“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” (ሉቃ 4፡52)
ጐይታና ኢየሱስ፡ ካብታ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚሩ ከም ኵሉ ኣተዓብያ ሰብ፡ ብኣካል ስጋን በእምሮን ዓበየ፡። ኣብ ሉቃ 2፡40፡ “እቲ ህጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽ’ውን ምስኡ ነበረ።” ብዚብል ቃል እቲ ዂለንተናዊ ዕብየቱ ተገሊጹ ኣሎ። ብኣካል ስጋ ጥራይ ዓብዩ፡ ብመንፈስ እንተ ዘይዓብይ ነይሩ፡ ዕብየቱ ንዕብየት መብዛሕትና መሲሉ ምተረፈ ነይሩ። ኣብቲ ናትና ኣተሓሳባ፡ ዝዀነ ህጻን ተወሊዱ ብስጋ ኺዓብየልና እምበር ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕብየት ውላዱ ዚሓስብ ዳርጋ የብልናን። ነዚ መንፈሳዊ ዕብየት ፈጺምና ኻብ ኣእምሮና ስለ ዘዋደቕናዮ፡ ዋላ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን በጺሕና ኽሳዕ ሽምግልና’ውን በቒዕና ኽነስና ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ተደሪትና ክንነብርን ክንመውትን ንረኣይ ኣሎና። ጐይታና ግና እቲ ኽንዓብዮ ዚግባና ዓይነታዊ (ideal) ማለት መንቅብ ኣልቦ፡ ምሉእ ፍጹም፡ ዚወጾ ዘይብሉ ዓይነት ኣተዓባብያ እንታይ ከም ዚመስል ብግብሪ ኣርእዩና እዩ።
እዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሄር ወልድ ብኣካል ስጋ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ቃና ዘገሊላ ቐዳመይቲ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ፡ ኽብሩ ድማ ዝገለጸላ መዓልቲ እንዝክረላ መዓልቲ እያ። እቲ ስጉው ቃል፡ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ስጋዊ ህይወቱ ዀነ ኣብ ማሕበራዊ ሓላፍነታቱ፡ ብዘይካ ብሓጢኣት ብዅሉ ነገር ከምዚ ኸማና ዀይኑ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ መርዓ እንተ ዓድምዎ ይኸይድ፡ እንዳ ፈተውቱ፡ እንዳ ጸላእቱ ከይተረፈ፡ ብቓላቱ ኼፈንጥርዎ ኢሎም ኣብ ዝዓደምዎ ዕድመ ኸይተረፈ ይኸይድ ነበረ። ዝዀነት ትኹን ዓይነት መድረኽ ወንጌል ንምስባኽ ይጥቀመሉ ነበረ። ነዛ ተዓዲሙላ ዝነበረ መርዓ ድማ፡ መለኮታዊ ኽብሩ ንምግላጽ ዝመረጻ መድረኽ ነበረት። ናብቲ መርዓ ምስናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲቱን ምስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱን ተዓዲሙ ኸደ። ምናልባት ብስጋ ብዝምድና ናይ ዚብጽሕዎም ሰባት መርዓ ነይሩ ኪኸውን ይክእል እዩ።
ኣብ ቅንያት ልደት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጐሊሖም ካብ ዝተራእዩ ባህርያት ኣምላኽ ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምምራሕ ባህርይ እዩ። ብዓብዩ ንሰብ-ጥበብ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ናብታ ጐይታና ዝነበራ መብልዕ ማል መሪሑ ኸም ዘምጽኦም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተማሂርና ኢና። ነቲ ቕዱስ ህጻን ስግደትን ገጸ በረኸትን ኣበርኪቶም ናብ ሄሮድስ ኪምለሱ ምስ ሓሰቡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብራእይ ለይቲ ተገሊጹ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ዓዶም ኪምለሱ እምበር ናብ ሄሮድስ ከየላግሱ ነጊሩ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም፡።
“ሰብ ጥበብ፡ 'እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ሪና እሞ ክንስግደሉ መጺእና’ እናበሉ . . . መጹ። . . . እንሆ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሓጐሱ።” ማቴ 2፡1- 2; 9 -10።
"እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። . . . እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዐይ እፈልጠን፡ እተን ኣባጊዐይ’ውን ይፈልጣኒ እየን።” ዮሃ 10፡11, 14። እዚ ቕንያት እዚ ክሳዕ ታሕሳስ 27 (ብግእዝ) ዘሎ ቕንያት፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ “ኖላዊ” ማለት “ጓሳ፡ ሓላዊ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። እግዚኣብሄር ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ዚፍጽሞ ጕስነትን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰዓብን ኣገልጋልን ናይ ጕስነት ሓላፍነትን እነስተንትነሉን ርእስና እንምርምረሉን ጊዜ እዩ። ጕስነት ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይን ተግባርን እዩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ብቓሉ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ደጋጊሙ ነጊሩና ኣሎ። ብመልክዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠረና ድማ፡ ካብቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ኣካፊሉና እዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ጕስነታዊ ባህርዩ’ዚ ገና ሰብ ከይተፈጥረ ኸሎ እዩ ኣንጸባሪቕዎ። ገና ንሰብን ንኻልእ ኵሉ ህያው ፍጥረትን ከይፈጠረ ኸሎ፡ ቅድም ንምድሪ ንዅሎም ህያዋን ከም እትኸውን ገይሩ ፈጠራ። ካብ ማይን ብርሃንን ጀሚርካ ንእንስሳ ንኣትክልቲ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሰብ፡ ዚከውን ኵሉ ኣዳለወ። ዚነባበሩሉ ሕጊ ሰርዐ። እዚ ድማ ናይቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ነጸብራቕ እዩ። እቲ ሽዑ ዘዳለዎ ዅሉ፡ እንሆ ፍጥረታት ንዓሰርታት ኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ተጠቒሞምሉ ኽነሶም ክሳዕ ሕጂ ኣይተወድአን። ብፍላይ ወዲ ሰብ ብዜሰክሕ መጠን ንፍጥረት እናመዝመዞ ኽነሱ፡ ገና ግን እቲ ሃብቲ ኣምላኽ ኣይተጸንቀቐን።
“ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ዮሃ 1፡ 11-12። እግዚኣብሄር ብወዱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንዘርኢ ሰብ ካብ ዝሃቦ ዝዓበየ ሓለፋን ክብርን ሓደ፡ መሰል ውልድነት እዩ። ካብ ወለድና ብስጋ ስለ ዝተወለድና እንረኽቦ ሓለፋታት ማእለያ የብሉን። ፍቕሪ፡ ክንክን፡ ሓለዋ፡ ሓልዮት ርስቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ፡ ንህላወናን ድሕነትናን (safety) ኣገዳስቲ ዝዀኑ ተግባራት ውጽኢት ናይ ውልድነት እዮም። ካልኣ ሰብ፡ ካብቲ ገዛ ዘይተወልደ ሰብ፡ ነቶም ወለድን ስድራኦምን ዋላ ካብ ደቆም ንላዕሊ ጽቡቕ እንተ ገበረሎም ከም ሕያዋይ ፈታዊ እምበር ከም ውላዶም ተቐቢሎም መሰል ውልድነት ኣይህብዎን እዮም። ብስም እቲ ወላዲ ኣይጽዋዕን፡ ኣይወርስን ከኣ እዩ። ስለዚ እዚ ሓላፊ ምድራዊ ውልድነት ክሳዕ ክንድ’ዚ ኻብ ከበረ፡ እቲ ሰማያዊ ውልድነትከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክብሪ ኣለዎ ማለት እዩ፧ ነቲ ሕያውነት ኣምላኽ ኣዝዩ ዜጕልሖ ድማ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ውሉድ ዲያብሎስ ንዝነበሩ ዅሎም ውልድነት ኪህቦም ምፍቃዱን፡ ነዛ ውልድነት እዚኣ ምእንቲ ኺህበና ድማ ነቲ እንኮ ናይ ባህርይ ወዱ ኺስውእ ምፍቃዱን እዩ።
“ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ‘እንሆ ጕርሒ ዘይብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ” በለ። ናትናኤል ከኣ ‘ኣበይ ትፈልጠኒ’ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ‘ፊሊጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከለኻ ርእየካ’፡ ኢሉ መለሰሉ።” ዮሃ 1፡ 47-48።
“ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ‘መምህር፡ ዕውር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧’ ኢሎም ሓተትዎ።”ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ’ዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ፡ . . . ኢሉ መለሰሎም።” ዮሃ 9፡2, 3.
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ