“ዓመጻ ስለ ዝበዝሐ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።” ማቴ 24፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ነዚ ሰሙን‘ዚ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ሰሪዓትልና ኣላ። ምጽኣት መድሓኒና ምቕራቡ ኻብ ዜመልክቱና ኣገደስቲ ምልክታት ሓደ ድማ፡ ኵነታት ፍቕሪ ሓድሕድና እዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ ኸነስተንትን ከሎና፡ መብዛሕትና ነዛ ኣዝያ ኸተስግኣና ዚግብኣ ወሳኒት ትእምርቲ ፈጺምና ኣይነስተብህለላን ኢና። ፍቕሪ እትዝሕለሉ ምኽንያት ድማ ብብዝሒ ዓመጻ ስለ እተዕብለል ምዃኑ ጐይታ ኣግሂዱልና ኣሎ። ፍቕሪ ሰብ ብፍቕሪ ዓመጻ እናተዓብለለ ምስ ዚኸይድ፡ ብድሕሪኡ ንሰብ ምፍቃር ዕሽነት ኰይኑ’ዩ ዚስምዓካ። ነቲ ርኹስ ረብሓ ዓመጻ ስለ እትሃርፎ፡ ነቲ ኸተፍቅሮ ዚግብኣካ ሰብ ክትዕምጾ ድሕር ኣይትብልን ኢኻ።
ጐይታ፡ እታ ፍቕሪ ኸም እትዝሕል እምበር ፈጺማ ኸም እትጠፍእ ኣይነገረናን። ብዓመጻ እትስነፍ ፍቕሪ ግን ከም ዘላ ኽትቍጸር ትኽእል ድያ፧ ፈጺማ ጠፊኣ ናብ ግሁድ ጽልኢ ተቐዩራ እንተ ትኸውን፡ ወይ ሕልናኻ ነቒፉካ ወይ’ውን ገናሒ ረኺብካ ኽትቀንዕ ተኽእሎታት ኣሎ። ብሓሙዅሽቲ ተዋሒጡ ኸም ዝተደጐለ ሓዊ፡ ፍቕርና ድማ ብዓመጻ ተዋሒጣ ከም ዘየላ ዀይና እንተ’ልያ፡ “ፍቕሪ ኣላትኒ” ኽትብል ኣይግባእን እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ እንታይ ዓይነት ፍቕሪ ክትህልወና ኸም ዚግብኣ፡ “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ’ሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሃሉኹም።” ብምባል ኣፍሊጡና ኣሎ (1ጴጥ 4፡8)። ስለዚ ጐይታ ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ኽትህልወና እናኣዘዘና ኸሎ፡ ከም በረድ ከትከት ብእትብል ፍቕሪ ትመላለስ እንተ’ሊኻ ኣንጻር ትእዛዝ ጐይታ ቌምካ፡ ወገን ሰይጣን ኬንካ ከም ዘልኻ ግሁድ ይኸውን፡ ኣሎ። ካብዚ ጐይታና ባዕሉን ቅዱስ ሃዋርያኡን ዝሃቡና ቓላት ከም እንርድኦ እምበአር ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ዓይነት ፍቕሪ ኣዝዩ ዜገርም ፍልልይ ኣሎ። ዝሕልቲ ፍቕሪ ብብዝሒ ዓመጻ ዝተኸድነት (ዝተዓብለለት) ፍቕሪ ኽትከውን ከላ፡ እታ ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ግና፡ ብዝሒ ናይቲ ዓመጻ (ሓጢአት) ብዘየገድስ፡ ንእኡ ኽትከድን (ክትዕብልል) እትኽእል እያ። እምበአር፡ ካብዚ ንጽጽር’ዚ ዓይነት ፍቕርና ኸነለልየሉ እንኽእል ኣገዳሲ መምዘኒ ረቛሒ ረኺብና ኣሎና። ብበደል ብዓመጻ እትዕብለልን እትስነፍን ፍቕሪ እንተ ዀይና፡ ፍቕርና በረዳዊት (ዝሕልቲ) ፍቕሪ እያ። ልዕሊ በደል ጸብለል እትብል ፍቕሪ እንተ ዀይና ግን፡ እታ ጐይታ ዝኣዘዛ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነት ሃልሃልታዊት ፍቕሪ ምዃና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
እቲ ኻልኣይ መለለዩ ባህርይ ናይ ዓይነት ፍቕርና ድማ፡ በደል ካልኦት ምጻራን ዘይምጻራን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንርእሳ ትብድልን ዘይትብድልን ምዃና እዩ። ኣብ ፍቕሪ ኸም ዘለኻ እናተአመንካ ንሰባት ብቓላት ኰነ ብተግባር ክትብድል ሕልናኻ ዜፍቅደልካ እንተ ዀይኑ፡ ፍቕርኻ ሰይጣን ዘብረዳ ዝሕልቲ ፍቕሪ ምዃና ንጹር ምልክት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ “ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን’ያ” እዩ ዚብለና (ሮሜ 9፡10)።
ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ባህርያት ናይታ ሃልሃልታዊት ፍቕሪ እንታይ ከም ዚመስል፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። “ፍቕሪ ዓቃል’ያ፡ ፍቕሪ ለዋህ’ያ ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን’ያ። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ባህ ኣይብላን’ዩ። ኵሉ ትጸውር ኵሉ ትአምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትዕገስ።” (1ቈረ 13፡4-7)። እምበአር እታ ነዚ ባህርያት’ዚ እንተንጸባርቕ ፍቕሪ፡ ናይ ብሓቂ ሃልሃልታዊት ፍቕሪ እያ። ናብዛ ሃልሃልታዊት ፍቕሪ’ዚኣ ዝተወርወረ ዝዀነ ዓይነት በደል፡ በቲ ሃልሃልታኣ ተሃሚዂ ናብ ዘይምህላው’ዩ ዚጠፍእ። ካብቲ ወናኒኣ ኸኣ ይትረፍ በደል ኪወጽእ ኪሕሰብ’ኳ ኣይኽእልን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኸም ወርቅን ብሩርን ዝዀነ ቕዱስ ባህርያት እምበር እቲ ኸም ዕንጸይትን ሓስርን ዝዀነ ርኹስ ባህርያትን ግብርታትን ነቲ ሃልሃልታ ናይ ፍቕሪ ኣይጻወሮን’ዩ። እታ ሃልሃልታዊት ፍቕሪ ንሕጊ አምላኽ ኣድሚቓ እትዂልዕ፡ ንናይ ድያብሎስ ሕጊ ሓጢአት ግን እተጥፍእ ዓባይ መንፈሳዊት አጽዋር ናይ ክርስትያን እያ።
ሓደ እዋን ፈሪሳውያን ንጐይታ ኪፍትንዎ መጺኦም፡ “መምህር፡ ኣብ ሕጊ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ እያ፧” ኢሎም ምስ ሐተትዎ፡ ጐይታና፡ “ንእግዚኣብሄር አምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓሳብካን አፍቅሮ”፡ እዚአ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እያ። አብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚአተን ኵሉ ሕግን ነብያትን (ተጠርኒፉ) ኣሎ።” ኢሉ መለስሎም። ስለዚ ፍቕርኻ ክትጐድልን ክትዝሕልን ከላ፡ ንዅሉ’ቲ ንሳ ሓቚፋቶን ጠርኒፋቶን ዘላ ሕግታት ኢኻ እተፍርሶ። ብሳላኣ ንዂሉ ሕግታት ክትፍጽም እናኸኣልና ነዛ ቕድስቲ ባህርይ’ዚኣ ብምድርባይና ምኽንያት፡ ደቂ ዓመጻን ደቂ ቚጥዓን ኬንና ንተርፍ ማለት እያ። ፍቕሪ ናይ ጽድቂ ዋና መፍትሕ (master key) እያ። ክሳዕ መወዳእታ ብምዕጋስ ኪዕወት ዚመርጽ ሰብ፡ ሓቦ፡ ኒሕ ወይ ስኒ ምንካስ ኣይኰነን ዜድልዮ፡ ንፍቕሩ’ዩ ኬዕብያን ኬዕዝዛን ዚግባእ። ምኽንያቱ ፍቕሪ’ያ ንዂሉ እትጸውርን እትዕገስን። እቲ ኻብ ሰባት ንዝወረዶ በደል ኪጸውር፡ ንርእሱ’ውን በዳሊ ኻብ ምዃን ኬድሕን ዚደልይ ዘበለ ዂሉ፡ ንፍቕሪ ኣብ ምዕዛዝ ከተግህ’ዩ ዚግብኦ።
ንጉስ ሰለሞን፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል መስተንክር መግለጺ ሂቡ ኣሎ። “ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት’ኳ ኼጥፍአ ኣይክእልን’ዩ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን’ዩ። ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዂሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህልው ኣዝዮም ምነዓቕዎ ነይሮም።” (መሃ 8፡7)። ንሃልሃልታ ፍቕርና ዜጥፍእ ብዝሒ ዓመጻ ኽህልው ኣይክእልን’ዩ። ዓመጻ ብኽብደቱ ብዓይነቱ ዀነ ብብዝሑ ንፍቕሪ ኼጥፍኣ እንተ ኽኢሉ፡ ፍቕርና ዝሕልቲ ፍቕሪ ምዃና ንጹር መረጋገጺ’ዩ።
ጐይታና፡ ብዝሒ ኣበሳና ኼጉድላ ዀነ ኼጥፍኣ ብዘይክእል ሃልሃልታዊት ፍቕሪ ስለ ዘፍቅረና’ዩ ምእንቲ ፈተውቱ ዘይኰነስ ምእንቲ ጸላእቱ ህይወቱ ኼሕልፍ ስገጥ ዘይበለ። ኣእጋሩን አእዳውን ብገዘፍቲ ምስማር ተሸንኪሩ፡ ብጸሓይ ማእከላይ ምብራቕ እናተቓጸለ፡ ሰባት ኣብ እግሩ ዀይኖም እናላገጹሉ ኸለዉ፡ ናብቲ ናቱ ስቓይን ቃንዛን ዘይኰነ ናብቲ ናታቶም ዘለኣለማዊ ስቓይ ኬቕልብ፡ ፍቕሩ ስለ ዝደረኸቶ፡ “ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም’ሞ፡ ሕደገሎም” ኢሉ ምእንቲ ጸላእቱ ለመነ። ዝሕልቲ ፍቕሪ ኣብ ገዛእ ርእሳ ጥራይ እተተኵር ሃልፋጽ (selfish) ፍቕሪ እያ። ሃልሃልታዊት ፍቕሪ ግና ርእሳ ዝኸሓደት ንብጻያ ማዕረ-ርእሳ እተፍቅር ውፍይቲ ስለ ዝዀነት፡ ብዛዕባ’ቲ በደል ኣብ ልዕሌኻ ዜውርዶ ቐሊልን ጊዝያውን ሃስያ ዘይኰነስ፡ እቲ በደል ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈጻሚኡ ዜውርዶ ኸቢድን ዘለአለማውን ጉድኣት እያ እትሓስብ። ንአብነት ሓደ ሰብ መሪር ጸርፊ ኣዝኒቡ፡ ዋጋ ዘይብልካ ዀይኑ ኽሳዕ ዚስምዓካ እንተ ኣዋረደካ፡ ኣብ ውሽጥኻ ጽቡቕ ከም ዘይስምዓካ ዘየማትእ ሓቂ እዩ። ካብ ስምዒታዊ ጉድአት ሓሊፋ ግና ዘውርደልካ ዝዀነ ኻልእ ሃስያ የብሉን። እንተ ተጐዳእካ ድማ እቲ ጸርፊ ዘይኰነስ እቲ ንስኻ ብዛዕባ’ቲ ጸርፊ ኣብ ውሽጥኻ እተዕፍሮ ሓሳባት’ዩ ዚጐድኣካ። ከም ተራ ቓላትን ከም ዘይተባህለን ጌርካ እንተ ወሲድካዮ ግና፡ ክንዲ በሰር እትኸውን ጉድኣት’ውን ኣየውርደልካን’ዩ። ጸርፊ ግና ነቲ በሃሊኡ ናብ ገሃነም ዜእትዎ ኸቢድ ኣበሳ እዩ። ስለዚ ብዓል ዝሕልቲ ፍቕሪ እንተ ኼንካ እቲ ናትካ ጊዝያዊ ጉድኣት እምበር፡ ናይቲ ጸራፊኻ ዘለአለማዊ ጥፍአት፡ ፈጺሙ ኣይስምዓካን’ዩ። ሃልሃልታዊት ፍቕሪ ዘጥረኻ ብመንፈስ ሃብታም ሰብ ዝዀንካ እንተ ኼንካ ግና ብዛዕባ ናይቲ ጸራፊኻ ዘለአለማዊ ጥፍአት እምበር፡ ብዛዕባ’ቲ አብ ልዕሌኻ ዝዘነበ በደል ኽትሓስብ ኣይኰነልካን’ዩ። ብአንጻሩ ነቲ በደል ከም’ኒ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ይቕሬታ ሕያውነት ዝአመሰሉ ቅዱስ ባህርያት ንምንጽብራቕ ተጠቒምካ፡ ነቲ ንጉድኣትካ ዝመጸ በደል ናብ ረብሓኻ እትልውጦ ንምድሓን ዝለበመ ብልሂ ሰብ ኢኻ እትኸውን። ዮሴፍ፡ ነቲ ጽልእን ግፍዕን ናይ ኣሕዋቱ ብኸመይ ናብ ዓብዩ መንፈሳዊ ረብሓ ኸም ዝለወጦ ብዜደንቕ መገዲ ተተሪኹልና ኣሎ።
እምበኣር ርእስና ንመርምር፡ ዓመጻ ዘብረዳ ዝሕልቲ ፍቕሪ ድያ ዘላትና፡ ወይስ መንፈስ ቅዱስ ዘቃጸላ ሃልሃል እትብል ፍቕሪ፧ ህይወትናን ናብራናን፡ ዓመጻ ብእተአንግድ ዝሕልቲ ፍቕሪ ተበኪሉ እንተ’ልዩ፡ ብንስሓ ህይወትና ነጽርይ። ዝሕልቲ ፍቕሪ ሒዝና ኸለና፡ ዘመን ምሕረትና እንተ ተወዲኡ፡ ሞት እንተ ኣርከባትና፡ ወይ’ውን ጐይታ ብምጽኣቱ ደበኽ እንተ ኢሉ፡ ዕጫና ዘየባትኽን ዜሰክሕን ስቓይ’ዩ ዚኸውን። እምበኣር ኣብ ውሽጥና ዘይጠፍእ ዘይቅህም ሃልሃልታ ፍቕሪ ንእጐድ፡ ሽዑ እቲ ብፍቕርና ዝመሰልናዮ፡ ፍቕሪ ዝዀነ አምላኽ ክቡር ጻማ ኺጻምወና እዩ። ክብሪ ነቲ ንፍቕርና ዜፍቅር አምላኽ ይኹን።፡
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት መጋቢት 31, 2019 መጋቢት 22, 2011 (ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 50(49)፡ 3 እግዚአብሔርስ ገሃድ ይምጽእ። ወአምላክነሂ ኢያረምም። እሳት ይነድድ ቅድሜሁ። ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ። |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ተሰ 4፡13-ፍጻሜ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ማቴ 24፡1-36 |
2ጴጥ 3፡7-15 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ኣትናቴዎስ |
ግብ 24፡1-22 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ