ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ሰሪዓትልና ኸም ዘላ እዛ ሰንበት’ዚኣ “ገብርኄር’’ ማለት “ ሕያዋይ ባርያ” ተባሂላያ እትጽዋዕ። እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኰና እቶም ምእማናን፡ በቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍና ዝሃበና ጸጋን ሓላፍነትን እሙናትን ሕያዎትን ኬንና ነገልግሎት እንተ’ሊናን እንተ ዘየሊናን ርእስና ኽንምርምር ዝተሰርዓትልና መዓልቲ ኽኣ’ያ። ኣብዚ ዝተነበበልና ኽፍሊ ወንጌል፡ እቲ ጐይታ ነቶም ኣገልገልቱ ኸከም ዓቕሞም፡ ነቲ ቐዳማይ ሓሙሽተ፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ ነቲ ሳልሳይ ድማ፡ ሓንቲ መክሊት ኸም ዝሃቦ ተገሊጹልና ኣሎ። ንኣታቶም ዝተዋህቦ ሓላፍነት ድማ፡ ተጊሆም ብምስራሕ ነቲ ዝተዋህቦም መክሊት ምብዛሕ’ዩ።
ሓደ መክሊት ማለት ሽዱሽተ ሽሕ (6000) ዲናር ማለት’ዩ። ስለዚ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ስላሳ ሽሕ ዲናር ተቐቢሉ ኣሎ ማለት’ዩ። ሓንቲ ዲናር ድማ ናይ ሓደ ስራሕተኛ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ ነበረት። ስለዚ ነዚ መጠን ገንዘብ ናብ ወርሓውን ዓመታውን ደሞዝ እንተቐየርናዮ፡ ናይ ሓደ ስራሕተኛ ናይ ሚእቲ ዓመት ደሞዝ ዚአክል መጠን ገንዘብ ተቐቢሉ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ብዓል ክልተ መክሊት ናይ ኣስታት 40 ዓመት፡ እቲ ብዓል ሓደ መክሊት ድማ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ደሞዝ ናይ ሓደ ሰብ ዚአክል መጠን ገንዘብ ተቐቢሉ ኣሎ ማለት’ እዩ።
ሓሙሽተ፡ ክልተ ፡ ወይ ሓደ ብዚብል ቍጽሪ ስለዝተገልጸልና፡ ውሑድ ዝተቐበሉ ኺመስለና ኣይግባእን’ዩ። ስለዚ “ ነቲ ዘለዎ” ወይ’ውን “ ነቲ ዘይብሉ” ዚብሉ ቓላት ክንርእይ ከሎና፡ ነዚ ሓቀኛ ቚጽሪ ናይቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ናይ ሕድሪ ገንዘብ ከነስተውዕሎ ይግባኣና።
ጐይታና ኣብዚ ምስላኡ’ዚ ሓደ ንጹር ዝዀነ መለኮታዊ ሕጊ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ሕጊ ሰብ ነቲ ዘይብሉ ኢኻ እትህቦ፡ ነቲ ዘለዎ ግና ኽትህቦ ኣይትደልን ኢኻ። ኣብ ሕጊ መለኮት ግና ብአንጻሩ’ዩ ነቲ ዘለዎ መሊስካ ትህቦ፡ ነቲ ዘይብሉ ግና ነታ ዝርካባ ትሕዝቶኡ’ኳ ተግድፎ። እዚ ኣባሃህላ’ዚ ድማ፡ ነቲ ነብዩ ኢሳይያስ ፡ “ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕ ዚብል ፡ መገዲታትይ ካብ መገዲታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ” ዝበሎ ቓል ዜዝኻኽረና እዩ (ኢሳ 55፡8,9)። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ “ ዘይብልካ ባዶ ሰብ “ ምግባር ማለት ንርእስኻ ንጥፍኣት ምሕጻይ ማልት’ዩ። ምኽንያቱ ዚኣክል መጠን ባዕሉ ስለ ዝሃበካ፡ ዘይብልካ ምዃን ማለት ነቲ ባዕሉ ኻየስተሓፈረ ብልግሲ ዝሃበካ ጸጋ ኣባኺንካ ርእስኻ ባዶ ጌርካ ኸም ዘለኻ ኺርድኣካ ይግባእ።
“ዘይብልካ” ምዃን ማለት ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ኣሚንካ ሓደ መክሊት (6000 ዲናር) ንዝሃብካዮ ሰብ፡ “ዘይብሉ” ምባል መልእኽቱ እንታይ እዩ፧ ስለዚ ብዛዕባ’ቲ ንሱ ዝሃቦ ገንዘብ ሕድሪ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ንእኡ ዜመሓድረሉ ባህርያት ይዛረብ ከም ዘሎ ኢና እንግንዘብ። ነቶም ክልተ ዕውታት ሰባት ዘዐወቶም ዝበዝሐ ገንዘብ ስለ ዝተቐበሉ፡ ዘይኰነስ ነቲ ዝተዋህቦም ገንዘብ ኣብ መዓላኡ ዜውዕሉሉ እሙንነትን ሕያውነትን ትግሃትን ስለ ዝነበሮም እዩ። ከም ዘሎካ ዚቚጸረልካ፡ እዚ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ባህርያት እዮ’ምበር፡ እቲ ኻብ ጐይታኻ ዝተቐበልካዮ እሞ እትመልሶ ገንዘብ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ሓላፍነትን ጸጋን ዚህበካ፡ ነቲ ዘሎካ ኣብ ቅድሚ አምላኽ ቅቡል ዚገብረካ ባህርያት ከተንጸባርቕ ዕድል ምእንቲ ኺህበካ እዩ። ነቲ ዝተዋህበካ ተልእኾ ኣብ ምዕራፍ እንተ ኣብጻሕካዮ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ውህበት ጸጋ ኣብ መዓላኡ እንተ አውዒልካዮ፡ እሙንን ሕያዋይን መጋቢ ምዃንካ ኣረጋጊጽካ፡ “ዘለዎ ሰብ” ትበሃል። ሕጊ ናይቲ ፍትሓዊ አምላኽ ነቲ ዘለዎ ኻልእ ኪውስኾ ስለ ዚእዝዝ፡ ይወሃበካ ይውሰኸካ’ውን።ነቲ ዝተዋህበካ ገንዘብ-ሕድርን ተልእኾን ኣብ መዓላኡ እንተ ዘይኣውዓልካዮ ግን፡ “ ዘይብሉ ሰብ” ትበሃል። እግዚኣብሄር ኪጸወረካ ዘይክእል ጸጋኡ እተባኽን ቅቡጽ ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ይትረፍ ካልእ ኪውስኸካ፡ ነቲ ድሮ ዝሃበካ’ውን ከም ዚጠዓሰሉ ስለ ዝገበርካዮ፡ ነቲ ሂቡካ ዝነበረ ጸጋ የሕድገካ’ሞ፡ ተስፋ ዘይብልካን፡ ብዘይካ ገሃነም ካልእ ስፍራ ዘይበቕዖ ሰብ ኬንካ ትተርፍ ማለት እዩ።
እዚ ምስላ’ዚ ብዛዕባ መክሊት ደአ ዚዛረብ ኰይኑ እምበር፡ እቲ ንነፍሲ ወከፍና ዚወሃበና መክሊታት ብዙሕ ዝዓይነቱ እዩ። ንአብነት ንሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ምፍላጥ ምስጢራት ወንጌል ብልግሲ ይወሃቦ። እቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ምስጢር ወንጌል ንእኡ መክሊተ እዩ። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ለይትን መዓልትን እናተግሀ ንመጓሴኡ ዜካፍል ምስ ዚኸውን፡ ኣብ ቅድሚ አምላኽ ኰነ ኣብ ቅድሚ ሰብ እሙንን ሕያዋይን ትጉህን ሰብ ምዃኑ የረጋግጽ ማለት’ዩ። ነዚ ሰብ “ ምስጢር አምላኽ ዘለዎ ሰብ” ኢልካ ኽትገልጾ ኣይግባእን እዩ።ምኽንያቱ እቲ ምስጢር ናይ አምላኽ እምበር ፈጺሙ ናቱ ኣይኰነን። ነዚ ሰብ’ዚ “አለዎ” ኽንብል እንኽእል፡ ነቲ ሕያውነቱን እሙንነቱን ትግሃቱን ጥራሕ’ዩ። እግዚአብሄር ድማ፡ ነዘን ዘለዋኦ ኽቡራት ባህርያት ኪገልጽ እሞ ክብሪ ኼጐናጽፎ ስለ ዝደለየ እዩ ነቲ ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ምስጢራት ዝገለጸሉ። ብአንጸሩ እቲ ምስጢር ወንጌል ከም ዓቕሙ ተዋሂብዎ ኼብቅዕ፡ ንኣታተን ኣብ ምክፋል ዘለግም ሰብ ምስ ዚኸውን ግና ፡ ኣብ ውሽጡ ጥልመትን ክፋኣትን ትህኪትን ጥራይ መሊኡ ኸም ዘሎ’ዮ ዜረጋግጽ። እሙንነትን ሕያውነትን ትሃትን ግና ፈጺሙ የብሉን ማለት እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘይብሉ ሰብ ዋላ ሓሙሽተ ይኹን ዓሰርተ መክሊት እንተ ሃብካዮ። ነቲ ኽፋኣቱን ጥልመቱን ትህኪቱን ደኣ የዕዝዞን ንጥፍኣቱ ይጥቀመሉን እምበር ዋላ ሓንቲ ረብሓ ኣይረኽበሉን እዩ። ስለዚ እቲ ብዝተዋህቦ ንብረት- ሕድሪ ትህኪትን ጥልመትን ክፍኣትን ዘፍርይ ሰብ፡ “ዘይብሉ ሰብ”፡ ኣብ ቅድሚ አምላኽ ድኻ ዝዀነ ሰብ’ዩ ዚበሃል።
ካልእ ኣብነት ድማ ናይ ገንዘብ መክሊት ዝተቐበለ ሰብ እዩ። ንገሊኡ ብዙሕ ሚልዮናት፡ ኣሽሓት ወይ ኣማኢት መጠን ገንዘብ ብእግዚኣብሄር ኪወሃቦ ይኽእል። ነፍሲ ወከፎም በበቲ ዝተዋህቦም መጠን ገንዘብ ብሰሰናይ ግብሪ ምእንቲ ኺህብትሙ’ዩ ዝተዋህቦም።እቲ ገንዘብ ሕድሪ ከም ዝተቐበለ ዘስተውዓለ ብልሂ ሰብ፡ ንዕላማ ናይቲ ብልግሲ ዝሃቦም አምላኽ ብዜገልግል መገዲ ንዕዮ ቤተ ክርስቲያን ንምርዳእ ጽጉማትን ኣውዒሉ ሕያውነቱን እሙንነቱን ይገልጽ። በቲ አምላኽ ዝገለጸሉ ጥበብ ድማ፡ ነዚ ሓላፊ ምድራዊ ሃብቲ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ሰማያዊ ሃብቲ ይልውጦ። እቲ ምስትውዓሉ ዝተደፍነ ዓሻ ብዓል-ሕድሪ ግና ፡ እግዚኣብሄር ውህበቱ ብዘውሓዘሉ መጠን፡ ቆፎኡ ኣፍሪሱ እናግፍሓ ኣብ ምኽዛኑ ይተግህ ማለት እዩ። ሃብቲ ዚእክብ ዘሎ እናመሰሎ ብስስዐን ብጭካነን ብጥልመትን ይብልጽግ ማለት’ዩ። ንርእሱ እትኸውን ነፍሲ ዘይሓዘስ፡ “ነፍሰይ ብልዒ፡ ስተዩ፡ ኣጋይጺ፡ ተሓጐሲ” ኺብላ ይነብር። ስለዚ ብዘይ ገንዘቡ ሃብታም እናመሰለ፡ እቲ ውሽጡ ግና ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ ባዶ ሰብ ምዃኑ ይቐልዕ ማለት’ዩ። ስለዚ ነቲ ዘለዎ ገንዘብ ኣግዲፉ ንኻልኦት ይህቦ፡ ንእኡ ነዚ ባዶን ድኻን ሰብ ድማ ናብ ስቓይ የፋንዎ።
እግዚአብሄር ግና ወንጌል ወይ ገንዘብ ጥራይ ኣይኰነን ብሕድሪ ዚህብ። ዘሎካን ዘይብልካን ሰብ ምዃንካ ባዕልኻ ንርእስኻ ምእንቲ ኸተግህድ ዝተፈላለየ ዅነታትን ፍጻመታትን’ውን ብሕድሪ ኺህበካ ይኽእል’ዩ። ኣቦና እዮብ ዓሰርተ ናይ ውሉድ መክሊት ምስ ተዋህቦ፡ ብስም ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ እናስውአ፡ ምእንቲ ደቍ ማለደ። ሓደ መዓልቲ ብፍቓድ አምላኽን ብአተግባርነት ሰይጣንን ኵሎም ደቍን ኵሉ ሃብቱን ስኢኑ ደኻን ናይ ወላድ መኻንን ምስ ኰነ ድማ፡ ክትአምኖ ብዜጸግም መገዲ ንአምላኽ ክብሪ ሃቦ። ኣብ ርእሲኡ ብዜሰክሕ ቍስለተ-ስጋ ምስ ተወቕዐ ድማ፡ ብአፍ’ኳ ኣይሓጥአን፡ ኣብቲ ገንዘቡን ደቍን ጥዕናኡን ዝስአነሉ ዅነታት፡ “ መንፈሳዊ ሃብቲ ዘለዎ “ ሰብ ምዃኑ ንሰብን ንሰይጣንን ኣርኣየ። እግዚአብሄር ነዚ ብሰይጣን ዝተአመመ መከራ ኣብ ልዕሊ እዮብ ኪወርድ ዝፈቐደ፡ ነዚ መንፈሳዊ ሃብቲ’ዚ ንዅላትና ወለዶታት ዓለም ምእንቲ ኪቐልዕ’ዩ። መብዛሕትና ግና፡ ከምዚ ዝአመሰለ ዅነታት ንኽብርና ተባሂሉ ኺወሃበና ኸሎ፡ ሽዑ’ዩ ባዶነትናን ዕርቃንናን ዚቕላዕ። ንኣምላኽ ብመሪሪን ብምጉርምራምን ዘይምስሉ ንህቦ።
እምበር ኵላትና ምልስ ኢልና ውሽጥና ንፈትሽ። እግዚአብሄር፡” ዘለዎ ሰብ” ኢሉዶ ምሰመየና፡ ወይስ” ዘይብሉ ሰብ” ኢሉ ምመደበና፧ ብድኽነት ኰነ ብሃብቲ፡ ብጥዕና ዀነ ብሕማም፡ ብባእሲ ይኹን ብሰላም፡ ውሉድ ብምርካብ ኰነ ብምስኣን ድኽነትናን ዕርቃንናንዶ ምተቐልዐ፡ ወይስ መንፈሳዊ ሃብትና ሽዑ ንዓለም ኰነ ንሰይጣን ቅልዕ ኢሉ ምተራእየ፧ “ ዘይብሉ ሰብ” ክነስኻ “ ዘለዎ ሰብ መሰልካ ብእተጠበረ ልቢ ኸይትጋገይ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ዝተዋህበና ናይ ሕድሪ ኣገልግሎት፡ ትሕዝቶ ዀነ ዅነታት፡ ብቕዱስ ባህርያት ንህብትመሉ ኸም ዘለና ርግጸኛታት ንኹን። ምኽንያቱ ቕዱስ ወዲ አምላኽ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም “ዘለዎም” ኬኽብር ነቶም “ ዘይብሎም” ድማ ኬዋርድ’ዩ ዚግለጽ። ከምቲ ነዳይን ሕሱርን ዕውርን ዕሩቕን ክነሱ፡ “ ሃብታምን ፈሳስን’የ፡ ዚጐድለኒ የብለይን” ዝበለ ዓሻ መራሕ ቤተ ክርስቲያን ከይንኸውን፡ በቲ ዝተዋህበና ሕድሪ ንውሽጥና እግዚኣብሄር ብዜኽብሮ ባሕርይ ነሀብትም'ሞ፡ ንትገሃሉ ድማ።”
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት ሚያዝያ 7, 2019 መጋቢት 29, 2011 (ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 40(39)፡ 8 ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ ወሕግከኒ በማዕከለ ከርሥየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዐቢይ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
2ጢሞ 2፡ 1-17 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ማቴ 25፡ 14-31 |
1ጴጥ 5፡ 1-12 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘባስልዮስ |
ግብ 1፡ 6-9 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ