"ንሱ ድማ፡ ‘እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ’ዩ’ ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ’ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም . . .”ሉቃ 24፡44-45። እዚ ናይ’ዚ ዕለአት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ኻብ ዝገለጸልና ዓበይቲ ረብሓታት ትንሳኤ ሓደ፡ ምኽፋት ኣእምሮ’ዩ። ኣብዚ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ብኣካል ስጋ ምሳታቶም እናተመላለሰን እናነበረን ከሎ፡ እቶም ሕቲ-ሙሴን፡ ትንቢት ነብያትን መዝሙራት ቅዱስ ዳዊትን ካልኦት ዘመርትን ብዛዕባኡ ዝበልዎ ዅሉ ቓላት በብሓደ እናልዓለ ይገልጸሎም ነበረ። ንመጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንሕና እንተ መርመርናዮም’ውን ዳርጋ ዅሉ ትሕዝቶኦም ብዛዕባ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።
“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈተኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዓበኒ’ በሎ።” ዮሃ 21፡22። ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታና፡ ነቶም ብኸንቱ ሃልኪ ብጥምየት ሃለፍ ዝበሎም ደቀ መዛሙርቱ “ንዑ ተመስሑ” ኢሉ ድሕሪ ምዕንጋሉ፡ መገብቲ መጓሴኡ ኪዀኑ፡ ነባጊዑ ዀነ ንዕያዉቱ ብምምጋብን ብምሕላዉን ነቲ ብሉጽ ፍቕሮም ኪገልጹሉ ተማሕጸኖም። ጐይታና፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣዝዮም ከም ዜፍቅርዎ ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮን።
“ኢየሱስ ድማ፡ ‘ንዑ ተመስሑ’ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ’ኳ ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧’ ኢሉ ኺሓቶ ዝደፈረ የልቦን።”ዮሃ: 21፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታና ኽልተ ጊዜ ብእኩባቶም ተገሊጹ፡ ህያው ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም ኬብቅዕ፡ ገለ ኻብ ሃዋርያት ዘይትጽበዮ ስጕምቲ ኺወስዱ ተራእዩ። ጐይታና ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓው እንድርያስን መርከቦም እናሓጸቡን እናኣዐረዩን ከለው፡ “ሰዓቡኒ” ኢሉ ካብቲ ንስድራኦም ዚጥውሩሉ ሞያ ምግፋፍ ዓሳን ብቐንዱ ኻብ ስድራ ቤቶምን ፈልዩ ወሲድዎም ነበረ (ማቴ 4፡18-20)። ካባታቶም ሕልፍ ኢሉ’ውን ንያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ፡ “ሰዓቡኒ” ኢሉ ምስ ጸውዖም ነቲ ሽማግለ ኣቦኦም፡ ነቲ ሞያኦምን ጃልባኦምን ሓዲጎም ሰዓብዎ (ማቴ 4፡21-22)። ጐይታና ምሳታቶም ኣብ ዝነበረለን ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዓመታት፡ ናብ ጃልባኦም ሞያኦምን ኰነ ናብ ስድራ ቤቶም ኣይተመልሱን።
“ንሳቶም ከኣ፡ ‘ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን’ኳ ተራእይዎ’ በሉ።”ሉቃ 24፡34። ጐይታና፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ለመንኩ” ድሕሪ ምባሉ፡ “ንስኻ ምስ ተመለስካ ድማ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም” ኢሉ ተማሕጺንዎ ነበረ። እዛ “ምስ ተመለስካ” እትብል ቃል ካብ እምነት ርሒቑ ከም ዝነበረ ዜመልክተና እዩ። ኣብታ ህሞት’ቲኣኣ ኻብ እምነት ስለ ዝረሓቐ ድማ’ዩ ብቐሊል ምፍርራህ ኪኽሕድ ዝኸኣለ። ምስ ተመልሰ ኼጸናንዖም ዚንገሮ ዘሎ፡ ንሳቶም’ውን በታ ሚሔ ናይ ሰይጣን ካብ እምነቶም ተዳኺሞም ስለ ዝነበሩ እዩ። ምኽንያቱ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ፡ “ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለው፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖም ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማር 16፡14)።
እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያና ሰሪዓትልና ዘላ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ናይ ወንጌል፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታኦም ድሕሪ ምስምዖም እኳ ተስፋ ቘሪጾም ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ገጾም ዚጐዓዙ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣስፊሑ ኣዘንትዩልና ኣሎ። ናይቲ ኻልኣዩ ስም እኳ እንተ ዘይተፈልጠ ናይቲ ሓደ ስም ግና ቀለዮጳ ነበረ። ስለዚ ካብ ሃዋርያት ዘይኰኑስ ካብቶም 72 ኣርድእቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ክልተ ሰባት ብዛዕባ ፍጻሜታት ናይቲ ሳልስቲ እናተዘራረቡ ኺጐዓዙ ኸለው፡ ጐይታ ኸም ሓላፍ መገዲ ተመሲሉ ተጸምቢሩ መጓዕዝቶም ኰነ። ዘይፈልጥዎ ጋሻ ተጸምቢርዎም ክነሱ፡ ገና ኣርእስቶም ከይለወጡ ዝርርቦም ቀጸሉ። ጐይታ ብዛዕባ’ቲ ተጨኒቖም ዚዘራረብሉ ዘለው ጕዳይ ምስ ሓተቶም ፡ ስነ ልቦናዊ ዀነ መንፈሳዊ ሃለዋቶም ከም መስትያት ቀሊዑ ዜርእይ ሓጺር ጽሟቕ መልሲ ሃብዎ። እቲ መልሲ ብዛዕባ መንነትን ዓይነት ህይወትን ናይ ጐይታ ዜደንቕ መግለጺ ዝሓዘ ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን’ውን ዜጠቓልል’ዩ።
“እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም።” ዮሃ 20፡25።
ድሕሪ ትንሳኤ ጐይታና፡ እዚ ሰንበት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት እዩ። ብፍላይ እዛ ሰንበት’ዚኣ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ኣብ ሓደ ዕጹው ገዛ ብሓባር ተኣኪቦም ከለዉ፡ ብሃንደበት ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ዝተገልጸላ ዕለት ስለ ዝዀነት’ያ፡ “ዳግማይ ትንሳኤ” ተባሂላ እትጽዋዕ እምበር፡ ጐይታስ ሓንሳእ እምበር ክልተ ሳዕ ኣይተንስአን። ኣብታ ቐዳመይቲ ሰንበት (ፋሲካ) ምድሪ ምስ መሰየ ጐይታ ነቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርቲ (ቶማስ ዘይብሉ) ተራእይዎም ነበረ። ንቶማስ፡ ጐይታ ኸም ዝተራእዮም ምስ ነገርዎ ምእማን ድሕሪ ምእባዩ፡ ካብታ ዝተንስኣላ ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ (ኣብ ካልኣይቲ ዳግማይ ሰንበት ማለት’ዩ) ቶማስ ኣብ ዝነበረሉ ደጊሙ ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።
ርሑስ ብዓል ትንሳኤ ክርስቶስ!! እግዚኣብሄር ነዚ ኣብ ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ኣብ ውልቃዊ ህይወትናን ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ ዓብይ ጾም ወርሓት ብሰላም ስለ ዘፈጸመና ኽብሪ ነቲ ቕዱስን መፍርህን ስሙ ይኹን!! እዚ ኸም ኣርእስትና መሪጽናዮ ዘሎና፡ “እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧” ዚብል ሕቶኣዊ ኣርእስቲ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ኻብ ቅዱሳት ኣንስቲ ሓንቲ ዝዀነት ማርያም መግደላዊት ዝሓተቶ ሕቶ እዩ።
“ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡ “ኣነ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ! ሕጂ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።. . . ዘመን ምሕረትኪ ስአን ምፍላጥኪስ፡ ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን፡ ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሓድጉልክን’ዮም።” ሉቃ 19፡41-44
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ