S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ወትሩ ከም ዘጋጥም: ሰብ ዘኽበረ ይኸብር ሰብ ዘሕሰረ ይሓስር:: ንሰባት እንተ ኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንኸብር ንሕፈር:: ግን  ንሰባት እንተዘይኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንሓስር ንድፈር:: እዚ ማለት ከኣ ንዝኾነ ሰብ እንተኣኽቢርና እቲ ዘኽበርናዮ ሰብ የኽብረና:: ንዝኾነ ሰብ እንተዘይኣኽቢርና ግን እቲ ዘየኽበርናዮ ሰብ የሕስረና:: ስለዚ: ንገዛእ ርእስና ክንከብር ወይ ክንሓስር ዝድሩኹ ምኽንያታት ኩሎም ካብ ገዛእ ርእስና ዝነቅሉ እዮም:: ክብረት ኣብ ነፍስወከፍና ክህሉ ዝኽእል ኣብ ሕድሕድና ምክብባር  ክህሉ ከሎ ጥራይ ምዃኑ ንረዳእ:: 

ኣብ ዕለታዊ ሂወትና በቶም   እነርእዮምን እነንጸባርቆምን ጠባያትና: ባህርያትና: ሃንደበትና: ስነ-ምግባርና: ክንፍረድ: ክንምዘን: ክንግመት: ባህርያዊ እዩ:: ከምዝፍለጥ: ዘይዘራእናዮ ኣይነፍርን: ዘየፍረናዮ ኣይንሓፍስን:: ትዕቢት ንዕቀት ኩርዓት ኣንነት ትምክሕቲ ቅርሕንቲ ክፍኣት ክሕደት ጥልመት እንተዘሪእና ዝኾነ ሰብ ኣየኽብረናን: ንሓስር ንድፈር ንነዓቅ ንፈኩስ ንዝለፍ ንዋረድ:: ግን ሕዉነት ቅንዕና ትሕትና ክብረት እምነት ምስጋና ርህራሄ ለውሃት ሕድገት እንተዘሪእና ዝኾነ ሰብ የኽብረና: ንሕፈር ንምስገን ንረዝን ንኸብድ ንነኣድ  ንፍቶ:: ሰብ ኣይጽላእኻ: ኢሎም ወለድና ከምዝምዕዱና: ንሕና ውን ነንሕድሕድና ክንከባበር ከሎና ናብቲ ቅዱስ  መገዲ ኣምላኽ ይመርሓና::

 

ከም ደቂ ሰባት ነፍሲ ወከፍና ዝተፈላለየ ዓቅምን ክእለትን ኣለና:: ናይ ነፍሲ ወከፍና ዓቅምን ክእለትን ግን መጠኑ ውሱን ወይ ድሩት እዩ:: እቲ 

ናይ ኩላትና ዓቅምን ክእለትን ብሓባር ግን መጠን ዘይብሉ ይኸውን:: እቲ ናይ ኩላትና ዓቅምን ክእለትን መጠን ዘይብሉ ክኸውን ኣብ ሓደ ክጥርነፍ ከሎ ጥራይ እዩ:: ኣብ ሓደ ክጥርነፍ ከኣ ክንተሓባበር ኣሎና:: ከሙኡ ከኣ መታን ክንተሓባበር ናይ ግድን ክንከባበር ኣሎና:: ስለዚ ተኻባቢርና ክንተሓባበር እንከሎና ሓይሊ ጉልበት ጽንዓት ትብዓት ኣብ ሕድሕድና ንፈጥር:: ናይ ጻዕርና ዓስቢ ከኣ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕና ወትሩ ዓወትን ኣሳልጦን ንረክብ::

 

ኣገዳስነት ናይ ምትሕብባር ንምግላጽ ከም መረዳእታ ብዙሓት ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል:: ኣህባይ ከም ሓንቲ ጥርንፍቲ ስድራ-ቤት ኮይኖም ብምትሕብባር ደቆም የዕብዩ:: ተኹላ ብምትሕብባር ንጸላእቶም የጥቅዑ: ሃዲኖም መግቦም የኻዕብቱ:: ጻጸ ብምትሕብባር ጒላ ሰፈሮም ይሰርሑ: መግቦም ብሓባር  ይምእርሩ ይኽዝኑ:: ንህቢ ብምትሕብባር ካብ ጸላእቶም ይከላኸሉ: ብሓባር መግቦም ይድልቡ:: ከሙኡ ውን ንሕና ከም ደቂ ሰባት መጠን እቲ ምስ ልዑል ኣምላኽናን  እቲ ኣብ ሕድሕድናን ንገብሮ ዝምድና ክልቲኡ ኣብሓደ ብፍቕሪ ክወሃሃድን ክተኣሳሰርን ከሎ ሰናይ ሂወት ከም ነሕልፍ ንዘክር::

 

ብዛዕባ ምትሕብባር  ተወሳኺ መረዳእታ ናይ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምሳሌ ከም ዝብሎ: ክትቅድም ኢልካ ቀልጢፍካ ክትጎዪ እንተደለኻ ንበይንኻ ጉየ:

ትቅድሞ ሰብ ግን የብልካን:: ኣብ ምጉያይካ ገለ ዕንቅፋት እንተ ኣጋጠመካ ግን ዝረድኣካ ዝኾነ ሰብ ኣይትረክብን:: ርሑቅ ክትከይድ እንተ ደለኻ ግን ብሓባር ምስ ሰብካ ጉየ: ምስ ሰብካ ከኣ ትዕወት:: ኣብ ምጉያይካ ገለ ዕንቅፋት እንተ ኣጋጠመካ ዝረድእ ሰብ ምሳኻ ኣሎ:: ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ: መክብብ 4:9-11: እንታይ ይብል: ክልተ ካብ ሓደ ይበልጹ: ምኽንያቱ ብሓባር ዝሰርሕዎ ፍርያት ብዙሕ እዩ:: ሓደ እንተወደቐ እቲ ሓደ የልዕሎ:: እቲ ሓደ ሰብ እንተወደቐ ግን መን የልዕሎ:: ክልቲኦም ብሓንሳብ እንተ ደቀሱ ይሞቁ:: እቲ ሓደ ሰብ ግን ንበይኑ ኣይመውቅን:: ስለዚ ቅዱስ መንፈስ ምክብባርን ምትሕብባርን ኣብ ሕብረተሰብና ዓሲሉ እንተድኣ ሰሪጹ: ፍርያትና ይብርክት ፍቕርና ይድልድል: ሂወትና ይቕደስ: ሰላም ይነግስ::

 

መልክዕ ላም ስብሒ: መልክዕ ሰብ ህዝቢ ይበሃል:: እዚ ማለት ዝሰብሐት ላም  ኣብ ዕዳጋ ክቡር ዋጋ ተውጽእ:: ከምኡ ኸኣ  ብሰቡ ዝተኸበ ወይ  ብህዝቡ ዝተማእከለ ዝኾነ ሰብ: ይኸብር ይሕፈር ይምዕርግ:: ሓቂ ኢዩ ነፍስ ወከፍና ሽሕ ህዝቢ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና:: ግን ነፍስ ወከፍና ነቲ ሽሕ ህዝቢ እንተ ተሓዊስናዮ ንገዛእ ርእስና ንኸብር ንረዝን:: ነፍስ ወከፍና ከኣ ነቲ ሽሕ ህዝቢ ተወሳኺ ሓይሊ ወይ ድምጺ ንኸውን:: ድምጺ ህዝብና በብእጃምና  ከነሕይል ከሎና ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ኣወንታውን ኣድማዕን ለውጢ ነውሕስ:: 

 

 ብፍቃድ ኣምላኽ ነንበይንና ንውለድ: ነንበይንና ንመውት: ነንበይንና ግን ኣይንነብርን::

ሰብ ናብ ሰቡ ኣራዊት ናብ ገረቡ: ከም ዝበሃል: ከም ሰብ መጠን: ምስ ሰብና ኣብ ሓደ ሰፈር: ከባቢ: ዓዲ: ቁሸት: ወረዳ: ኣውራጃ: ሃገር: ተጠርኒፍና ተኻባቢርና ብሓባር ንነብር:: ኩላትና ሰብ ኢና ንብል:: ሰብ ኢና ካብ በልና: ሰብ ንኹን:: ሰብ ካብ ኮንና: ሰብ ዝገብሮ ንግበር:: ሰብ ዝገብሮ ካብ ገበርና: ናብ ሰብና ንልገብ: ናብ ሰብና ንቅረብ:: ናብ ሰብና ካብ ለገብና: ናብ ሰብና ካብ ቀረብና: ካብ ሰብና ኣይንፈለ: ካብ ሰብና እይንርሓቅ:: ከም ደቂ ሰባት ካብ ሰብና ከይተፈለና: ካብ ሰብና ከይርሓቕና: ብፍቕርን ስኒትን ተጠርኒፍና ኣብ ሕድሕድና መንፈስ ምትሕብባር ከነደልድል ኣምላኽ ይርድኣና::

 

ኣብ ዝምድና  ደቂ ሰባት ሳሕቲ ከም ዝኽሰት: ካብ ምልግጋብ ኩሉ ይእከብ:: ካብ ምትእኽኻብ ኩሉ ይቀራረብ:: ካብ ምቅርራብ ኩሉ ይሕቆፍ:: ካብ ምትሕቁቃፍ ኩሉ ይጥርነፍ:: ካብ ምጥርንናፍ ከሉ ይስለፍ:: ካብ ምስላፍ ኩሉ ይቃለስ:: ካብ ምቅላስ ኩሉ ይዕወት:: ካብ ምዕዋት ኩሉ ይፋቀር:: ካብ ምፍቅቃር ኩሉ ይዛመድ::ካብ ምዝምማድ ሂወትና ይሕደስ ይቕደስ: ህዝብና ይደዓስ ይከሓስ:: ካብዚ ዝበለጸ እንታይ ኣሎ ደስደስ:: ነዚ ደስታ'ዚ ከነውሕስ ናይ ፖለቲካ: ሃይማኖት: ጾታ: ብሄር: ወገን: ፍልልያትና  ከይሓወስና ንሓድነትን ንስምረትን ብሓባር ንበገስ ንገስግስ:: ሰላም ምስ ኩላትና ይኹን::

 

 

ዶ/ር ተስፋይ  ገብረመድህን

24 2025

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div