ክንዝክረኪ ዝኸበርኪ ወላዲት ንስኺ ብርኽቲ አደ:
ኩሉ ዝፈትወኪ ዘፍቅረኪ ካባኺ ዝተወልደ:
ህጻን ቆልዓ ብኣኺ ዝዕንገል ፍቕርኺ ዝለመደ:
ምዕባለ ምስ ማዕርነት ኣብ ገለ ሰባት ገና ዘይተዛመደ:
ንማዕርነት ዝጻረሩ አለናዮ ገለ ሰባት በዓል ዳንደ:
ጾታዊ ጭቆና ዝመስለና ብአምላኽ ዝተፈረደ:
አብ ልዕሊ ጓል አንስተይቲ ዕብለላ ከም ንቡር ዝተወሰደ:
ካብ ጥንቲ ንነዊሕ ኡዋን ዝጸንሔ ሱር ዝሰደደ:
ገለ ሰብ አሎ አብ ልዕሊ ጓል አንስተይቲ ዝዓንተረ ዝሰወደ:
ንጓል አንስተይቲ ምጭኳን ንሕስያ ዘይብሉ ዘይተአበደ:
ንጓል አንስተይቲ ከምድሌታ ካብ ቤታ ከይትወጽእ ዝአገደ:
ሰብአይ ግን ከም ድሌቱ ይዕንድር ብሐዳሩ ከይተቀየደ:
አብ ምዕቡል ከተማ ዘሎ ካብቲ ኣብ ገጠር ዘሎ ዝገደደ:
ካብቲ ፊደል ዘይቆጸረ ይብእስ እቲ ሰፊሕ ትምህርቲ ዝወሰደ:
ንሐጺር ግዜ ሰበይቲ እንተ ዝኸዉን ከመይ ምስ ሰምበደ:
እቲ ጭቆና ምስ ጠዓመ ጨርቁ ደርቢዩ ምስ ዓበደ:
ገለ ሰብ አሎ ገና ምስ ምዕባለ ከይጉዓዝ ዝሐንገደ:
ጸገም ኢዩ ሕጂ ክልወጥ ክዓቢ ከሎ ዘይተማዕደ:
እቲ ባህልና እውን አብቲ ዕብለላ አሎዎ ዓቢ ግደ:
ሰብአይ ካብ ሰበይቲ የድልዮ ልቦና ክልቃሕ ክዕደ:
ጓል አንስተይቲ ግን ትቃለስ አላ አንጻር ማዕርነት ንዝጸመደ:
ንሳ ኢያ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ዝወሰደት እቲ ዝኸበደ:
ቆልዑታ ባዓል ቤታ ትምግብ እቲ ዝበለጸ እቲ ዝሮጐደ:
ገለ አይፍለጥን ኢዩ ማይ ጸበል እንተዘነበ አማስዮኡ ዝነጎደ:
ብዘይ ጾታዊ ፍልልይ ብማዕርነት ክንሰምር አብ ሐደ:
ምዕሩይ ሂወት ክነሕልፍ ብሓባር ክልቲኡ ጾታ ዘወሃሃደ:
ንአምላኽ ንጸሊ አብ ደቂ ሰባት ማዕርነት ክነግስ እንተፈቀደ:
ረዲኤት ናይ አምላኽና አይፈለየና ካብ ሰማያት ዝወረደ:
ክብርን ምስጋናን ንሉዑል አምላኽና:
ራህዋን ሰላምን ንሐላል ህዝብና:
ክብረትን ሞጎስን ንዝኸበራ አሐትና:
ዕድመን ጥዕናን ይዉረድ አብ ኩላህና:
ዝተባረኸት መዓልቲ አዴታት ይግበረልና።
ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
ዝኽሪ መዓልቲ ኣዴታት:
11 ግንቦት 2025
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ