ምስጋና ነዘውትር ኣብ ዝኾነ እዋን:
ንኣደታትና ንኣንስትና ብጉቡእ ነመስግነን:
ደቂ ኣንስትዮ ይመስገና ብሓባር ኩለን:
እዘን ብሩኻት ኣሓትና መዘና ዘይብለን:
ንዝዓበና ንዝነኣስና ኣለይትና ንሰን:
ንዓና ኩርዓትና ሓበንና ንሳተን :
ክብሪ ንኣምላኽና ሞገስ ንዓታተን::
በዓልቲ ቤቱ ዘኽብር በሊሕ:
ኣብ ስድራቤቱ ስሙ ሰፊሕ:
ኣብ መረበቱ ሓዳሩ ገፊሕ:
ኣብዛ ዓለም ዕድሚኡ ነዊሕ::
በዓልቲ ቤቱ ዘየኽብር ልበ-ተሪር:
ኣብ ጃህራን ፈኸራን ዝነብር:
ሓዳሩ ይኸስር ክብረቱ ይሓስር:
ኣብዛ ዓለም ዕድሚኡ ይሓጽር::
ቆልዓ ኣብ ሕቑፎ ኣዲኡ ይቀብጥ ይሕንቅቅ:
ሰብኣይ ሰበይቱ ዝፈቱ ሓዳሩ ይመውቅ:
ቆልዓ ናብ ኣዲኡ ይጎዪ ክሕቆፍ:
ሰብኣይ ናብ ሰበይቱ ይጽጋዕ ክድገፍ:
ቆልዓ ኣዲኡ የናዲ ክምገብ ክዕንገል:
ሰብኣይ ሰበይቲ ይደሊ ሓዳራ ተገልግል:
ቆልዓ ካብ ኣዲኡ ይረክብ ዘይውዳእ ፍቕሪ:
ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ይቕበል ዘየቋርጽ ምኽሪ:
ቆልዓ ይርዕድ ይደሃል ኣዲኡ ዝሰኣነ:
ሰብኣይ ሰበይቲ ዘይብሉ ገና ከይመሰለ መኸነ:
ቆልዓ ካብ ኩሉ ሰብ ዝያዳ ኣዲኡ ይፈቱ:
ሰብኣይ ሰበይቱ ኣይፍታሕ ከይጽልምት ቤቱ:
ቆልዓ ይጉብዝ ይዕንትር ጸባ ኣዲኡ ዝጸገበ:
ሰብኣይ ይኾርዕ ለባም ሰበይቲ ዝረኸበ:
ቆልዓ ብጽቡቕ ይዓቢ መግቢ ኣዲኡ ዝበልዐ:
ሰብኣይ ይልብም ምኽሪ ናይ ሰበይቱ ዝሰምዐ:
ቆልዓ ይመርጽ ይምርዖ ኣዲኡ ትመስል:
ሰብኣይ ሰበይቲ ይምርዖ ኣብ ቤቱ ትዓስል:
ቆልዓ ይዝክር ካብ ኣዲኡ ዝረኸቦ ምዕዶ:
ሰብኣይ የኽብር ምስ ሰበይቱ ዝገበሮ ጽምዶ::
ፍቕሪ ኣብ ሰበይቲ ጥራይ ከምዘላ ንዘክር:
ኣብዛ ዓለም ቀሲንና መታን ብሰላም ክንነብር:
ቃል ኪዳን ነደልድል ኣንስትና'ውን ከነኽብር:
ኣዲኡ ሰበይቱ ዘመስግን ይኸብር ይረዝን:
ኣዲኡ ሰበይቱ ዘየመስግን የጉሂ የሕዝን:
ኣዲኡ ሰበይቱ ብግቡእ ዘመስገነ:
ኣብ ህዝቡ ከበረ ኣብ ሂወቱ ቀሰነ::
ኣዲኡ ሰበይቱ ዘመስገነ ዘኽበረ:
ሰናይ ምስጋና ወትሩ ዘዘውተረ:
ኣብ ፍቅርን ሰላምን ከምዝነብር ዝገበረ:
ጻምኡ ይረክብ ናይ ምስጋንኡ ፍረ:
ረብሐ ምበር መን ኣሎ ዝኸሰረ:
ካብዚ ዝበለጸ እንታይ ኣሎ ጥዑም ወረ:
ክብሪ ይዅኖ ነቲ ደቂ ሰባት ዝፈጠረ:
ሰላም ይኹን ምስ ኵላትና ደቂ እረ::
ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን:
24 ሕዳር 2025
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ