“ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ’ውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።”ዮሃን 3፡11። እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዳግማይ ልደትና ኸነስተንትን ዚሰርዓትልና መዓልቲ እያ። ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ሊቕ፡ ሕቡእ ወደ መዝሙር፡ በለይቲ ንጐይታ ኺረኽቦ ምስ መጸ፡ ጐይታ “ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን’’ ብምባል ኣገዳስነት ዳግም ልደት ብዘየማትእ መገዲ ገለጸሉ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ናይ ጐይታ ቓል መሰረት ብምግባር ፡ ብምስጢር ጥምቀት ካብ ማይ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ እንውለደሉ ናይ ጸጋ ኣገልግሎት ሰርዓትልና።
“መን’ዩ ኻብ ማይን መንፈስ ኪውለድ ዚኽእል ሰብ፧” ኢልና ኽንሓትት ግን ግቡእና እዩ። ጐይታና ኣብቲ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ብንጹር መሊስዎ እዩ። ኒቆዲሞስ ጋን ኰይንዎ ምርዳእ ስኢኑ፡ ምጕት ዚመስል ሕቶ ምስ ኣብዝሐ፡ ኣብቲ መሪሕ ጥቕስና ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቲ ጐይታ ንዝሃቦ ምስክር ዝተቐበለ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስን ከም ዚውለድ ገለጸሉ። ነቲ ጐይታ ዝበሎ ምስክር ዘይተቐበለ ሰብ ፡ ግና ዳግም ኪውለድ ኣይከኣሎን’ዩ። እምበአር እቲ ናይ ጐይታ ቓል- ምስክር በሪ ልደት ከም ዜርሕወልና ዘየማትእ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንምብራህ፡ ጐይታና ብቕዱስ ሃዋርያኡ ያእቆብ ገይሩ፡ “በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ’ዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና።” ዚብል ቃል ለኣኸልና (ያእ 1፡18)። ብቕዱስ ሃዋርያኡ ጴጥሮስ ገይሩ ድማ፡ “ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም። ኵሉ (ሰብ) ከም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩ’ውን ከም ዕምበባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባ’ውን ይረግፍ፡ ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፡ እቲ (እተመስከረልኩም) ቃል ብስራት እዚ’ዩ።” ብምባል ኣረጋገጸልና፡ (1ጴጥ 1፡23-25)። እምበአር እቲ ጐይታ ዝተዛረቦ ቓል-ምስክር ኣብ ውሽጡ ዘለዎ ሰብ ንዘለኣለም’ዩ ዚነብር። ምኽንያቱ እቲ ዘይጠፍእ ዘርኢ ናይ ቃል ኣምላኽ ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጡ ዘይብሉ ሰብ ግና ነቲ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ብኣተግባርነት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝረኸቦ ውልድነት ኪዕቅቦ ኣይክእልን’ዩ። ከምቲ ነቒጹ ዚረግፍን ዚጠፍእ ሳዕሪ’ዩ ዚኸውን። እቲ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘስተውዓለ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነቶም ስለስተ ዓመት ምሉእ ሓንቲ ኸየጕደለ ለይትን መዓልትን ብንብዓት እናመሃረ ዝሃነጾም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን ኪፋነዎም ከሎ፡ “ሕጂ ድማ ንአምላኽን ነቲ ኺሃንጸኩምን ምስ ኵላቶም ቅዱስን (መንግስቲ ኣምላኽ) ኬረስትየኩምን ዚከኣሎ ቓል-ጸጋኡ አማሕጽነኩም ኣለኹ።” ብምባል እቲ ምስክር ጐይታ ዝዀነ ቓል ኣብ ህይወትና ዘለዎ ግደ ኣብሪሁልና ኣሎ (ግብ 20፡32)።
ጐይታና “ንምስክረይ” ምባል ሓዲጉ “ንምስክርና” ዝበለሉ ምኽንያት ግና እንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ምስክር ምዃን ናቱ ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ምልኣት ስላሴ ተግባር እዩ። እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተላእኮ ቅዱስ ወዱ “ብእኡ ዝሰመርኩ ዝፈትዎ ወደይ እዚ’ዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ” ኢሉ መስኪሩ’ዩ። ጐይታና’ውን ኣቦኡ ኸም ዚምስክረሉ፡ ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘለኹ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ’ውን ይምስክረለይ ኣሎ። . . . እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉ’ውን ኣይርአኹምን።” ኢሉ ኣረጋገጸልና። (ዮሃ 8፡18 ዮሃን 5፡37)። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ’ውን ብዛዕባ ጐይታና ኸም ዚምስክር፡ “ እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ።. . . ንሕና ድማ (ብዛዕባ ክርስቶስ) ምስክር ኢና፡ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስ’ውን ምስክር እዩ።” ብዚብል ንጹር ቃል በሪሁልና ኣሎ (ዮሃ 15፡26 ግሃ 5፡29-32)። ስለዚ ጐይታ “ንምስክርና ኣይትቕበልዎን ኢኹም” ኪብል ከሎ፡ “ንምስክር ስላሴ ኣይቕበልዎን ኢኹም” ይብል ከም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባእ። ስለዚ እቲ ንምስክር ጐይታ ዘይተቐበለ፡ ምስክር ኣብን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ውሽጡ ዘይብሉ ሰብ፡ ናይ ክርስቶስ ክርስትያን፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ይትረፍ ምስክር ናይ ስለስተ ኣካላት ስላሴ፡ ምስክር ናይ ሰለስተ ሰባት እኳ ኣብ ሕጊ ሰብ ቅቡል’ዩ ዚበሃል።
ንምስክር ስላሴ ናይ ዘይምቕባል መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ ሃዋርያ ቕዱስ ዮሃንስ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።” እቲ (አምላኽ) ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ንሱ እቲ ምስክር ናይ ኣምላኽ’ዩ እሞ፡ ምስክር ሰብ ንቕበል እንተ ዄንናስ፡ ምስክር አምላኽ ካብኡ ዝበለጸ እዩ። ብወዲ ኣምላኽ ዚአምን ፡ እቲ ምስክር (ናይ ኣምላኽ) ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን ግና፡ ነቲ አምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለዘይአመኖ (ስለ ዘይተቐበሎ)፡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ። ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ’ሞ፡ እዛ ህይወት’ዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ ወዲ (ወልድ) ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ግና ህይወት የብሉን።” (1ዮሃ 5፡ 9-12)።
ስለዚ ንምስክር ጐይታ፡ ንምስክር ስላሴ ዘይምቕባል መዘዙ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ንምስክር ኣምላኽ ዘይምቕባል ማለት፡ ንአምላኽ “ሓሳዊ” ኢልካ ኣብ ገጹ ምጽራፍ ማለት’ዩ። ነቲ ኣምላኽ- ሓቂ ሓሳዊ ኻብ ምግባር ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ኣበሳ ዀን ይህልው ይኽውን፧ እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና ንምስክሩ ብዘይምቕባል ንአምላኽ ሓሳዊ ዚገብር ሰብ ከም ዚበዝሕ ብነብዩ ኢሳይያስ “ነዚ ምስክርና መን አመኖ፧ ቅልጽም እግዚአብሄርከ ንመን ተጋህደሉ፧ “ ዚብል ቃል ምግላጹ እዩ (ኢሳ 53፡1)። ዮሃንስ መጥምቕ’ውን፡ “ነታ ምስክሩ ደአ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱ (ክርስቶሲ) ዝረኣዮን ዝስምዕን’ ዚምስክር። እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሓተመ (ኣረጋገጸ፡ ተአመነ)።” ብምባል ነቲ ናይ ነብዩ ኢሳይያስን ሃዋርያ ዮሃንስን ቃል ኣጽንዖ፡ ( ዮሃ 3፡32-33)። እምበአር ንምስክሩ ምቕባልን ዘይምቕባልን ኣዝዩ ኸቢድ መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍ ከቶ ኣይንዘንግዕ። አምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ እንተ ተአመንና እምበር፡ ብዘይ ምቕባልና “ኣምላኽ ሓሳዊ እዩ” ኢልና እንተ ተጻረፍና፡ ዘለኣለማዊ ኣድራሻና፡ ምስቲ ንኣምላኽ ኪጸርፍ ዚነብር ድያብሎስ፡ ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዘቃጸል ቀላይ ሓዊ’ዩ ዚኸውን።
“ንምስክሩ ምቕባል” ማለት ግን እንታይ ማለት እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ምቕባልና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ነዚ ኣገዳስቲ ሕቶታት’ዚ ንጹር መልሲ ኺህልወና ናይ ግድን’ዩ። ምኽንያት ዝተቐበልዎን ዚፈልጥዎን ኪመስሎም ጸኒሑ፡ ጐይታ ምስ መጸ፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጸ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቚ” ኢሉ ዚሰጕጎም ብዙሓት ሰባት ከም ዚህልዉ ጐይታ ባዕሉ ነጊሩና እዩ። ከም ዝተቐበልዎ ገይሩ ዚጥብሮም ገለ ገለ መንፈሳዊ ፈልጠትን ንጥፈታትን ውህበታትን ስለ ዝነበሮም፡ “ንሕና እኮ ሰብ ከምዚ ቚምነገር ኢና ኢሎም፡ “ኣታ ጐይታ እንታይ ደኣ ዄንካ ትጠልመና፧” ብዝዓይነቱ ናይ ስምባደን ኣርምሞን ስምዒት ሓተትዎ። ጐይታ ንምስክሩ ኸም ዝተቐበልዎ ኬረጋግጹሉ ዚደልዮ መገዲ፡ “ጐይታይ ጐይታይ” ብምባል ብኸንፈር ጥበራ ዘይኰነስ፡ “ብፍቓዱ ብምግባር” ጥራይ ከም ዝዀነ ብንጹርን ዘየማትእን መገዲ ገሊጹ’ዩ (ማቴ 7፡21-23)። ንምስክሩ ኸም ዝተቐበልናያ ንምርግጋጽ ብፍሬና ጥራይ ከም ዚመዝነና፡ መምዘኒ ረቛሒታቱ ብንጽር ገሊኡልና ስለ ዝዀነን ንሕና’ውን ንምስክሩ ኸም ዝተቐበልናይ ፍሬና (ግብርና) ብምምርማር ጥራሕ ከነረጋግጽ’ዩ ዚግባኣና። ከምቶም ጐይታና ብነብያቱ፡ “ እዚ ህዝቢ’ዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ርሑቕ’ዩ’ ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሃሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ” ዝበሎም ዓይነት ሰባት ከይንኸውን ርእስና ንሓልዉ (ማቴ 15፡8,9)። ከምቶም ብኣፎም ተአሚኖም ብግብሮም ዚኽሕድዎ ደቂ- ጥበራ ኣይንኹን (ቲቶ 1፡16)። ጐይታ፡ ከከም እምነትና ዘይኰነስ ከከም ግብርና ኸም ዚፈርደና ዝተዛረቦም ቓል ምሉእ መዓልትን ለይትን ኣብ እዝንናን ልብናን የቃልሕ ከም ዘሎ ነረጋግጽ። “ኣካይዳኹም ኣጸብቚ” ዝተበሃልናሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ንኣካይዳና ዜጸብቖ ድማ እቲ ዝተቐበልናዮን ኣብ ልብና ዝሓደረን ሓቐኛ ምስክር ጐይታ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ምስክር አምላኽ ኣብ ውሽጡ ዘለዎ፡ ህይወት ኣለዎ። ህይወት ዘለዎ ሰብ ድማ ምውት ግብሪ (ሓጢኣት) ኪገብር ኣይኰነሉን’ዩ። ትእዛዛቱ ኽትጥሕስ ግብርታቱ ኸተፍርስ እናነበርካ፡ “ንምስክሩ ተቐቢለዮ እየ” እንተ በልካ፡ ኣብ ልዕሊ አምላኽን ኣብ ልዕሊ’ቲ ዚስምዓካ ሰብን ከቢድ ላግጺ እዩ ዚኸውን። ግብርኻ ንቓላትካ ቐዲምዎ ናብ ዝፈን ኣምላኽ ስለ ዝበጽሐ፡ ሓቐኛ ንስሓን ደጊምካ ንምስክሩ ብግብራዊ መገዲ ምቕባልን ምግላጽን ጥራይ’ዩ ዜሕውየካ። ሰብ ነነዌ ብሓቂ ከምዝተመልሱ፡ ነቲ እግዚአብሄር ብዮናስ ዝለአኻሎም ምስክሩ ኸም ዝተቐበልዎ ብኸመይ ከም ዘረጋገጸ፡ እቲ ቓል፡ “ኣምላኽ ካብ እኩይ መገዶም ከም ዝትመልሱ ፡ ግብሮም ረአየ. . . “ ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እምበኣር ንሕና’ውን ነታ ብዙሓት ሰባት ዝተሓሰምዋ ምስክሩ ኸም ዝተቐበልናያ ብግብርና ኣርኢና መፈጸምታና ነጸብቕ!! ኽብሪ ነቲ እሙንን ሓቐኛን ምስክሩ ይኹን።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት ሚያዝያ 14, 2019 (ሚያዝያ 6, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 17(16)፡ 3-4 ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመፃ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው። ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ሮሜ 7፡1-19 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 3፡1-12 |
1ዮሃ 4፡18-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ) |
ግብ 5፡34-ፍጻሜ |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ