S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ቤተክርስትያን ሃገርና እንታይ ዘይግበር

እቲ ስርዓት ኣብ ቤተክርስትያን ጉዳይ ከምድልየቱ ክዕንድር

እንተ ደለየ ክሸይም እንተደለየ ከዐስክር

እንተደለየ ክመክር እንተደለየ ክምድር

አንተደለየ ክፍክር አንተደለየ ከኣስር

ሃለዋት ሃገርና ክውረ ክሳብ ባሕሪ ስግር

ኣብ ካልእ ኣብያተ እምነት ዘይፍጸም ዘስተንክር

መንፈሳዊ ስርዓተ ቀኖና ክጠሓስ ክድፈር

ብመራሕቲ ሃይማኖት ክንዲ ብግቡእ ዝኽበር

ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እንጦንዮስ ነገር ክፍሕተር

በደል ኣብ ልዕሊ በደል 16 ዓመታት ክኹመር

ኣቦናን ሰዓብቶምን ከም መናፍቓን ክቑጸሩ ብሓባር

በቶም ከሰስቲ ኣቦታት ኣንጻር ኣቦና   ጸለመ ክውሰኽ ክድመር

ኣብ ናይ ቅዱስ ኣንጠንዮስ ክብረት ዘይብሎም ከበር

ገሊኡ ከዳኽር ኣብ ዝተኣጉደ እቶን ሓዊ ከሳውር

ገሊኡ ክዕጠቕ ስነምግባር ኣቦና ከነውር

ገሊኡ ከውደኽድኽ ስም ኣቦና ከሕስር

ገሊኡ ሃሰውሰው ክብል ሓሶት ክምስክር

ገሊኡ ገበን ከናዲ መሬት ክጽሕትር

እንታይ ዝበለ ጉድ እንታይ ዓይነት ኣበር

ክቱር ሓጥያት ካብ ደቂሰባት ዘይስወር

ህዝቢ ክንዲ ዝኽበር ክንዲ ዝሕፈር

ኣብ ሕድሕድ ምእመናን ቅርሕንቲ ክፍጠር

ንኣመንቲ ጥልመት ሕማቕ ስም ንሃገር

ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ክነብር ክዝከር

መስዋእቲ ኣቦና ግን ወትሩ ብወግዒ ክንገር

ግዜ ክመጽእ' ግፍዕታት በብሓደ ክዝርዘር

ንግቡዛት ግን ኣምላኽ ይርዳእ ክገብሩ ቁምነገር

ናብ ኣምላኽ ተነሲሖም ክፈትሑ እቲ ነገር

ረብሓ የብሉን ኣብ ሕድሕድ ውድድር ክርክር

ዘሕምቖ ኣለኒ በትሪ ሃበኒ ኢሉ ንዝፍክር

ኣብ ሂወቱ ኣይዕወትን ብጀካ ክኸስር

ክኽበር ኣለዎ እቲ ቅዱስ መንፈሳዊ ምስጢር

ኣምላኽና ይእዝዝ ከምነብስና ንብጻይና ከነፍቅር

ምርድዳእ ይሓይሽ ንምእመናን ሰላም ዘበስር

ንኣምላኽ ንጸልይ መራሒ ክህበና ህዝቢ ዝጠምር

ንብምልእታ ቤተክርስትያን ኣብ ሓደ ዘስምር

ምእመናን ኣብ ኩሉ ቦታ ብሓባር ከምልኽ ክዝምር

ናይ ቅዱስ ኣቦና መስዋእቲ ኩሉ ግዜ መታን ክንዝክር ከነኽብር።

 

 

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና

ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና

ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና

ንዘለኣለም ይዘከሩ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣቦና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div