ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ እተቐደሰት ሰንበት’ዚኣ ሰሪዓትልና ዘላ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱን ድኻታትን ኴንና ኸይንርከብ ዚሕልወና፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። እዚ ኣብቲ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ዓሻ ሰብኣይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃቦ በረኸት ብምእካቡ ኣይኰነን ዝተነቕፈ። ነቲ እግዚኣብሄር ዘብዝሓሉ በረኸት ኣብቲ ግራቱ ይርገፍ እንተ ዚሓድጎ’ሞ ዝገደደ ዕሽነትን ኣበሳን ምተቘጽረሉ ነይሩ። ነቲ ጽሑፍ ከም ዚግባእ እንተ ኣስተውዒልናሉ፡ እቲ ኣበሳኡን ዕሽነቱን፡ ብሓንትን ኣገዳሲትን ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ ኸኣ፡ እታ “ንርእሱ” እትብል ቃል’ያ።
ነዛ መርዛም ቃል’ዚኣ ለልዩ ዘይፈለጣን፡ ካብ ኵሉ ተግባሩን ህይወቱን ለቒሙ ዘይደርበያን ሰብ፡ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ምሉእ ዕድሚኡ፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ንዘለኣለም ምስ እግዚኣብሄር ተባኢሱን ተፈላልዩን’ዩ ዚነብር። ዋላ’ቲ ብሉጽ ግብሪ-ጽድቂ ንርእስኻ ኢልካ ምስ ገበርካዮ ናብ ውጹእ ግብሪ ዓመጻ’ዩ ዚልወጥ። ስለዚ ናይዚ ብእኽልን ብዕሽነትን ብማዕረ ዝሃብተመ ሰብኣይ ኣበሳ፡ ኣብቲ ምእካቡ ዘይኰነስ ኣብቲ ዝኣከበሉ ዕላማ’ዩ ተጋሂዱ። ምእካብ ኣበሳ እንተ ዚኸውን፡ እቲ ዚእከብ በረኸት ዘብዝሓልና ወሃቢ ኣምላኽውን ምሳና ሓቢሩ ኣበሰኛ ምዀነ ነይሩ። ከመይሲ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ እግዚኣብሄር፡ “እዚኣቶም ኵሎም (ፍጡራት) ምግቦም በብጊዚኡ ኽትህቦም፡ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ። ንስኻ ትህቦም ይእክቡ፡ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፡ ብጸጋውን ይጸግቡ ኣለዉ። ንስኻ ገጽካ ትኽውል፡ ይስምብዱ፡ ትንፋሶም ተውጽእ፡ ይሞቱ፡ ኣብ መሬቶም’ውን ይምለሱ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ 104፡27-29) ። ንመን ኢልናን ንምንታይ ዕላማን ክንእክብ ከም ዚግብኣና ዘይምፍላጥና ግና፡ ቀታሊ ዝዀነ ዘይምሕር ኣበሳ ይወልደልና ኣሎ። በቲ ንረብሓና ኢሉ ዚእክብ ነገር ብልግሲ ዝሃበና በረኸት ጌርና፡ ነቲ ወሃቢ ኻብ ምብዳል ዚኸፍእ ዕሽነት ኪህልው ከቶ ኣይክእልን’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ ፈትዩ ዝሃበና በረኸትሲ፡ ናብ ዜሕትት ዕዳ ንልውጦ’ለና ማለት’ዩ።
ነዚ ዅሉ ጉድ ትገብረና ዘላ ድማ፡ እታ ሰይጣን ንጥፍኣትና ኢሉ ዝዘርኣልና፡ “ንዅሉ ነገር ንርእስኻ ኢልካ ግበሮ፡ ንርእስኻ ጥራሕ ንበር” እትብል መርዚ’ያ እዚ ኣበሃህላ’ዚ “ንርእስኻ ኢልካ ምግባር ንምንታይ’ዩ ኣበሳ ዚኸውን፧” ዚብል ሕቶ ኣብ ልብና ኼለዓዕለልና ጽቡይን ባህርያውን’ዩ። እቲ መልሲ ድማ ብሩህን ንጹርን’ዩ። ንሕና ባዕላትና ናብ ህላወ ዝመጻእና ፍጡራት ኣይኰንናን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ህላወ ዘይብልና ፍጥረት ኢና። ፍጡራት ኣምላኽ ስለ ዝዀንና፡ እንውለደሉ ዀነ እንሞተሉ ዕለት ብኣምላኽ ጥራሕ ዚውሰን’ዩ። መዓልታት ህይወቱ ፈትዩ ኼንውሕ፡ ወይ’ውን ጸሊኡ ኼሕጽሮ ዚኽእል ሰብ የልቦን። ነዚ ሓቂ’ዚ ድማ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ ኣቴና (ኣቴንስ) ዝተዛረቦ ህያው ቃል ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። “(እግዚኣብሄር) ህይወትን እስትንፋስን ዜድልይ ኵሉ ነገራትን ንዅሉ ሰብ ዚህብ ስለ ዝዀነ፡ ዚጐድሎ ነገር የብሉን። ብኢድ ሰብ’ውን ኣይግልገልን’ዩ። ንሱ ካብ ሓደ ሰብ ንዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኸም ዚነብሩ ድማ ገበረ። ዚነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረታትን ሓገገሎም። እዚ ኸኣ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ (ኽነሱ)፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎን፡ ምናልባሽ’ውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኺረኽብዎ ኢሉ ገበሮ። ምኽንያቱ ገለ ኻብቶም ተቐነይትኹም፡ ‘ንሕና ደቂ ኣምላኽ ኢና’ ኸም ዝበሉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ ኢና ኸኣ (ብህይወት) ዘለና።” (ግብ 17፡25-28)። መሰረትን ዕላማን ህላዌና ንሱ እንተ ዀይኑ እምበኣር እንገብሮ ዅሉ ምእንትኡ ጥራይ እምበር ምእንቲ ርእስና ኪኸውን ከም ዘይብሉ ብዘይ መግለጺ ኺርድኣና ዚግብኦ ሓቂ’ዩ። ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ህያውን ግኡዝን ፍጥረት ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ፍጥረት ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ ግና እቲ ብመልክዑን ብምስሉን ዝተፈጥረ ሰብ’ዩ (ኢሳ 43፡6,7,21)። ስለዚ ወዲ ሰብ ዘበለ ዅሉ፡ ብዚሓስቦን ብዚዛረቦን ብዚገብሮን ኵሉ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይህብ ከም ዘሎ ኼረጋግጽ ይግብኦ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ንህይወትና ኽንመርሓሉ ዚግብኣና ሓደ ስሉሳዊ ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ። “ኵሉ ኻብኡ’ዩ ብእኡን ንእኡን ድማ’ዩ’ሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ፡ ኣሜን። . . .ንኣናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን፡ ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና። ኵሉ ብእኡ ዚኸውን፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና።” (ሮሜ 11፡36 ፣ 1ቈረ 8፡6)። ኣብ ህይወትና እንገብሮን እንዀኖን ኵሉ፡ ካብዘን ሰለስተ ኣገደስቲ ሓቅታት እንተ ተፈልዩ፡ ካብ ኣምላኽ ይፈልየና፡ ዓያሱን ከንቱን ይገብረና፡ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ኸኣ የስዕበልና። ካብ ኣምላኽ ዘይኰነን ዘይተገብረን፡ ብኣምላኽ ዘይተገብረን ዘይኰነን ንኣምላኽ ዘይተገብረን ዝተዀነን ኵሉ፡ ካብቲ ጸረ ኣምላኽ ዝዀነ ድያብሎስ’ዩ። እግዚኣብሄር ነቲ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን ዘይገብር ህዝቢ ኸም ጸላኢኡ ኸም ዚርእዮን ኣዝዩ ኸም ዚቝጥዖን ከም ዚፈርዶን ብንጹር ገሊጹ’ዩ።
“ ‘ኣቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡’ ይብል እግዚኣብሄር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡ ግናኸ ካባይ ኣይኰነን፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት (ምእንቲ) ኽትውስኹስ፡ ኪዳን ትተኣታተዉ ኣለኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን። ብሓይሊ ፈርኦን ክትሕይሉ፡ ኣብ ጽላል ግብጺ ኸኣ ክትጽግዑ ኢልኩምሲ፡ ናብ ግብጺ ትወርዱ ኣሎኹም ግናኸ ንኣፈይ ኣይሓተትኩምን። ስለዚ እቲ ሓይሊ ፈርኦን መነወሪኹም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ምጽጋዕኩም ድማ መሕፈሪኹም ኪኸውን’ዩ።” (ኢሳ 30፡1-3)
“መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር፡ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፡ ሕገይ ከኣ ግሂሶም እዮም’ሞ፡ (ጸላኢ) ከም ንስሪ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ኪወርድ’ዩ። ንሳቶም፡ ‘ኣምላኸይ፡ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና’፡ እናበሉ ናባይ ኬእውዩ እዮም። ግናኸ እስራኤል ንሰናይ (ስለ ዝደርበዮ)፡ ጸላኢ ኺስጕጎ’ዩ። ነገስታት ኣንገሱ፡ ግናኸ ብኣይ ኣይኰነን፡ መሳፍንቲ ገበሩ፡ ኣነውን ኣይፈለጥኩን።” (ሆሴ 8፡1-4)
እምበኣር ካብኡን ብእኡን ዘይንገብሮ ዅሉ ኻብ እግዚኣብሄር ፍርድን ጸበባን’ዩ ዚጽውዓልና።
እቲ ንርእሱ ገዲፉ ንኣምላኽ ኢሉ ኺነብርን ኪገብርን ዚኽእል ድማ፡ እቲ ኻብኡን ብእኡን ዚገብር ሰብ ጥራሕ’ዩ። ነቲ ኣምላኽ ብስልጣኑን፡ “ወዳጄ” ብዜብል ጥበቡን ዝሰርዖ ቕደም ተኸተል፡ ከነዘናብሎ፡ ክንዘልሎ ወይ’ውን በቋርጭ ብዅሊቱ ኽንኣትዎ ኣይከኣልን ኣይግባእን ከኣ’ዩ። ካብኡ ዘይተቐበልናዮ፡ ንሱ ብዘይቅበሎ ዓመጽ ዘምጻእናዮ ኽንህቦ እንተ በልና ኣይኪቕበለናን’ዩ። ብናቱ ሓይልን ምርሒትን ዘይኰነ፡ ብናትናን ባዕላትናን ብዝገበርናዮ ኣይኪሕጐሰልናን ኣይኪቕበለልናን ድማ’ዩ። ካብኡ ተቐቢልና ብእኡ ንዝገበርናዮ ዅሉ፡ ኣብ መወዳእታ ንእኡ ኢልና እንተ ዘይገበርናዮ ድማ፡ ግብሪ ዓመጻ እምበር ግብሪ-ጽድቂ ኣይኪቝጸረልናን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ሕጊ መለኮት፡ “ኵሉ ኻብኡ፡ ኵሉ ብእኡ፡ ኵሉ ንእኡ ይኹን” ኢሉ ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ።
ስለዚ ድማ’ዩ፡ ንርእስኻ ኢልካ ምእካብ ነዚ ኣብ ምስላና ዝተጠቕሰ ሰብኣይን ንኣናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱ፡ ድኻታት፡ ዓመጸኛታት ዚገብረና። ምንባርና፡ ምግባርና ዀነ ምሟትና ንእኡ ጥራሕ ኪኸውን ከም ዚግብኦ፦
“ካባናስ ሓደ’ኳ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር የልቦን፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ’ኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና ንጐይታ ኢና እንመውት’ሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ’ዩ ክርስቶስ፡ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።” ብዚብል ወርቃዊ ቓላት ተገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 14፡7,8)። ብመሰረት’ዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ ንርእስና ኢልና ኽንበልዕ፡ ክንሰትይ፡ ክንክደን፡ ክንሰርሕ፡ ከነጥርይ፡ ክንዋሰብ፡ ክንወልድ፡ ከነገልግል ወዘተ ኣይግባእን’ዩ። ንርእስና ኢልና ምስእንገብሮ፡ እዚ ንቡር ማሕበራዊ ንጥፈታት’ዚ ናብ ዓመጻውን ሓጥእን ተግባር ተለዊጡ ፍርዲ ይወልደልና ማለት’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር በቲ ሕሩይ ሃዋርያኡ ገይሩ፦
“እምበኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” ኢሉ ኣዘዘና (1ቈረ 10፡31)።
እዚ ረቂቕ ምስጢር ዝሓዘለ ሃዋርያዊ ቓል፡ “ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ምግባር ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧” ዚብል ሕቶ ኼለዓዕለልና ይግባእ’ዩ። ኣብቲ ሓንጐልና “ንኽብሪ ኣምላኽ ኢለ እበልዕ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢለ እዋሰብ ኣለኹ” ኢልና ብምሕሳብ ጥራሕ ምግባር ማለት ከም ዘይኰነ መቸም ርዱእ’ዩ። ነቲ ኣፈጻጽማኡን ኣተሓሕዛኡን ንኣምላኽ ብዜኽብር መገዲ ምግባር ማለት ደኣ’ዩ። ሓጥእ ብዝዀነ መገዲ ብዓመጽ ዝተረኽበ እንጌራ፡ ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ እንተ በላዕካዮ፡ ብኣምላኽ ምልጋጽ እምበር፡ ንኣምላኽ ምኽባር ኪቝጸረልካ ኣይክእልን’ዩ። ዋላ ብቕንዕናን ብጽድቅን ዝተረኽበ እንጌራውን እንተ ዀነ፡ ብጽድቂ እንተ ዘየመሓደርካዮ፡ “ንኽብሪ ኣምላኽ ኣውዒለዮ” ምባልካ ውርደት’ምበር ክብረት ኣይኰኖን’ዩ። ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ምውሳብካ ዚፍለጥ፡ ነቲ ሓዳርካ ንኣምላኽ ብዜኽብር መገዲ ኸም ፍቓዱ ጌርካ እንተ ነበርካዮ እዩ።
ንርእስና ኢልና ኽንነብር ዘየኽእለና ኻልእ ዝዓበየን ዝኸበረን ምኽንያት’ውን ኣሎና። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
“ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ፡ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።”
ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ (2ቈረ 5፡15)። ስለዚ ድሕሪ ሞት ክርስቶስ፡ ምእንትኡ ምንባር ሓዲግካ ምእንቲ ርእስኻ ምንባር ማለት፡ ንሞቱ ኸንቱ ምግባር፡ ንኽቡር ደሙ ምርጋጽ፡ በቲ መሪር ስቓዩ ምልጋጽ ማለት’ዩ። ምእንቲ ርእስኻ ምንባር ማለት፡ ነቲ ምእንታኻ ዝሞተ ጐይታ ምጥላምን ምዕማጽን ማለት’ዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ መዓልቲ መጸ ነዚ ጥልመትን ዓመጽን’ዚ እናፈጸምናዮ ኽነስና፡ ከም ንጹሃት ኴንና ብዘይ ዝዀነ ስክፍታን ወቐሳ ሕልናን ንነብር ምህላውና’ዩ። ንሕና እቶም ዓመጽትን ጠለምትን ሕልናና ኣደንዚዝና ቐሲንና ንነብር እንተ’ሊና’ኳ፡ እቲ ዝተጠልመን ትርጉም ሞቱን ትንሳኤኡን ዘቃለልናዮ ጐይታ ግን ኣዝዩ ይጕህየልና ኸም ዘሎ፡ ብግብራዊ ንስሓ ኣካይዳናን ዕላማናን እንተ ዘየቕኒዕና ድማ ኪብቀለናን ሕነ ደሙን ሞቱን ኪፈድየና ምዃኑን ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ።
ጐይታና ባዕሉ፡ ነቲ ቕዱስስጋኡ ቘሪሱ፡ ነቲ ኽቡር ደሙ ኣፍሲሱ፡ እንጌራ ህይወት ገይሩ ዝሃበና፡ ምእንትኡ ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ምዃኑ፦
“ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ’ሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘለኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር’ዩ።” ብምባል ኣብሪሁልና’ዩ (ዮሃ 6፡57)። እምበኣር፡ ካብዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ መለኮታዊ ሓቅታት ከም ዝተገንዘብናዮ፡ ንርእስና ኢልና ኽንነብርን ክንገብርን ኣይተፈጠርናን። ንርእስኻ ኢልካ ምንባርን ምግባርን ኣንጻር-ሕገ ተፈጥሮናን ኣንጻር ሕጊ መለኮትን ምምልላስ’ዩ። ናይዚ ዅሉ ኣብ ዓለምና ገኒኑ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን መንፈሳውን ቅልውላዋት ጠንቂ ድማ ንሱ’ዩ። ሰብ ነቲ ዝተፈጥረሉ ዕላማ እንተ ዚቐውም፡ ንርእሱ ምንባር ሓዲጉ ንኣምላኽ ጥራሕ እንተ ዚነብር፡ ዓለምናን ሓዳርናን ኣብያተ ክርስትያናትናን ናብ ገነት ምተለወጣ ነይረን። እግዚኣብሄር በቲ ረቂቕ ጥበቡን በቲ ዕዙዝ ሕያውነቱን ዝመኸረልና ንሱ’ዩ ነይሩ። ነቲ ሕጉን ምኽሩን ረጊጽና፡ በቲ ሰይጣናውን ስስዕታውን ጥበብ ክንከይድ ምስ መረጽና ግና፡ ምድርና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብራናን ንሕናን እሾዅን ዳንዴርን ኣብቍልና ብገዛእ ምርጫና ብመሪር ስቓይ ንሓልፍ ኣለና።
እምበኣር ሕጂ ብልብና መገድና ንሕሰብን ንመርምርን’ሞ፡ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ። ነቲ ዝደርበናዮ መለኮታዊ ጥበብ ኣልዒልና፡ ንርእስና ምንባር ንሕደግ’ሞ ምእንቲ’ቲ ዝሞተልና ክርስቶስ ንንበር። ብዘይ’ዛ ጥበብ’ዚኣ ዚንበር ህይወት ክርስትና፡ ናይ ተዋስኦ ናብራ እምበር ሓቀኛ ህይወት ኣይኰነን። ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዚጽበየና ዘሎ ዘለኣለማዊ ናብራ ድማ ጽቡቕ ኣይኪፈድየናን’ዩ። እምበኣር ንርእስኻ ምንባር ጽያፍና፡ ንኣምላኽ ምንባር ድማ ክብርና እንገብር ጠቢባን ንኹን።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ