“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” ዮሃ 14፡23። ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ነዚ ዕለት’ዚ ዝመደበትልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ኣባና ኣብ ድኹማት ፍጡራቱ ንዚገብሮ ግብሪ ሕያውነት ዜመልክተና እዩ። ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ እግዚኣብሄር ንሰብ ኪገብረሉ ዚኽእል ዝዓበየ ምሕረት፡ ነዚ መዋትን ሓጥእን ስጋና ማሕደሩ (መቕደሱ) ኺገብር ምፍቃዱ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣርእስትና ዀነ፡ ብዓብዩ ነቲ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን መዳርግቲ-ኣልቦ ትዕድልቲ ኣቃሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። እግዚኣብሄር’ኳ ነዚ ውዱቕ ሰብ ማሕደሩ ኺገብሮ ፈትዩስ፡ ነገሩ ግርምቢጥ ኰይኑ ሰብ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን ተገድሶ ዘይብሉ ዀይኑ ኺርከብ ከሎ፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ፍጻሜኡ ዜሰክሕን ምርጫ’ዩ ዚኸውን።
እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዕብየት መንነቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰማይ ዝፋነይ’ዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ’ያ” ብምባል ኣፍሊጡና ኣሎ (ኢሳ 66፡1)። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰለሞን፡ በቲ ዝለዓለ ዓቕሙ ተጠቒሙ፡ ንኣምላኽ ዚኸውን ቤት መቕደስ ሰሪሑ ምስ ወድአ’ሞ፡ ኣብቲ ናይ መመረቕታ መዓልቲ፡ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ኺጽልይ ምስ ጀመረ፡ “እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ (ጸሊም ደበና) ኸም ዚነብር ኢሉ ኣሎ፡ ኣነ ግና ንስኻ እትቕመጦ ቤትን ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራን ሰሪሐልካ ኣለኹ።” ኢሉ ጸሎቱ ጀመረ። ነዊሕ ከይቀጸለ ግና ቋንቋ ጸሎቱ ለወጠ’ሞ፡
“ግናኸ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ፡ ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር’ዩ፧ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን’ኳ ኪሕዙኻ ኣይክእሉን’ዮም፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኸመይ ገይራ (ኽትሕዘካ)፧” ብምባል ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ረትዐ (2ዜና 6፡1,8)።
ዋላ ብዓይንና ኽንርእዮ እንተ ዘይከኣልና’ኳ ሊቃውንቲ ዓለም ነቲ ዝለዓለን ዝተራቐቐን መሳርሒታቶም ተጠቒሞም፡ ደረት ስፍሓት ናይ ሰማያት ኪፈልጡ ኣይከኣሉን። ኣብዚ ሰማያት’ዚ ብቢልዮናት’ኳ ኪቝጸሩ ዘይክእሉ ጋላክሲታት መሊኦም ኣለዉ። ነፍሲ ወከፍ ጋላክሲ ድማ ብቢልዮናት’ኳ ኪቝጸሩ ዘይክእሉ ከዋኽብትን ፕላኔታትን (ዓለማትን) ዝሓዘ እዩ። እምበኣር እግዚኣብሄር፡ ክንድ’ዚ ዝስፍሓቱ ሰማያት’ኳ ኪጾርዎ ዘይክእሉ ኣዝዩ ዓብይ ኣምላኽ’ዩ። ነዚ ሰማያት’ዚ ንሱ በጻብዑ ኺስድሮ ዚኽእል ኣምላኽ’ዩ (ሮሜ 7፡17,22-24)።
እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ “ክሳዕ ክንድ’ዚ ዓብይ እንተ ዀይኑ ደኣ ከመይ ገይሩ’ዩ ንኣና ንንኣሽቱ ፍጥረት ማሕደሩ ዚገብረና፧” ዚብል ሕቶ ኼለዓዕለልና ይኽእል’ዩ። ርቅቀት መለኮት እምበኣር ኣብዚ’ዩ ዚረኣየካ!! ካብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኸይተፈልየን ከይተሳእነን ኣብ ኵሉ ቦታ ብማዕረ ኺህልውን ኪርከብን ዚኽእል ምዃኑ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ኣምላኽ ይገብሮ። ንህላውነቱ ደረት ስለ ዘይብሉ፡ ካብ ኵሉ ሰማያትን ምድርን፡ ካብ ኵሉ ፍጥረት ሰብን ከይተፈልየን ከይጐደለን፡ ብምልኣት ህላዌኡ ኣብ ውሽጢ ዅላትና ኺነብር ዚኽእል’ዩ። ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን!!
ክንድ’ዚ ዚኣክል ስፍሓትን ጽባቐን ዘለዎ ማሕደር እናሃለዎ፡ ንምንታይ’ዩ ማሕደሩ ኣባና ኺገብር ዚብህግ፧ እቲ መልሱ ንጹር’ዩ። ካብዚ ዅሉ ብኸኣልነቱ ዝፈጠሮ ስፍርን ቍጽርን ዘይብሉ ፍጥረታት፡ እቲ እንኮ ብመልክዕን ምስልን ናቱ ዝፈጠሮ፡ ተማቓሊ መለኮታዊ ባህርዩ ዝገበሮ፡ ሰብ ጥራሕ ስለ ዝዀነ’ዩ። ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር፡ እዚ ዅሉ ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ተደሚሩ፡ ክንዲ ናይ ሓደ ሰብ ክብሪ የብሉን። ነዚ ድማ ነቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና መስዋእቲ ብምግባር ኣረጋጊጽዎ እዩ (ዮሃ 3፡16) ። ብእኡ ጥራሕ ዘይኰነ፡ እግዚኣብሄርን ኵላቶም ስራዊት መላእኽትን ብንስሓ ሓደ ሓጥእ ኣዝዩ ዓብይ ሓጐስ ዚሕጐሱ ምዃኖም፡ ወዲ ሰብ ማዕረ ኽንደይ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ክቡር ፍጥረት ከም ዝዀነ ዜመልክተና’ዩ (ኢሳ 49፡5 ሉቃ 15፡7,10 )። እግዚኣብሄር ንሰብ ማሕደሩ ናይ ምግባር ባህጉ እምበኣር ካብዚ’ዩ ዚብገስ፡ ስለዚ ድማ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ ነቲ ባህጉ ብኸምዚ ዚስዕብ ገለጾ።
“ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ’ያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ ከመይ ዝበለ’ዩ፧ ነዚ ዅሉ ዓለም ዝፈጠርክዎ ኣነ’የ፡ እዚ ዅሉ ኸኣ ዀይኑ ኣሎ። ኣነ (ግና) በቲ ትሑትን ዝተጣዕሰ (ድቑስ) መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ዚፍጽሞን ሰብ’የ ዝሕጐስ።” (ኢሳ 66፡1)
“ኣነ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን እግዚኣብሄር’የ። ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ ኸኣ እነብር፡ ግናኸ ንትሑታት ህያዋን ክገብሮም፡ ነቶም ዝተጣዕሰ (ድቑስ) ልቢ ዘለዎም ድማ ህያዋን ክገብሮም፡ ምስቶም ዝተጣዕስ ልቢ ዘለዎምን ትሑታትን ሰባት እነብር (ኣለኹ)።” (ኢሳ 57፡15 ካ.ት) ካብዚ ጥቕስታት’ዚ ኸም እንግንዘቦ እምበኣር፡ እቲ ዝለዓለ ባህጊ ናይ ኣምላኽ፡ ነቲ ብኣርኣያኡን ብምስሉን ዝፈጠሮ ሰብ ማሕደሩ ምግባር እዩ።
እቲ ንወዲ ሰብ ማሕደር ኣምላኽ ንምዃን ዜብቅዖ መስዋእቲ ክርስቶስ ስለ ዘይተሰውአን፡ እቲ ንሱ ዚልእኮ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይወረደን፡ ማሕደር ኣምላኽ ንምዃን ዝበቕዐ ሰብ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ብኢድ ሰብ ዝተሰርሐ መቕደስ ኪዳለወሉ ኣዘዘ (ዘጸ 25፡8 )። በታ ምድራዊት መቕደስ ገይሩ ድማ መቕደሱን ማሕደሩን ኪገብረና ኸም ዚደልይ ብጽላሎት ተዛረበና። ምኽንያቱ፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኣብ ዝሰርሖ ህያው መቕደስ እምበር፡ ሰብ ኣብ ዝሰርሖ ግኡዝ መቕደስ ኪሓድር ኣይመርጽን’ዩ (ግብ 17፡24 ) ። ንሕና ብኸመይ ማሕደሩ ንምዃን ከም እንቕደስ ምእንቲ ኼመልክተና ድማ፡ ነታ ምድራዊት መቕደስ ብደም እንሳታት ክትቅደስ ኣዘዘ (እብ 9፡19,20,23 ) ። እቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ እቲ ንሰብኣዊ መቕደስን ንሰማያዊ መቕደስን ዚቕድስ ክቡር ደም ፈሰሰ (እብ 9፡23 )። በዚ ኽቡር ደሙ ኻብ ምርኮ ሰይጣን ተሻዪጡ (ዓዲጉ) ገንዘቡ ምስ ገበረና ድማ ብደሙ ሓጺቡ ቐደሰና (ግብ 20፡28 ፣ 1ቈረ 7፡23 ፣ ራእ 5፡9 ፣ 14፡4) ዕርቡን ዋንነቱን ማሕተም ርስትናን ኪዀነልና ኸኣ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ልኢኹ፡ ማሕደሩን መቕደሱን ገበረና (2ቈረ1፡21,22 ፣ 5፡2 ፣ ኤፌ1፡13 ፣ 4፡30)። እምበኣር ማሕደሩ ንኺገብረና፡ ነቲ ሓደ ወዱ መስዋእቲ ኽሳዕ ምግባር ከቢድ ዋጋ ኸፊሉ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣቦ፡ በቲ ሓደ ወዱ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንድ’ዚ ዚኣክል መስዋእቲ ድሕሪ ምኽፋሉ፡ ብቕዱስ ሃዋርያኡ ገይሩ፡“ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና፡ ክቡርን ሕሩይን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሃነጹ።”
ብምባል ኣዘዘና (1ጴጥ 2፡4,5) ።ንሰብ ኤፌሶን ማሕደር ኣምላኽ ንኺገብሮም ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይኑ ይሃንጾም ከም ዝነበረ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ “እምበኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን፡ ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቕድስቲ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓብይ’ዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።” ኢሉ መስከረሎም (ኤፌ 2፡19-22) ። ኣብ ክርስቶስ ኴንካ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ማሕደር ኣምላኽ ንምዃን ትህነጽ እንተ ዘየሊኻ እምበኣር፡ ንመስዋእቲ ክርስቶስን ንስራሕ መንፈስ ቅዱስን ከንቱ ትገብሮ ኸም ዘለኻ ኣስተውዕል።
እቲ ቕዱስ ማሕደርን መቕደስን ናይ ኣምላኽ ንዘይምዃን፡ ብሓጢኣት ምስ ግብሪ ድያብሎስ ዚተሓባበር ዘሎ ሰብ እምበኣር፡ ኣንጻር ረብሓኡ፡ ኣንጻር ቅድስት ስላሴ ውግእ ገጢሙ ኸም ዘሎ ይፍለጥ። እቶም ብክርስቶስ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ቅዱሳን ንምዃን ዝበቕዑ ሰብ ቈረንቶስ፡“...ብስም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።”
ተባሂሉ ዝተመስከረሎም ሰባት ነበሩ (1ቈረ 6፡11)። እንተ ዀነ ሓጢኣት ምግባር ኣብዚሖም፡ ንናይ እግዚኣብሄር ወልድን መንፈስ ቅዱስን ስራሕ ኬፍርሱ ምስ ረኣዮም፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣጠንቀቖም። “ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ’ኳ ነታ ቤት መቕደስ ናይ ኣምላኽ (ዝዀነት ሰብነቱ ብሓጢኣት) እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ (ንዘለኣለም) ኬማስኖ እዩ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።” (1ቈረ 3፡16,17)
“ብዋጋ (ብደም ክርስቶስ) ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤት መቕደስ ናይቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም’ውን ከም ዘይኰንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” (1ቈረ 6፡19,20) እምበኣር እቲ ብምስጢረ ጥምቀት ንሓጢኣት ሞይቱ ዝተንስአ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ውልድነት ኣምላኽ ረኺቡ ቤት መቕደስ ኪኸውን ዝበቕዐ ክርስትያን ሰብ፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ዝዀነ ዓይነት ዋንነትን ስልጣንን የብሉን። ኣብ ሰብነቱን ብሰብነቱን ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ዝዀነ ተግባር ኪፍጽም ኣይግብኦን’ዩ። ከምኡ ምስ ዚገብር፡ ኣብ ልዕሊ ዋንነት ኣምላኽ ዕልወት ይፍጽም፡ ንስራሕ መንፈስ ቅዱስ ድማ የፍርስ ከም ዘሎ ኼስተውዕል ይግብኦ። ነቲ ንእኡ ንምዕዳግን ንምቕዳስን ዝተኸፍለ መሪር መስዋእትን ዝፈሰሰ ኽቡር ደምን ብድፍረት ይረግጾ፡ ነቲ ዝሃነጾ መንፈስ ጸጋ ድማ ይጻረሮን ይጸርፎን ከም ዘሎ ይገንዘብ። ስለዚ ንመቕደስ ስጋኡ ብሓጢኣት ካብ ምምሳን ይጠንቀቕ።
ክርስቶስ ጐይታና፡ ማሕደሩ ምእንቲ ኺገብረና፡ ካብታ ዝተታሕዘላ ክሳዕ’ታ ዝሞተላ፡ ንኣስታት 15 ሰዓታት ተሳቐየ። ስጋኡ ኣብ መቓብር ነፍሱ ድማ ኣብ ሲኦል ንሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ጸንሐ። እዚ ዋጋ’ዚ ኣዝዩ መሪርን ከቢድን ዋጋ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ብዝዀነ ጐይታ ዝተኸፍለ ዋጋ’ዩ። በዚ ዋጋ’ዚ ተጠቒምና ኣብ ስጋና ንኣምላኽ እነኽብር መቕደስ ኴንና ኽሳዕ ዕለት ሞትና እንተ ነበርና፡ በቲ ክርስቶስ ዝኸበረሉ ኽብሪ ኽንከብር ኢና። “ኣይፋልናን” ኢልና ነዚ ኽብሪ’ዚ ተሓሲምና ንስጋና ብሓጢኣት እንተ ኣማሲንናዮ፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ዝሃነጾ መቕደስ እንተ ኣፍሪስናዮ ድማ፡ ነታ ክርስቶስ ምእንታና ዝኸፈላ ዋጋ፡ ኣብ ገሃነም ክንከፍላ ኢና። እቲ ዘለኣለማዊ ጐይታ ንሓጺር መዓልታት ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ካብኡ ዚመርር ስቓይ ንዘለኣለም እንተ ኸፈልና’ኳ ክንፈድዮ ኣይከኣልን’ዩ። እምበኣር ነቲ ንምድሓንና ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ንስቓይና ናይ ምግባር ዓሻ ምርጫ ኣይንውሰድ። ነቲ እግዚኣብሄር ማሕደሩ ብምግባር ዝሃበና ልዑል ክብሪ ኣኽቢርና ንሓዞ።
ኣብቲ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ተገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ማሕደር ኪዀኑ ዚበቕዑ፡ እቶም ንቓሉ ብምሕላው ፍቕሮም ዚገልጹ ጥራሕ’ዮም። ብዛዕባ’ዚ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ (ታሽዓይ) ሰንበት ብስፍሓት ተማሂርናዮ ኢና። ጐይታ ነዛ ምስጢር እዚኣ ዝተዘረበ፡ እቲ ዘይኣስቆሮታዊ ይሁዳ፡ “ጐይታይ! እቲ ርእስኻ ንዓለም ዘይኰነ ንኣና እትገልጸሉ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ እዩ። ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ዓለም ንዘይኰነ ክርስትያን ሰብ፡ ጐይታና ማሕደሩ ብምግባር’ዩ ዚግለጸሉ። ምኽንያቱ ንወዲ ሰብ ኪወሃብ ዚኽእል ዝለዓለ መለኮታዊ ኽብሪ፡ ማሕደር ኣምላኽ ምዃን’ዩ። ንጉስ ሰለሞን፦“ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ፡ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ።” ኢሉና ኣሎ። (ምሳ 14፡1) እዚ ቓል’ዚ ብዛዕባ ምድራዊ ሓዳርን ቤትን ዝተባህለ እዩ። ምድራዊ ቤትካ ብገዛእ ኢድካ ምፍራስ ዕሽነት እንተ ተቘጺሩ ደኣ፡ ነቲ ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ መንፈስ ቅዱስ ዝሃናጺኡ መቕደስካ ምፍራስከ ብምንታይ ኪግለጽ’ዩ፧ ስለዚ ርእስና ንመርምር!! ልቦናናዶ ዕሽነትና ይገንን ይህልው፧ ንኽብርናዶ ምስ መንፈስ ቅዱስ ንተሓባበር ኣሎና፧ ወይስ ንጥፍኣትና ብሓጢኣት ምስ ሰይጣን ንተሓባበር ኣለና፧ ሓጢኣት ንምግባር ብዝመረጽና መጠን፡ ኣብቲ ማሕደር ኣምላኽ ዝዀነ መንፈሳዊ ቤትና፡ ከቢድ መዶሻ ኸም ዘውደቕና ንዘክር!! ንስጋና መንፈሳዊ ቤት ጌርና ኣብ ምህናጽ ድማ ብዝለዓለ ዓቕምና ንትጋህ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ሰነ 30, 2019 (ሰነ 23, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 46/47:5-6 “ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ። ወእግዚእነ በቃለ ቀርን። ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ።” “ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ኤፌ 1፡15-ፍጻሜ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 15፡7-19 |
1ዮሃ 2፡20-29 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም) |
ግብ 10፡37 ፍጻሜ |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ