S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ድሕሪ በኣተ-ክረምት (ምእታው ክረምቲ) እዚ ዕለት እዚ ኻልኣይ ሰንበት ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ምስላ ዘርእን ዘራእንኢና ዝረኣና፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ፡ምስላ ስርናይን ክርዳድንክንመሃር ተሰሪዑልና ኣሎ። እዚ ኽቡርን ረቂቕን ምስላ እዚ፡ ንውልቀ ክርስትያንን ብዓባያ ንቤተ ክርስትያንን ኣዝዩ ዓብዪ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ኺትርጕመሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታና ብደረጃ ዓለምውን ከም ዚትርጐም ኣብ ማቴ 1337-43 “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ (ክርስቶስ) እዩ።

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመናተባሂሉ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ምስላ ዘርእን ዘራእንምስናይ ትርጕሙ እዩ። ኣብዚ ምስላ እዚ፡ እዚ ዘራኢ ጐይታ ባዕሉን ኵሎም ልኡኻት ወንጌልን እቲ ዘርኢ ድማ እቲ ዚስበኽ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቲ ነቲ ዘርኢ ዚቕበል ግራት ድማ ልቢ ሰብ እዩ።

“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” ዮሃ 14፡23 ቅድስ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ዕለት ዝመደበትልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ኣባና ኣብ ድኹማት ፍጡራቱ ንዚገብሮ ግብሪ ሕያውነት ዜመልክተና እዩ። ኣብዛ ምድሪዚኣ እግዚኣብሄር ንሰብ ኪገብረሉ ዚኽእል ዝዓበየ ምሕረት፡ ነዚ መዋትን ሓጥእን ስጋና ማሕደሩ (መቕደሱ) ኺገብር ምፍቃዱ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣርእስትና ዀነ፡ ብዓብዩ ነቲ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን መዳርግቲ-ኣልቦ ትዕድልቲ ኣቃሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእንዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ውዱቕ ሰብ ማሕደሩ ኺገብሮ ፈትዩስ፡ ነገሩ ግርምቢጥ ኰይኑ ሰብ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን ተገድሶ ዘይብሉ ዀይኑ ኺርከብ ከሎ፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ፍጻሜኡ ዜሰክሕን ምርጫ ዚኸውን።

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝሐ ዓለም፡ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 1129,30) ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 221)

ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ እዚ ሰንበት'ዚ በዓለ-መንፈስ ቅዱስ (ጰራቅሊጦስ) እዩ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ በቲ ሓይሊ ኽሳዕ ዚለብሱ፡ ነቲ ተስፋ-ኣቦ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚቕበሉ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኺጽበዩ ዝኣዘዞም መሰረት፡ ኣብታ ደርባዊት ህንጻ ደዪቦም ከይብኰሩ ሓቢሮም እናጸለዩ ተጸበይዎ (ሉቃ 2449 ግብ 14,5) እቲ እሙንን ሓቀኛን ጐይታ ድማ፡ ነቲእቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂኢሉ ዝገለጾ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም (ዮሃ 1526) ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ከለው ድማ፡ ብድንገት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚጥዕም ጽምዲ ካብ ሰማይ መጸ። መንፈስ ቅዱስ መጺኡ ንዅላ ቤት መልአ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ መሲሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐሚጡ መልኦም (ግብ 21-4)

"ንሱ ድማ፡እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩበሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም . . .”ሉቃ 2444-45እዚ ናይ ዕለአት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ኻብ ዝገለጸልና ዓበይቲ ረብሓታት ትንሳኤ ሓደ፡ ምኽፋት ኣእምሮዩ። ኣብዚ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ብኣካል ስጋ ምሳታቶም እናተመላለሰን እናነበረን ከሎ፡ እቶም ሕቲ-ሙሴን፡ ትንቢት ነብያትን መዝሙራት ቅዱስ ዳዊትን ካልኦት ዘመርትን ብዛዕባኡ ዝበልዎ ዅሉ ቓላት በብሓደ እናልዓለ ይገልጸሎም ነበረ። ንመጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንሕና እንተ መርመርናዮምውን ዳርጋ ዅሉ ትሕዝቶኦም ብዛዕባ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።

ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈተኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዓበኒ’ በሎ።” ዮሃ 2122 ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታና፡ ነቶም ብኸንቱ ሃልኪ ብጥምየት ሃለፍ ዝበሎም ደቀ መዛሙርቱንዑ ተመስሑኢሉ ድሕሪ ምዕንጋሉ፡ መገብቲ መጓሴኡ ኪዀኑ፡ ነባጊዑ ዀነ ንዕያዉቱ ብምምጋብን ብምሕላዉን ነቲ ብሉጽ ፍቕሮም ኪገልጹሉ ተማሕጸኖም። ጐይታና፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣዝዮም ከም ዜፍቅርዎ ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮን።

“ኢየሱስ ድማ፡ ‘ንዑ ተመስሑ’ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ’ኳ ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧’ ኢሉ ኺሓቶ ዝደፈረ የልቦን።”ዮሃ: 21፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታና ኽልተ ጊዜ ብእኩባቶም ተገሊጹ፡ ህያው ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም ኬብቅዕ፡ ገለ ኻብ ሃዋርያት ዘይትጽበዮ ስጕምቲ ኺወስዱ ተራእዩ። ጐይታና ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓው እንድርያስን መርከቦም እናሓጸቡን እናኣዐረዩን ከለው፡ሰዓቡኒኢሉ ካብቲ ንስድራኦም ዚጥውሩሉ ሞያ ምግፋፍ ዓሳን ብቐንዱ ኻብ ስድራ ቤቶምን ፈልዩ ወሲድዎም ነበረ (ማቴ 418-20) ካባታቶም ሕልፍ ኢሉውን ንያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ፡ሰዓቡኒኢሉ ምስ ጸውዖም ነቲ ሽማግለ ኣቦኦም፡ ነቲ ሞያኦምን ጃልባኦምን ሓዲጎም ሰዓብዎ (ማቴ 421-22) ጐይታና ምሳታቶም ኣብ ዝነበረለን ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዓመታት፡ ናብ ጃልባኦም ሞያኦምን ኰነ ናብ ስድራ ቤቶም ኣይተመልሱን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div