“እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም።” ዮሃ 20፡25።
ድሕሪ ትንሳኤ ጐይታና፡ እዚ ሰንበት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት እዩ። ብፍላይ እዛ ሰንበት’ዚኣ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ኣብ ሓደ ዕጹው ገዛ ብሓባር ተኣኪቦም ከለዉ፡ ብሃንደበት ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ዝተገልጸላ ዕለት ስለ ዝዀነት’ያ፡ “ዳግማይ ትንሳኤ” ተባሂላ እትጽዋዕ እምበር፡ ጐይታስ ሓንሳእ እምበር ክልተ ሳዕ ኣይተንስአን። ኣብታ ቐዳመይቲ ሰንበት (ፋሲካ) ምድሪ ምስ መሰየ ጐይታ ነቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርቲ (ቶማስ ዘይብሉ) ተራእይዎም ነበረ። ንቶማስ፡ ጐይታ ኸም ዝተራእዮም ምስ ነገርዎ ምእማን ድሕሪ ምእባዩ፡ ካብታ ዝተንስኣላ ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ (ኣብ ካልኣይቲ ዳግማይ ሰንበት ማለት’ዩ) ቶማስ ኣብ ዝነበረሉ ደጊሙ ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።
ሃዋርያ ቶማስ፡ ናይ ትንሳኤኡ፡ ምስክር ኪኸውን ምስ ዓሰርተው ሓደ ብጾቱ ዝተሓርየ ሃዋርያ እዩ። ምስክር ኪኸውን እንተ ዀይኑ ድማ፡ ብዓይኑ ዝረኣየ ኪኸውን ናይ ግድነት እዩ። ንሱ እቶም ዓሰርተ ኣሕዋቱ ብዝነገርዎ ኣሚኑ ተቐቢልዎ፡ እንተ ዚኸውን እኳ፡ ጐይታና ኺረኣዮ ናይ ግድን’ዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ዝተንስአ ጐይታ ብዓይኑ ዘይረኣየ ሃዋርያን ምስክርን ኪኸውን ብቝዕ ኣይኰነን። ናይዚ ሓቅነት ድማ፡ በታ ሃዋርያ ቕዱስ ጴጥሮስ፡ መተካእታ ናይ ይሁዳ ኣስቆርታዊ ንምምራጽ ዝተኣከቡላ ጊዜ ዝተዛረቦ፡ “ስለዚ ኻብዞም በቲ ጐይታና ኢየሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ’ታ ኻባና ዝዓረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወጸሉን ኵሉ ዘመን ዝሰዓቡና ሰባት፡ ካብዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ’ዩ።” ዚብል ቃል ክንርዳእ ንኽእል ኢና (ግብ 1፡21,22)። ጐይታና “ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ስለ ዝበሎም፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኺስብኩ ዀነ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ንፍርዲ ደው ኣብ ዝበለሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ “ኣምላኽ ነዚ ኢየሱስ’ዚ ኣተንሲእዎ’ዩ፡ በዚ ኸኣ ንሕና ዅላትና (ዓሰርተው ክልቴና) ምስክር ኢና። . . .ንሕናስ ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልና’ዩ። . . .ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ። . . .ንሕና ነዚ ነገር’ዚ ምስክር ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ፡” ይብሉ ነበሩ።
ሃዋርያ ቶማስ ግና፡ ምስክር ትንሳኤ ናይ ምዃን ክብሪ ተዋሂብዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ዓሰርተ ሃዋርያት ብእኩብ “ርኢናዮ” ኢሎም ዝሃብዎ ምስክርነት ምቕባልን ምእማንን ስለ ዝኣበየ፡ ጐይታና፡ “ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ገሰጾ። ዓሰርተ ሃዋርያት ነጊሮምዎ ዘይኣመነ ደኣ፡ መን ነጊርዎ’ዩ ኺኣምን፧ ስለዚ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ኺምስክር፡ በይኑ ወይ ምስ ካልኣዩ ምስ ወጸ፡ ህዝቢ ኸምቲ ናቱ፡ “ከይረኣኹ ከይዳህሰስኩ ኣይቅበልን” እንተ ኢልዎ ደኣ እንታይ’ዩ ኺብል፧ እቶም ሕጂ ንሱ ዚነግሮም ሰባት፡ ንኢየሱስ ርእዮምዎ ዘይፈልጡ፡ ንሃዋርያ ቶማስ’ውን ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበረ ፈጺሞም ዘይረኣዩ ሰባት እዮም። ቃል ክርስቶስ ኣሚኑ እምነት ኪተክል ዝተሓርየ ሃዋርያ፡ ምስክር ዓሰርተ ሃዋርያት ሰሚዑ ምእማን እንተ ኣብዩ፡ ንሃዋርያነቱ ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል’ዩ። ጐይታና ኣብቲ ቐዳማይ ጊዜ ኺረኣዮም ከሎ፡ ቶማስ ኣብ ማእከሎም ከም ዘይነበረ ይፈልጥ’ዩ። ስለዚ ወይ ንእኡ ምሳታቶም ከም ዚጸንሕ ኪገብሮ ምኸኣለ፡ ወይውን ዓሰርተው ሓዲኦም ብሓደ ኣብ ዝነበሩላ እዋን ኪኣረኣዮም ምኸኣለ ነይሩ። ንኣታቶም ኰነ ንኣና ኣዝዩ ዓብይ ትምህርቲ ኺህበና ስለ ዝደለየ ግና ከምኡ ኪኸውን ፈቐደ።
ዘይምእማን ንሃዋርያት ከይተረፈ ይፈታተኖም እንተ ነይሩ፡ ንኣናኸ ደኣ እንታይ ኺሓድገልና እዩ። ስለዚዶ ኣይኰነን፡ ጐይታ “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ ! እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ’ዩ፧” ብምባል ናይ ጓሂ ኣስተንክሮ ዘስምዐ!! (ሉቃ 18፡8)። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብተደጋጋሚ “ኣቱም ጕዱላት እምነት” ይብሎም ነበረ። ዘለዎ ዅሉ ሓዲጉ ደድሕሪኡ ዚስዕብ ወደ መዝሙር እምነቱ ጐደሎ እንተ ተባሂላ፡ እዚ ብዘይካ ንሒደት ሰዓታት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ካልእ ጊዜ ቕልቅል ዘይብል ህዝቢ ደኣ፡ “ዘይኣምን ክርስትያን” እንተ ተባህለ የገርምዶ ይኸውን፧ እምበኣር እዚ ዕለት’ዚ “ዘይኣምን ክርስትያን፡ ዘይኣምን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን” ካብ ምዃን ኬድሕነና ዝተሰርዐ ዕለት’ዩ።
“ኣማኒ” ዝዀንካ እናመሰለካ፡ ዘይኣማኒ ዄንካ ምርካብ ስለ ዘሎ’ዩ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ “ኣብ እምነት እንተ’ሊኹም ርእስኹም መርምሩ” ዝበለና። ስለዚ ድማ ኢና፡ ነቲ “ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ዚብል መለኮታዊ ቓል መዓልታዊ እናዘከርና፡ “ኣበየናይ ደምበ ዀን እህልው፧ ጐይታ እንተ ዚመዝነንስ ምስቶም ኣመንቲዶ ምመደበኒ ወይስ ምስቶም ዘይኣመንቲ፧ ኢልና ርእስና ኽንሓት ዚግብኣና። እቲ ዕለታዊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታትን ተግባራትን ርእሱ ዚምርምር ሰብ፡ ኣብ ዘይደምበኡ ኺርከብ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። እቲ “ደሓን ይሃበና” ብዝዓይነቱ ናይ ሃውሪ ኣካይዳ ዚኸይድ እምበር ንነፍሱን ንልቡን ንዅሉ ኣካይዳኡን ሃሰስ ኢሉ ዘይፍትሽን ዘይምርምርን ሰብ ግና፡ ከምተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል፡ ኣብ ውዱእን ዘይምለስን እዋን ጉድ ኪኸውን’ዩ። መርዓዊ ምስ መጸ ብርሃን ቀንዴሉ ጭልምልም ዚብሎ ሰብ፡ እቲ ንሓጐስ ዝተመደበ ናይ መርዓ ጊዜ፡ ንእኡ ግን ናይ ዘይእበድ ብኽያት ዘመን ኪዀኖ እዩ። ስለዚ ኻብ ከምዚ ዝበለ፡ ዘሎካ እናመሰለካ ዘይብልካ ናይ ምዃን ጠባሪ ህይወት ርእስና ኸነድሕን ይግብኣና።
ኣብ እምነት ዘሎናን ዘየሎናን እንፈልጠሉ ንጹር መረጋገጺ ኺህልው ግን ናይ ግድን’ዩ። እቲ ቐዳማይ መረጋገጺ ፡ ቃል እግዚኣብሄር ንዝነገረና ዅሉ ሓቂ፡ ዋላ ዘይመስል ኰይኑ እንተ ተራእየና እኳ፡ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ከም ዘለዎ ኣሜን ኢልካ ምቕባልን ምእማንን’ዩ። ሃዋርያ ቶማስ ነቲ ዝተነግሮ ሓቀኛ ሃዋርያዊ ምስክር ምእማን ስለ ዝኣበየ እዩ “ዘይኣምን ሃዋርያ” ዝዀነ። ኣቦና ኣብርሃም፡ ዚኸውን ዘይመስል ተስፋ ምስ ተዋህቦ ብእምነት ተቐቢሉ ናብ ጽድቂ ኸም ዝበቕዐ፡ “ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ። ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማህጸን ሳራን እናረኣየ ንምእማን ኣይደኸመን። ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዐ እምበር፡ ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይ ምእማኑ ኣይተወላወላን። ነታ (ኣምላኽ) ዝሃቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዚ ድማ (እምነቱ) ንጽድቂ ተቘጽረትሉ።” ዚብል ሃዋርያዊ ምስክርነት ተጻሕፈሉ። ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም’ውን፡ ቅድሚኡ ተነጊሩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፡ በዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብድንግላ ኽትጠንስ ምዃና ምስ ተነግራ፡ ብልዑል እምነት “ከም ዘረባኻ ይዅነለይ” ኢላ ተቐበለቶ። ስለዚ ኸኣ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፡ በቲ ዝመልኣ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኻ፡ “እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተነግረላ ቓል ኪፍጸም’ዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ” ብምባል ካብ ኵለን ኣንስቲ ብርኽቲ ዝዀነትሉ ምኽንያት ኣብርሃትልና። ስለዚ ንሕና’ውን ከምዞም ቅዱሳን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ዘርኣይዎ እምነት ብምውናን “ዘይኣመንቲ” ዘይምዃንና ነረጋግጽ።
እቲ ኻልኣይ ናይ እምነትና መረጋገጺ ድማ፡ ንእምነትና እንእዘዝ ምዃንና’ዩ። ነቲ ብቓል እግዚኣብሄር ዝተነግረናን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝመሃረትናን ዘውረሰትናን እምነት ዘይንእዘዞ እንተ ዄንና፡ ኣብ እምነት ዘይምህላውና ዓብይ መረጋገጺ’ዩ። እምነትና ብቕድስና ኽንነብር እናኣዘዘና ብዝሙትን ብምንዝርናን፡ ምሕረት ክንገብር እናኣዘዘና ብቒም-በቐል፡ ቅዱስ ቍርባን ክንወስድ እናኣዘዘና ብዘይ ምውሳድ፡ ዕሽር ክንህብ እናኣዘዘና ንኣምላኽ ክንሰርቕ እንተ መሪጽና፡ “ዘይኣምኑ ክርስትያን” ኴንና ኸም ዘሎና ብግብርና ኣመስኪርና ኣሎና። ናይ ክርስትና እምነትና ኽንገብሮን ክንኰኖን ዚእዝዘና ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ስለዚ ንእምነትና ኸም ዚግባእ ተማሂርናስ እምነትና ኻባና ዚጽበዮ ኵሉ ኸነማልእ ድሉዋትን ሕጕሳትን ክንከውን ይግብኣና። ኣቦና ኣብርሃም፡ በቲ ንሱ ዝኣመኖ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓደ ወዱ መስዋእቲ ኺገብረሉ ምስ ተሓተተ፡ ዓይኑ ኸይሓስየ ንእምነቱ ተኣዘዛ። ኣቦና ኖህ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣዝያ ዓባይ መርከብ ኪሰርሕ ምስ ተኣዘዘ፡ ብዜደንቕ ተኣዝዞ ሓቀኛ ኣማኒ ምዃኑ ኣመስከረ። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ንዅሉ ንብረቶምን ሓዳሮምን ሓዲጎም ኺስዕብዎ ጐይታ ምስ ጸውዖም፡ ብኡንብኡ ሰዓብዎ። ንሕና ድማ፡ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሰረትና ሓቀኛታት ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ኣምላኽናን እምነትናን ዚጠልበና ዘበለ ዅሉ ንምፍጻም ድሉዋት ክንከውን ይግብኣና። ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ፡ ቶማስ ዘይኣምን ሃዋርያ” ኸም ዝተባህለ፡ ንሕና’ውን “ዘይኣምን ክርስትያን” ከይንበሃል፡ ርእስና ንሓልው!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት ግንቦት 5, 2019 (ሚያዝያ 27, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 67/68፡1-2 ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ፀሩ። ወይጕየዩ ጸላዕቱ እምቅድመ ገጹ። ከመየሐልቅ ጢስ ከማሑ የሐልቁ።” “ኣምላኽ ይተንስእ፣ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ። ትኪ ኸም ዚብተን፣ከምኡ ትብትኖም” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ቆረ 15፡1-20 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 20፡19-ፍጻሜ |
1ዮሃ 1፡1-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም) |
ግሃ 23፡1-10 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ