“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” ዮሃ 14፡23። ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ነዚ ዕለት’ዚ ዝመደበትልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ኣባና ኣብ ድኹማት ፍጡራቱ ንዚገብሮ ግብሪ ሕያውነት ዜመልክተና እዩ። ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ እግዚኣብሄር ንሰብ ኪገብረሉ ዚኽእል ዝዓበየ ምሕረት፡ ነዚ መዋትን ሓጥእን ስጋና ማሕደሩ (መቕደሱ) ኺገብር ምፍቃዱ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣርእስትና ዀነ፡ ብዓብዩ ነቲ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን መዳርግቲ-ኣልቦ ትዕድልቲ ኣቃሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። እግዚኣብሄር’ኳ ነዚ ውዱቕ ሰብ ማሕደሩ ኺገብሮ ፈትዩስ፡ ነገሩ ግርምቢጥ ኰይኑ ሰብ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን ተገድሶ ዘይብሉ ዀይኑ ኺርከብ ከሎ፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ፍጻሜኡ ዜሰክሕን ምርጫ’ዩ ዚኸውን።
ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝሐ ዓለም፡ ‘ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡’ ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ ‘ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።” ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 11፡29,30)። ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።” ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 2፡21)።
ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ እዚ ሰንበት'ዚ በዓለ-መንፈስ ቅዱስ (ጰራቅሊጦስ) እዩ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ፡ በቲ ሓይሊ ኽሳዕ ዚለብሱ፡ ነቲ ተስፋ-ኣቦ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚቕበሉ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኺጽበዩ ዝኣዘዞም መሰረት፡ ኣብታ ደርባዊት ህንጻ ደዪቦም ከይብኰሩ ሓቢሮም እናጸለዩ ተጸበይዎ (ሉቃ 24፡49 ፣ ግብ 1፡4,5)። እቲ እሙንን ሓቀኛን ጐይታ ድማ፡ ነቲ “እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ” ኢሉ ዝገለጾ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም (ዮሃ 15፡26)። ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ከለው ድማ፡ ብድንገት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚጥዕም ጽምዲ ካብ ሰማይ መጸ። መንፈስ ቅዱስ መጺኡ ንዅላ’ታ ቤት መልአ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ መሲሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐሚጡ መልኦም (ግብ 2፡1-4)
"ንሱ ድማ፡ ‘እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ’ዩ’ ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ’ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም . . .”ሉቃ 24፡44-45። እዚ ናይ’ዚ ዕለአት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ኻብ ዝገለጸልና ዓበይቲ ረብሓታት ትንሳኤ ሓደ፡ ምኽፋት ኣእምሮ’ዩ። ኣብዚ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ብኣካል ስጋ ምሳታቶም እናተመላለሰን እናነበረን ከሎ፡ እቶም ሕቲ-ሙሴን፡ ትንቢት ነብያትን መዝሙራት ቅዱስ ዳዊትን ካልኦት ዘመርትን ብዛዕባኡ ዝበልዎ ዅሉ ቓላት በብሓደ እናልዓለ ይገልጸሎም ነበረ። ንመጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንሕና እንተ መርመርናዮም’ውን ዳርጋ ዅሉ ትሕዝቶኦም ብዛዕባ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።
“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈተኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዓበኒ’ በሎ።” ዮሃ 21፡22። ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታና፡ ነቶም ብኸንቱ ሃልኪ ብጥምየት ሃለፍ ዝበሎም ደቀ መዛሙርቱ “ንዑ ተመስሑ” ኢሉ ድሕሪ ምዕንጋሉ፡ መገብቲ መጓሴኡ ኪዀኑ፡ ነባጊዑ ዀነ ንዕያዉቱ ብምምጋብን ብምሕላዉን ነቲ ብሉጽ ፍቕሮም ኪገልጹሉ ተማሕጸኖም። ጐይታና፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣዝዮም ከም ዜፍቅርዎ ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮን።
“ኢየሱስ ድማ፡ ‘ንዑ ተመስሑ’ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ’ኳ ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧’ ኢሉ ኺሓቶ ዝደፈረ የልቦን።”ዮሃ: 21፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታና ኽልተ ጊዜ ብእኩባቶም ተገሊጹ፡ ህያው ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም ኬብቅዕ፡ ገለ ኻብ ሃዋርያት ዘይትጽበዮ ስጕምቲ ኺወስዱ ተራእዩ። ጐይታና ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓው እንድርያስን መርከቦም እናሓጸቡን እናኣዐረዩን ከለው፡ “ሰዓቡኒ” ኢሉ ካብቲ ንስድራኦም ዚጥውሩሉ ሞያ ምግፋፍ ዓሳን ብቐንዱ ኻብ ስድራ ቤቶምን ፈልዩ ወሲድዎም ነበረ (ማቴ 4፡18-20)። ካባታቶም ሕልፍ ኢሉ’ውን ንያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ፡ “ሰዓቡኒ” ኢሉ ምስ ጸውዖም ነቲ ሽማግለ ኣቦኦም፡ ነቲ ሞያኦምን ጃልባኦምን ሓዲጎም ሰዓብዎ (ማቴ 4፡21-22)። ጐይታና ምሳታቶም ኣብ ዝነበረለን ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዓመታት፡ ናብ ጃልባኦም ሞያኦምን ኰነ ናብ ስድራ ቤቶም ኣይተመልሱን።
“ንሳቶም ከኣ፡ ‘ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን’ኳ ተራእይዎ’ በሉ።”ሉቃ 24፡34። ጐይታና፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ለመንኩ” ድሕሪ ምባሉ፡ “ንስኻ ምስ ተመለስካ ድማ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም” ኢሉ ተማሕጺንዎ ነበረ። እዛ “ምስ ተመለስካ” እትብል ቃል ካብ እምነት ርሒቑ ከም ዝነበረ ዜመልክተና እዩ። ኣብታ ህሞት’ቲኣኣ ኻብ እምነት ስለ ዝረሓቐ ድማ’ዩ ብቐሊል ምፍርራህ ኪኽሕድ ዝኸኣለ። ምስ ተመልሰ ኼጸናንዖም ዚንገሮ ዘሎ፡ ንሳቶም’ውን በታ ሚሔ ናይ ሰይጣን ካብ እምነቶም ተዳኺሞም ስለ ዝነበሩ እዩ። ምኽንያቱ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ፡ “ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለው፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖም ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማር 16፡14)።
እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያና ሰሪዓትልና ዘላ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ናይ ወንጌል፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታኦም ድሕሪ ምስምዖም እኳ ተስፋ ቘሪጾም ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ገጾም ዚጐዓዙ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣስፊሑ ኣዘንትዩልና ኣሎ። ናይቲ ኻልኣዩ ስም እኳ እንተ ዘይተፈልጠ ናይቲ ሓደ ስም ግና ቀለዮጳ ነበረ። ስለዚ ካብ ሃዋርያት ዘይኰኑስ ካብቶም 72 ኣርድእቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ክልተ ሰባት ብዛዕባ ፍጻሜታት ናይቲ ሳልስቲ እናተዘራረቡ ኺጐዓዙ ኸለው፡ ጐይታ ኸም ሓላፍ መገዲ ተመሲሉ ተጸምቢሩ መጓዕዝቶም ኰነ። ዘይፈልጥዎ ጋሻ ተጸምቢርዎም ክነሱ፡ ገና ኣርእስቶም ከይለወጡ ዝርርቦም ቀጸሉ። ጐይታ ብዛዕባ’ቲ ተጨኒቖም ዚዘራረብሉ ዘለው ጕዳይ ምስ ሓተቶም ፡ ስነ ልቦናዊ ዀነ መንፈሳዊ ሃለዋቶም ከም መስትያት ቀሊዑ ዜርእይ ሓጺር ጽሟቕ መልሲ ሃብዎ። እቲ መልሲ ብዛዕባ መንነትን ዓይነት ህይወትን ናይ ጐይታ ዜደንቕ መግለጺ ዝሓዘ ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን’ውን ዜጠቓልል’ዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ