S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም.!!

“...ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም. . ኵላቶም ረኣይዎ’ሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ ‘ኣጆኹም ኣነ’የ፡ ኣይትፍርሁ’ ኢሉ ተዛረቦም። (ማር 6፡48,50)። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ሕጊ-ተፈጥሮ ምዃኑ ብዛዕባ ዘመስከረ ተኣምር ዜዘንትው’ዩ። ብጃልባ ናብ ማዕዶ ኺሳገሩ ኣሰናቢትዎም ድሕሪ ምኻዱ፡ ምስቲ ዝለኣኾ ፍቁር ኣቦኡ ብጸሎት ኪላዘብ ናብ ከረን ደየበ። ኣበየናይ ሰዓታት ከም ዘሰናበቶም እንተ ዘይነገረና’ኳ፡ ኣብ ራብዓይ ምቃል ለይቲ (ካብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኽሳዕ ወጋሕታ ሰዓት ሽዱሽተ ዘሎ ጊዜ) ኣብ ማእከል ባሕሪ ገሊላ ብማዕበል ኪናወጹ ጸንሕዎ።

ቅድሚ ሕጂ ንሱ ምሳታቶም ኣብ ጃልባ ኸሎ ንዘጋጠሞም ማዕበል፡ “ጐይታይ፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን’ዩ” ብምባል ኬድሕኖም ለሚኖምዎስ ረዲእዎም ነበረ። ሕጂ ኸይልምንዎ ግና ምሳታቶም ኣይነበረን። ስለዚ ህይወቶም ቀቢጾም ኣብ ብርቱዕ ጭንቀት ነበሩ። ከማታቶም ብዘይካ ብጃልባ ብኻልእ መገዲ ንባሕሪ ኺስግር ይኽእል’ዩ ዚብል ግምት ኣይነበሮምን። ኣብታ እተጨንቕ ሰዓት፡ ኣብቲ ብማዕበል ዚገላበጥ ዝነበረ ማያት፡ ከም ኣብ ደረቕ ምድሪ ብእግሩ እናሰጐመ ናባታቶም ዚቐርብ ሰብ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ነቲ መለኮታዊ መንነቱ ግዲ ዘየስተውዓልዎ ዀይኖም እቲ ንረዲኤቶም ዝመጸ ጐይታ፡ ምትሃት (ብኣካል ዝተገልጸ ርኹስ መንፈስ) መሲልዎም ክሳዕ ዚጭርሑ ሰምበዱን ረዓዱን። ጐይታ ነቲ ድርብ ጭንቀቶም ምእንቲ ኼህድእ ኢሉ፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ’የ ኣይትፍርሁ” በሎም። ንሱ ናብቲ ጃልባ ምስ ኣተወ ድማ፡ እቲ ቝጡዕ ማዕበል፡ ብዘይ ናይ ቃል ትእዛዝ ጸጥ ኢሉ ሰላማዊ ዀነ።

ዝበዝሕ ጊዜ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራዊ ዛንታ ኸነንብብ ከሎና፡ ኣብቲ ፍሉይ ተኣምራዊ ተግባር’ምበር፡ ኣብቲ ንእኡ ዜሰንይዎ፡ ተኣምር ዘይመስሉ ግን ከኣ ናይቲ ተኣምር መበገሲ ዝዀነ ዘይነድህበሎም ተግባራት ኣለዉ። ኣርእስትና ኣሚቱልና ኸም ዘሎ፡ እቲ “ኪጭነቑ ረኣዮም” ዚብል ሃይለ ቃል፡ “እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ” ኻብ ዚብል ቃል ንላዕሊ ኣዝዩ ዜገድስ’ዩ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ምርኣይ፡ ካብቲ ናትና ምርኣይ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ሓቛኒ ማዕበል ሕጂ ምስተኸስተ ዘይኰነስ፡ እቲ ባሕሪ ገና ኸይተፈጥረ ኸሎውን ርእይዎ’ዩ። ኣሽንኳይ ማዕበል ናይ ሓደ ግዙፍ ባሕሪ፡ ሓደ ድቂ ኣብ ማህጸን ወላዲቱ እናተኣልመ ኸሎ’ኳ ዚርኢ ኣምላኽ’ዩ። እግዚኣብሄር ኣብቲ ብልዕልቲ ፍቓዱ ዝኣተኻዮ ኵነታት፡ ኣዒንቱ ኣባኻ ተኺሉ ዚከታተለካ ሰብ ምዃን ኣዝዩ ዓብይ ትዕድልትን ተኣምርን’ዩ። እቲ ልቢ ኣምላኽ ዘይሕብኦ ቕዱስ ዳዊት፡ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም’የን” ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (መዝ 34፡15)። ነዚ ሓቂ ብስፍሓት ንምግላጽ ድማ፡ ደጊሙ፦

 

“እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት የማዕዱ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጥምቶም፡ እቲ ልቢ ዅላቶም ዚሰርሕ፡ ተግባር ኵላቶም ከኣ ዜስተብህልሲ፡ ንሱ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቦታ ማሕደሩ ይምልከቶም እዩ።  . . .እንሆ፡ ንነፍሶም ካብ ሞት ከተናግፋ፡ ብዘመን ጥሜትውን ብህይወት ከተንብሮም፡ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብቶም ዚፈርህዎ፡ ናብቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዚገብሩ እያ።”

ኢሉ ዘመረ (መዝ 33፡13-15,18,19)። ካብዚ ቓል’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰብ ዚጥምትን ዚምልከትን’ኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ንዘልኣለም ኣዒንቱ ኼዕርፈሎም ዚብህግ ግና፡ እቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዚገብሩ ፈራህቱ ምዃኖም ኣረጋጊጽና ኣሎና (እዮ 14፡16 ፣ 24፡23)።

 

ነዚ ፍሉይ ባህርይ’ዚ ኸተስተውዕልን ብእኡ ኽትግረምን ዝተዓደለት ግብጻዊት ገረድ ከም ዘላ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘንትዩልና ኣሎ (ምሳ 5፡21 )። እዛ ንእግዚኣብሄር ካብ ዘይኣምኑ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ካብ ዝዀኑ ኣህዛብ ዝተወልደት ሰብ፡ ካብ ኣብርሃም ድቂ ድሕሪ ምሓዛ፡ ምስ እመቤታ ሳራ ስለ ዘይተቓደወት፡ ሃዲማ ኻብቲ ገዛ ሃጽ ኢላ ጠፍአት። ብገንዘቦም ዝዓደግዋ ንብረቶም ስለ ዝነበረት፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ወራሲ ዚዀኖም ዘርኢ ኣብ ማህጸና ዘንበሩላ ስለ ዝነበረት፡ ኣብርሃምን ሳራን ብምጥፋእ ገረዶም ኪቐስኑ ኣይክእሉን’ዮም። እንተ ዀነ፡ ካብ ኣዒንቶም ተሰዊራ ነበረት። ነቲ ኣብ ማሕደሩ ዀይኑ፡ ንዅላቶም ደቂ ሰብ ዚቋመት ኣምላኽ ግና ኣይተሰወረቶን። መልኣኹ ልኢኹ ኣብ ኣጻምእ በረኻ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ረኸባ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ማህጸና ዘሎ ተባዕታይ ድቅን ናይ መጻኢ ጽሕፍቶኡን ዘርዚሩ ነገራ። ንመከራአ እግዚኣብሄር ከም ዝረኣዮን ከም ዝሰምዖን ድሕሪ ምርግጋጹ ድማ፡ ምስ እመቤታ ብሰላም እትነብረሉ መንፈሳዊ ጥበብ ኣስኒቑ ፡ ናብ እመቤታ ኽትምለስ ነገራ። ንሳ “ኻብ ኵሉ ሰብ ተሓቢአ’የ፡ ዚርእየኒ የለን፡ ነቲ ኻብ እመቤተይ ዝወረደኒ መከራ’ውን ዝረኣለይን ዚርእየለን ሓደ’ኳ የልቦን” ትብለሉ ኣብ ዝነበረት ሰዓት፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብግልጺ ተራእዩ ምስ ኣዛረባ ኣዝያ ተገረመት። ከምዚ ከም ዝበለት ድማ ቅዱስ መጽሓፍ ኣዘንትዩልና ኣሎ። “ንሳ ድማ፡ ‘ነቲ ዚርእየንስ ኣብዚዶ ርእየዮ’ ኢላ፡ ስም ናይቲ ንእኣ ዝተዛረቦ እግዚኣብሄር፡ ‘ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ’ ኢላ ኣውጽኣትሉ።”(ኤር 16፡17 ፣ 32፡19)። ካብቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝዀኑ እስራኤላውያን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዝተገንዘቦን፡ ከምዚ ገይሩ ነቲ ሓቀኛ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ዝገለጸን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰፈረን ሓደ’ኳ የልቦን።

 

እስራኤላውያን፡ ንኣስታት 400 ዓመታት ኣብ ግብጺ ብመሪር ባርነት ምስ ተሳቐዩ፡ ዓቕሎም ጸበቦም። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ፈጺሞም ረሲዖምዎ፡ ንጓኖት ናይ ጣኦታት ኣማልኽቲ የምልኹ ስለ ዝነበሩ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይጽልዩ ኣይነበሩን። እግዚኣብሄር በቲ ኣካይዳኦም ኣዝዩ ሕዙን’ኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ግን ኣይረስዖን። ናብ ከምዚ ዝበለ ባርነት ከም ዚኣትው’ውን ገና ይስሃቅ’ኳ ኸይተወልደ ኸሎ ንኣብርሃም ገሊጹሉ’ዩ። እዚ ዅሉ መከራኦም ድማ ካብ ኣዒንቱ ኣይተሰወረን። መከራ ህዝቡ ይርእይ ከም ዝነበረ ድማ እቲ ቕዱስ ቃሉ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። “. . .ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ፡ እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ። ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዐ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረኣየ፡ ኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ።” እምበኣር፡ ካብዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ሓሳባት፡ “እግዚኣብሄር ረኣየ” ማለት “ደንገጸ፡ ረድአ” ማለት’ዩ። መብዛሕትኡ ጊዜ ኽብድ ብዝበለ መከራ ወይ ፈተና ኽንሓልፍ ከለና ግና፡ እግዚኣብሄር ዘይርእየና ዘሎ፡ ፈጺሙ ዝረስዓና፡ ኪረድኣና’ውን ከም ዘይደልይ ጌርና ኢና እንሓስብ። እዚ ድማ ካብቲ ብደገ ዀይኑ ዜናውጸና ዘሎ ማዕበል ፈተና ንላዕሊ ዚኸፍእ ናይ ቀቢጸ-ተስፋን ጭንቀትን ማዕበል የለዓዕለልና። እዚ ማዕበል ጭንቀት’ዚ ንርእሱ ሓጢኣት ምዃኑ ኸይኣኽሎ ኸኣ ኣብ ህይወትና ኻልእ ብዙሕ ሓጢኣት ከም እነብዝሕ’ዩ ዚገብረና። ጭንቀት፡ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ’ዩ፡ “ኣይትጨነቑ” ዚብል ትእዛዝ ብተደጋጋሚ ዝተዋህበና። ምኽንያቱ ዝተጨነቐ ሰብ፡ ሓሳቡን ቃላቱን ተግባሩን’ዩ ዚበላሸው። ኣብቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ናይ ማር 4፡35-41 ዛንታ፡ ማዕበል እናገላበጦም ከሎ፡ ጐይታ ግና ኣብ ድሕሪት ናይታ ጃልባ ደቂሱ ምስ ረኣይዎ፡ “ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን’ዩ” ኢሎም ብናይ ወቐሳን ነቐፋን ስምዒት ለመንዎ። ሃዋርያት ዚኣኽሉ ሕሩያት ሰባት ብዛዕባ’ቲ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ጐይታ፡ ከምኡ ኺብሉ ፈጺሙ ኣይምተገብአን። ጭንቀት ግን፡ እንታይ’ዩ’ሞ ዘየብል፧ ስለዚ ድማ’ዩ ጐይታ፡ ነቲ ማዕበል ቅድሚ ምግናሑ፡ “ኣቱም ጕዱላት እምነት” ኢሉ ዝነቐፎም።

እስራኤላውያን ዝፈጸምዎ ኸበድቲ ኣበሳታት፡ ብቐጥታ ብጭንቀት ዝተደረኹ እዮም (ዘጸ 14፡10-12 ፣ ዘጸ 17፡1-4 ፣ ዘሁ 11፡1-6,31-33 ፣ 14፡1-5,10 ፣ 21፡4-5)። ኣብ ክብድ ዝበለ ዅነታት ኪኣትው ኸለው፡ እምብዛ ኻብ ምጭናቖም ዝተላዕለ ኣብ ልዕሊ ሙሴን እግዚኣብሄርን ብርቱዕ ምጕርምራም የጕረምርሙ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉ ይለዓሉ፡ ካልኦት መራሕቲ መሪጾም ናብ ናይ ግብጺ ባርነት ብዛዕባ ምምላስ ይሓስቡን፡ ተግባራዊ ስጕምቲ ይወስዱን ነበሩ። እዚ ድማ ጭንቀት፡ መበቈል ናይ ካልኦት ዝኸበዱ ኣበሳታት ምዃኑ ዓብይ መረጋገጺ’ዩ። ጭንቀት ማለት፡ ንእግዚኣብሄር ኰነ ንባህርያቱን ግብርታቱን ፈጺምካ ኸተቕልበሉን ክትእመኖን ክሳዕ ዘይትኽእል ምሕሳብ ማለት’ዩ።

 

ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ንእግዚኣብሄር ዘይባህርዩን ዘይመንነቱን ክትህቦ ኢኻ እትቕሰብ። እስራኤላውያን ኵነታቶም መሪርዎምን ኣጨኒቕዎምን ምስ ተሸገሩ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዘይናቱ ባህርይ ኣልገቡሉ፡ ንሱ ግና ብዛዕባ ርእሱ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ መለሰሎም። “ጽዮን ግና፡ ‘እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ሓዲጉኒ፡ ጐይታ ረሲዑኒ’፡ በለት። ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠብው ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ’ዩ፧ ዋላ’ኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን’የ። እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣለኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ’ዩ።” (ኢሳ 49፡14-16  )። ከምዚ ገይሩ ኣዒንቱ ኣባኻ ተኺሉ ፍቅሩን ሓልዮቱን ይገልጽ ንዘሎ ኣምላኽ፡ “ራሕ ኣቢሉ ሓዲጉኒ፡ ረሲዑኒ” ኢልካ ከም ሓደ ጠላምን ጨካንን ጌርካ ምግላጽ ከቢድ ሓጢኣትዶ ኣይኰነን፧ እምበኣር ጭንቀት ከምዚ ገይሩ’ዩ ዜበላሽው። ኣብ ልብና ዘርኢ ጭንቀት እናዘርአ፡ ናኣናን ንኣምላኽናን ብሓንቲ ዅነታትን ኣብ ሓደ ጊዜን የዋርደና። ናይ ጭንቀት ዝዓበየ ግደይ እምበኣር፡ ኣምላኽ’ምበር ንሕና ኣይኰንናን። ጭንቀት፡ ንሕና ኣንጻር ኣምላኽ ንኽንለዓል ዚገብር ናይ ሰይጣን ኣጽዋር’ዩ።

በዓል ቤት ኣቦና እዮብ፡ ዓሰርተ ደቃ መምስ ስድራ ቤቶም ምስ ጸነቱ፡ ኵሉ ሃብታ ጠፊኡ ደኽያ ምስ ተረፈት ብጓህን ብጭንቀትን ምስ ኣምላኽ ተባኢሳ ኸሓደቶ። እቲ እሙን በዓል ኪዳን ግና፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ሓባር መከራኦም፡ ብኸቢድ ቍስለተ-ስጋ ተወቒዑ መሪር ስቅያት እናተሳቐየ’ኳ ብኸናፍሩ ኸይሓጥአ ጸኒዑ ምስ ረኣየቶ፡ “ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር ኣለኻ፧ ንኣምላኽ ግዳ ኸሓዶ’ሞ ሙት” ኢላ ክትምዕዶ ፈተነት(እዮ 2፡9)። ናይ ጭንቀት ዕላማ እምበኣር እዚኣ’ያ። ምስ ኣምላኽ ከተካሕደካ’ያ እትመጽእ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ እትሓልፎ ዘለኻ ጸበባ፡ “እግዚኣብሄር ክሒዱኒ’ዩ” ዚብል ዘይክዉንነታዊ ስምዒት ስለ ዜላዓዕለልካ’ዩ። ናይ ዘይተፈጸመ በደል ሕነ ዝፈደኻ መሲሉካ፡ ንኣምላኽ ክትክሕዶ፡ ዘይባህርዩ ኸተልግበሉ ትፍትን። ነቲ ረቂቕ መፈንጠራ ናይ ድያብሎስ እምበኣር፡ ኣዚና ነቕልበሉ። በቲ ዝወረደካ ጸበባ ንኣምላኽ ከይተኽብር፡ ንርእስኻውን ከይትረብሕ፡ ሰይጣን ዜዳልወልካ መጻወድያ፡ ጭንቀት’ዩ።

እቶም ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳን ግና፡ ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ዜጨንቕ ኵነታት፡ ብጭንቀት ዘይኰነ ብሓጐስ ናይ ምሕላፍ ምርጫ ይወስዱ፡ ነቲ ሓጐስ ዜምጽእ ጥበብ ከኣ ይጥቀሙሉ። ነብዪ ኣንባቆም፡ ኣብ ኣዝዩ ዜስግእ ኵነታት እንታይ ምርጫን ጥበብን መሪጹ ብሓጐስ ኪሓልፎ ኸም ዝኸኣለ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። “ኦም በለስ ኣይኪፈርይን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን፡ ኣውልዕ ኺጠልም ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን’ዩ። ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና’የን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል’የ። ልዑል እግዚኣብሄር ሓይለይ’ዩ፡ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ የደልድለን፡ ኣብ እምባታት’ውን ኪሕልወኒ’ዩ።” (ኣን 3፡17-19ካ.ት)።  ነዚ ጥበብ’ዚ ብዙሓት ቅዱሳን ተጠቒሞምሉ እዮም ( መዝ 32፡10 ፣ 33፡21 ፣ 40፡16 ፣ 68፡3 ፣ ዘካ 10፡7)።     እምበኣር ንሕና’ውን ነቶም ዚፈታተኑና ኵነታት፡ ብጭንቀት ናይ ሰይጣን ዘይኰነስ ብሓጐስ ናይ ኣምላኽ ንግጠሞም። ሽዑ በቲ ኺሃስየና ዝመጸ ዅነታት፡ ኣዚና ርቡሓት ክንከውን ኢና።እቶም ኣብ መከራ ኺሕጐሱን ጭንቀት ኬወግዱን ዚኽእሉ ግና፡ እቶም ኣብ ጊዜ ማዕበል ጐይታና ይርእዮም ከም ዘሎ ዚኣምኑ ጥራሕ’ዮም። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ መከራኻ ዘይርእየካን ዝጠለመካን ኰይኑ ብዝተሰምዓካ ኣምላኽ ክትሕጐስ ፈጺምካ ዘይከኣል’ዩ። ልክዕ ከም ኣጋር፡ ንእግዚኣብሄር “ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ” ኢሉ ዘይጽውዖ ሰብ፡ ብማዕበላት እንተ ሰጠመን እንተ ተሓምሸሸን ኣየገርምን’ዩ። ከም ነብዪ ኤርምያስ፡ ብትብዓት፡ 

“ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፡ ዐብዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ኣብ ኣፎም ቀረባ ኢኻ፡ ካብ ኰላሊቶም ግና ርሑቕ ኢኻ። ንስኻ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ትፈልጠኒ፡ ትርእየኒ፡ ልበይ ከኣ ንኣኻ ኸመይ ምዃኑ ትምርምር ኢኻ። ከም ኣባጊዕ ንማሕረዲ ጓትቶ፡ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፍለዮም።”

ኪብል ዘይከኣለ ሰብ ዕንቅፋቱን መስበርቱን ብዙሕ’ዩ ዚኸውን (ኤር 12፡2,3) ። ዝዀነ ዓይነት ማዕበል ካብ መሰረትካ ኼናውጸካ ኣብ ዜዕለብጠሉ እዋን፡ እግዚኣብሄር ይርእየካ ኸም ዘሎ ዘክር። ሽዑ ኣብ ልዕሊ’ቲ ማዕበላት ብህድኣትን ሰላምን ክትጐዓዝ ኢኻ። እቲ ማዕበል ምግልባጡ ወይ ምህድኡ ዘይኰነስ፡ እግዚኣብሄር ኣዒንቱ ተኺሉ ይርእየካ ኸም ዘሎ ጥራሕ የገድስካ። ምኽንያቱ ንስኻ ሓደ ወዱ ዝኸፈለልካ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክቡር ፍጥረት ኢኻ (ኢሳ 49፡)!! 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ነሓሰ 4 , 2019 (ሓምለ 28, 2011ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 64/65፡9 “ሐወፅካ ለምድር ወአርወይካ። ወአብዛኅኮ ለብዕላ። ፈለገ እግዚኣብሔር ምሉእ ማያተ።” “ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም።”

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቄላሰ 1፡1-11

ዲያቆን

ወንጌል፡ ማር 6፡47-ፍጻሜ

ያዕቆ 1፡5-14

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ(ንኣኵተከ)

ግሃ 27፡12-20 

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div