S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሆሳእና ነቶም ዝዘመሩሉ በኸየሎም!

“ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡ “ኣነ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ! ሕጂ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።. . .  ዘመን ምሕረትኪ ስአን ምፍላጥኪስ፡ ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን፡ ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሓድጉልክን’ዮም።” ሉቃ 19፡41-44

እዚ ሰንበት’ዚ ኣብ ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ኣዝዩ ዓብዩ በዓል’ዩ። ጐይታና፡ ናብታ ብዙሕ ዝተጸርፈላን ዝተዋረደላን ከተማ ኢየሩሳሌም ብዚኣምንዎን፡ ብዘይአምንዎን ሰባት ብኽብሪ ብዓጀባ ዝአተወላ ዕለት እያ። ካብኡ ሓሊፍውን፡ እቲ ብቕዱሳን ነብያት ብዛዕባ ክርስቶስ ዝተነግረ ትንቢታት ፍጻመ ዝረኸበላ ክብርቲ ዕለት’ውን እያ (ዘካ 9፡9 መዝ 8፡2)። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዀኑ እቲ ሓፈሽ ህዝቢ፡ ነቲ ብነብያት ዝተነግረ ቓል፡ ብመንፍስ ቅዱስ ተደሪኾም ይፍጽምዎ ኸም ዝነበሩ ፈጺሞም ኣየስተውዓልዎን። ስለዚ እቲ ስየን ክዳውንቶምን አንጺፎም ምቕባሎም፡ ናታቶም ዘይኰነስ ምሉእ ብምሉእ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ’ዩ ዝነበረ። ጐይታና ብፍጻመ ናይቲ ትንቢታትን ብስራሕ ናይቲ ደራኺ መንፈስ ቅዱስን ኣዝዩ ኸም ዝተሓጐሰ፡ ፈጺሙ ዘየማትእ ሓቂ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዜገርም ግና፡ እቲ ዂሉ ህዝቢ ኽዳውንቱ ኣንጺፉ ብዓውታ ኺዝምሩሉ እናረኣየ ምብካዩ እዩ። ንሳቶም ንእኡ እናዘመሩሉ ኸለዉ፡ ንሱ ንዓታቶም ኪበኽየሎም ካብ ምርኣይ ዚኸብድ ካልእ እንታይ ኵነታት ኣሎ፧ እቲ ዜሕዝን ከአ፡ ንሕና ክርስትያን ዝዀንና ህዝቢ፡ ካብ ኣብነት ናይ ጐይታ ብኽያት ኣብቲ  ናይቲ ህዝቢ ሓጐይስን መዝሙርን ክነድህብ ምምራጽና እዩ። ክርስቶስ ፡ ካብቲ ሽዑ ዝነብረ ሒደት ኣሽሓት ዝቚጽሩ ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ምጽአት ጐይታ ዘሎ ህዝቢ ዓለም ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደምን ዝኸፈሎ ህይወትን ንዂሉ ዘርኢ ኣዳም ዋጋ ሓጢአቱ ኸፊሉ ኼድሕን ዝኸአለ። ስለዚ ክርስቶስ ብትስብእቱ (ሰብ ብምዃኑ) ዀነ ብመለኮቱ ኣዝዩ ዓብይ ካብ ኰነ፡ ካብቲ ኣብቲ ስምዒትን ተግባርን ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ህዝቢ እነተኵር፡ ኣብቲ ስምዒትን ቃላትን ናይቲ ልዑል ጐይታ ኸነድህብ’ዩ ዚግብኣና። ነብዩ ኢሳይያስ፡ ንዂሎም ህዝብታትን ኣህዛብን፡ ምስቲ ንዂሎም ዝፈጠረ ክርስቶስ ኬነጻጽሮም ከሎ፡ “ንማያት ብኢዱ ዓሚኹ ዝሰፈረ፡ ንሰማይት ከአ በእዳዉ ዝሰደረ መን’ዩ፧ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝአከበ፡ ነኽራን ብሚዛን ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን’ዩ፡ እንሆ፡ ኣህዛብ (ኣብ ቅድሚኡ) ከም ሓንቲ ነጥቢ (ማይ) ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር፡ ኣብ ሚዛን ይቚጸሩ፡. . . ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን ፡ ሓንቲ ኸም ዘየልቦ ኸም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም። እምበኣርሲ ንአምላኽ ምስ መን ተመሳስልዎ፡ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧. . . ንመሳፍንቲ ገለ’ኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዚገብሮም ንሱ እዩ።” ብምባል ብመንፈስ ቅዱስ ገሊጽዎ ኣሎ (ኢሳ 40፡12 15, 18,23)። እዚ ናይ ትንቢት ኢሳያስስ መበል 40 ምዕራፍ፡ ብምሉኡ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝተዘርበ ትንቢት ምዃኑ ነስተውዕል።

ስለዚ ኸም ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ ኣብዚ ኽቡር ዕለት’ዚ፡ ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ ልዕልና ዘለዎ ጐይታ ዘንጸባረቖ ስምዒት ከነተኵርን፡ ኣብ መዓልቲ ኽብሩ ክበክይ ዝገበሮ ምኽንያት ክንርዳእን፡ መንፈሳዊ ዓቕምና ዚፈቕደልና’ውን እንተ ዀይኑ’ውን ምስኡ ሓቢርና ኣይሂ ኽንነብዕን’ዩ  ዚግብኣና። “ሆሳእና” ዚብል ቃል ንርእሱ፡ “ ኣድሕን ኰታ” ማለት እዩ። “በጃካ ኣድሕነኒ” ኢሉ ንፈጣሪኡ ዚምሕጸን ሰብ፡ ንምሕጽንታኡ ብንብዓት ኬስንዮ እዩ ዚግባእ። ስለዚ ብስሙ እተሰሜና ክርስትያን ህዝቢ ኸም ምዃንና፡ ኣብቲ ስምዒት ናይ ጐይታና ኽንኣትው’ዩ ዚግብኣና። “ ንምንታይ’ዩ ክርስቶስ ኣብታ መዓልቲ ኽብርቲ ኽንድዚ ዝበኸየን ዘልቀሰን” ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና። ኣብቲ መሪሕ ጥቕሲ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ጐይታ ነታ ኸተማ ዝበኸየላ’ዩ ዚመስል። ብዕጨ እምኒ ዝተሰርሐት ግእዝቲ ኸተማ፡ ዝዀነ ኣበሳ የብላን። ኣበሰኛስ እቲ ኣብኣ ዝቕመጥን፡ እቲ ፋሲካ ንኼብዕል ካብ ኵሉ ዂርናዓት ዓለም ዝተኣከቦ ኣይሁዳዊ ህዝቢ እዩ። ብውክልና ናይታ ኸተማ ገይሩ ዜልቅሰሉ ዘሎ ድማ ንእኡ ነቲ ህዝቢ እዩ። ጐይታና ኣብቲ መልቀሱ (ድጉዓኡ) ናይቲ ህዝቢ ኽልተ ዓበይቲ ጸገማትን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተመደበ ፍርድን ገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣበሳ ናይቲ ህዝቢ ድማ፡

1ይ፡ ኣብታ መዓልቱ ንሰላሙ ዚኸውን ነገር ዘይፈልጥ፡ ካብ ኣዒንቱ ዝተሰወሮ ህዝቢ ምዃኑ።

2ይ. ዘመን ምሕረቱ ዘይፈልጥ (ዘየለለየ) ህዝቢ ምዃኑ እየን። ብርግጽ ካብ ኣምላኽ ሰላምን ምሕረትን ዜውርደልካ ኣካይዳ ዘይምፍላጥ፡ መዘዙ ዘለኣለማውን ዘይጽወርን ስለ ዝዀነ፡ ብሓቂ ኸተልቅሰሉ ዚግባእ ከቢድ ወጽዓ እዩ። ህውከትን ጥፍኣትን ዜውርደልካ መገዲ ምምራጽ መቸም፡ ኣዝዩ ኸቢድ ድንቍርና እዩ። እቲ ኻልኣይ ጸገም ናይቲ ህዝቢ ድማ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ዘመን ዘይምልላዩ እዩ። ጐይታና፡ “ኣብዛ መዓልትኺ” ፡ ከምኡ ድማ “ዘመን ምሕረትኪ” ዚብል ንጊዜ ዘመልክታ ኽልታ ሓረጋት ጠቒሱ ኣሎ። ምድራዊ ህይወትካን ናብራኻን ከየብቅዐ ኸሎ ንሰላምካን ንምሕረትካን ዝተመደበልካን ዘመን ኪጽንቀቕ ይኽእል’ዩ። ህዝቢ ኢየሩሳሌም ነቲ ንምሕረት ዝተመደበሉ ዘመንን፡ ነቲ ንምሕረቱ ዝተላእከሉ ጐይታን ኣየለለየን። ስለዚ ድማ ከምዛ ሎሚ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ” እናበሉ ክዳውንቶምን ስየን ኣንጸፉ ኸም ዘይተቐበልዎ፡ ድሕሪ ራብዕቲ፡ ጲላጦስ፡ “ነዚ ክርስቶስ” ዚበሃል ኢየሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ “ ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ “ንየው በሎ፡ ስቐሎ” ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” ኢሎም ፈረድዎ። እቲ ዂሉ ዚፈልጥ ካብ ናይ ከንፈር ጥበራ ሕልፍ ኢሉ  ኣብ መዓሙቕን መዛግብትን ናይ ልቦም ዘሎ መርሚሩ እንተ ኣልቀሰሎም የገርምዶ፧ ኣብ ሃገርና ፡ “ምስ ኣባ ገረማርያም ዝወዓለ ይምንን፡ ምስ ደጊያት ምራጭ ዝወዓለ ይፍንን” ከምዚ ዝበሃል፡ ሰንበት ምስ መንፈስ ቅዱስን ደቀ መዛሙርቱን ኰይኑ “ሆሳእና” ኢሉ ዝጨደረ ህዝቢ፡ ንዓርቡ ምስ ሰይጣንን ደቀ መዛሙርቱን ኰይኑ “ንየው በሎ፡ ስቐሎ” እናበለ ኺጭድር ውዓለ። ነዚ ህዝቢ’ዚ ዘይተበኽየሉ ዘይተደጉዓሉን ደአ ንመን ካልእ ኪብከየሉ ምተገብአ፧ ስለዚ ድማ ኢና ኣብቲ ብኽያት ናይ ጐይታ እምበር ኣብቲ ወኻዕታ ናይቲ ህዝቢ ኸነድህብ ዘይግብኣና። እቲ ህዝቢ ዘመን ምሕረቱ እንተ ዘለልይ’ሞ ኣብታ ዕለት’ቲኣ “ ኣድሕነና ዀታ “ኢሉ ኣምሪሩ እንተ ዚበክይ ንሰላሙ ዚኸውን ግብሪ ድማ እንተ ዚገብር መን ምሃበ፧ እቲ “ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ እዮም፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሓድጉልክን’ዮም” ዝበሎ ምድራዊ ፍርድን፡ ብድሕሪ ትንሳኤ ዚጽበዮም ዘሎ ናይ ገሃነም ፍርዲ ምተረፈሎም ነይሩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ድማ መዓልቲ ምሕረቶም ከየለለዩ፡ ንሰላሞም ዚኸውን ነገር ከይገበሩን እታ መዓልቲ ፍርዲ ኣርኪባቶም፡ ኣብ 70 ዓመተ ምሕረት ንዓለም ብዘስክሐ ጭካነ ብሮማውያን ተጨፍጪፎም ሃለቚ። ነቶም ካብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ ድማ፡ ካብ መሬቱ ነቒሎም ዘርኢ ምድሪ ገበርዎ። ክሳዕ 1948 ዓመተ ምሕረት ድማ ሃገር ዘይብሎም ኰይኖም፡ ኣብ ዝኣተውዎ ሃገራት እናተገፍዑን እናተጨፍጨፉን ነበሩ፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ ስርዓት ናዚ ብዜስክሕ መገዲ ኣህለቖም። እቲ ናይ ዘለኣለም ፍርዲ ድማ ገና ይጽበዮም ኣሎ። ጐይታ ድማ ነዚ ርእዩን ፈሊጡን’ዩ ዘልቀሰሎም፡ ንደም ክርስቶስ ክትድሕነሉ ዘይኰነስ ክትፍደየሉ እንተ መሪጽካዮ ኸምዚ’ዩ ዚገብር።

እምበኣር ፍቍር ህዝቢ ክርስትያን ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ንበል። ንዓናኸ ጐይታ ይበኽየልና ደዀን ይህልው፧ ሰንበት መጸን በዓል መጸን ክንዝምረሉ ኸለና ንሱኸ ንብዓቱ የውሕዘልናዶ ይህልው ይኸውን፧ ዘመን ምሕረትና ኣለሊና፡ ንሰላምና ዚኸውን ህይወትን ኣካይዳን መሪጽና፡ ነቲ ደሙ ዘፍሰሰልና ጐይታ ድማ ነፍሱ ደዀን ንጻምዎ ንህልው፧ ነዚ ዜሰቅቕ ታሪኽ ኣይሁዳውያን ተማሂርናሉን ረቢሕናሉን ምህላውና ነረጋግጽ ፡ እምበር ነዚ ታሪኽ’ዚ ኣይንድገም። ሰንበት ዝምር ውዒልናሉስ፡ ኣብቲ ማሕበራዊ ናብራና ግን ካብ ሰኑይ ክሳዕ ቀዳም ክንስቕሎ ኣይንረኸብ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንመለበሚና’ዮሞ ዝተጻሕፈልና፡ ንለብመሉ። ብጸጋ ናይ ደሙ ኽንረብሕ እምበር፡ ብዕዳ ደሙ ኽንሕተት፡ ዓሻ ምርጫ እዩ’ሞ ኣይንምርጾ። ከምቶም ገና ብህይወቶም ከለዉ ዘመን ምሕረቶም ዘመን ንስሓኦም ዚውድኦም ዓለም ዝጠበረቶም ዜደንግጹ ሰባት ኣይንኹን። ሆሳእና፡ ምድሓን ከም ዜድልየና ኸተዘክረና፡ ብዛዕባ’ቲ ንሰላምናን ምሕረትናን ዜርሕቕልና ሓጢኣትና ምስ ክርስቶስ ኴንና እንበኽየላ መዓልትና ትኹን። ኣብ ሰማያት መዝሙር ናይቲ ገንሸል ምእንቲ ኽንዝምር፡ ሎሚ ምስ ክርስቶስ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን፡ ብዛዕባ’ቲ ዘመን ሰላሙን ምሕረቱን ዘየለለየ ህዝብና ነልቅስ፡ ብዛዕባና “ነቶም ዝዘመሩሉ በኸየሎም” ከይበሃልና፡ ደገምቲ ግዕዙይ ታሪኽ ከይንኸውን ንጠንቀቕ!! እዚ ብምሕረቱ ይሓልወና!!!።እምበኣር ነዚ ኣብ ምድሪ ነብዕሎ ዘሎና ሆሳእና፡ ኣብቲ ናይ ሰማይ ሆሳእና ኸም ዘጸምብረና ጌርና ነብዕሎ። እግዚኣብሄር ይሓግዘና!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት ሚያዝያ 21, 2019            ሚያዝያ 13, 2011 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 8፡2

እምኣፈ ደቂቅ ወሕፃናት ኣስተዳሎከ ስብሐት። በእንተ ጸላዒ። ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ።

ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብዉን ሓይሊ ኣዳሎኻ።”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 9፡11-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 19፡28--44

1ጴጥ 4፡1-12

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘባስልዮስ

ግብ 28፡11-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div