“ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።” (1ዮሃ 3:1)።
መእተዊ፥ እዚ ሰንበት እዚ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።
ካብዚ ዝርርብ እታ ሳምራዊት ሰበይትን ጐይታና ኢየሱስን፡ ካብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበልና ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 4 እንተኣስተውዒልና ፡ምድሪ ሰማርያ ኣብ መንጎ ምድርታት ይሁዳን ገሊላን’ዩ ዝርከብ ። ስለዚ ክርስቶስ ይኹን ካልእ ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ክኸይድ ብሰማርያ ኣቢሉ ክሓልፍ ግድን’ዩ። እንተኾነ ንክርስቶስ ብእኡ ምሕላፍ ግድን ዝኾኖ በዚ ዝተጠቕሰ ጂኦግራፊያዊ ምኽንያት ጥራይ ዘይኮነ ሓደ ካልእ መለኮታዊ ምኽንያት ነበሮ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 26 ክሳብ ለካቲት 2 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ተወልደ ኢየሱስ በቤተ ልሔም ዘይሁዳ (ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ተወልደ።) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ቤተ ልሔም ይሁዳ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ አብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ። ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፣ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ።” (መዝ 98፡ 2-3) ሎሚ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት ብዝብል ናይ ኣዴና ሃና ኣብነት ብምግባር ነዚ ንኣትዎ ዘሎና ጾም ነነዌ ኣብ ህይወትና ከመይ ከነተግብሮ ከም ዘሎና፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብ: ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 4፡52። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 19 ክሳብ ጥሪ 25 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ እሙነ ኮነ ልደቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ። እምሰማያት ወረደ ወእመላእክት ተአኵተ፡ ወእማርያም ተወልደ።”ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ኮነ፡ካብ ሰማይ ወረደ፡ ብመላእክቲ ተመስገነ፡ ካብ ማርያም ተወልደ።” ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱ’ውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” መዝ 118፡27።
“ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ’ በለቶም። ...ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ’፡በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፡ ‘ሕጂ ቕድሕዎ’ሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም፡ ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።” ዮሃ 2፡5-8። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ካብ ጥሪ 12 ክሳብ ጥሪ 18 “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ሖረ ኢየሱስ ብትፍሥሕት ውስተ ከብካብ (ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጐስ ናብ መርዓ ከደ) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡ በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።” (መዝ 84፡ 6, 7) ሎሚ እቲ ንዓና ብቅድስት ድንግል ማርያም ጌሩ ንሰብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ ዝተዋህበና ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉግበሩ’ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ 11 ጥሪ “ጥምቀት” ተባሂሉ ካብቶም ዓበይቲ በዓለት ቤተ ክርስቲያና ዝበዓሉ በዓላት እዮም እሞ፡ ርሑስ በዓል ጥምቀት ይግበረልና። "አንሶሰወ ገሀደ ወአስርአየ ከመ ሰብእ በበሕቅ ልህቀ በሠላሳ ክረምት በዮርዳኖስ ተጠምቀ" (ብግልጺ ተመላለሰ፡ ከም ሰብ ተራእየ፡ ከም ህጻን ዓበየ፡ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ አብ ዮርዳኖስ ተጠመቀ)። ኣብዚ ዕለት እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ መጥምቅ ፡ ምእንታና ክብል ምስቶም ዮሐንስ ዘጠምቆም ዝነበረ ተነሳሕቲ ተጠምቀ። እቲ ቅዱስ ዝኰነ ጐይታ ኣብ ማእከል ሓጥአተኛታት ምስረኣዮ እግዚኣብሄር ኣቦ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡” ዝብል ድምጺ ኣስመዔ፡ ኣብቲ ንሱ ዝተጠምቀሉ ሰዓት ከኣ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ብሓጥያት ኣዳም ዝተዓጽወ ማዕጾ ሰማይ ተከፈተ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእየ፡ ሚስጥር ሰለስትነቱ ተገልጸ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ጌሩ ንኩላትና ብምሕረቱ ጠመተና፡ ጥምቀት ሰርዔ ፡ ብዝተከፈተ ሰማይ ምሕረት ናባና ፈሰሰ፡ ናይ ሓጥያት ዕዳና ተደምሰሰ። በዚ ክቡር ብዓል እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብስርዓት ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ሞይትና ንትንሳአሉን ንሓብረሉን ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ እቲ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ” ዝበሎ ጐይታና ኢየሱስ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 28 ክሳብ ጥሪ 10 “ዘመነ ልደት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ይሠርቅ ኮከብ እም ያዕቆብ። ወየአትት ኃጢአተ እምእስራኤል። (ካብ ያቆብ ኰዀብ ይወጽእ። ካብ እስራኤል ከኣ ሓጢኣት የርሕቅ።) ብፍላይ ከአ ካብ ታሕሳስ 29 ክሳብ 5 ጥሪ, “ልደት” እዩ ዝበሃል። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።” (መዝ 89፡27, 28) ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ዚመርሕ ኰዀብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ኣብዚ ሎሚ ዝተነበበ ወንጌል፡ (ማቴ 1፡1-18) ማቴዎስ ኣብ ጽሑፍ ብዛዕባ ፍጻሜ ትንቢታት ኣዝዩ ዝተገደሰ ሰብ እዩ። ማለት ንብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን እናተሓሓዘ እዩ ጽሒፉ። እዚ ከኣ ነቲ መለኮታዊ መበቆል ናይቲ ጽሑፍ የረጋግጸልና። ማቴዎስ ኣብ ወንጌል ናይ 12 ትንቢታት ፍጻሜ ጠቒሱ ኣሎ (ማቴ 1፡22፣ ማቴ 2፡15,23፣ ማቴ 3፡1-5፣ ማቴ 4፡14፣ ማቴ 5፡17፣ ማቴ 8፡17፣ ማቴ 12፡17፣ ማቴ 13፡14,35፣ ማቴ 21፡4፣ ማቴ 27፡9)። ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ዝገለጾ ትንቢት ነይሩ (ኢሳ 7፡14)። ኣብዚ ትንቢት እዚ ክርስቶስ ዝጽወዓሉ ካልእ ስም፡ ኣማኑኤል ዝብል፡ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣማኒኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ። ክርስቶስ ማለት መድሓኒት ማለት ኮይኑ፡ ተግባሩ ክገልጸልና ከሎ፡ ኣማኒኤል ከኣ መለኮታዊ መንነቱ ይገልጸልና። ጐይታ ብዘይካ እዚኣቶም ኻልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ዝጽወዓሎም ስማት ኣለውዎ። ብስሙ ሰባት ካብ ፍርዲ ይድሕኑ (ዮሃ 3፡18) ኣጋንንቲ ይወጹ (ማር 16፡17) መከራ ይቕበሉ (ግብ 5፡41) ድሌቶም ይረኽቡ (ዮሃ 16፡24)። ምኽንያቱ እዚ ስም እዚ ልዕሊ ዂሉ እዩ (ፊሊ 2፡9-11)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ