እዚ ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል፡ ክፋል ናይቲ “ናይ ከረን ስብከት” ተባሂሉ ዚፍለጥ ጐይታና ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ። በቲ መስተንከርን ዜደንቕን ጥበቡ ገይሩ፡ ብኸመይ ነቶም ብኣምሳሉ ዝተፈጠርና ዘርኢ ኣዳምን፡ ንእንስሳታትን ንኣታኽልትን ከም ዜንብር ዚገለጸልና ድማ እዩ። ከምቲ ምስላ ኣቦታትና፡ “ሽሕ ፈልጺ መጥመሪተን ሓንቲ ልሕጺ” ዝብሎ፡ ናይዚ ኽቡር መልእኽቲ ጠማሪት ሓሳብ ድማ፡ እዚ ኣርእስቲ መልእኽቲ ጌርና ወሲድናዮ ዘሎና፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩ።” ዚብል ቓል እዩ።
ኣብቲ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረበ፡ እቲ "ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ከም ዘይተንስአ ብሓቂ እብለኹም ኣለኹ” ተባሂሉ ብልሳን እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተመስከረሉ ቅዱስ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ።
እዚ ሰሙን’ዚ (ካብ መስከረም 16 ክሳዕ መስከረም 25 ግእዝ) መስቀል ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዝተነበበ ወንጌል፡ እቲ ንእኡ ኺስዕብ ዝመረጸ ሰብ ኬማልኦ ዚግብኦ ረቛሒታት እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ነዚ ረቛሒታት እዚ ንሕና ኸነማልኦ ቅድሚ ምእዛዙ ግና፡ ኣርኣያና ሰለ ዝዀነ ንሱ ኺፍጽሞ ናይ ግድን ኰነ። ብእኡ ድማ ገዛእ ርእሱ ብምቕባጽ መስቀሉ ኣልዒሉ ናብ ቀራንዮ ደዪቡ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ። በዚ ናይ መስቀል ቅንያት፡ ስቕለቱን ሞቱን እናዘከርና በዓል ስቕለቱን በዓል መስቀልን ክነብዕል ይግብኣና።
እዚ ሰሙን (ካብ መስከረም 9 ክሳዕ መስከረም 15 ግእዝ) ዘመነ ፍረ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ምስባኽን ወንጌላትን ድማ ምስ ፍረ ዝተኣሳሰር ምንባባት እዩ ዘለዎ። ንሎሚ እምበኣር ነቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ተጠቒሱ ዘሎ ምስላ ጐይታ ብዛዕባ እቲ ናብ ብጹሕ ስርናይ ዝበጽሐ ዘርኢ ዝመሃረሉ ምስላ ወሲድና ክንርእዮ ኢና።
እዚ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ወርሒ (1 - 8 መስከረም ግእዝ) ዮሃንስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዝተነበልና ናይ ወንጌል ክፍሊ ድማ ነቲ ዮሃንስ መጥምቕ ዝመስከሮ ምስክርነት ዝምልከት እዩ። ኻብዚ ተበጊስና ድማ ንኣገልግሎት ዮሃንስን ኣገዳስነቱ ኣብ ህይወትና ኣስፊሕና ክንመሃር ኢና።
እዚ ሰንበት እዚ (መስከረም 10, 2017 ጳጉመን 5 2009) መወዳእታ መዓልቲ ዓመት ኣብቲ ቤተ ክርስትያን እትኽተሎ ናይ ግእዝ ዓውደ ኣዋርሕ እዩ። ብእኡ መንጽር ድማ፡እቲ ዝተነበ መልእኽቲ ነቲ ናይ ዘመን መወዳእታ ዝኹነ ምምጻእ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምልከት እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ (መስከረም 3 2017)፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ፡ ዘርእን ዘራእትን ዝተኣሳሰር ምንባባት ዝወሃበሉ መዓልቲ እዩ። ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘለና ዝምድና ከም ግራትን ዘራእን መሲሉ ንዝምህረሉ ርኢና ኣሎና። ሎሚ ድማ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ከም ናይ ህንጻን ሃናጽን ዝበለ ዘለና ዝምድና ክንምልከት ኢና።
እዚ ናይ ሎሚ ሰንበት (ነሓሰ 27, 2017) ዝንበበልና ናይ ወንጌል ክፍሊ ካብቲ ጐይታ ነቶም ሰብዓ ልኡካት ወንጌል ክሰብኩ ልኢኽዎም ምስ ተመልሱ፡ ካብ ዝነበሮም ዝርርብ ዝተወስደ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ እዚ፡ እቶም ኣርድእቲ ነቲ ዝሃቦም ሓይልን ስልጣንን ተጠቂሞም ነቲ ናይ ወንጌል ዕዮ ብግቡእ ፈጺሞም ብሓጐስ ከም ዝተመልሱ ኢና እንዕዘብ። ጸብጻብ ልእኮኦም ክነግርዎ ምስ መጹ ድማ፡ እቲ ኣብ ልቦም ዓቢ ቦታ ሒዙ፡ ንልቦም ባህታ መሊእዎ ዝነበረ ነገር፡ “ኣጋንንቲ ከይተረፈ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ” ብምባል ገለጽሉ። እንተዀነ ጐይታ ጠመተ ኣዒንቶም ካብዚ ነገር ኣልዒሎም ናብቲ ዝዓበየ ነገር ምእቲ ክገብሩ “ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ።” ብምባል መለሰሎም። ንሎሚ እምበኣር ካብዚ ክፍሊ ገለ መንፈሳዊ ንህይወትና ዝኸውን ሓቅታት ክነስተብህል ኢና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ