ክዝክረኩም ደቂ ሃገረይ ኩቡራት መኳንንቲ:
ዛንታኹም ኣለኒ ኣያታት ኣቦታት ዓበይቲ:
ዘርዚረ ኣይውድኦን ሞያኹም በብሓንቲ:
እስኪ ፍቐዱለይ ቁሩብ ክዝርዝር ክዝቲ:
ገሌኹም ሰብ ሕጊ ንደቂ ሰባት ተጣበቕቲ:
ገሌኹም ፖሮፌሰራት ሰብ ሰፊሕ ትምህርቲ:
ገሌኹም መሃንድሳት ትቀርጹ ትሃንጹ ኣባይቲ:
ገሌኹም ካህናት ኣብ ቤተክርስትያን ኣገልገልቲ:
ገሌኹም መሪጌታ መንፈሳዊ ባህሪ ሰበኽቲ:
ገሌኹም ሓኻይም ኣብ ረዲኤት ሕክምና ተዋሳእቲ:
ገሌኹሞ ነጋዶ ኣብ ዕዳጋ ንብረት ተዋፈርቲ:
ገሌኹም ትመርሑ ተማሓድሩ ፋይናንሳዊ ሃብቲ:
ገሌኹም ዓበይቲ መኻይን ትዝውሩ ወነንቲ:
ገሌኹም ሰብ ድኳን ትሸጡ ፍረታት ኣሕምልቲ:
ገሌኹም ኣብ ሆተል ትሰርሑ ክሳብ ለይቲ:
ገሌኹም መኻይን ትሕልው ምሉእ መዓልቲ:
ገሌኹም ዘጥረዅም መሳርሒ መሳርዕ ናውቲ:
ገሌኹም ሰብ ጸጋ ሰብ ጥሮታ ቆረብቲ ሰገድቲ:
ገሌኹም ሰብ ሓዳር ንስድራ ቤት ሓብሓብቲ:
ገሌኹም መንእሰያት ኣብ ምእላይ ብስሩዕ ነጠፍቲ:
ገሌኹም ንዝተመርዓዉ ንዝሓዘኑ ካብ ልቢ ሓለይቲ:
ገሌኹም ንዝሓመሙ ንዝተኣስሩ ግዱሳት በጻሕቲ:
ገሌኹም ናብ ኤሪትራ ትመላለሱ ክትሕልዉ ርስቲ:
ኣምላኽ ዕድመ ይሃብኩም ክትኮኑና ጠርነፍቲ:
ዛንታኹም ኣሎኒ ኣያታት ኣቦታት ዓበይቲ:
ኩሉኹም ኣብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ጎይታ ኣመንቲ:
ኣሰር ናይቶም ዝተቀደሱ ኣርካናት እሙናት ሰዓብቲ:
እንተላይ ኣቦታት ሓረስቶት ገዳይም ተጋደልቲ:
ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣገልገልቲ ብዘይ ዕረፍቲ:
ኣብ ዕለተ ሰንበት ትለብሱ ባህላዊ ክዳውንቲ:
ሰብ ግርማ ሽማግለታት ኣብ ምርዳእ ጽጉማት ተሓባበርቲ:
ኣብ ምፍታሕ ግርጭታትና ብዕቱብ ተሳተፍቲ:
ኣቦታት ኣለኹም ንሓድነት ንስምረት ተቓለስቲ:
ከይተሓለልኩም ንዕርቂ ንፍቕሪ ንመክት በሃልቲ:
ኣቦታት እንዲኹም ንፍትሒ ንሓቂ ንስላም ተዓጠቕቲ:
ሃገር ናይ ሓባር ሃይማኖት ናይ ብሕቲ ኢልኩም ሞጎቲ:
ተኹላ ዝኣተወን ኣባጊዕ ከይንኸውን ኣለኹም ሓለውቲ:
ናይ ቤተ ክርስትያና ዋልታ ናይ ስድራ ቤትና ሓወልቲ:
ደቅና ይሕበኑ ብኣኻትኩም ኣብነታውያን መራሕቲ:
ከምቲ ንቡር ባህርያዊ ሂወት ጽባሕ እንተኾንኩም ሓለፍቲ:
ዝፈረዩ መንእሰያት ኣለውና ዘርእና ከይጸንት ተካእቲ:
ኣብ ጎንኹም ኣለዋ ኣሓትኩም ወትሩ ደገፍቲ ሓገዝቲ:
ኩሉ ዝፈትወኩም ዘፍቅረኩም ቆልዓ ምስ ሰበይቲ:
ንኣምላኽ ንጸሊ ኣብቲ ረዲኤቱ ክንከውን ተኻፈልቲ:
በረኸት ካብ ኣምላኽ ክንቅበል ንጸበ ብትዕግስቲ።
ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና:
ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና:
ክብረትን ሞገስን ንዝኸበሩ ኣቦታትና:
ዕድመን ጥዕናንhi ይውረድ ኣብ ኩላትና:
ዝተባረኸት መዓልቲ ኣቦታት ይግበረልና።
ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
15 ሰነ 2025
ዝኽሪ መዓልቲ ኣቦታት።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ