ድሕሪ በኣተ-ክረምት (ምእታው ክረምቲ) እዚ ዕለት እዚ ኻልኣይ ሰንበት ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ምስላ ዘርእን ዘራእን’ ኢና ዝረኣና፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ክንመሃር ተሰሪዑልና ኣሎ። እዚ ኽቡርን ረቂቕን ምስላ እዚ፡ ንውልቀ ክርስትያንን ብዓባያ ንቤተ ክርስትያንን ኣዝዩ ዓብዪ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ኺትርጕመሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታና ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ዚትርጐም ኣብ ማቴ 13፡37-43 “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ (ክርስቶስ) እዩ።
እታ ግራት ኸኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ እቶም ደቂ መንግስቲ (ጻድቃን) እዮም። እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ (ረሲኣን) እዮም። እቲ ነቶም (ኽርዳድ) ዚዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ዲያብሎስ እዩ። እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ። እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። ኽርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ። ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ ናብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።” ብምባል ገለጸሎም። እምበኣር እቲ ኣብ ህይወቱ ኽርዳድ ኪዝራእን በቝሉ ኺፈርይን ዝፈቐደ ውልቀ ክርስትያን፡ ንሱ ብዓቢኡ’ውን ኽርዳድ ናይታ ዚነብረላ ዘሎ ዓለምን ቤተ ክርስትያንን እዩ ዚኸውን። ካብቲ ኣብ ህይወቱ ዚፈርዮ ሓጢኣት ዝተላዕለ፡ ውሉድ ናይቲ ኽፉእ ዲያብሎስ ይኸውን።
ብኣንጻሩ፡ እቲ ንልቡ ካብ ከውሕን እሾኽን ዳንዴርን ኣጽርዩ፡ በቲ ኣሚኑ ዝተቐበሎን ዝተኣዘዞን ቃል ብትዕግስቲ’ውን ካዕበት ዝፈረየ ክርስትያን ግና፡ ውሉድ ናይታ ኺወርሳ ዝተዳለወትሉ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን። ክልቲኦም ዘራእቲ፡ ማለት ክርስቶስን ሰይጣንን፡ ነናቶም ሰብ ኣብዛ ዓለም ዚዘርኡሉ ምኽንያትን ዓላማን ኣለዎም። ሰይጣንን ሓጥኣን ኣብ ምድሪ ዚዘርኦምን ዜብዝሖምን፡ “መዓንቀፍትን ዓመጽትን” ምእንቲ ኪዀኑሉ እዩ። ስለዚ ሓጥኣን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብተልእኾ እዮም ዚነብሩ። ልኡኻትን ኣገልገልትን ምዃኖም ዘይክፈልጡ ይኽእሉ እዮም። ንገዛእ ርእሶምን ንፍቓዶምን ዜገልግሉ ዘለው ደኣ ይመስሎም እምበር ልኡኻትን ባሮትን ናይቲ ኽፉእ ዲያብሎስ እዮም። በቲ ዚገብርዎ ግብሪ ዓመጻ ንብዙሓት ሓጢኣት ናብ ምግባር የዐንቅፍዎም። ይትረፍ ንኸምኣቶም ረሲኣን ዋላ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሕሩያት እኳ ናይ ምዕንቃፍ ዓቕሚ ኣለዎም። ሊቀ መዛምራን ኣሳፍ፡ “ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል፡ ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ። ራህዋ ረሲኣን ምስ ረኣኹ፡ ንደፋራት ቀናእኩም” ብምባል ከም ዝተዓንቀፈ ተኣሚኑ ኣሎ (መዝ 73፡2,3)። ኣካይዳን ናብራን ናይቶም ረሲኣን፡ “ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ፧ ስለምንታይከ ኵሎም ጠለምትከ ዕድል ዝዀነሎም፧” ዚብል ፈታኒ ሕቶ ኸም ዘለዓዓለሉ’ውን ነብዪ ኤርምያስ ገሊጹ ኣሎ (ኤር 12፡1)። ስለዚ ረሲኣን ንጻድቓን ንምዕንቃፍ በቲ ኽፉእ ዲያብሎስ ኣብ ምድሪ ዝተዘርኡ ኽርዳድ ምዃኖም ዘየጠራጠር እዩ።
እቲ ኻልእ ንሓጥእ ኰነ ንጻድቕ ዚዕንቅፈሉ ጥበቦም ድማ ግብሪ ዓመጻ ብምፍጻም እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ጸርፊ፡ ሕምየት፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ማህረምቲ ወዘተ ብምፍጻም እቲ ግዳዮም ኣብቲ ናታቶም መጻወድያ ከም ዚወድቕ ይገብርዎ። ንኣብነት እቲ ሓጥእ ሊቀ ካህናት፡ እቶም ገላውኡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኪጸፍዕዎ ምስ ኣዘዘ፡ እቲ ቕዱስ ሃዋርያ ተቘጢዑ፡ “ኣታ ልቕሉቕ ግድግዳ” ኢሉ ቓል ጸርፊ ኣውስአ (ግብ 23፡1-5)። ክርስቶስ ጐይታና ግና ነቶም ዝጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን። ስለዚ በቲ ሓጢኣቶም ተዓንቂፍካ ሓጢኣት ክትገብር ብምድራኽን ብምዕንቃፍን ነቲ ዝለኣኾምን ዝዘርኦምን ሰይጣን የገልግልዎ ማለት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ባዕሉ መሳደድን ሓጥእን ፈሪሳዊ ኸሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ንምንታይ ስቓይ የውርድ ከም ዝነበረ “ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙሕ ጊዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር (ንኣምላኽ) ኪጸርፉ ኣጽብበሎም ነበርኩ” ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (ግብ 26፡11)። ስለዚ እቶም ኣብ እምነት ክርስቶስ ዘየለው ተጻረርቲ ወንጌል፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣገልገልትን ኣመንትን ናይ ክርስቶስ ስቓይን መከራን ዜውርዱ ምእንቲ ኺዕንቅፍዎም እዮም። ግደ ሓቂ ኸኣ ብምኽንያት ዝወረዶም መከራ ንክርስቶስ ጐይታኦም ክሒዶም ንድሕሪት ዚምለሱ ሰባት ማእለያ የብሎምን። እምበኣር ሓጥኣን ሰባት፡ ብቐጥራዊ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ ንሰባት ንምዕንቃፍ ብሰይጣን ዝተዘርኡ ኽርዳድ እዮም።
ናይቲ በዚ ኸምዚ ንሰይጣን ዜገልግል ክርዳድ ዕጫ ድማ ጐይታና ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ጐይታና ኣብ ዕለተ ምጽኣቱ ንሰራዊት መላእኽቱ ምስ ለኣኸ፡ ንህሉዋትን ምውታትን ሓጥኣን ከካብ ዘለውዎ ለቒሞም ኪእክብዎም እዮም። ከምቲ ጐይታ ዝኣዘዞ ድማ ናብቲ እቶን ሓዊ ዝዀነ ገሃነም ኪድርብይዎም እዮም። እዚ እቶን ሓዊ እንታይ ከም ዚመስል፡ ኣብ ራእ 21፡8 “እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለው ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽርዳድ ኰይኖም ንሰይጣን ዜገልግሉሉ ጊዜ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ጥራይ እዩ። ዓስቢ ናይቲ ኽርዳድ ኰይኖም ንሰይጣን ዝሃብዎ ኣገልግሎት ግና ምስኡ ምስቲ ዘገልገልዎ ሰይጣን ኣብቲ ቐላይ ዲንን ሓውን ንዘለኣለም ምንባር እዩ። ኣብዛ ሓጻር ዕምሪ እዚኣ ኸም ፍቓድካ ኽትከውን ክትብል፡ ገዛእ ርእስኻ ባርያ ሓጢኣት ምግባርን፡ ንኸምዚ ዝበለ ዘለኣለማዊ ስቓይን ኣሕሊፍካ ምሃብ ከመይ ዝበለ ኸቢድ ዕሽነት ምዃኑ ነስተውዕል። ልቡን ኣእምሮኡን ዝተደፍነ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሰብ ብኸምዚ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኺጭክን ምርኣይ ኽትርድኦውን ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ገዛእ ርእስና ኽርዳድ ሰይጣን ካብ ምዃን ነድሕን።
እቶም ክርዳድ ሰይጣን ካብ ምዃን ርእሶም ኣድሒኖም፡ ናይ ኣምላኽ ስርናይ ኣብ ምግባር ዝተዓወቱ ሰባት ግና፡ ኣብታ ቆፎ ቕዱሳንን ጻድቃንን ዝዀነት መንግስተ ሰማያት እዮም ዚኣትው። ጐይታና ምእንታኦም’ዩ ዳግማይ ዚግለጽ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ እዚ፡ ኣብ እብ 9፡27,28፦ “ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡ’ውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውአ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።” ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነፍሶም ድሮ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ስለ ዝደሓነት እያ፡ ክርዳድ ናይቲ ኽፉእ ጸላኢ ዘይኰኑ። እንተ ዀነ ብስጋ ብዙሕ መከራ ስለ ዚቕበሉን ስለ ዚሳቐዩን፡ ካብዚ ስቓይን ውርደትን እዚ ኣናጊፉ ናብቲ ዝተዳለወሎም መዳርግቲ ኣልቦ ኽብሪ ኼእትዎም እዩ ምእንታኦም ዚመጽእ።
እዞም ጻድቃን ናብታ መንግስቲ ኣቦኦም ምስ ኣተዉ ልክዕ ከም ጸሓይ ከም ዚበርሁ ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ዜገርም ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ከም ጸሓይ ዚበርህ ምዃኑን፡ ንሳቶም ድማ ልክዕ ንእኡ ዚመስሉ ምዃኖምን እዩ፡ ኣብ ደብረ ታቦር ኣብ ቅድሚ እቶም ሰለስተ ምርኡያት ሃዋርያቱ መለኮታዊ ኽብሩ ምስ ገለጸ፡ ወንጌላዊ ማቴዎስ ነቲ ትርኢቱ፡ “ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሀ፡ ክዳኑ’ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ” ብምባል ገለጾ (ማቴ 17፡2)። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ (ፍጥሞ) ዀይኑ ደጊሙ ብራእይ ምስ ረኣዮ ድማ፡ ብዛዕባ፡ “. . . ትርኢቱ’ውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ። . . . እታ ኸተማ እቲኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ ኣሎ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ’ሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ።” ኢሉ ገለጸ (ራእ 1፡16 21፡23)። ነብዪት ዲቦራ’ውን፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡ እቶም ዚፈትውዎ (ጻድቃን) ግና፡ ከም ጸሓይ ብሓይላ፡ ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ይድመቝ።” ብምባል ትንቢታዊ ቓል ተዛሪባ እያ (መሳ 5፡31)።
እቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብዅሉ ኣካይዳኦም ዝመሰልዎ፡ ኣብ ሰማያት’ውን ብኽብሩ ኺመስልዎ ኣምላኽ ብሕያውነቱ መዲቡሎም እዩ። ስለዚ ድማ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ “ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ድማ ክንለብስ ኢና ። . . . ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበይ ኣሎና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ። . . . ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ኸኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኣሎና። . . . ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ (ክርስቶስ) ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዅሮም ምእንቲ ኪኸውን ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም።” ብምባል ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ 15፡49 ፊሊ 3፡20,21 1ዮሃ 3፡2 ሮሜ 8፡29)።
እዚ ዚመስል ረብሓን ክብርን ተዳልዩካ እናሃለወ፧ ምእንቲ ጊዝያውን ምድራውን ረብሓ ኢልካ ውሉድ ጸልማትን ኽርዳድ ሰይጣንን ክትከውን ምምራጽ ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነት እዩ። መወዳእታኻ ብገዛእ ምርጫኻ ከተበላሽው ዚገብር ሰይጣን ጥራይ እዩ። እቲ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ንምድሓን ዝለበመ ክርስትያን ግና ነዚ ናይ ሕጂ ናብራኡ ብመንጽር እቲ ኺበጽሖ ዚደልዮ መወዳእታ እዩ ዜማእዝኖ። ስለዚ እቲ ሰናይ ዘርኢ ናይ ክርስቶስ እምበር፡ እቲ እኩይ ዘርኢ ዲያብሎስ ኣብ ህይወትና ኸይዝራእ ርእስና ንሓልው። እቲ፡ “ኪድረሩ ኸለው ኸኣ፡ ዲያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ (ንጐይታኡ) ኼትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ (ዘሪኡ) ነበረ።” ዚብል ቃል ሰይጣን ብኸመይ ናብ ጥፍኣት ኸም ዚኽብክበካ ዜመልክተና እዩ (ዮሃ 13፡2)። ኣብ ኣእምሮና ሓሳቡ ኺዘርእ እንተ ፈቒድናሉ፡ ሽዑ ንብዘሎ ኣካላትናን መንፈስናን ናብ ክርዳድ ለዊጡ፡ ሕውየት ከም ዘይንረክብ ገይሩ ኼጥፍኣና እዩ’ እሞ ንንቃሕን ንጠንቀቕን። ከመይሲ ደቂ እቲ ኽፉእን መጥፍእን ካብ ምዃን ደቂ’ቲ መድሓንን ሰናይን ጐይታ ምዃን’ዩ ዜሕሸና!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 65፡10 አርውዮ ለትለሚሃ ወአሥምሮ ለማዕረራ ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሓ “ንነግሕታታ ተስትዮ፡ ንድንኵላታ ትምድምዶ፡ ብዝናም ተለምልማ፡ ንብቚላ ትባርኾ።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
እብ 6፡7-ፍጻ
|
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ማቴ 13፡1-31 |
1ጴጥ 3፡8-15 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ (ንኣኵተከ) |
ግብ 14፡8-19 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ