ኣብ ቤተክርስትያን ሃገርና እንታይ ዘይግበር
እቲ ስርዓት ኣብ ቤተክርስትያን ጉዳይ ከምድልየቱ ክዕንድር
እንተ ደለየ ክሸይም እንተደለየ ከዐስክር
እንተደለየ ክመክር እንተደለየ ክምድር
አንተደለየ ክፍክር አንተደለየ ከኣስር
ሃለዋት ሃገርና ክውረ ክሳብ ባሕሪ ስግር
ኣብ ካልእ ኣብያተ እምነት ዘይፍጸም ዘስተንክር
መንፈሳዊ ስርዓተ ቀኖና ክጠሓስ ክድፈር
ብመራሕቲ ሃይማኖት ክንዲ ብግቡእ ዝኽበር
ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እንጦንዮስ ነገር ክፍሕተር
በደል ኣብ ልዕሊ በደል ን16 ዓመታት ክኹመር
ኣቦናን ሰዓብቶምን ከም መናፍቓን ክቑጸሩ ብሓባር
በቶም ከሰስቲ ኣቦታት ኣንጻር ኣቦና ጸለመ ክውሰኽ ክድመር
ኣብ ናይ ቅዱስ ኣንጠንዮስ ክብረት ዘይብሎም ከበር
ገሊኡ ከዳኽር ኣብ ዝተኣጉደ እቶን ሓዊ ከሳውር
ገሊኡ ክዕጠቕ ስነምግባር ኣቦና ከነውር
ገሊኡ ከውደኽድኽ ስም ኣቦና ከሕስር
ገሊኡ ሃሰውሰው ክብል ሓሶት ክምስክር
ገሊኡ ገበን ከናዲ መሬት ክጽሕትር
እንታይ ዝበለ ጉድ እንታይ ዓይነት ኣበር
ክቱር ሓጥያት ካብ ደቂሰባት ዘይስወር
ህዝቢ ክንዲ ዝኽበር ክንዲ ዝሕፈር
ኣብ ሕድሕድ ምእመናን ቅርሕንቲ ክፍጠር
ንኣመንቲ ጥልመት ሕማቕ ስም ንሃገር
ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ክነብር ክዝከር
መስዋእቲ ኣቦና ግን ወትሩ ብወግዒ ክንገር
ግዜ ክመጽእ'ዩ ግፍዕታት በብሓደ ክዝርዘር
ንግቡዛት ግን ኣምላኽ ይርዳእ ክገብሩ ቁምነገር
ናብ ኣምላኽ ተነሲሖም ክፈትሑ እቲ ነገር
ረብሓ የብሉን ኣብ ሕድሕድ ውድድር ክርክር
ዘሕምቖ ኣለኒ በትሪ ሃበኒ ኢሉ ንዝፍክር
ኣብ ሂወቱ ኣይዕወትን ብጀካ ክኸስር
ክኽበር ኣለዎ እቲ ቅዱስ መንፈሳዊ ምስጢር
ኣምላኽና ይእዝዝ ከምነብስና ንብጻይና ከነፍቅር
ምርድዳእ ይሓይሽ ንምእመናን ሰላም ዘበስር
ንኣምላኽ ንጸልይ መራሒ ክህበና ህዝቢ ዝጠምር
ንብምልእታ ቤተክርስትያን ኣብ ሓደ ዘስምር
ምእመናን ኣብ ኩሉ ቦታ ብሓባር ከምልኽ ክዝምር
ናይ ቅዱስ ኣቦና መስዋእቲ ኩሉ ግዜ መታን ክንዝክር ከነኽብር።
ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና
ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና
ንዘለኣለም ይዘከሩ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣቦና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ