ (ቶማስ ዘይብሉ) ተራእይዎም ነበረ። ንቶማስ፡ ጐይታ ኸም ዝተራእዮም ምስ ነገርዎ ምእማን ድሕሪ ምእባዩ፡ ካብታ ዝተንስኣላ ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ (ኣብ ካልኣይቲ ዳግማይ ሰንበት ማለት) ቶማስ ኣብ ዝነበረሉ ደጊሙ ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹንበሎም።

ርሑስ ብዓል ትንሳኤ ክርስቶስ!! እግዚኣብሄር ነዚ ኣብ ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ኣብ ውልቃዊ ህይወትናን ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ ዓብይ ጾም ወርሓት ብሰላም ስለ ዘፈጸመና ኽብሪ ነቲ ቕዱስን መፍርህን ስሙ ይኹን!! እዚ ኸም ኣርእስትና መሪጽናዮ ዘሎና፡እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ዚብል ሕቶኣዊ ኣርእስቲ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ኻብ ቅዱሳት ኣንስቲ ሓንቲ ዝዀነት ማርያም መግደላዊት ዝሓተቶ ሕቶ እዩ። 

“ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡ “ኣነ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ! ሕጂ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።. . .  ዘመን ምሕረትኪ ስአን ምፍላጥኪስ፡ ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን፡ ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሓድጉልክን’ዮም።” ሉቃ 19፡41-44

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ሰሪዓትልና ኸም ዘላ እዛ ሰንበትዚኣገብርኄር’’ ማለትሕያዋይ ባርያተባሂላያ እትጽዋዕ። እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኰና እቶም ምእማናን፡ በቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍና ዝሃበና ጸጋን ሓላፍነትን እሙናትን ሕያዎትን ኬንና ነገልግሎት እንተሊናን እንተ ዘየሊናን ርእስና ኽንምርምር ዝተሰርዓትልና መዓልቲ ኽኣያ። ኣብዚ ዝተነበበልና ኽፍሊ ወንጌል፡ እቲ ጐይታ ነቶም ኣገልገልቱ ኸከም ዓቕሞም፡ ነቲ ቐዳማይ ሓሙሽተ፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ ነቲ ሳልሳይ ድማ፡ ሓንቲ መክሊት ኸም ዝሃቦ ተገሊጹልና ኣሎ። ንኣታቶም ዝተዋህቦ ሓላፍነት ድማ፡ ተጊሆም ብምስራሕ ነቲ ዝተዋህቦም መክሊት ምብዛሕዩ።

ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።ዮሃን 311 እዛ ዕለትዚኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዳግማይ ልደትና ኸነስተንትን ዚሰርዓትልና መዓልቲ እያ። ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ሊቕ፡ ሕቡእ ወደ መዝሙር፡ በለይቲ ንጐይታ ኺረኽቦ ምስ መጸ፡ ጐይታካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን’’ ብምባል ኣገዳስነት ዳግም ልደት ብዘየማትእ መገዲ ገለጸሉ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ናይ ጐይታ ቓል መሰረት ብምግባር ብምስጢር ጥምቀት ካብ ማይ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ እንውለደሉ ናይ ጸጋ ኣገልግሎት ሰርዓትልና።

 ዓመጻ ስለ ዝበዝሐ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።ማቴ 2412። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ነዚ ሰሙንዚ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ሰሪዓትልና ኣላ። ምጽኣት መድሓኒና ምቕራቡ ኻብ ዜመልክቱና ኣገደስቲ ምልክታት ሓደ ድማ፡ ኵነታት ፍቕሪ ሓድሕድና እዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ ኸነስተንትን ከሎና፡ መብዛሕትና ነዛ ኣዝያ ኸተስግኣና ዚግብኣ ወሳኒት ትእምርቲ ፈጺምና ኣይነስተብህለላን ኢና። ፍቕሪ እትዝሕለሉ ምኽንያት ድማ ብብዝሒ ዓመጻ ስለ እተዕብለል ምዃኑ ጐይታ ኣግሂዱልና ኣሎ። ፍቕሪ ሰብ ብፍቕሪ ዓመጻ እናተዓብለለ ምስ ዚኸይድ፡ ብድሕሪኡ ንሰብ ምፍቃር ዕሽነት ኰይኑ ዚስምዓካ። ነቲ ርኹስ ረብሓ ዓመጻ ስለ እትሃርፎ፡ ነቲ ኸተፍቅሮ ዚግብኣካ ሰብ ክትዕምጾ ድሕር ኣይትብልን ኢኻ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div