S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ መዓልቲ ኣዴታት: (11 ግንቦት 2025) ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ክንዝክረኪ ዝኸበርኪ ወላዲት ንስኺ ብርኽቲ አደ:

ኩሉ ዝፈትወኪ ዘፍቅረኪ ካባኺ ዝተወልደ:

ህጻን ቆልዓ ብኣኺ ዝዕንገል ፍቕርኺ ዝለመደ:

ምዕባለ ምስ ማዕርነት ኣብ ገለ ሰባት ገና ዘይተዛመደ:

ንማዕርነት ዝጻረሩ አለናዮ ገለ ሰባት በዓል ዳንደ:

ጾታዊ ጭቆና ዝመስለና ብአምላኽ ዝተፈረደ:

አብ ልዕሊ ጓል አንስተይቲ ዕብለላ ከም ንቡር ዝተወሰደ:

ካብ ጥንቲ ንነዊሕ ኡዋን ዝጸንሔ ሱር ዝሰደደ:

ገለ ሰብ አሎ አብ ልዕሊ ጓል አንስተይቲ ዝዓንተረ ዝሰወደ:

ንጓል አንስተይቲ ምጭኳን ንሕስያ ዘይብሉ ዘይተአበደ:

ንጓል አንስተይቲ ከምድሌታ ካብ ቤታ ከይትወጽእ ዝአገደ:

ሰብአይ ግን ከም ድሌቱ ይዕንድር ብሐዳሩ ከይተቀየደ:

አብ ምዕቡል ከተማ ዘሎ ካብቲ ኣብ ገጠር ዘሎ ዝገደደ:

ካብቲ ፊደል ዘይቆጸረ ይብእስ እቲ ሰፊሕ ትምህርቲ ዝወሰደ:

ንሐጺር ግዜ ሰበይቲ እንተ ዝኸዉን ከመይ ምስ ሰምበደ:

እቲ ጭቆና ምስ ጠዓመ ጨርቁ ደርቢዩ ምስ ዓበደ:

ገለ ሰብ አሎ ገና ምስ ምዕባለ ከይጉዓዝ ዝሐንገደ:

ጸገም ኢዩ ሕጂ ክልወጥ ክዓቢ ከሎ ዘይተማዕደ:

እቲ ባህልና እውን አብቲ ዕብለላ አሎዎ ዓቢ ግደ:

ሰብአይ ካብ ሰበይቲ የድልዮ ልቦና ክልቃሕ ክዕደ:

ጓል አንስተይቲ ግን ትቃለስ አላ አንጻር ማዕርነት ንዝጸመደ:

ንሳ ኢያ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ዝወሰደት እቲ ዝኸበደ:

ቆልዑታ ባዓል ቤታ ትምግብ እቲ ዝበለጸ እቲ ዝሮጐደ:

ገለ አይፍለጥን ኢዩ ማይ ጸበል እንተዘነበ አማስዮኡ ዝነጎደ:

ብዘይ ጾታዊ ፍልልይ ብማዕርነት ክንሰምር አብ ሐደ:

ምዕሩይ ሂወት ክነሕልፍ ብሓባር ክልቲኡ ጾታ ዘወሃሃደ:

ንአምላኽ ንጸሊ አብ ደቂ ሰባት ማዕርነት ክነግስ እንተፈቀደ:

ረዲኤት ናይ አምላኽና አይፈለየና ካብ ሰማያት ዝወረደ:

 

ክብርን ምስጋናን ንሉዑል አምላኽና:

ራህዋን ሰላምን ንሐላል ህዝብና:

ክብረትን ሞጎስን ንዝኸበራ አሐትና:

ዕድመን ጥዕናን ይዉረድ አብ ኩላህና:

ዝተባረኸት መዓልቲ አዴታት ይግበረልና።

 

 

ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ዝኽሪ መዓልቲ ኣዴታት: 

11 ግንቦት 2025

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div