ርሑስ ብዓል ትንሳኤ ክርስቶስ!! እግዚኣብሄር ነዚ ኣብ ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ኣብ ውልቃዊ ህይወትናን ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ ዓብይ ጾም ወርሓት ብሰላም ስለ ዘፈጸመና ኽብሪ ነቲ ቕዱስን መፍርህን ስሙ ይኹን!! እዚ ኸም ኣርእስትና መሪጽናዮ ዘሎና፡ “እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧” ዚብል ሕቶኣዊ ኣርእስቲ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ኻብ ቅዱሳት ኣንስቲ ሓንቲ ዝዀነት ማርያም መግደላዊት ዝሓተቶ ሕቶ እዩ።
እዛ ቕድስቲ ኣደ’ዚኣ ካብቶም ንጐይታና ኣዝዮም ዜፍቅርዎ ደቀ-መዛሙርቲ ሓንቲ እያ።ኲላቶም ደቀ መዛሙርቱ ሃዲሞም ንበይኑ ኣብ ዝሓደጉሉ እዋን፡ ንሳን እተን ብእምነት ኣሓታን ክሳዕ ሕልፈቱ ምስኡ ወዓላ። ሞይቱ፡ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ኪቐብርዎ ኸለዉውን፡ ኣበይ ከም ዝቐበርዎ ተኸታቲላ ዝረኣየት እያ። ጐይታ ዓርቢ ስለ ዝዓረፈ፡ ሰንበተ-ኣይሁድ ድማ ዓርቢ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቐትሪ ስለ ዚጅምር፡ ኣብ ሰንበተ- ኣይሁድ ድማ ምንቅስቓስ ኰነ ዝዀነ ነገር ምግባር ስለ ዘይፍቀድ፡ እቲ ንመዋቲ ዚግበር ኲሉ ኪገብራ ዕድል ኣይረኸባን። መዋቲ ቕድሚ ምቕባሩ ብቕዱይ ቅብኢ ኪቕባእ ይግብኦ’ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ጊዜ ስለ ዘይፈቐደ ግን ኪገብራሉ ኣይከኣላን። እንተ ዀነ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ እንዳ ኣልኣዛር ፈታዊኡ፡ ማርያም እትበሃል ኣደ፡ ብቕዱይ ቅብኢ ቐቢኣቶ ነበረት። ኣብቲ እዋን’ቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝመራሒኦም፡ ነቲ ዝተገብረ ቕዱስ ተግባር ከም ብኽነት ብምግላጽ፡ ነታ ገባሪት ሰናይ ኣጉሃይዋ። ጐይታና ግና ንገናሕታ ገኒሑ፡ “ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ’ሞ ስለምንታይ ተጉህይዋ ኣለኹም፧ . . . እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ’ያ ዝገበረቶ።” ብምባል፡ ንግብራ ኣድነቖ። ንሳ ጐይታ ኸም ዚመውት፡ ምስ ሞተ ድማ እቲ ብቕዱይ ቅብኢ ናይ ምቕባእ ዕድል ከም ዘይረኽቦ ሓሲባ ኣይገበረቶን። እቲ ዝደረኻ መንፈስ ቅዱስ ኲሉ ስለ ዚፈልጥን ግን ኣቐዲሙ ቕድሚ ሞቱ ኽትቀብኦ ኣላዓዓላ። ከምቲ ወንጌላዊ ሉቃስ ተሪኽዎ ዘሎ፡ ንሳን ብጾታን ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ እቲ ቕድሚ ቐብሪ ኺግበረሉ ዚግባእ ሰንበት ንግሆ ገስገሳ። “ነቲ እምኒ መንኰን ኪግምጥለልና እዩ፧” እናበላ ኣብኡ ምስ በጽሓ ግና፡ እቲ እምኒ መቓብር ተገልቢጡ ጸንሐን። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዓልና ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ማርያም መግደላዊት ጥራሕ እንተ ኣዘንተወ እኳ፡ በቲ ንሳ፡ “ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን” ዝበለቶ ግና፡ መኻይዲ ኸም ዝነበራኣ እምበር በይና ኸም ዘይነበረት ክንድድም ይከኣል።
ማርያም መግደላዊት መቓብር ተኸፊቱ ጥርሑ ምስ ጸንሓ፡ ሞቱ ዝፈጠረላ ጓሂ ኸይኣኽላ፡ ስጋ ጐይታ ዘየለ ምስ ጸንሓ ኣዝያ ጐሃየት። ተጓይያ ነቶም ክልተ ምርኡያት ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሃንስ ሒዛ ተመልሰት። ንሳቶም፡ ስጋ ጐይታ ኣብ መቓብር ከም ዘየሎ ርእዮም፡ ናብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ገዛ ኺምላሱ ኸለዉ፡ ንሳ ግና ኣብኡ ተሪፋ ብኽያታ ቐጸለት። መጋንዙ ኽትርእይ ናብቲ መቓብር ድንን ምስ በለት ግና፡ ብትርኣስን ትርጋጽን ናይቲ መቓብር ክልተ መላእኽቲ ረኣየት። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧” ኢሎም ሓተትዋ። ብድሕሪኣ ሰብ ከም ዘሎ ተረዲእዋ ንድሕሪት ግልጽ ምስ በለት ከኣ፡ ኣየለለየቶን እምበር ንጐይታ ረኣየቶ። ንሱ ድማ እታ መላእኽቲ ዘቕረቡላ ሕቶ ሓተታ።
እዛ ሕቶ’ዚኣ ጐይታን መላእኽቱን ዝደጋገምዋ፡ ትንሳኤ ዝወለዳ ኣገዳሲት ሕቶ እያ። ምኽንያቱ ትንሳኤ፡ ንብዓትና ኺደርዝ ጓሂና ኺድብስ ዝተፈጸመ እዩ። ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ድማ ኣብቲ ኽትዕልለሉን ብዝለዓለ መጠን ክትሕጐሰሉን ዚግብኣ ሰዓት ክትበክይ ስለ ዝተረኽበት’ዩ፡ እዚ ዓብይ ሕቶ’ዚ ናብኣ ተደጋጊሙ ዝተሰንዘረ። ጐይታና ምድራዊ ተልእኾኡ ገና ኸይወድአ፡ እናኣገልገለ ኸሎ፡ ንዂላቶም ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱ ደጋጊሙ፡ ከም ዚመውትን ድሕሪ ሳልስቲ ኸም ዚትንስእን ይነግሮም ነበረ። ዕላማ ናይዚ ደጋጊምካ ምንጋር ድማ፡ ካብ ፍርሃትን ጓህን ቀቢጸ- ተስፋን ምእንቲ ኺድሕኑ እዩ። ወንጌላውን ሃዋርያን ማቴዎስ፡ “ካብ ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ኪድይብ፡ ብዓበይትን በሊቃውንቲ ኻህናትን ብጻሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ኪቕተል ብሳልሳይቲ መዓልቲ’ውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ፡ ኪገልጸሎም ጀመረ።” ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (ማቴ 16፡21)። ወንጌላዊ ሉቃ ድማ ኪቕተልን ድሕሪ ሳልስቲ ድማ ኪትንስእን ምዃኑ ምስ ነገሮም ሃዋርያት ከም ዘየስተውዓልዎ፡ “ንሳቶም ግና፡ ካብዚ (ጐይታ ዝበሎ) ሓንቲ’ኳ ኣየስተውዓሉን፡ እዚ ዘረባ’ዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ፡ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተውዓልዎን (ኣየስተብህልዎን) ነበሩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሉቃ 18፡31-34 9፡44-45)። እዚ ዘይመስትውዓል’ዚ ናብ ብዙሕ ፍርሃትን ምቚራጽ ተስፋን ዘይምእማንን ሸሚምዎም ነበረ። እቶም ሕሩያት ሃዋርያት ዘየስተውዓልዎ ድማ፡ እቶም ተራ ደቀ መዛሙርቲ ኼስተውዕልዎ ኽትጽበዮም ኣይከኣልን’ዩ። ማርያም መግደላዊት’ውን ከም ኲሉ ሰብ ነቲ ኸም ዚመውትን ድሕሪ ሳልስቲ ኸም ዚትንስእን ዝነገሮም ትንቢታዊ ተስፋ ስለ ዘየስተውዓለቶ፡ ስጋ ጐይታ ብሰባት ከም እተሰርቀ ብምሕሳብ ናብ ከቢድ ጭንቀትን ብኽያትን ኣተወት።
ጐይታ ብዛዕባ ኣብተን ሳልስቲ ናይ ጸልማት መዓልታት ዜሕልፍዎ ዂነታት’ውን ከምዚ ብምባል ብግህዶ ነጊርዎም ነበረ። “ ንቚርብ ጊዜ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ንቚሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡” ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትመራመሩ ኣለኹም፡ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ባህ ኪብላ እዩ። ንስኻትኩም ክትጉህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሓ ትጉህይ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና. . . ተሓጉሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን’ያ፡ እምበኣርከ ንስኻትኩም ሎሚ ጓሂ ኣለኩም ግናኸ ኸም ብሓድሽ ክርእየኩም’የ፡ ልብኹም’ውን ኪሕጐስ’ዩ፡ ንሓጐስኩም ድማ ካባኻትኩም ዚወስዶ የልቦን” (ዮሃ 16፡17-22)። እዚ ጓህን ብኽያትን’ዚ ነቲ ናይ ሞትን ትንሳኤን መልእኽቱ ስለ ዘየስተውዓልዎ ዝመጸ እዩ። “ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧” ዚብል ሕቶ’ውን “ ዘይተዳላዩ ብኽያት’ዩ” ዜስምዕ መልእኽቲ’ዩ ዘለዎ። ጐይታ፡ ደጋጊሙ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ዝተዛረቦ፡ እቲ ሞት ምስ ተኸስተ፡ ነቲ ድሕሪ ሳልስቲ ዚፍጸም ትንሳኤኡ ብምሉእ እምነትን ምጽንናዕን ምእንቲ ኺጽበዩ እዩ። ነቲ ዝተነግረካ ዘይምስትውዓልን ዘይምዝካርን ንልብኻን ንህይወትካን ኣዝዮ ይጐፍኦ እዩ።
እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ፡ ንዓና ዓብይ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዝተሰርዐ እዩ። ንሕና እዞም ድሕሪ ትንሳኤ ጐይታና ዝተወልድና ሰባት’ውን ነዛ ዓለም’ዚኣ ብብዙሕ ጓህን ብኽያትን ኢና ንሓልፍ ዘሎና። እቲ ዓመት መጸ እነብዕሎ ትንሳኤ ኻብዚ ናይ ዓለም ጓህን ብኽያትን ኬላቕቐና ኣይንርእዮን ኣሎና። እዚ ድማ፡ ልክዕ ከምቶም ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርቲ፡ ነቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝተነግረና ተስፋ ኸም ዘየስተውዓልናዮን ንዝክሮ ስለ ዘየለና ዝመጸ ጓሂ እዩ። ሰብ እንተ ሞተና፡ ተስፋ ትንሳኤ ስለ ዘይገብርና ብመሪር ሓዘን ንበክይን ንድቈስን፡ ካልኦት ብዙሓት ዜብክዩና ኣርእስትታት’ውን ኣለውና። ጓሂ ናይዛ ዓለም’ዚኣ በቲ ዝሰማዕናዮ ቓል ወንጌል ሰላሳ፡ ሱሳ ፡ ሚእቲ ኸይንፈርይ ሓኒቑ ይቐትለና ኸም ዘሎ ጐይታ ብምስላኡ ነጊሩና እዩ (ማቴ 13፡22)።
ትንሳኤ ክርስቶስ ናይ ትንሳኤና መረጋገጺ ስለ ዝዀነ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ጐይትና ብዝዀነ ምኽንያት ክንጉህይ ከም ዘይግብኣና፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ “ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧ ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን።ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘይትንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” ብምባላረጋጊጹልና እዩ (1ቈረ 15፡12-19)። ደጊሙ’ውን ንሰብ ተሰሎንቄ ፡ “ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት፡ ክትኰኑ፡ ኣይፈቱን’የ። ማለት፡ ኢየሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብኢየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ።” ብምባል፡ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ትንሳኤና ስለ ዜረጋግጸልና ኲሉ ጊዜ ሕጉሳትን ምጽንናዕ ዝመልኦምን ክንከውን ኣዛኻኸረና (1ተሰ 4፡13-18)። ስለዚ ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ኽሳዕ ዘሎና፡ ብዝዀነ ምኽንያት ክንጉህይን ከሎና፡ ጐይታና “ እንታይ የብክየካ/ኪ ኣሎ፧” ኢሉ ይሓትተና ኸም ዘሎ ነስተውዕል። ተስፋ ትንሳኤ፡ ናይ ኲሉ ሓዘንና ደባሲ፡ ናይ ዋሕዚ ንብዓትና ደራዚ እዩ። ስለዚ ነቲ ፍረ ጽድቂ፡ ኸይንፈርይ ዚሓንቀና ጓሂ’ዛ ዓለም’ዚኣ ደርቢና፡ ተስፋን ሓጐስን ናይ ትንሳኤ ንተዓጠቕ፡ “ሓጐስ አምላኽ ሓይልኹም’ዩ’ሞ፡ ኣይትጉሃዩ” ኸም ዝተባህለልና፡ ብሓጐስ ትንሳኤኡን ትንሳኤናን ሓይሊ ንተዓጠቕ። ነቲ ንልብና ኼድክም ዝመጸ ፈተናታት፡ ብሓይሊ ትንሳኤኡ ንስዓሮ!! ክብሪ ነቲ ብትንሳኤኡ ንብዓትና ኺደርዝ ዝፈተወ ጐይታ ይኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት ሚያዝያ 28, 2019 (ሚያዝያ 20, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት (መዝ 78(77)፡ 65-66) ወተንሥአ እግዚኣብሄር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኀደገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ ብድኅሬሁ። ሽዑ እግዚኣብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፡ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፡ ዘለኣለማዊ ነውሪ ሀቦም። |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ቈረ 15፡ 20-45 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 20፡ 1-19 |
1ጴጥ 1፡ 1-13 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘዴስቆሮስ |
ግብ 2፡ 22-37 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ