ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 18 ክሳብ 23 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “በጊዜሁ ኃለፈ ክረምት” (ጊዜኡ ሓልዩ ክረምቲ ሓሊፉ) ኢላ ቤተ ክርስትያና ትሰምዮ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ኩሉ ኣብ ኢዱ ሙኻኑ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃን ንጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።” ግብሩ ክንጥምት ኢዩ። ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላክ ኣብዚ ጽሑፍዚ ሓቢርና ንርእዮ፡ ነቲ ዘፍርሕ ዝነበረ፡ ክረምቲ ወቅቱ ሓልዩ ክሓልፍ ካብ ገበሮ፡ ነቲ ኣብ ማዕልታዊ ህይወትና ዘይሓልፍ ዝመስል ዝገጥመና ዘሎ ጭንቀት፡ከመይ ኢልና ክንሰግሮ ከም ዝግባእና ክንርኢ ኢና።
“ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ክገብር እየ ኢሉ ሐሰበ።” ሉቃ 12፡16-17፡29,30። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 3 ክሳብ 9 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ” (ናይ ጥበቡ ውዕለት ድንቅን መስተንክርን እዩ።) ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ንከዋክብቲ ሰማይ ብብርሃን ዘድመቀ፡ ንምድሪ ብኣዚዮም ዝማሩክ ብሉጻት ዕምባባታት ዝሸለመ፡ንመሬት ፍሬኣ ክትህብ ዝገበረ፡ ንቅዱሳን ኣቦታት መጐሶም ዝኾነ፡ አምላክ ምስጋና ነቅርበሉ ጊዜ እዩ።
ኣቕሊብናሎም እንተ’ሊና፡ ናይዚ ዕለት እዚ ንባባትና ብዘይካ ግብረ ሃዋርያት፡ ኵላቶም መርዓዊ-ጠቀስ እዮም። መዝሙር ሊቃውንትና’ውን “ትዌድሶ መርዓት” ዚብል’ዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ፡ “መርዓዊ” ዚብሎ ዘሎ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። “መርዓት” ዚብላ ዘሎ ድማ ንቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንገዛእ ርእሱ ድማ “ዓርኪ መርዓዊ” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ዓብይ መልእኽቲ እዚ ዚዛረቦ ዘሎ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ንኣታቶም “ኣሻቓሊ” ዀይኑ ዝረኸብዎ ዜና ምስ ነገርዎ እዩ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 18 ክሳብ 23 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “በጊዜሁ ኃለፈ ክረምት” (ጊዜኡ ሓልዩ ክረምቲ ሓሊፉ) ኢላ ቤተ ክርስትያና ትሰምዮ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ኩሉ ኣብ ኢዱ ሙኻኑ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃን ንጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።” ግብሩ ክንጥምት ኢዩ። ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላክ ኣብዚ ጽሑፍዚ ሓቢርና ንርእዮ፡ ነቲ ዘፍርሕ ዝነበረ፡ ክረምቲ ወቅቱ ሓልዩ ክሓልፍ ካብ ገበሮ፡ ነቲ ኣብ ማዕልታዊ ህይወትና ዘይሓልፍ ዝመስል ዝገጥመና ዘሎ ጭንቀት፡ከመይ ኢልና ክንሰግሮ ከም ዝግባእና ክንርኢ ኢና።
“እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።” ማርቆስ 2፡28።
ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዕለት 25 መስከረም ግእዝ ናይ ክረምቲ መወዳእታ ናይ ሓጋይ መጀመርታ ብክብሪ ውዕለት እግዚኣብሄር ትዝክሮሉ ዕለት እዩ። ዘመነ ክረምቲ ዘብቅዓሉ መስከረም 25 ስለዝኮነ ኣብዚ ብኣቦታት ሊቃውንቲ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙር “ ትብሎ መርዓት ለመርዓዊሃ ወልድ እኁየ ነዐ ኀቤየ፡ ወሪደ ኢታጐነዲ” እዚ ማለት ከኣ መርዓት (ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን) መርዓዊ (ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ) ኦ ፍትወይ ናባይ ንዓ እትብሎ። ናይዚ ምሥጢሩ ከኣ ሃዋርያት ብቃላቶም ዘይሰበክዎ ስብከት ዘይመሃርዎ ትምህርቲ፡ የሎን፡ ነቢያት’ውን ብቃሎም ዘይተነበይዎ ፡ትንቢት የሎን። ናይ ነቢያት ትንቢት ናይ ሃዋርያት ስብከት ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም በጽሐ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ማር 2፡23-28 ጐይታ ሰንበት ሙዃኑ ነብያት ዝተነበይዎ ጉይትነትን ሃዋርያት ዘረጋገጽዎ ምስ ህይወትና ኣረጋጊጽና ክንርኢ ኢና።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳዕ 25 ንዘሎ ቕንያት “መስቀል” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ነቲ ንግስቲ ኢለኒ ነቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ፡ ኣይሁድ ግና ኣዕሚቖም ዝቐበርዎ መስቀል ዝረኸበትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ መዓልቲ ዘጠቓለለ፡ ብዓብዩ ግን ነቲ ብጐይታ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ድሕነት ክንዝክርን ነቲ ናትና መስቀል ኣብ ጸጽባሕ ነልዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና ቕንያት ድማ እዩ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳዕ 15 ዘሎ ሳምንቲ፡ “ፍረ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባኽን ንባባትን ኵሉ’ውን ፍረ-ጠቀስ እዩ። ኣብ ዝሓለፋ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባ “ምስላ ዘርእን ዘራእን፡” ከምኡ ድማ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ። እዚ ኸም መሪሕ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ ኽፋል ጥራይ ዘይኰነ እቲ ልዕል ኢሉ ኣብ 4፡26-29፡ ተጠቒሱ ዘሎ፧ “መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ።
“ኣይሁድ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧ ... መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧’ በልዎ፡ ኣነስ...ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡” በሎም።” ዮሃ 1፡19, 22, 23።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ