እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያና ሰሪዓትልና ዘላ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ናይ ወንጌል፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታኦም ድሕሪ ምስምዖም እኳ ተስፋ ቘሪጾም ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ገጾም ዚጐዓዙ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣስፊሑ ኣዘንትዩልና ኣሎ። ናይቲ ኻልኣዩ ስም እኳ እንተ ዘይተፈልጠ ናይቲ ሓደ ስም ግና ቀለዮጳ ነበረ። ስለዚ ካብ ሃዋርያት ዘይኰኑስ ካብቶም 72 ኣርድእቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ክልተ ሰባት ብዛዕባ ፍጻሜታት ናይቲ ሳልስቲ እናተዘራረቡ ኺጐዓዙ ኸለው፡ ጐይታ ኸም ሓላፍ መገዲ ተመሲሉ ተጸምቢሩ መጓዕዝቶም ኰነ። ዘይፈልጥዎ ጋሻ ተጸምቢርዎም ክነሱ፡ ገና ኣርእስቶም ከይለወጡ ዝርርቦም ቀጸሉ። ጐይታ ብዛዕባ’ቲ ተጨኒቖም ዚዘራረብሉ ዘለው ጕዳይ ምስ ሓተቶም ፡ ስነ ልቦናዊ ዀነ መንፈሳዊ ሃለዋቶም ከም መስትያት ቀሊዑ ዜርእይ ሓጺር ጽሟቕ መልሲ ሃብዎ። እቲ መልሲ ብዛዕባ መንነትን ዓይነት ህይወትን ናይ ጐይታ ዜደንቕ መግለጺ ዝሓዘ ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን’ውን ዜጠቓልል’ዩ።
ኣብ ርእሲኡ’ውን መንፈሳዊ ሃለዋቶም ዚገልጽ፡ ብዛዕባኡ “እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ’ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና” ዚብል ሕጂ ግና ነቲ ብቓልን ብግብርን ኣብ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝተሃንጸ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሳልስቲ ብዝተኸስተ ፍጻመታት ተስፋኦምን እምነቶምን ከም ዝፈረሰ ዚእመን መብርሂ ሂቡ። ወዮ ደኣ እቲ መጓዕዝቶም፡ ባዕሉ’ቲ ጀማርን ደምዳምን እምነቶም ዝዀነ፡ ብዛዕባ ውድቀቶም ገና ኸይፈጠሮም ከሎ ዚፈልጥን ዝተዛረበሉን ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ እምበር፡ ተራ ሰብ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ብዛዕባ’ቲ ዅሉ ዝደኸመሉ ዕዮኡ ንልቡ ተስፋ ኬቝርጽ ዚኽእል መልሲ’ዩ ዝነበረ።
እንተ’ቲ ብዛዕባ መንነቱን ዓይነት ህይወቱን ኣገልግሎቱን ዝሃብዎ ብሓንቲ ዓረፍተ ነገር ዝተገልጸ ሓሳባት ግን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን ኬስተውዕሎን ገዛእ ርእሱ ኺመዝነሉን ዚግባእ መስተንክር መግለጺ እዩ። ዋላ ኣብ እምነቶም ንምጽናዕ እንተ ዘይተጠቕሙሉ’ኳ፡ ብዛዕባ ጐይታ ኣብ ኣእምሮኦም ኣዝዩ ዜደንቕ ምስሊ ተቐሪጹ ኸም ዝነበረ ዜረጋግጸልና ድማ’ዩ። እተን ሓሳባት፡ ቀዳማይ ብግብርን ብቓልን ከኣሊ ምንባሩ፡ ከምኡ ድማ እቲ ከኣሊ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ምንባሩ ዚገልጻ እየን። ክርስቶስ፡ ንኣገልገልቲ ዀነ ንምእመናን ዝሓደገልና ዘይሃስስ ኣርኣያ ድማ ንሱ እዩ።
ኣብቲ ጐይታ ዝነበረሉ ዘመን፡ ብቓልን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ጥራሕ ክኢላታት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ንህዝቢ ዚመርሑ ፈሪሳውያንን ሳዱቃውያን ኣዝዮም ገኒኖም ነበሩ። እቲ ህዝቢ ነቲ ብቓል ዝመሃርዎ፡ ብግብራዊ መገዲ ኣርእዮም ኣርኣያ ኪዀንዎ ኣዒንቱ ናባታቶም ተኺሉ እንተ ተዓዘቦም ግና፡ “ዚብሉ እምበር ዘይገብሩ”፡ ነቲ ጠሚሮም ዘሰከምዎ ሰፍ ዘይብል መንፈሳዊ ጾር በጻብዕቶም ኪትንክይዎ’ኳ ዘይፈትው ዀይኖም ረኸቦም። እቲ መንበሩ ተቐሚጦምሉ ዘለው ነብዪ ሙሴ ግና ከማታቶም ኣይነበረን። ቅዱስ እስቲፋኖስ ኣብታ ንሞት ዝተፈረደላ መጋባእያ፡ ብዛዕባ ሊቀ ነብያት ሙሴ፡ “ሙሴ ድማ ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፡ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዐ” ኢሉ መስኪሩ ነበረ (ግብ 7፡22)። “ንሕና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና” ኢሎም ዚምክሑ ግቡዛት መራሕቲ፡ ይትረፍ ናይቲ ዚጽልእዎ ክርስቶስ ፍጹም ዝዀነ ኣርኣያ፡ ናይቲ ኸማታቶም ዝድኻሙ ናይ ሙሴ ኣርኣያ እኳ ኺስዐቡ ዜኽእሎም ጽቡቕ ፍቓድን ዓቕምን ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽን ኣብ ዓይኒ ዅሉ ህዝብን ንዑቓት ነበሩ። ኣብ ስልጣን ስለ ዝነበሩ ደኣ ህዝቢ ብፍርሃት ይስዕቦም ነይሩ እምበር የፍቅሮም ኣይነበረን። ከም ልቕሉቕ መቓብር ደኣ ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲሎም ይረኣዩ ነይሮም እምበር፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ልቢ ዚምርምርን ዝዀነ ነገር ዘይስወሮን ኣምላኽ ግን ኣስከሬን ከም ዝመልአ ርኹስ መቓብር’ዮም ዝነበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ከምዚኣቶም ዝበሉ ዓዲ ዘየእትው ሓለፋኦም ደቂ ገሃነም ዚገብሩ መራሕቲ ንህዝቡ ምእንቲ ኼናግፍ’ዩ፡ ነቲ እንኮ ናይ ባህርይ ወዱ ስጋና ለቢሱ ብቓልን ብግብርን ከኣሊ ዀይኑ ብጽቡቕ ኣርኣያ ኺመርሓና ዝለኣኽልና።
ነብያት ብሉይ ኪዳን ጥራይ ዘይኰኑ፡ ሃዋርያት ሓድሽ ኪዳን’ውን ብኸም ናይ ጐይታኦም ኣርኣያ እዮም ንቤተ ክርስትያን ዝሃነጽዋን ዝመርሕዋን። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ “እንተ ዀነ፡ ነቲ ክርስቶስ፡ ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኺእዘዙ ኢሉ፡ ብቓለይን ብግብረይን ገይሩ ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝገበሮ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብኻልእ ክዛረብ ኣይደፍርን’የ።” ብምባል ብቓሉን ብግብሩን ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይኑ ንቤተ ክርስትያን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከም ዝሃነጻ ጽሒፉልና ኣሎ (ሮሜ 15፡18,19 ካ.ት)። ንመራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን ኪፋነዎም ከሎ፡ ሰለስተ ዓመት ምሉእ፡ ለይትን መዓልትን ሓንቲ ኸየጕደለ ብንብዓት ከም ዝመሃሮም፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ንኣምላኽን ንዅሉ ህዝብን ብኸመይ ብግብሪ ኼገልግሉ ኸም ዚኽእሉ፡ ኵሉ ኸም ዘርኣዮም ብትብዓት ነገሮም (ግብ 20፡31-35)። ንሰብ ፊሊጲ ድማ፡ “ነቲ ኻባይ ዝተመሃርኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይ’ውን ዝረኣኹምዎን ኵሉ ግበርዎ፡ ኣምላኽ ሰላም ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን’ዩ።” ብምባል ብቓልን ግብርን ኪብርትዑን ከኣልቲ ኪዀኑን መዓዶም (ፊሊ 4፡9 ካ.ት)። እዚ ቓል’ዚ ድማ፡ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመንናን ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝቘምናን ኵላትና ደቂ ሓድሽ ኪዳን ዚምልከት ሰማያውን ሃዋርያውን ቃል እዩ። ስለዚ ድማ ከምቲ ንሱ ነቲ ብቓልን ብግብርን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ክርስቶስ ዝመስሎ፡ ንሕና’ውን ነቲ ስሉስ ኣርኣያ ናይ ክርስቶስን ነብያትን ሃዋርያትን ስዒብና ብግብርን ብቓልን ከኣልቲ ኽንከውን “ንኣይ ምስሉ” ኢሉ ሃዋርያዊ ጽውዓ ኣቕረበልና።
እምበኣር ፍቁራት ህዝበ ክርስትያን ናብ ርእስና ምልስ ንበል እሞ ገዛእ ህይወትና ሃሰስ ኢልና ንፈትሽ። ኣሰር ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣስር ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ስዒብና፡ መገድና፡ ናብ ደብረ-ጽዮን ናብ መንግስተ ሰማያት ናብ ላዕሊዶ ይቐንዕ፡ ወይስ ኣሰር ሰይጣንን ሰዓብቱን ተኸቲልና ናብ ገሃነም ቍልቁል ይንቈት ይህልዉ፧ እዚ ናይ ጾም ወርሓት’ዚ ገዛእ ህይወትና ኸም ዚግባእ ኽንፍትሽ ዝተሰርዓልና’ዩ ዝነበረ። እዚ ናይ ትንሳኤ ቕንያት’ውን ተሓሪምናዮ ዝጸናሕና ምግቢ እናተመገብና ስጋዊ ጽምብል ክንጽምብል ዘይኰነስ፡ ነቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብቓልን ብግብርን ከኣሊ ምንባሩ ዝተመስከረሉ ጐይታና ንምምሳል ክንተግሃሉ ዝተሰርዓልና ቕንያት’ዩ። ርእስና ኸም ዚግባእ እንተ ፈቲሽና፡ ገሌና ብቓልን ብግብርን ከኣልቲ ዄንና ኽንርከብ ኢና። ገሌና ድማ ብልሳን ውሕሉላት ብግብሪ ግና ብልሹዋት ምዃንና ኺስቈረናን፡ ግብዝነትና በሪሁ ኺረኣየናን’ዩ። እቶም ዝተረፍና ድማ፡ ኣይ ካብ ቃል ኣይ ካብ ግብሪ፡ ኵሉ ነገርና ዝተበላሸወ ዀይኑ ኽንረኽቦ ኢና። ተስፋ ዘይብልና ግን ኣይኰንናን። ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞይቱ ምእንቲ ጽድቅና ዝተንስአ ነዛ ተስፋ’ዚኣ ምእንቲ ኺህበና እዩ። ብትንሳኤ ክርስቶስ ብሓቂ ንኣምን እንተ ዄንና፡ ንሕና’ውን ካብዚ ምውት ህይወት ብእምነት ክንትንስእ ንኽእል ኢና።
ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ “ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተጠመቕና ዝበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርሲ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓድስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።” . . .እምበኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ’ሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ (ሰባት) ርእስኹም ንኣምላኽ ወፈዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።” ብምባል ንትንሳኤ ክርስቶስን ንትንሳኤናን ኣዛሚዱልና ኣሎ (ሮሜ 6፡3,4 12-14)። እምበኣር ናይ ብሓቂ ብሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ እንኣምን ክርስትያን እንተ ዄንና ንእምነትና ንተኣዘዛ። ምስ ክርስቶስ ሞይቶም ከም ዝተንስኡ ሰባት ኴንና ንልሳንናን ንዅሉ ኣካላትናን ኣጽዋር ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ካብ ምዃን ነድሕኖ። ነቲ ክርስቶስ ዚዛረቦን ዝገብሮን እምበር ካልእ ንኸይንዛረብን ንኸይንገብርን ብቘራጽነት ንወስን። ከምቶም ኣርኣያና ዝዀኑ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን፡ ብቓልናን ብግብርናን ብርቱዓትን ከኣልትን ንኹን። እቲ ዜኽእል ኣምላኽ ድማ በቲ ንቕዱሳኑ ዘዐወተሉ ጸጋኡ ኺድግፈና እዩ። ኣሜንን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት ግንበት 12, 2019 (ግንቦት 4, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 11(12): 5 “ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚኣብሔር። እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ። ቃለ እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ።” ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቕውን ምድሓን ከምጽኣሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ:: |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
2ቆረ 5፡11-ፍጻሜ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ሉቃ 24፡ 13-33 |
2 ጴጥ 3፡14-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም) |
ግሃ 21፡31-ፍጻሜ |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ