S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ድሕሪ ምስማዕ ይስዕብ ምስምማዕ: ብዶ/ተስፋይ ገብረመድህን

ዓው ኢልካ ተዛረብ ክሰምዓካ፡

ብንጹር ክርዳእ ሓሳባትካ፡

ጽን ኢልካ ስምዓኒ ክዛረብ፡

መታን ክንራዳዳእ ክንላዘብ፡

ከምዚ እናተባህለ ኣብ ምርድዳእ ይብጻሕ፡

እቲ ዝበለጸ ሜላ ጸገማትና ንምፍታሕ፡

ድሕሪ ጽን ኢልና ንብጻይና ምስማዕ፡

ቀጺሉ ይስዕብ ኣብ ሕድሕድና ምስምማዕ፡

ኣብቶም ቀዳሞት ወለድና ፍቕሪ ነይሩ፡

ጸገሞም ፈቲሖም ብሰላም ይነብሩ፡

ንሕና ግን ንዘላለፍ ንጻረፍ ኣፍና ዝሃበና፡

ከይ ንሳማማዕ ሚሒልና ጥሒልና፡

ምርድዳእ እንከሎ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ፡

ብኣምላኽ ይኹን ብደቂሰባት ዝተመርጸ፡

ገለታትና ንሕንሕን ገለታትና ንፍክር፡

ሽማግለ ጠፊኡ ዝገንሕ ዝመክር፡

መርገም ድዩ ወይስ ድንቁርና ጠፊኡና እቲ ጉዱ፡

ከመይ ሰብ ይላኽፍ ይበኣስ ካብ ዓዱ ተሰዲዱ፡

ኢሂን ምሂን እንከሎ እቲ ናይ ዘተ ቁምነገር፡

መታን ኩልና ክንከብር ክንካባበር፡

ምጥርንናፍ ጽኑዕ ስምረት ይፈጥር፡

ስምረት ውን ውሑስ ሓድነት የበስር፡

ክንሰምር ኣሎና ክንተክል ሓድነት፡

ናይ ኩላትና ሓድነት ጥራይ' መገዲ ዓወት፡

ዓቢ ሓላፍነት ኣሎዎም ካህናት ኣቦታትና፡

ፍቕርን ሲኒትን ከውሑሱ ኣብ ህዝብና፡

ሕድሪ ዝተዋህበ ካብ ቅዱስ ኣንጠንዮስ ኣቦና፡

ጸሎት ንግበር ናብቲ ልዑል ኣምላኽና፡

ገለ ኣይፍለጥን ምሕረት እንተኣውረደልና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div