ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ግቡእ መንፈስ ምትሕብባር ክህሉ ወይ ዘይክህሉ ናይ ደቂ ሰባት ድሌትን ብስለትን ምርጫን ይውስኖ። ኣብ ደቂ ሰባት ቅኑዕ መንፈስ ምትሕብባር ክህሉ ከሎ ኣብ ሂወቶም ረብሓ ኣለዎ። ኣብ ሕድሕዶም: ክብረት: ሓድነት: ጥምረት: ስምረት: ቅሳነት: ዕርቂ የኸትል። ከምኡ ውን ካብ ኣምላኽ ግቡእ ዓስቢ ኣይስኣንን። በንጻሩ ኣብ ደቂ ሰባት ምዕሩይ መንፈስ ምትሕብባር እንተ ዘይሃልዩ ግን ኣብ ሂወቶም ክሳራ ኣሎዎ። ኣብ ሕድሕዶም ሕስረት: ውርደት: ፍሽለት: ጥልመት ክፍኣት: ክሕደት የስዕብ። ብእኡ መጠን ከኣ ካብ ኣምላኽ ጸጋን በረኸትን ኣይርከብን። ኣብ ሕብረተሰብና ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ዓንቀፍቲ ምኽንያታት (ከም ኣብ ሕድሕድ ምንኻስን ምክሳስን) ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ነዘውትሮ መንፈስ ምክብባርን ምትሕባርን ዛሕቲሉ ይርኤ ኣሎ። እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘገርም ኣብ ገለ ደቂ ሰባት ዘይኮኑ ፍጥረታት ግን ኣብ ሕድሕዶም መንፈስ ምትሕብባር ከዘውትሩ ከም ባህርያዊ ተውህቦኦም መሲሉ ይርአ። ካብዞም ዝስዕቡ ደቂ ሰባት ዘይኮኑ ፍጥረታት ኣብ ሂወቶም መንፈስ ምትሕብባር ከመይ ኢሉ ከምዘገልግል ክንርኢ ኢና። ከምኡ’ውን ንሕና ደቂ ሰባት ስነ-ልቦና ሓዘል ትምህርቲ ገለ ኣይፍለጥን ካብዞም ዘይደቂ ሰባት ገለ እንተተማሃርና እንተቀሰምና ሓደ ሓደ ኣብነታት ከም መረዳእታ ንከታተል።
ቀዳመይቲ ኣብነት ካብ ኣዕዋፍ: ፐንጕንስ ዝተባህሉ ብኽልተ ኣእጋሮም ኮደብ ኮደብ እናበሉ ዝኸዱ ዘይነፍሩ ኣዕዋፍ ኣብ ኣርክቲክን ኣንታርክቲክ ቦታታት ብብዝሒ ይርከቡ። እዞም ክልተ ቦታታት መጠን ዘይብሉ ዛሕልን በረድን ዘሎዎም ክፍሊ ዓለማት ኢዮም። ፐንጕንስ ኣብ ሕድሕዶም መታን ክሞቑ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ኣብ ሐደ ቦታ ዑጉግ ኢሎም ይእከቡ። እዞም ኣዕዋፍ በብሓደ ተሰሪዖም ሓደ ዓቢ ዓንኬል ይፈጥሩ። ኣብታ ዓንከል ነንሕድሕዶም ተጓዛጉዞም ክእከቡ ከለዉ ይሞቑ። ኣብቲ መስርዕ ዘለዉ ተኸታቲሎም ናብቲ ውሽጢ ዓንኬል በብተራ ክሞቑ ይኣትዉ። እቶም ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ዝጸንሑ ምስ ሞቑ ነቶም ካልኦት ቦታ ክገድፉሎም ካብታ ውሽጢ ዓንኬል ይወጹ። ከምኡ እንዳበሉ ገሊኦም ምስ ሞቑ ካብታ ውሽጢ ዓንኬል ክወጹ: ገሊኦም ከኣ ክሞቑ ናብታ ውሽጢ ዓንኬል ክኣትዉ ቀጻሊ ናይ ቦታ ምልውዋጥን ምትኽኻእን ይገብሩ። እቶም ዝሞቑ ካብታ ውሽጢ ዓንኬል ምስ ወጹ መግቦም ክምእርሩ ይኸዱ: ግን ምስ ቆረሩ እንደገና በብተራ ተሰሪዖም ናብታ ውሽጢ ዓንኬል ክሞቑ ይምለሱ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም እቶም ፐንጕንስ ተረኦም ሓልዮም ክሞቑ ናብታ ውሽጢ ዓንኬል መዓስ ክምለሱ ከምዘለዎም ይፈልጡ። ከምኡ’ውን ኣብታ ውሽጢ ዓንኬል ዝጸኑሑ ምስ ሞቑ ንኻልኦት ቦታ ገዲፎም ክወጹ ከምዘሎዎም’ውን ይርድኡ። እዞም ፐንጕንስ ብምትሕብባር ዕለታዊ ሂወቶም ብሰላም ክመርሑ እንከለዉ ንሕና ከም ደቂ ሰባት መጠን ካብዞም ኣዕዋፍ ብዝለዓለ ምስትውዓልን ክእለትን ኣብ ሕድሕድና ተኸባቢርና ተሓባቢርና ክንነብር ከምዘሎና ዘዛኻኸረናን ዘተሓሳስበናን ዓቢ ጉዳይ ኮይኑ ንረኽቦ።
ካልኤይቲ ኣብነት ካብ ኣግራብ: ኣብ ሃገር ኣሜሪካ ቀያሕቲ ኣእዋም (ረድ ውድስ) ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓይነት ኣግራብ ኣለዉ። እዞም ኣእዋም ትኽ ዝበሉ ነዋሕቲ ብዙሕ ርጉዲ ዘይብሎም ኣግራብ ኢዮም። ናይዞም ኣእዋም ሰራውር ሓጸርቲ ኢዮም። እቶም ሰራውር ምስ ርጕዶምን ቁመቶም ናይቶም ኣእዋም ዘይመጣጠኑ ኢዮም። ኣብ ቃልዕ ቦታ ፍንትት ፍንትት ኢሎም ተፈላልዮም እንተ ዝርከቡ ብርቱዕ ንፋስ ምስ ዝናብ ብቐሊሉ ክሰብርዎም ምኻኣሉ። ግን ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ስለዝርከቡ እቶም ሓጸርቲ ሰራውር ኣብ ሕድሕዶም ተጠናኒጎም ተኣሳሲሮም ብምትሕብባር ነቲ መሬት ዓትዒቶም ይሕዝዎ። ከምዚ ኢሎም ኩሎም ተሓባቢሮም ስለዝተሓጋገዙ ብርቱዕ ናፋስ ምስ ዝናብ ተሓዊሱ’ውን እንተመጸ ብቐሊሉ ከጥቅዖም ኣይክእልን። እቲ ዕለታዊ ባህርያዊ ሂወቶም ብከምዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣገባብ ኣብ ሕድሕዶም ብምትሕብባር ይቕጽል። እቲ ኣውራ ዘገርም ኣግራብ’ውን እንተኾኑ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ኣብ ሕድሕዶም ክተሓባበሩ እንዳረኤናን እንተተዓዘብና ንሕና ደቂ ሰባት ነዞም ኣግራብ ከም ኣብነት ወሲድና ካብኣቶም ተማሂርና ተኸባቢርና ተሓባቢርና ሂወትና ዘይምምራሕና ኣየሕትተናን'ዶ? ስለዚ ርእስና ሓኺኽና: ዓይንና ከፊትና: እዝንና ጸሊና: ቀልብና ቀሊስና: ስነ-ልቦናና ደሪኽና: ኩነታትናን ጸገማትናን ብዕቱብ ተጊህና እንተንሓስበሉ ዝሓሸን ዝተመርጸን ስነ-ምግባር ኢዩ።
ሳልሰይቲ ኣብነት ካብ ገለ እንስሳታት: ኣብዛ ዓለምና ኣብ ሕድሕድ ገለ እንስሳታት መንፈስ ምትሕብባርን ሓድነትን ብግቡእ ከዘውትሩ ይረኣዩ እዮም። ሓደ ግዜ ኣብ ሃገርና ኤሪትራ ሓደ በዓል መኪና መኪንኡ ዘዊሩ ካብ ኣስመራ ናብ መንደፈራ ገጹ ክጓዓዝ ከሎ ኣብቲ ጥውይዋይ ቁልቁለት ሽከቲ ምስ በጽሐ ብዙሓት ጭፍራ ኣህባይ ማለት ዓበይቲ ኣረገውቲ መንእሰያት ናእሽቱ ህጻናት ከም ሓንቲ ጥምርቲ ስድራ ቤት ኮይኖም ተመራሪሖም ነቲ ጽርግያ ክሳጋሩ ረኸቦም። እቶም ኣጕባዝ ገዋኑ እንዳ ገዓሩ እንዳ ፈከሩ ካብ ሓደ ወሰን ናብቲ ሓደ ወሰን ጽርግያ እንዳ ዘለሉ ነቲ በዓል መኪና ጠንቀስ ከይትብል ዝብል ዓይነት መጠንቀቕታ ሃብዎ። በዓል መኪና ኸኣ ሕራይ ኢሉ መኪንኡ ጠጠው ኣቢሉ ክሳብ ኩሎም ነቲ ጽርግያ ዝሳገሩ ተጸበዮም። ኩሎም እቶም ኣህባይ ናብቲ ሓደ ወሰን ጽርግያ ምስተሳገሩ እቶም ገዋኑ ኣብቲ ደረት ጽርግያ ኮይኖም ንብዓል መኪና ሕለፍ ዝብል ዓይነት ምልክት ኣርኣይዎ። እዞም ኣህባይ ገሊኤን ኣደታት ህፃናት ሓዚለን ገሊኦም ኢቦታት ቆልዑ ሓንጊሮም ገሊኦም ገዋኑ ንገለ ኣረገውቲ ደጊፎም ብምትሕብባር ጽርግያ ክሳገሩ ብምርኣዩ እቲ በዓል መኪና ብዙሕ ተገረመ። ድሕሪ ምስትብሃል ይቕጽል ምስትውዓል ከምዝብሃል ንሕና ደቂ ሰባት ብተፈጥሮኣዊ ኣታሓሳስባና ካብዞም ኣህባይ ንበልጽ ኢና ንብል ግን እቲ መባእታዊ ባህሪያዊ ምትሕብባር ክንዲ ናይቶም ኣህባይ ዝኣክል ከነዘውትር ኣይከኣልናን። እዞም ኣህባይ ኣዝማድና ብኣና ደቂ ሰባት ከየላገጹ ከይሳሓቁ ከለዉ እቲ ጸገምና ፈቲሽና ተረዲእና ብዓንተብኡ ክንፈትሕ ንቀዳደም።
እምብኣርከስ ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ገለ ካብ እንስሳታት: ከም ኣህባይ: ተኹላ: ገለ ካብ ኣዕዋፍ: ከም ፐንጒንስ: ገለ ካብ ሓሳኹ: ከም ንህቢ ጻጸ: ገለ ካብ ኣግራብ: ከም ቀያሕቲ ኣእዋም: መንፈስ ምትሕብባር ከም ባህርያዊ ስነ-ምግባር ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ንዕዘብ። ንሕና ደቂ ሰባት ካብዞም ዝተጠቕሱ ፍጥረታት ዝለዓለ ዝበለጸ ናይ ስነ-ኣእምሮ ምስትውዓልን ምርዳእን ክእለት ዘሎና ክነስና ኣብ ሕድሕድና ዝግለጽ መንፈስ ምትሕብባር ግን ከምቲ ናታቶም መጠን: ዓቐንን ብልሓትን ከምዘይነዘውትሮ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ጎሊሑ ይርኤ ኣሎ። እቲ ኣብ ሕድሕድና ዘየተሓባብር ዘየረዳድእ ኩነታት ሓደገኛ ሕማም ኮይኑ ስለዘሎ እቲ ጸገምና ተረዲእና ፈሊጥና ብህጹጽ መፍትሒ ከነናድየሉ ይግባእ። “ምኽሪ ንዝሰምዑ: ማይ ንዝጸምኡ” ከምዝብሃል: ነዚ ኣብዚ ጽሑፍ ዝቐረበ ስነ-ልቦና ሓዘል ትምህርቲ ኣቓልቦ ጌርና እቲ ኣብ ሕድሕድና ዝዛሪ ዘሎ መንፈስ ምትህልላኽን ምትፍናንን ክንኣሊ ዘይሕለል ጻዕሪ ንግበር። እቲ ኹሉ ዘይሰኣኖ፡ እቲ ኹሉ ዝከኣሎ ልዑል ኣምላኽና ተኸባቢርና ተሓባቢርና ክንነብር በረኸት ረዲኤቱ የውሩደልና።
ዝጸዓረ ይዕወት ኢዩ'ሞ መንፈስ ምክብባርን ምትሕብባርን ምስ ኵላትና ይዅን።
ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
ታሕሳስ 2025
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ