“ልሳንውን ሓዊ’ያ። ናይ ክፍኣት ዓለም’ያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ክፍሊ ኣካላት፡ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወት’ውን እተቃጽል’ያ። ንገዛእ ርእሳ ድማ ብገሃነም እሳት ዝሓረረት’ያ።....ንልሳን ግና ካብ ደቂ ሰብ ኪገዝኣ ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት’ያ።” ያእ 3፡6,8 ካ.ት
ኣብ’ዚ መበል 20 ሰንበት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እዚ ናይ ያእ 3፡1-10 ክፍሊ ንባብ’ዩ። እዚ መልእኽቲ’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ብዛዕባ ልሳን ብዕምቈትን ብስእላዊ መገድን መሰረታዊ ትምህርቲ ዝሃበሉ’ዩ። ንልሳንካ ምቍጽጻር ንዅላትና ዚኸብድ ፈተና ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዝዩ ኬገድሰና ጽቡይን ባህርያውን’ዩ። እቶም ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ሰባት ሕንዚ ዝመልአት ልሳን ሒዝና ንነብር እንተ’ሊና፡ ናይ’ቲ ፈጣሪና ዘይኰነስ፡ ናይ’ቲ ኣብ ገነት ኤደን ንወለድና ዝመረዘ ጥንታዊ ተመን መልክዕ ሒዝና ኣለና ማለት’ዩ። እዚ ጥንታዊ ተመን’ዚ፡ ድያብሎስ ብቐንዱ’ዩ። ከም’ዚ ዘመሰለ መንፈሳዊ ናይ መንነት ቅልውላው’ዚ፡ ንመወዳእታና ዜበላሽው ስለ ዝዀነ ብደገፍ መንፈስ ቅዱስን ብመሪሕነት ቅዱስ ቃሉን ክንናገፍ ናይ ግድን’ዩ። እግዚአብሔር ብቕዱስ ሃዋርያኡ ገይሩ ንሓደገኛነት ናይ ልሳን ብስእላዊ መገዲ ኺገልጸልና ብምፍቃዱ፡ ኣዚና ኸነመስግኖ ይግብኣና’ዩ። ምኽንያቱ ብሕንዚ ልሳኑ ንሰባት ኪምርዝ እናወዓለ ዝዀነ በደል ዘይብሉ ንጹህ ሰብ ምዃኑ ዚሓስብ ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ካብ’ዚ ለካሚ ኣበሳ’ዚ ምእንቲ ኽንድሕን ከኣ’ዩ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ንባብን ኣርእስትን’ዚ ዝሰርዓትልና። ቅዱስ ያእቆብ ኣብ’ዛ ንባብ’ዚኣ ንልሳን በዞም ዚስዕቡ መሲልዋ ኣሎ።
1. ልጓም (ጥ.3)
2. ስካን (rudden) (ጥ.4)
3. ሓዊ (ጥ.6)
4. ሕንዚ (ጥ.8)
5. ዔላ (ጥ.11,12)
6. ተኽሊ (ጥ።12)
እቶም ክልተ ቐዳሞት፡ ኣማእዘንቲ ኣካላት’ዮም። ንፈረስ ብልጓም ተማእዝኖ’ሞ፡ ናብ’ቲ እትደልዮ ቦታ የብጽሓካ። ንመራክብ ድማ ብስካንa ኢና እንመርሐን። ስካን ንመርከብ ማለት፡ መዘወር (ስቴርሶb) ንመኪና ማለት’ዩ። ቅዱስ ያእቆብ ከኣ ልሳን መዘወር ወይ ልጓም ናይ ምሉእ ሰብነትና ምዃና ይሕብረና ኣሎ። ስለ’ዚ ልሳንና ኽትጥዕይ ከላ ንሰብነትና መሪሓ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ተእትዎ፡ ክትበላሸው ከላ ኸኣ መሪሓ ናብ ገሃነም ተእትዎ ማለት’ዩ፡ ሓውን ሕንዝን ክትከውን ከላ ግና ብዘይካ ጥፍኣት ካልእ ፍረ የብላን። ልሳን፡ ናይ ሓዊ ባህርይ ክትለብስ ከላ፡ ንእሽቶ ቝልዒ ሓዊ ንኣዝዩ ዓብይ ዱር ከም ዜቃጽል፡ ንብዘሎ ስብነትና ብሓጢኣት ተቃጽሎ፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ናብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ኸም እትድርበይ ብምግባር ንዘለኣለም ከም ዚነድድ ትገብሮ።
ነተን ክልተ ናይ መወዳእታ ኣብነታት ከኣ፡ ልሳን ብዅለንተናኣ ኣንጻር ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ከም እትሰርሕ ንምግላጽ ዝመስሎ’ዩ። ዝዀነ ዔላ ናይ ማይ፡ ሓንቲ ዓይነት ማይ ጥራሕ ተፈልፍል፡ ዝዀነት ትኹን ኦም’ውን ሓንቲ ዓይነት ፍረ’ያ እትህብ። ልሳን ግን ሓደ ዓይነት ቃላት ጥራይ ከተፍርይ እናተገብኣ፡ ፈጺሙ ዘይቀራረብ ተጻራሪ ቓላት እናፍረየት፡ ሰይጣናዊ ባህርይ ከም እተርእይ ገሊጹልና ኣሎ። እምበኣር ካብ’ዚ ዝተዘርዘረ ኣብነታት፡ ልሳንና ነየናይ ከም እትመስል ክንፈልጥን ንልሳንና ናብ ዜርብሓና መኣዝን ክንመርሕን መንፈስ ቅዱስ ብሃዋርያኡ ገይሩ ምዒዱና ኣሎ።
ንልሳን ክሳዕ ክንድ’ዚ ኣገዳሲት ዝገበራ እንታይ’ዩ፧ እግዚአብሔርከ ንምንታይ’ዩ ብዛዕባ ፍረ-ልሳንና ኣዝዩ ዚግደስ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ልዕሊ ዝዀነ ካልእ ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ልሳንን ቃላታን ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕስታት ከም ዚርከብ ንፈልጥዶ ንኸውን፧ እዚ ሓቂ’ዚ ንበይኑ ብዛዕባ ኣገዳስነት ልሳንን ቃላትን ንምግላጽ እኹል መርትዖ’ዩ። ኣብ ናይ ኣቦታትና ብሂል’ኳ፡ “መልሓስ፡ ዓጽሚ ዘይብላስ ዓጽሚ ትሰብር” ዚብል ምስላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ሓይሊ ቓላት ማዕረ ኽንደይ ብርቱዕን ኣድማዕን ምዃኑ ዚገልጽ’ምበር፡ ኣብ ሰብነትና ንዘሎ ኣካላዊ ዓጽሚ ኸም ዚሰብር ዜስምዕ ኣይኰነን። ናይ ስነ-ቅርጺ ሰብነትc ሳይንስ ንናይ ልሳን ፍሉይነት ኣመልኪቱ ዚገልጾ ሓቂ ኣዝዩ ዜገርም’ዩ። መልሓስ፡ ጭዋዳ’ያ። ኵሎም ካልኦት ጭዋዳታት ብኽልተ ጫፎም ምስ ዓጽሚ ዝተተሓሓዙ ኪዀኑ ኸለዉ፡ እታ እንኮ ብሓደ ጫፍ ጥራሕ ዝተተሓሓዘት ጭዋዳ፡ መልሓስ’ያ። ልሳንና ዀይና ጽድቅን ሓጢኣትን ክንዛረብ እትገብረና’ውን ንሳ’ያ። ቃል እግዚአብሔር ብንጉስ ሰለሞን ገይሩ፡ ንሓይሊ ልሳን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዋ ኣሎ።
“ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ’ዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሪኣ ኺበልዕ’ዩ።” ምሳ 18፡21
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ እትዛረቦ ቓል፡ ንኣኻ ሞት ወይ ህይወት ኬስዕበልካ ይኽእል’ዩ። ነቲ ተዛራቢ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ሰማዒ’ውን’ ልክዕ ከም ተዛራቢኡ፡ ሞት ወይ ህይወት ዜስዕብ ስልጣን ኣለዎ። እቲ እኩይ ዘረባ ዚዛረበላ፡ ሞት ክትፈርየሉ’ያ። እቲ ሰናይ ጥራሕ ዚዛረበላ ግን፡ ፍሪኣ ህይወት’ዩ ዚዀነሉ። ስለ’ዚ ንልሳንን ንፍሪኣን ኣቕሊልካ ምርኣይን ናብ ኣፍካ ዚመጸልካ ዅሉ ቓላት ከይነፈኻን ከይመመኻን ምዝራብን፡ ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነት’ዩ። ንጉስ ሰለሞን ደጊሙ፡ ሳዕቤን ፍንውቲ (ፋሉል) ልሳን ኣስተውዒልና፡ ንዘረባና ኽንጥንቀቐሉ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ምዒዱና ኣሎ።
“ሕልሚ ብምብዛሕ ጒዳይ’ዩ ዚመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት’ዩ ዚስማዕ’ሞ፡ ብኣፍካ ኣይትሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ’ዩ፡ ንስኻ ከኣ ኣብ ምድሪ ኢኻ’ሞ፡ ስለ’ዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን . . . ስጋኻ ሓጢኣት ከይገብርሲ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሃቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽ’ውን፡ “ጌጋ እዩ” ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርይን፡ ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃስዮ ደኣ።” መክ 5፡2,3,6,7
እቲ ንምድሓን ዝለበመ ክርስትያን፡ ነዚ ወርቃዊ ምዕዶ’ዚ ሸለል ኪብሎን ኪጥሕሶን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ከም ልጓም ኰይኑ ንዅለንተናኡ ኺቈጻጸር ዜኽእሎ፡ ፍርሃት እግዚአብሔር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። ዓሻ ሰብ ግን ብብልሒ ልሳኑ ኺጻወት’ዩ ደስ ዚብሎ። ንዝረኸቦ ዅሉ ኸኣ ብእኡ ገይሩ ይወግኦ። እዚ ኸኣ ናይ’ቶም ብኣፎም ዚህወኹ ሰባት ባህርይ’ዩ። እንተዀነ፡ ነቲ “ተሃዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ፡ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ።” ዚብል ቃል ክንዝክሮ ይግባእ (ምሳ 29፡20)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ተሃዊኹ ንዚዛረብ ሰብ፡ ዕሽነት እምብዛ ኸም ዚንእሶ፡ ካብኡ ዚኸብድ ቃል ጥራሕ ከም ዚገልጾ ዜብርህ’ዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቓላት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኣገዳስነት ልሳንን ፍርያታን ብንጹር ዜስተምህረናን ዜጠንቅቐናን’ዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዓለም ባዕሉ ዚፈርድ ጐይታ፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ቃላት ኪጸባጸብ ምዃኑ እንተ ነጊሩና፡ ንቓሉ ተኣዚዝና ልዑል ጥንቃቐ ካብ ምግባር ወጻኢ እንታይ ኣማራጺ ኣሎና፧
“ኦም ብፍሪኡ’ዩ ዚፍለጥ’ሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ ይኸውን፡ ወይ ከኣ ነቲ ኦም ሕማቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን። ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ’ዩ’ሞ፡ ክፉኣት ከለኹም፡ ከመይ ኢልኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ ሕያዋይ ሰብ፡ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፡ ሰናይ ነገር የውጽእ፡ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና፡ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፡ ክፉእ ነገር የውጽእ። ኣነ ግና፡ “እትጸድቕ ብቓልካ፡ እትዅነን ብቓልካ ኢኻ’ሞ ሰባት ብዚዛረብዎ ዘይጠቅም ቃል ኵሉ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ’ዮም፡” እብለኩም ኣሎኹ።” ማቴ 12፡33-37 ካ.ት
ከናፍሩ ንዘይገትእ፡ ንዘረባ ኣፉ ዜግፍሕ ሰብ፡ እዚ ፍርዲ’ዚ ኣብ ልዕሊኡ ኣንጠልጢሉ ኣሎ። ንፍርዲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ምስ በልና ናይ ምሉእ ዕድመና ቓላት ጸብጻብ ክንህብ ናይ ግድን እንተ ዀይኑ፡ ሎሚ ገና ብህይወት እናሃለና ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝተዛረብናዮ ኽንዝክርን ክንምርምርን ይግብኣና ማለት’ዩ። ይትረፍ ንናይ ምሉእ ዕድመና፡ ንምዃኑ ቕድሚ ሳልስቲ ንዝተዛረብናዮ ዚዝክር ሰብ ይህልወናዶ ይኸውን፧ ናይ ሳልስቲ ዘይዘከርና ደኣ፡ ናይ ምሉእ ዕድሜና ኸመይ ገርና ኽንዝክሮ ንኽእል፧ ክንርስዖ ዘይግብኣና ሓቂ ግን፡ ኣብ ኣምላኽ ምርሳዕ ዚበሃል የለን። ኣብ ጊዜ ፍርዲ ብልሳንና ንዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ሓሳባውን ግብራውን ሓጢኣትና’ውን ኣብ ቅድሜና ኬቝሞ’ዩ። ኣበሳና ምእንቲ ኽንዝክርን ፍትሓውነቱ ኸኣ ክንእመንን፡ ሽዑ ነቲ ብሓጢኣት ስጋ ዝደኸመ ዝኽሪ ኣእምሮና ኺሕድሶ’ዩ። ሽዑ እንሕብኣሉ ስፍራን እነመኽነየሉ ምስምስን ኣይኪህልውን’ዩ። ብጣዕሳን በቲ ቀላይ ሓውን እናሓረርካ ምንባር ጥራሕ’ዩ።
እቲ ቓላትና ብኸመይ’ዩ “ዚቐትል ሕንዚ” ዚኸውን፧ ሓጢኣት፡ መርዚ’ዩ። ዓስቢ ሓጢኣት ከኣ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ። ስለ’ዚ ሓጥእ ቃላት ክንዛረብ ከለና፡ ቀታሊ መርዚ ነውጽእ ከም ዘለና ርዱእ’ዩ። ኣብ’ዚ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ማቴ 12፡33-37 ክፍሊ ጐይታና ነቶም ክፉእ ዚዛረቡ ሰባት፡ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን” ኢልዎም ኣሎ (ጥ.34)። ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት። ንሓደ ጋኔን ዝሓደሮ ዕዉርን ዓባስን ሰብኣይ ነቲ ጋኔን ኣውጺኡ ዚርእን ዚዛረብን ጌይሩ ምስ ኣሕወዮ፡ እቶም ፈሪሳውያን፡ “እዚ፡ ብዘይ ብብኤል ዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን’ዩ።” ስለ ዝበልዎ’ዩ (ማቴ 12፡22-24)። ነቲ ብስልጣን መለኮቱ ነጋንንቲ ብትእዛዝ ዜውጽእ ጐይታ፡ ናይ ሓለቓ ኣጋንንቲ (ናይ ሰይጣን) ኣገልጋሊ ኸም ዝዀነ ጌርካ ምግላጽ፡ ካብ’ዚ ዚኸፍእ ሕንዛም ቃላት ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ኣብ’ቲ ንተመናዊ ባህርዮም ብዘይ ንሕስያ ዝቐልዓሉ ናይ ማቴ 23፡1-39 ክፍሊ’ውን፡ “ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ ናይ’ቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧” ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ (ማቴ 12፡33)። እቲ ኣዝዩ ዜገርም ከኣ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ ብተመሳሳሊ ቓላት ገሊጽዎም ምንባሩ’ዩ (ማቴ 3፡7,8)። ምኽንያቱ ኵሉ’ቲ ዚገብርዎ ተቓውሞ ብልሳኖም’ዮም ዚገብርዎ። ከም’ቲ ተመን ብኣፉ ዚነክስ፡ ንሳቶም’ውን ብኣፎም’ዮም ዚዋግኡ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ካብ መዝ 5፡9፣ 149፡3 ብምጥቃስ፡ ቃላትና ከም ሕንዚ ተመን ምዃኑ፦ “ጐረሮኦም ክፉት መቓብር’ዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ፡ ኣፎም መርገምን ምርረትን ምሉእ’ዩ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሮሜ 3፡13,14)። ቃላት ልሳንና ከም ሕንዚ ተመን ጥራሕ ዘይኰነ ከም ሰይፊ፡ ኵናት፡ ፍላጻ፡ ሓዊ’ውን ይምሰል’ዩ። እዚ ዝተዘርዘረ ዅሉ ድማ ቀታሊ’ዩ። ንጉስ ሳኦል ነቲ እሙን ወተሃደሩ ንዳዊት ኬሳድዶ ኸሎ፡ ቅዱስ ዳዊት ነቲ ሽዑ ዝነበሮ ሃለዋት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ። “ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ’ያ፡ ኣብ ማእከል’ቶም ሓዊ ዚተፍኡ፡ ኣብ ማእከል’ቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፡ መላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣሎኹ።” መዝ 57፡4
ስለ’ዚ ቃላትና፡ ከም መርዚ፡ ከም ሓዊ ኰነ ከም ሰይፊን ኵናትን ይኹን ብዘየገድስ፡ ናይ ምቕታል ሓይሊ ኸም ዘለዎም ዘይከሓድ’ዩ።
ቃላት ልሳንና ንመን’ዩ ዚቐትሎ፧ እቲ ቐዳማይ ተቐታሊ፡ ባዕሉ እቲ ተዛራቢኡ’ዩ። ተመን ብገዛእ ሕንዙ ኸም ዚመውት ተሰሚዑ ኣይፈልጥን’ዩ። ኣትማን ኪበኣሱ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም ተናኺሶም ከም ዚቃተሉ ርዱእ’ዩ። ብገዛእ ሕንዙ ግን ኣይመውትን’ዩ። ብገዛእ ሕንዙ ዚመውት ፍጥረት እንተ’ልዩ ወዲ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ ኻብ ኣፍና ዚወጽእ ሕንዛም ቃላት፡ ንስጋና ብኡንብኡ ኣይቀትሎን’ዩ። ብዘለኣለማዊ መንፈሳዊ ሞት’ዩ ዚቐትለና። ብስጋ ቐቲሉ ብነፍሲ ዚምሕረና እንተ ዚኸውን ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ ነይሩ። ምኽንያቱ ስጋዊ ሞት ዝቐለለ ሞት’ዩ። ነፍሳዊ ሞት ግና ዅለንትናኻ (ነፍስኻን ስጋኻን) ኣብ’ቲ ቀላይ ሓዊ ኣብ ገሃነም ተደርቢኻ ንዘለኣለም ምስቓይ’ዩ።ስለ’ዚ ዀነ ኢልካ ይኹን ብወዝቢ፡ እግዚአብሔር ዚፈርዶ ኽፉእ ቃላት ምዝራብ ማለት ኣብ ገዛእ-ርእስኻ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት ምፍጻም ማለት’ዩ። ንጉስ ሰለሞን ነዚ ሓቂ’ዚ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ’ዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ’የን።” ምሳ 18፡7
“እኩይ ሰብ ብሓጢኣት ከናፍሩ ይጥለፍ፡ ጻድቕ ግና ካብ መከራ ይመልቝ።” ምሳ 12፡13
እቲ ንኸናፍሩ ዚገትእ፡ ኣብ ልዕሊ ልሳኑ ምልኪ ዘለዎ ሰብ ከኣ፡ ልሳኑ ናይ ህይወት ፈልፋሊ ይዀነሉ መንፈሳዊ ጥዕና የጐናጽፎ። ንነፍሱ ኸኣ ካብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት የናግፋ።
“ኣፍ ጻድቕ ናይ ህይወት ፈልፋሊ’ዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኸውል። ....ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም’ዩ።” ምሳ 10፡11,19
“ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኣሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና’ዩ።” ምሳ 12፡18
“ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ’ዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና’ዩ።” ምሳ 16፡24
“ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ።” ምሳ 13፡3
“ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት ኣሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልውዎም።” ምሳ 14፡3
መርዛም ቃላት ከነዘውትር ከለና፡ ነቲ ቓላትና ኣብ ልዕሊ’ቲ እነጥቅዖ ዘለና ሰብ ዚፈጥሮ ስምዒት ጥራሕ ኢና እነቕልበሉ። ኪጒህይ፡ ኪቝጣዕ፡ ኪበክይ ክንርእዮ ኸለና፡ “ተዓዊተ” ዚብል ስምዒት ይፈጥረልና። እቲ ተጠቃዒ ሰብ በቲ ቓላትና ይጒዳእ ከም ዘሎ ርዱእ’ዩ። እቲ ፈጺምና ዘይነስተውዕሎ ግና ንሰብ ቃላትና ኸነውሕጦ ኸለና፡ ንርእስና ግን ሓጢኣት ንውሕጥን ንምገብን ከም ዘለና’ዩ።
“ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።” ምሳ 15፡14
“ሕሱም ምስክር ንፍርዲ የባጭወሉ፡ ኣፍ ረሲእ ከኣ ኣበሳ ይውሕጥ።” ምሳ 19፡28
ኣብ መወዳእታ ንዘለኣለማዊ ስቓይ ኣሕሊፉ ዚህበና ኸኣ፡ መርዚ ኣፍና ኽንምገብ ዚገብረና ዘሎ ዕሽነትና’ዩ።
እቲ ኻልኣይ በቲ ሕንዛም ቃላትና ዚቕተል ኣካል ከኣ፡ እቲ ግዳይ ልሳንና ዝዀነ ሰብ’ዩ። ኣቐዲምና፡ ልሳን ብሕንዚ፡ ሓዊ፡ ሰይፊ፡ ኵናት፡ ፍላጻ ኸም እትምሰል ገሊጽና ኣለና። እዚ ዝተጠቕሰ ዅሉ ኸኣ፡ ቀታሊ’ዩ። ስለ ዝጸረፍናዮ፡ ስለ ዘላገጽናሉ ስለ ዝረገምናዮ ብኣካለ-ስጋ ኣይመውትን’ዩ። ብሰሪ’ቲ ሕንዛም ቃላትና ግን ናብ ቍጥዓ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ምፍዳይ ሕነ፡ ማህረምቲ፡ ሕምየት ወዘተ ዝኣመሰለ ቐታሊ ሓጢኣት ኪወድቕ ንደፍኦ ስለ ዘለና፡ ካብ ኣካላዊ ሞት ብዝኸፍአ መንፈሳዊ ሞት ንቐትሎ ኸም ዘለና ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ። ነቲ ጐይታና፡ እቶም ንሰብ ናብ ሓጢኣት ኪወድቕ ዚዕንቅፍዎን ዜስሕትዎን ሰባት ከመይ ዝበለ ኸቢድ ኣበሳ ኸም ዝፈጸሙን ዝኸበደ ፍርዲ ይጽበዮም ከም ዘሎን ብዜፍርህ ቃላት ገሊጹልና ኣሎ።
“ካብ’ዞም ብኣይ ዚእምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ኺጥሕል ይሕሾ። መዓንቀፉ ኸይመጸ ኣይተርፍን’ዩ’ሞ፡ ወይለኣ። ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ፡ ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ። ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ’ውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።” ማቴ 18፡6-9
ስለ’ዚ፡ ልክዕ ከም ኢደ-እግርና፡ ልሳንና ዓንቀፍቲ ትገብረና እንተ ዀይና’ውን ቈሪጽካ ምድርባያ ኼሕሸና’ዩ። እዚ ኣበሃህላዚ፡ ዓንቃፊ ምዃን ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ኣበሳ ምዃኑ ንኼርእየና ዝተባህለ ስእላዊ መግለጺ’ምበር፡ ምቝራጽ ኣካላትd ካብ ገሃነም ከም ዜድሕን ዚገልጽ ኣይኰነን። ዓይንኻ ምጕጥጓጥ፡ ወይ’ውን መሓውርካ ምቝራጽ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪገብሮ ዘይደልይን ዘይደፍርን ጨካን ተግባር’ዩ። ንርእስኻ ዓንቃፊ፡ ንብጻይካ ድማ ተዓንቃፊ ምግባር ከኣ፡ ፈጺምና ክንደፍሮን ክንውዕሎን ዘይግብኣና ኸቢድ ሓጢኣት ምዃኑ ኬመልክተና ዝተዋህበ ረቂቕ መግለጺ’ዩ። ንኣካላትካ ምቝራጽ ጊዝያውን ምድራውን ሳዕቤን ጥራሕ’ዩ ዘለዎ። ንሰባት ምዕንቃፍ ግን ዘለኣለማውን ኣዝዩ መሪርን ሳዕቤን ዘለዎ ግብሪ ዕሽነት’ዩ።
ሓድሓደ ግዜ ነቲ ዘውሳእናዮ ሕንዛም ቃላት ምኽኑይ ክንገብሮ፡ ከንቱ ፈተነ ነዘውትር ኢና። “ጸሪፉኒ፡ ከም’ዚ ገይሩኒ፡ ከም’ዚ ኣጒዲላትለይ ወዘተ” ዚብሉ ምኽንያታት፡ ነቲ ተግባርና ብዝዀነ ተኣምር ቅቡል ኪገብርዎ ኣይክእሉን’ዮም። ምኽንያቱ፡ ንኸም’ዚ’ኣቶም ዝኣመሰሉ ተዅተዅቲ ተግባራት፡ ብትዕግስቲ፡ ብፍቕሪ፡ ብትሕትና ብምሕረት መልሰ-ግብሪ ኽንህብ ከም ዚግብኣና፡ ቅዱስ ወንጌል ብንጹርን ዘየማትእን መገዲ ገሊጹልና’ዩ። ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ኣርኣያ ኸምኡ’ዩ።
“ሓደ’ኳ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ፡ ብኣምላኽ ቅቡል’ዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩም እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ። ንስኻትኩም’ውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያውን ሓደገልኩም። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃቦ’ምበር ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 2፡19-23 ካ.ት
“በዲሉኒ’ዩ” ኢልካ ናብ ዝኸፍአ በደል ምእታው ግን ሰይጣን ነእምሮኡ ናይ ዘጸልመቶ ሰብ፡ ዓሻ ምርጫ’ዩ። ብኻልእ ዝተበደለ ሰብ፡ ኣምላኽን ሰብን ኪርድኡሉን ኪድንግጽሉን ይኽእሉ’ዮም። ዝገበረ እንተ ገበረ፡ ሰብ ነዚ መዋቲ ስጋኻ’ምበር፡ ነታ ነባሪት ነፍስኻ ኪጐድእ ኣይክእልን’ዩ። ሰብ ብስጋ ስለ ዝጐድኣካ፡ ሕነ ኽትፈድይ ክትብል ብሓጢኣት ንነፍስኻ ምጕዳእ፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኪገብሮ ዘይግባእ ሰይጣናዊ ምርጫ’ዩ። ንበዳሊኻ ክትገብሮ እትክእል ዝኸበደ መቕጻዕቲ ከም’ታ ጐይታና ዝገበራ፡ ነቲ ፈራድን ፈዳይ ሕነን ኣምላኽ ኣሕሊፍካ ምሃብ’ያ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ክርስቶሳዊት ሕርያ’ዚኣ፡ ኣዝዩ ብዜገርም መገዲ ገሊጽዋ ኣሎ።
“ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ’ምበር፡ ንሓደ’ኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ’ዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ’የ፡” ይብል እግዚአብሔር፡ ጽሑፍ’ዩ’ሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ’ምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምአውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ’ምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።” ሮሜ 12፡17-21 ካ.ት
ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኣሕሊፍካ ሂብካዮ ማለት’ኮ ንዝኸበደ ፍርዲ ኣሕሊፍካ ሂብካዮ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኢድ’ቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምውዳቕ ኣዝዩ ዜሰክሕ’ዩ (እብ 10፡30,31)። ባዕልኻ ብሕንዛም ቃላት ሕነ ኽትፈድይ መሪጽካ ማለት ግን፡ ንርእስኻ ኣብ ኢድ’ቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምድርባይ’ዩ።
“ሕንዛም ቃላት “ ወይ ከኣ “ዚቐትል ሕንዚ ዘለዎ ቓላት” ዚበሃል፡ እንታይ ዓይነት ቃላት’ዩ፧ ንልሳንና ከም ኣጽዋር ውግእ ጌርካ ምጥቃም እነዘውትር ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ነዚ ዘይፈልጦ ሰብ ኪህልወና ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ጸርፊ፡ ሕምየት፡ መርገም፡ ውዳሴ ኸንቱ (ዘይግባእ ናእዳ)፡ እንጽርጽሮት፡ ክፍኣት፡ ብዕሉግ ዋዛ፡ ላግጺ፡ ዘይጠቅም ዘረባ (ሃጠው ቀጠው)፡ ምፍርራህ፡ ምጕርምራም፡ ማሕላ፡ ምርረት፡ ታዕታዕe ትምክሕቲ፡ ምቅላል (ምንእኣስ)፡ ትዕቢት፡ ሓሶት ወዘተ ዜጠቓልል’ዩ (ኤፌ 4፡31፣ 5፡4፣ ቈሎ 3፡8፣ ይሁ 14-18፣ ምሳ 27፡3፣ ፊል 2፡14-16)። ንኣብነት ዋላ ሓንቲ ሃናጺ ትሕዝቶ ንዘይብሉ ዘይጠቅም ዘረባ፡ ፈጺምና ኸም ሕማቕን ኣምላኽ ዚፈርዶ ዘረባን ጌርና ኣይንርእዮን ኢና። ዋላ ንኻልእ ሰብ ዚጐድእ ኣይኹን፡ ነቶም ተዛረብቱን ነቲ ንዅሉ ዘረባና ዚሰምዕን ዚፈርድን ኣምላኽ ግን ይጐድኦ ምዃኑ ጐይታናን ቅዱስ ጳውሎስን ገሊጾምልና ኣለዉ። እቲ ናይ ጐይታና ኣብ ማቴ 12፡36,37 ኣንቢብናዮ ኣለና።
“እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽ’ውን ዜድልይ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ’ምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ።” ኤፌ 4፡29,30
እዚ “ዘይጠቅም ዘረባ” ንመንፈስ ቅዱስ ዜጒህዮ እንተ ዀይኑ እቲ ብመሰረቱ መርዛምን ተጓዳእን ዘረባኸ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ኬጒህዮ ማለት’ዩ፧ እምበኣር እቲ ሓቂ ኸም’ዚ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዝዀነ ናይ ዝርርብ ጊዜ፡ “እዚ ዝዛረቦ ዘለኹ ዘረባ፡ ሃናጺ ድዩ፧ ንመንፈስ ቅዱስከ የሐጕሶዶ ይኸውን፡ ወይስ የ ጕህዮ ይኸውን፧ እዚ ዘረባይ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ ኰን የስዕበለይ ይኸውን፧” ዚብል ንቓላትና እንኣርየሉን እንነፍየሉን ኣተሓሳስባ ኸነማዕብልን ክንሃንጽን ይግብኣና። ናይ ብሓቂ ፈራህቲ ኣምላኽ እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ዜሐጒሶን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዚድብትሮን ቃላት ምዝራብና ዅሉ ጊዜ ኸነረጋግጽ ይግብኣና።
“ሽዑ እቶም ንእግዚአብሔር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፣ እግዚአብሔር ከኣ ጽን በለ ሰምዐ’ውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዚፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሓስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳ’ቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ’ዮም። ኣነ ኸኣ፡ ከም’ቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፣ ክንሕፎም’የ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።” ሚል 3፡16-18
ናብ ኣፍና ዘዝመጸ ሓውን ሕንዝን ክንተፍእ ንውዕል እንተ’ሊና ግና፡ እግዚአብሔር “ቃላትኩም በርትዓኒ” ይብለና ኸም ዘሎ ንዘክር። ነዚ ድምጹ እንተ ዘይሰማዕናዮ፡ ኣብ’ታ ንስሓን ይግባይን ዘይብላ መጋባእያ-ኣምላኽ ምስ ቈምና፡ “ኣንጻርካ’ሞ እንታይ ተዛሪብና፧” ኢልና ኽንመጻደቕ ከም ዘይንኽእል ንፍለጥ (ሚል 3፡13)። እምበኣር ነዛ ልሳንና ኣጽዋር ጽድቂ ንግበራ። ንዋት ህንጸት’ምበር ንዋት ዕንወት ኣይንግበራ። ብምርጫን ብምስትውዓልን “ኣቕሓ ኽብሪ” ናይ ምዃን ዕድል ነጸግዋ። ካብ’ዛ ዔላ’ዚኣ ጸጋን በረኸትን’ምበር ሕንዝን ጥፍኣትን ኣይፈልፍል። ንልሳንና ንእግዚአብሔር ደኣ ንቐድሳ’ምበር፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ንድያብሎስ እተገልግል ኣይንግበራ። ኣብ ኣፍና ሃልሃልታ ገሃነም ኣይንእጐድ (ያእ 3፡15,16 ካ.ት)።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሕዳር ፳፮, ፳፻፲፬ ግዕዝ (5 ታሕሳስ 2021 ፈረ). መበል 13 ሰንበት: ቊ.20/፳ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
እብ 12፡22-ፍጻመ | ያእ 3፡1-10 | ግብ 21፡27-33 | ማቴ 8፡23-ፍጻመ | ዘእግዚእነ |
መዝ.፹፰(፹፱)፡ ፲፩-፲፪ "ዚአከ ውእቱ ሰማያት ወእንቲአከ ይእቱ ምድር። ዓለመኒ በምልኡ አንተ ሣረርከ። ባሕረ ወመስዐ ዘአንተ ፈጠርከ።" ዓዲ፡ መዝ. ፻፪(፻፫)፡፲፰-፲፱ "ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ። እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት። ወኵሎ ይኴንን በመንግሥቱ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ