S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ!

እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዚተሰርዐ ናይ’ዚ ዕለት’ዝ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ ምጽኣትን ኣመጻጽኣን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃበ ድማ ባዕሉ  ጐይታና’ዩ። ማእከላይ መልእኽቲ ናይቲ ኣስተምህሮኡ ድማ፡ መዓልቲ ምጽኣቱ መዓስ ምዃና ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ስለ ዘየልቦ፡ ኵሉ ሰብ ዘዝተዋህቦ ዕዮ ኣብቲ ምዱብ ጊዚኡ እናፈጸመ፡ ብንቕሓት ተዳልዩ ኺጽበይ ከምዝግብኦ ዘመልክተና እዩ። ብመንጽር’ዚ መልእኽቲ’ዚ ኣድማ ሰባት ኣብ ክልተ ዓይነት ጕጅለ ይኽፈሉ። እቶም ቀዳሞት፡ ነታ ዝተዋህበቶም ዕዮን ሓላፍነትን ከምዝግባእ እናፈጸሙ እሙናት ኰይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቲ ነዚ ህይወት’ዚ ዘብቅዖም ድማ፡ እቲ “ጐይታና ቐልጢፉ ኺመጽእ’ዩ”ዝብል ምስትውዓል ንእምነት ንዝመልኦ ኣተሓሳስባኦም’ዩ። እቶም ካልኣይ ጕጅለ ግና፡ በቲ ምስትውዓሉ ዝተደፍነ ንዝጸልመተን ኣእምሮኦም ጐይታኦም ከም ዝድንጕይ ብምሕሳብ፡ ዘመን ህይወቶም ስጋዊ ተድላ (pleasure) ኣብ ምስትምቓር ኣቃጺሎም፡ ነቲ ኺሰርሕዎ ዝተዋህቦም ዕዮ ዘይፈጸሙ፡ አረ ብኣንጻሩ ዝስርሑ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ዘፍርሱ ዝነበሩ እዮም።

ብእኡ መጠን ድማ ዓስቦም ኣዝዩ ዝተፈላለየ ዀነ። እቶም እሙናት፡ ብምጽኣት ጐይታ ናይቲ ዝተዳለወሎም ዘለኣለማዊ ኽብሪ ተነጢቖም ኪኸዱ ኸለዉ፡ እቶም ክፉኣትን ደናቝርትን ግና ኣብ ምድሪ ተሪፎም በቲ ኻብ ኣፍ ክርስቶስ ዝወጽእ ሰይፊ ኣብ ክልተ ተጨንዲሖም፡ ናብቲ ብብኽያት ኣስናኖም እናሓርቀሙ ዝነብሩሉ ናይ ዘለኣለም ቦትኦም ከዱ። ነቶም እሙናት ኰነ ነቶም ጠለምቲ ዝተነግሮም ቃል ፡ዝተዓደሎም ተልእኾ፡ዝተዋህቦም ዕድላት ኵሉ ሓደ ዓይነት ነበረ። ነቲ ዝተዋህቦም ናይ ህይወት ተልእኾ ዝሃብዎ መልሰ-ግብሪ ኣዚዩ ስለ ዚተፈላለየ ግና፡ ናይ መወዳእታ ጻማኦም ድማ ኣዜዩ ተፈላለየ። ዝዘርእዎ ዓጸዱ። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ከከም ግብሩ ዝፈርድ ፍትሓው ንጻድቕ ንጐይታ ምርጫኦም ኣኽቢሩ፡ ካዕበት ፈደዮም። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ኸም እንርድኦ እምበኣር፡ ፈራዲና ግብርና’ምበር ጐይታ ኣይኰነን። ስለዚ ሓደ ተግባር ንምግባር፡ ሓደ ዓይነት ቅዲ-ህይወት ንምንባር ክንመርጽ ከለና፡ ብመንጽር’ቲ ናይ መወዳእታ ዓስቡ ንመርጾም ህላውና ኸነስተውዕል ይግባእ። ነቲ ዘለኣለማዊ ውጽኢቱ ኣብ ግምት ከየእተና እንመርጾ ጊዜያዊ ናይ ምድሪ ናብራ ፡ሕጂ’ኳ እንተ መቀረና፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ንዘለኣለም መሪር’ዩ ዝኸውን።

 

ጐይታና፡ ንምጽኣቱ ምስቲ ኣብ ዘመን ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይህን ጥፍኣትን ኬነጻጽሮ ኸሎ፡ “ክሳዕ’ታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ’ሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ኣይፈለጡን።” ኢሉ ኣሎ (ቍ.38,39)። ኖህን ስድራቤቱን ከኣ ይበልዑን ኣይስትዩን፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትውን ነይሮ ማለት ድዩ፧ ከምኡ ኪኸውን ከቶ ኣይክእልን’ዩ። ስለ ዝበልዑን ዝስተዩን’ዮም ብህይወት ዝነበሩ፡ ስለዘእተውን ዘተኣታተውን’ዮም ደቂ ወሊዶም ኬዉስብዎም ዝኸኣሉ። ነቶም ሓጥኣን እቲ ዚዓበየ ናይ ህይወት ተልእኾኦም ምግብን መውስቦን እምበር፡ ካብኡ ዘሓልፍ መጻኢኦም ዘማዕድው ዝዀነ ዓይነት ህይወት ኣይነበሮምን። ኖህን ደቁን ድማ፡ ካብቲ ንስጋኦም ዘድልይ ንጥፈታት ከይበዀሩ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮን ተልእኾን ግን ከም ቀዳማይን መተካእታ ኣልቦን ናይ ህይወቶም ዕላማ ገይሮም ይነብሩ ነበሩ። ስለዚ እቲ ናይ ጥፍኣት ኣይሂ ምስ መጸ፡ ነቶም ምድሪዚ መሰረቶም ሰባት ካብ ዘደየብዎ ዅሉ እናውረደ ኺውሕጦም ከሎ፡ ነቲ ሰማይ ዝመሰረታ ስድራቤት ግና ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ልዕል ክሳዕ እትብል ንላዕሊ ኽብ የብላ ነበረ። ሎሚ’ውን እንተዀነ፡ ካብኡ ዝተፈልየ ውጽኢት ኣይኪህልውን’ዩ ። ኣብ ምጽኣት ጐይታ እቶም ምእንቲ ኺበልዑን ኪዉሰቡን ጥራሕ ዝነብሩ ኣብቲ ቐላይ ሓወኺ ጥሕሉ’ዮም። እቶም ንኣምላኽ ምእንቲ ኺነብሩ ኢሎም ዚበልዑ ንዘዉ ሰቡን ድማ በቲ ንምድሓኖም ዝተገልጸ ጐይታን ሰራዊት መላእኽት ንናይ ክብሪ ደበናን ተዓጂቦም ናብ ሰማያት ናብቲ ዝፋን ጸጋ ኺዓርጉ’ዮም።

 

እዚ ዅሉ ፍልልይ ዘምጽእ ዘሎ ድማ፡ እቲ እሙን ምዃንን ዘይምዃንን’ዩ። “ኣማኒ ምዃን” ማለት ንእግዚኣብሄር ዝኣምን ምዃን ማለት ኪኸውን ከሎ፡ “እሙን ምዃን” ግና፡ እግዚኣብሄር ዝኣምኖ ሰብ ምዃን ማለት’ዩ። ናይ እምነት ዝለዓለ ሸቶ፡ እሙንነት’ዩ። እቶም ንኣምላኽ ዝኣምንዎ ዅላቶም ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኪኣትዉን’ዮም ። ካብቶም ኣምላኽ ዝኣምኖ ምእሙናት ግን ሓደ’ኳ ኣይኪተርፍን’ዩ። እምነት፡ ናይ ኣምላኽ ባህርይ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ ብኻልኦት ይእመን እምበር፡ ንሱ ኺኣምኖ ዝግባእ ካልእ ካብኡ ዝዓብይ ኣካል የልቦን። እሙንነት ግን ዘይልወጥ ዘለኣለማዊ ባህርዩ እዩ። እምነት፡ ተኻፈልቲ ናይቲ መለኮታዊ ባህርያት ናይ እግዚኣብሄርን ኽትገብረና’ያ እትወሃበና። እምነትና እናዓበየት ንብግብሪ እና  ተገልጸትን ምስከደት፡ ካብቲ እሙንነት ናይ እግዚኣብሄር ተማቐልቲት ገብረና። ብእምነቱና ብእሙንነት ዘይዓበየ ሰብ ግና፡ እምነቱ ካብ ናይ ኣጋንንቲ እምነት ዝፈልያ ዋላ ሓንቲ የብላን። “ጐይታይ፡ ጐይታይ” እናበለ ብኸንፈር-ጥበራካ ብምቅብጥር ሓሊፉ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ዚዀነ ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ፡ እግዚብኣብሄር ንእኡ ዀነ ንእምነቱ ኣፍልጦ ኣይህቦን’ዩ (ማቴ 7፡21)።

 

“እሙንን ኣስተውዓል ንባርያ” ናይ ምዃን ረብሓ እምበኣር ኣብዚ’ዩ ዝረኣየካ። ኣብ ህይወት ዝተዋህበና ተልእኾን ሓላፍነትን፡ ዓይነቱን ደረጃኡን ኣዚዩ ዚተፈላለየ’ዩ። ምኽንያቱ ዓቕምና ብዘሕ ፍልልያት ኣለዎ። ካብ ፓትርያርክ ጀሚርካ ክሳዕ’ቲ ተራ ምእመን፡ ብመንፈሳዊ ሓላፍነቶም ኪቀራረብ ዘይክእል ናይ ሓላፍነት ጋግ ኣለዎም። ንእሙንነት ብዝምልከት ግና ኵላትና ማዕረ ሓላፍነት ኣሎና። በብታዝተዋህበቶ፡ እሙን ምዃን ዘይምልከቶ ሓደ ሰብ’ኳ የልቦን። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ዝተዋህበና ዕዮ ዘይኰነስ ነቲ እሙንነትና’ዩ ዝመዝንን ዝፈርድን ። ንኣብነት፡ ከምቲ ኣብ “ምስላ መክሊት” ተገሊጹ ዘሎ፡ ነቲ ሓደ ሓሙሽተ፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ኺወሃቦ ኸሎ፡ ሓሙሽተ ስለ ዝተቐበለ ኣይኰነን ዝሽየም (ማቴ 25፡14-30)። እሙን ኰይኑ ነተን ሓሙሽተ ብዕጽፊ ኼራብሐን ስለ ዝኸኣለ’ዩ ዝሽየም። ነቶም ንዓቕሞምን ነቲ ዝተዋህቦም ጸጋን ከም ዝግባእ ዝተጠቕሙሉ፡ ሓንቲ ዓይነት ናእዳ ተዋህቦም እምበር፡ ነቲ ብዓል ሓሙሽተ ብዓል ክልተ ንዝተዋህቦም ናእዳ ፍልልይ ኣይነበሮን። እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ሰለስተ ጥራሕ እንተ ዝውስኽ፡ ክልተ ስለ ዘባኸነ፡ “ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን” ምተባህለ’ምበር፡ ኪነኣድ ኣይምበቕዐን ነይሩ። ምኽንያቱ ዘባኸኖ ዓቕምን ጸጋን ኣለዎ (ራእ 3፡2)።

 

እቶም ብኣብነት ተጠቒሶም ዘለዉ ኽልተ መገብቲ (ኣገልገልቲ) ተዋሂብዎ ዝነበረ ሓላፍነት፡ ነቶም ስድራ ቤቱ፡ “ምግቦም በብጊዜኡ ምሃብ” እዩ። ስለዚ እቲ ዝግባእ ዓይነትን መጠንን ናይ ምግቢ ኣብቲ ዝግባእን ዘድልዮምን ጊዜ ብምሃብን ብዘይምሃብን እሙንነቶም ኪገልጽ ትጽቢት ይግበረሎም ማለት’ዩ። ቍርስን ምሳሕን ከይሃበ ብጥሜት ቀጺዕዎም ድሕሪ ምውዓል፡ ኣብ እዋን ድራር ንሰለስቲኡ ምግቦም (meal) እንተ ሂብዎም፡ እሙን መጋቢ ኺበሃል ይኽእል’ዶ፧ ዋላ ነቲ ጊዜ ኸምዝግባእ እናሓለወ፡ ነቲ ዝግባእ ዓይነትን መጠንን ናይ ምግቢ ዘይቅርበሎም እንተ ዀይኑ፡ “እሙን” ዝብል ማዕርግ ኪቕበል ብቑዕ ኣይኰነን።

 

ቤተ ክርስትያን፡ ዓባይ ናይ እግዚኣብሄር ስድራ ቤት እያ (ኤፌ 2፡19,20) እቶም ኣብ ልዕሊኣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሸሙ ኣገልገልቲ ነታ ስድራ ቤት እቲኣ፡ እቲ ዚግብኣ ዓይነትን መጠንን ናይ መንፈሳዊ ምግቢ ኣብቲ ግቡእ ጊዜኡ ዘይህቡ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ማዕርግን ኣገልግሎትን ዘይብቑዓት ምዃኖም ብተግባሮም ይገልጹ፡ ኣብ ገዚእ ርእሶም’ውን ይፈርዱ ኣለዉ ማለት’ዩ። ኵሉ ኣገልጋልን ኵሉ ምእመንን ብመጀመርታ ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ ብዛዕባ ትእዛዝ ኣምላኽ እሙንን ተኣዛዝን ኪኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ውልቃ ወህይወቱ እሙን ዘይኰነ፡ ንትእዛዝ ኣምላኽ ግሂሱን ሓጢኣት ዝግዝእ እንተ ዀይኑ፡ ንኻልኦት ኬገልግሉን ናይ ካልኦት ሰባት ሓላፍነት ኪወስድ ብቕዓት ኣይህልዎን’ዩ (1ጢሞ 3፡4,5)። ኣብ ገዛእ ህይወቱ እሙን ኰይኑ ኼብቅዕ ፡ኣብቲ ንኻልኦት ናይ ምምጋብ ሓላፍነቱ እሙንነት ዘጕደለ ኣገልጋሊ ድማ፡ ኣበሳኡ ብዕዳ ደም ብዘሓት ዘሕትቶ ከቢድ’ዩ ዝኸውን።

 

እዚ ተሓታትነት’ዚ ግና ኣብ ኣገልግሎትን መራሕትን ናይ ቤተክርስትያን ጥራሕ ዝድረት ኣይኰነን። ንሳቶም ብዛዕባ’ታ ዓባይ ስድራ ቤት ኣምላኽ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ኪሕተቱ’ዮም። ብዛዕባ’ታ ኣብ ገገዛና ዘላ ብምስጢረ ተክሊል ዘቘምናያ ንእሽቶ ናይ ኣምላኽ ስድራ ቤት ግን ነፍሲ ወከፍና ተሓተትቲ ኢና። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዝመሃረትና ሰብኣይ ንሰበይትን ናይታ ብፍቓዶም ሓደ ስጋ ኣካል ኰይኖም ዘቘምዋ ስድራ ቤት ካህናት እዮም። ናይ ገዚእ ርእስና ዀነ ናይቶም ዝፈረናዮም ደቅና መንፈሳውያን መገብቲ ኢና። ብዛዕባ ስጋዊ ብልዖምን ልብሶምን፡ ብዛዕባ ኣካላዊ ጥዕናኦምን ትምህርቶምን ከምዝግባእ ስለዝሓለናሎም ጥራሕ፡ ስድራቤታዊ ተልእኾና ዛዚምና ማለት ኣይኰነን። እዚ ንደቅኻ ናይ ምቕላብ ንድሕነት (safety) ዘርእኻ ናይ ምርግጋጽን ሓላፍነት፡ ዋላ’ዘን በሃማት እንስሳታት’ውን ኵሉ ጊዜ ዝትግብራኦ ዕማመን’ዩ። እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ምድረ-ሰማያዊ ፍጡር ዝዀነ ሰብ ግና፡ ካብ ናይ እንስሳታት ዝዓበየ ሓላፍነት’ዩ ዘለዎ። ነብዪ ሚልክያስ፡ ብዚዕባ’ቲ ኣብ ስድራቤትና ዘሎና ናይ መንፈሳዊ መጋብነት ሓላፍነት፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። “እግዚኣብሄር ሓደ ኣካልን ሓደ መንፈስንዶ ኣይገበረኩምን’ዩ፧ ስለምንታይከ ነዚ ገበሮ፧ ናይ ብሓቂ ህዝቢ እግዚኣብሄር ዝዀኑ ደቂ ምእንቲ ኽትወልዱ ኢሉ’ዩ። . .”(ሚል 2፡15)። ነቶም ዝወለድካዮም ደቂ ቃል እግዚኣብሄር ከይመገብካ፡ ብመንፈሳውነት መልሚልካ ኸየዕበኻ፡ ደቂ እግዚኣብሄር ክትገብሮም ድማ፡ ፈጺሙ ዘይከኣል ነገር’ዩ። ንስጋኦም መጊብካን ኣስቢሕካን፡ ንመንፈሶም ብጥምየት ምቕታል ድማ፡ ሓደ ወላዲ ኣብ ልዕሊ ደቁ ኺገብሮ ዝኽእል ዘኸፍአ ናይ ጭካነ ተግባር’ዩ። እቲ ብምስጢሩ ሓደ ስጋ፡ ብሕያውነቱን ከኣልነቱን ድማ ፈረይትን ጸገይትን ዝገበረና ኣምላኽ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራሕ ኣይነብርን’ዩ” ኢሉ ብንጹር ነጊሩና’ዩ። እቲ ነዚ እናሰምዐ፡ ነቶም ብዘይፍቓዶም ዝወለዶም ደቁ፡ ንመንፈሳዊ ጥምየትን ጥፍኣትን ኣሕሊፉ ዝህብ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዝተወልደ ውላዱ ንድያብሎስ ዘቕልብ ወላዲ፡ ናይ ሰብ ኣራወት’ዩ። ነቲ እግዚኣብሄር፡

 

“ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ኣእምሮኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ ግምባርኩም ድማ ኽታብ ይኹን። ኣብ ቤትኩም ኮፍ ምስ በልኩም፡ ኣብ መገዲ ኽትከዱ ኸሎኹምን ኣብ በጥ ምባልኩምን ኣብ ምትንሳእኩምን ብእኡ እናተዚረብኩም፡ ንደቅኹም ምሃርዎም። ኣብ ልዳት ቤትኩም ኣብ ማዕጾኹምን ከኣ ጽሓፍዎ። ሽዑ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ዕድሜኹም ንዕድመ ደቅኹም ንከም ዕድመ ሰማይ ኪበዝሕ እዩ።” 

 

ኢሉ ዝኣዘዘና ቓል ድማ ወርትግ ክንዝክሮ ይግባእ (ዘዳ 11፡18-21)። ነዚ ኽንገብር እንተ ዘይፈቐድና ግና፡ እቲ ኣብ ደቅና ዘርኣናዮ ስውር ጭካነ፡ ጽባሕ ንግሆ ብግህዶ በቲ ጻድቕ ፈራዲ ኽንፍደዮ ኢና። ኣብ ኢድ’ቲ ኸም ሓወ ዝባላዕ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምውዳቕ ድማ ኣዚዩ ዘሰክሕ’ዩ (እብ 10፡21፣ 12፡28,29)።

 

እቶም ነቲ ዝተዋህቦም ናይ መጋብነት ጾርከም ዝግባእ ኪፍጽሙ ንእሙናት ኰይኖም ኪርከቡ ዝኽእሉ፡ እቶም መንፈሳዊ ምስትውዓሎም ዝተኸፍተ ጥራሕ’ዮም። ጐይታና ነቲ ንፉዕ መጋቢ፡ እሙን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣስተውዓሊ ኢሉ ዝጸውዓሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። በዚ ጊዚያው ንምድራውን ጥበባት ኣዝና ሊቃውንቲ ኽነስና፡ በቲ ዘለኣለማዊ ንመንፈሳዊን ጕዳያት ግና ምስትውዓሎም ዝተደፍነ ደናቍር ክንከውን ይከኣል’ዩ’ሞ ርእስና ንፈትሽ። ብዝዕባ’ታ ኣብ ገገዚና ዘላ ንእሽቶ ስድራቤት ኣምላኽን ፡በዛዕባ’ታ ኣብ ቤተክርስትያን ዓባይ ናይ ኣምላኽ ስድራ ቤትን ዘሎና ናይ መገብቲ ሓላፍነትን ተልእኾን ከምዝግባእ ንፈጽም። እሙናት እምበር ጠለምቲ ኣይንኹን። ኣመንቲ ምዃንና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ኪኣምነና ዝኽእል እሙናት ምዃንና ነረጋግጽ። እቶም ደቁ ከም ዝዀኑ ጌርና ኸነዕብየሉ ዝሃበና ደቅና፡ እሙናት መገብቲ ዄንና ንጓስዮም!!

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ሓምሌ 28, 2019 (ሓምሌ 21, 2011)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 64/65፡9-10

“ሐወጽካ ፡ ለምድር ፡ ወአርወይካ ፡ ወአብዛኅኮ ፡ ለብዕላ ፡
ፈለገ ፡ እግዚአብሔር ፡ ምሉእ ፡ ማያት”

“ንምድሪ ትበጽሓን፡ ዕልቕልቕ ተብላን፡ ኣዚኻ ተሀብትማ፡ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ።”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ዕብ 11፡1-10

ድያቆን

ወንጌል፡ ማቴ 24፡36-ፍጻሜ

2ጴጥ 2፡1-9

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ 300 ምእት

ግብ 17፡22-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div