S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ወትሩ ከም ዘጋጥም: ሰብ ዘኽበረ ይኸብር ሰብ ዘሕሰረ ይሓስር:: ንሰባት እንተ ኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንኸብር ንሕፈር:: ግን  ንሰባት እንተዘይኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንሓስር ንድፈር:: እዚ ማለት ከኣ ንዝኾነ ሰብ እንተኣኽቢርና እቲ ዘኽበርናዮ ሰብ የኽብረና:: ንዝኾነ ሰብ እንተዘይኣኽቢርና ግን እቲ ዘየኽበርናዮ ሰብ የሕስረና:: ስለዚ: ንገዛእ ርእስና ክንከብር ወይ ክንሓስር ዝድሩኹ ምኽንያታት ኩሎም ካብ ገዛእ ርእስና ዝነቅሉ እዮም:: ክብረት ኣብ ነፍስወከፍና ክህሉ ዝኽእል ኣብ ሕድሕድና ምክብባር  ክህሉ ከሎ ጥራይ ምዃኑ ንረዳእ:: 

ኣብ ዕለታዊ ሂወትና በቶም   እነርእዮምን እነንጸባርቆምን ጠባያትና: ባህርያትና: ሃንደበትና: ስነ-ምግባርና: ክንፍረድ: ክንምዘን: ክንግመት: ባህርያዊ እዩ:: ከምዝፍለጥ: ዘይዘራእናዮ ኣይነፍርን: ዘየፍረናዮ ኣይንሓፍስን:: ትዕቢት ንዕቀት ኩርዓት ኣንነት ትምክሕቲ ቅርሕንቲ ክፍኣት ክሕደት ጥልመት እንተዘሪእና ዝኾነ ሰብ ኣየኽብረናን: ንሓስር ንድፈር ንነዓቅ ንፈኩስ ንዝለፍ ንዋረድ:: ግን ሕዉነት ቅንዕና ትሕትና ክብረት እምነት ምስጋና ርህራሄ ለውሃት ሕድገት እንተዘሪእና ዝኾነ ሰብ የኽብረና: ንሕፈር ንምስገን ንረዝን ንኸብድ ንነኣድ  ንፍቶ:: ሰብ ኣይጽላእኻ: ኢሎም ወለድና ከምዝምዕዱና: ንሕና ውን ነንሕድሕድና ክንከባበር ከሎና ናብቲ ቅዱስ  መገዲ ኣምላኽ ይመርሓና::

 

ከም ደቂ ሰባት ነፍሲ ወከፍና ዝተፈላለየ ዓቅምን ክእለትን ኣለና:: ናይ ነፍሲ ወከፍና ዓቅምን ክእለትን ግን መጠኑ ውሱን ወይ ድሩት እዩ:: እቲ 

ናይ ኩላትና ዓቅምን ክእለትን ብሓባር ግን መጠን ዘይብሉ ይኸውን:: እቲ ናይ ኩላትና ዓቅምን ክእለትን መጠን ዘይብሉ ክኸውን ኣብ ሓደ ክጥርነፍ ከሎ ጥራይ እዩ:: ኣብ ሓደ ክጥርነፍ ከኣ ክንተሓባበር ኣሎና:: ከሙኡ ከኣ መታን ክንተሓባበር ናይ ግድን ክንከባበር ኣሎና:: ስለዚ ተኻባቢርና ክንተሓባበር እንከሎና ሓይሊ ጉልበት ጽንዓት ትብዓት ኣብ ሕድሕድና ንፈጥር:: ናይ ጻዕርና ዓስቢ ከኣ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕና ወትሩ ዓወትን ኣሳልጦን ንረክብ::

 

ኣገዳስነት ናይ ምትሕብባር ንምግላጽ ከም መረዳእታ ብዙሓት ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል:: ኣህባይ ከም ሓንቲ ጥርንፍቲ ስድራ-ቤት ኮይኖም ብምትሕብባር ደቆም የዕብዩ:: ተኹላ ብምትሕብባር ንጸላእቶም የጥቅዑ: ሃዲኖም መግቦም የኻዕብቱ:: ጻጸ ብምትሕብባር ጒላ ሰፈሮም ይሰርሑ: መግቦም ብሓባር  ይምእርሩ ይኽዝኑ:: ንህቢ ብምትሕብባር ካብ ጸላእቶም ይከላኸሉ: ብሓባር መግቦም ይድልቡ:: ከሙኡ ውን ንሕና ከም ደቂ ሰባት መጠን እቲ ምስ ልዑል ኣምላኽናን  እቲ ኣብ ሕድሕድናን ንገብሮ ዝምድና ክልቲኡ ኣብሓደ ብፍቕሪ ክወሃሃድን ክተኣሳሰርን ከሎ ሰናይ ሂወት ከም ነሕልፍ ንዘክር::

 

ብዛዕባ ምትሕብባር  ተወሳኺ መረዳእታ ናይ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምሳሌ ከም ዝብሎ: ክትቅድም ኢልካ ቀልጢፍካ ክትጎዪ እንተደለኻ ንበይንኻ ጉየ:

ትቅድሞ ሰብ ግን የብልካን:: ኣብ ምጉያይካ ገለ ዕንቅፋት እንተ ኣጋጠመካ ግን ዝረድኣካ ዝኾነ ሰብ ኣይትረክብን:: ርሑቅ ክትከይድ እንተ ደለኻ ግን ብሓባር ምስ ሰብካ ጉየ: ምስ ሰብካ ከኣ ትዕወት:: ኣብ ምጉያይካ ገለ ዕንቅፋት እንተ ኣጋጠመካ ዝረድእ ሰብ ምሳኻ ኣሎ:: ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ: መክብብ 4:9-11: እንታይ ይብል: ክልተ ካብ ሓደ ይበልጹ: ምኽንያቱ ብሓባር ዝሰርሕዎ ፍርያት ብዙሕ እዩ:: ሓደ እንተወደቐ እቲ ሓደ የልዕሎ:: እቲ ሓደ ሰብ እንተወደቐ ግን መን የልዕሎ:: ክልቲኦም ብሓንሳብ እንተ ደቀሱ ይሞቁ:: እቲ ሓደ ሰብ ግን ንበይኑ ኣይመውቅን:: ስለዚ ቅዱስ መንፈስ ምክብባርን ምትሕብባርን ኣብ ሕብረተሰብና ዓሲሉ እንተድኣ ሰሪጹ: ፍርያትና ይብርክት ፍቕርና ይድልድል: ሂወትና ይቕደስ: ሰላም ይነግስ::

 

መልክዕ ላም ስብሒ: መልክዕ ሰብ ህዝቢ ይበሃል:: እዚ ማለት ዝሰብሐት ላም  ኣብ ዕዳጋ ክቡር ዋጋ ተውጽእ:: ከምኡ ኸኣ  ብሰቡ ዝተኸበ ወይ  ብህዝቡ ዝተማእከለ ዝኾነ ሰብ: ይኸብር ይሕፈር ይምዕርግ:: ሓቂ ኢዩ ነፍስ ወከፍና ሽሕ ህዝቢ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና:: ግን ነፍስ ወከፍና ነቲ ሽሕ ህዝቢ እንተ ተሓዊስናዮ ንገዛእ ርእስና ንኸብር ንረዝን:: ነፍስ ወከፍና ከኣ ነቲ ሽሕ ህዝቢ ተወሳኺ ሓይሊ ወይ ድምጺ ንኸውን:: ድምጺ ህዝብና በብእጃምና  ከነሕይል ከሎና ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ኣወንታውን ኣድማዕን ለውጢ ነውሕስ:: 

 

 ብፍቃድ ኣምላኽ ነንበይንና ንውለድ: ነንበይንና ንመውት: ነንበይንና ግን ኣይንነብርን::

ሰብ ናብ ሰቡ ኣራዊት ናብ ገረቡ: ከም ዝበሃል: ከም ሰብ መጠን: ምስ ሰብና ኣብ ሓደ ሰፈር: ከባቢ: ዓዲ: ቁሸት: ወረዳ: ኣውራጃ: ሃገር: ተጠርኒፍና ተኻባቢርና ብሓባር ንነብር:: ኩላትና ሰብ ኢና ንብል:: ሰብ ኢና ካብ በልና: ሰብ ንኹን:: ሰብ ካብ ኮንና: ሰብ ዝገብሮ ንግበር:: ሰብ ዝገብሮ ካብ ገበርና: ናብ ሰብና ንልገብ: ናብ ሰብና ንቅረብ:: ናብ ሰብና ካብ ለገብና: ናብ ሰብና ካብ ቀረብና: ካብ ሰብና ኣይንፈለ: ካብ ሰብና እይንርሓቅ:: ከም ደቂ ሰባት ካብ ሰብና ከይተፈለና: ካብ ሰብና ከይርሓቕና: ብፍቕርን ስኒትን ተጠርኒፍና ኣብ ሕድሕድና መንፈስ ምትሕብባር ከነደልድል ኣምላኽ ይርድኣና::

 

ኣብ ዝምድና  ደቂ ሰባት ሳሕቲ ከም ዝኽሰት: ካብ ምልግጋብ ኩሉ ይእከብ:: ካብ ምትእኽኻብ ኩሉ ይቀራረብ:: ካብ ምቅርራብ ኩሉ ይሕቆፍ:: ካብ ምትሕቁቃፍ ኩሉ ይጥርነፍ:: ካብ ምጥርንናፍ ከሉ ይስለፍ:: ካብ ምስላፍ ኩሉ ይቃለስ:: ካብ ምቅላስ ኩሉ ይዕወት:: ካብ ምዕዋት ኩሉ ይፋቀር:: ካብ ምፍቅቃር ኩሉ ይዛመድ::ካብ ምዝምማድ ሂወትና ይሕደስ ይቕደስ: ህዝብና ይደዓስ ይከሓስ:: ካብዚ ዝበለጸ እንታይ ኣሎ ደስደስ:: ነዚ ደስታ'ዚ ከነውሕስ ናይ ፖለቲካ: ሃይማኖት: ጾታ: ብሄር: ወገን: ፍልልያትና  ከይሓወስና ንሓድነትን ንስምረትን ብሓባር ንበገስ ንገስግስ:: ሰላም ምስ ኩላትና ይኹን::

 

 

ዶ/ር ተስፋይ  ገብረመድህን

24 ነሓሰ 2025

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div