“ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን’ዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣካይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርእይ።” ያእ 3፡13። እዚ ሰንበት’ዚ፡ ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ናይ’ቲ “ኣስተምህሮ” ዝተሰምየ ቕንያት ሳልሳይ ሰንበት’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ካብ ዜቕርቡልና ብዙሕን ኣገዳስን ኣርእስታት ሓደ ድማ፡ እዚ ልቦናን ምስትውዓልን ናይ ሰብ ብኸመይ ከም ዚፍለጥን ከም ዚግለጽን ዜስተምህር ኣርእስቲ’ዩ።
እቶም ልቦናና ኣብ ምፍላጥ ዜጋጥሙና ጸገማት እንታይ’ዮም፧ እቲ ቐዳማይ ኣበየናይ ደረጃ ናይ ልቦና ኸም ዘለኻ ዘይምፍላጥ’ዩ። ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚገብሮ ለባም ዝዀነ እናመሰሎ ዕሽነቱ ኺገልጽ ዚነብር ሰብ ምብዝሑ’ዩ። ዓሻ ሰብ ዕሽነቱ ኺፈልጥን ኪርዳእን ዚኽእል እንተ ዚኸውን፡ እቲ ዝበለጸ ለባም ምዀነ ነይሩ። ምኽንያቱ ልቦና ዚብሃል ነቲ ዜኽፍኣልካን ዜጥፍኣካን ዕሽነት ብኣግኡ ኣለሊኻ ከተወግዶ ምኽኣል’ዩ። ንዅሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዜዋርዶ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ዜፍርዶ ዘሎ፡ ነቲ ዕሽነቱ ኸም ዝበለጸ ልቦና ገይሩ ዚወስዶን ዚምክሓሉን ምዃኑ’ዩ። ከምኡ ዀይኑ ስለ ዝተጠበረ ኸኣ፡ ዕድሚኡ ምሉእ ኪደጋግሞ ይነብር። ካብ’ዚ ኽውንነት’ዚ ብምብጋስ እምበኣር፡ ንወዲ ሰብ እቲ ዝኸፍአ ፈተናኡ፡ ለባም ወይ ዓሻ ምዃኑ ምፍላጥ ወይ ምልላይ’ዩ። ኣብ’ዚ ፈተና’ዚ ብቐጻሊ ንወድቕ ስለ ዘለና ኸኣ’ዩ፡ ዓለምና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብያተ ክርስትያናትና ኸይተረፈ ብዓያሱ ተመሊኡ ዘሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ዝበልናዮ ዚገልጽ ግሩም ሓሳባት፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ጽሒፉልና ኣሎ።
“ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም’ውን ጸልመተ። “ለባማት ኢና” እናበሉ ዓሸዉ . . .” ሮሜ 1፡21,22። ብዓሻኡ “ለባም’የ” ኢሉ ንዚሓስብ ዝተጠበረ ሰብ ከኣ ከመይ ጌርካ ኸተቕንዖን ልቦና ኽትስዅዓሉን ይከኣል፧ ይትረፍ ንሰብ ንኣምላኽ’ውን ከቢድ’ዩ። ናይ ክእለት ሕቶ ዀይኑ ዘይኰነስ፡ እግዚኣብሔር ኣገዲዱ ስለ ዘየመንግግን፡ ነቲ ፈትዩ ዝሃበና ናይ ነጻ ፍቓድ ህያብ ስለ ዘይጠዓሰሉን’ዩ። ነብዪ ኤርምያስ’ውን ነቶም ብዕሽነቶም ንኣምላኽ ላሕ ዘበሉ እስራኤላውያን፦
“ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ። ኳትራን ለዃዅቶን ዓያን (ዚበሃላ ኣዕዋፍ’ውን) ዚመጻሉ ግዝያት የስተብህላ’የን፡ ህዝበይ ግና ፍትሒ እግዚኣብሔር ኣይፈልጥን’ዩ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ “ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ኣሎ” እትብሉ ዘለኹም፧. . . ።” ብምባል ገኒሕዎም ኣሎ (ኤር 8፡7,8)። በዚ ኣገላልጻ’ዚ መሰረት፡ ካብ’ቶም ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥሩ ሰባትሲ እተን ኣዕዋፍ ኣዝየን ዝለበማ’የን። ሓንቲ በሃም እንስሳ፡ ሃብቲ ኣእምሮ ኻብ ዝተዓደለ ሰብ ንላዕሊ ለቢማ ኽትርከብ ድማ ኣዝዩ ዜሕፍር’ዩ። ናይ’ዞም ሰባት ዘይለባማት ምዃን ዝኸበደ ዚገብሮ ድማ እቲ ልቦና ዚህብ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ኢዶም እናሃለወ ዘይምልባሞም’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ቃል እግዚኣብሔር ከመይ ከም ዘለበሞ ገሊጹልና’ዩ። “ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ’ዩ’ሞ፡ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ። ምስክራትካ ምስትንታነይ’ዩ’ሞ፡ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሓልየ’የ’ሞ፡ ሓለፋ’ቶም ሽማግለታት ኣእምሮ ኣሎኒ።” መዝ 119፡98-100
ስለ’ዚ እቲ ዜለብም ቃል ኣምላኽ ኣብ ኢዶም ሒዞም ወይ ኣብ ኣእምሮኦምን ልሳኖምን ሸምዲዶምዎ እናሃለዉ ኻብ ዓሸዉ፡ ተስፋ መጻኢኦም ጸልማት’ዩ ኺበሃል ዚኽእል’ዩ። እቲ ምስ ልቦና ዚተሓሓዝ ካልኣይ ዝኸበደ ጸገምና ኸኣ፡ ነቲ ዝርካቡ ልቦናና ብኸመይ ከም እነርእዮን ከም እንገልጾን ዘይምፍላጥና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ድማ ብቐንዱ ናብ’ዚ ኻልኣይ ጸገምና ዘተኰረ’ዩ። ኣምሓራ እንኪምስሉ፡ “ዘይክኢላ ሰዓማይሲ ንፋጥ ይጽይቕ” ይብሉ። እቲ ንልቦናኡ ብቕኑዕ መገዲ ኼተግብሮን ኬግህዶን ዘይከኣለ ሰብ ድማ ልክዕ ከም’ዚ ዘይክኢላ ሰዓማይ’ዩ። ስለ’ዚ፡ ልቦና ዘሎናን ዘይብልናን ጥራሕ ዘይኰነ ንልቦናና ኸነተግብረሉ ወይ ክንገልጸሉ እንኽእል ብቕዓት ዘሎናን ዘይብልናን’ውን ከነረጋግጽ ይግብኣና’ዩ። ቅድሚ ነዚ ሓሳብ’ዚ ዘርዚርና ምርኣይና ግና፡ ኣቐዲምና ኽንምልሶ ዚግብኣና ሕቶ ኸም ዘሎ ርዱእ’ዩ።
ብዛዕባ ኣየናይ ልቦና ኢና ንዛረብ ዘለና፧ ኣርእስትና መንፈሳዊ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ልቦና ንዛረብ ከም ዘለና ርዱእ’ዩ። መንፈሳዊ ልቦና ግና ኣብ መንፈሳዊ ጉዳያትን ኣርእስታትን ጥራሕ ዚድረት ኣይኰነን። መንፈሳውነት ዚበሃል ንስጋዊ ናብራኻ’ውን ከይተረፈ ብመንፈሳዊ ልቦና ኸተመሓድር ምኽኣል’ዩ። ንስጋዊ ጒዳያት ብስጋዊ ልቦና፡ ንመንፈሳዊ ጒዳያት ከኣ ብመንፈሳዊ ልቦና ምምሕዳር ዚበሃል ነገር የለን። ከምኡ እንተ ዀይኑ’ሞ፡ ከም’ቲ፡ “ከም ዓሳ ኣብ ባሕሪ፡ ከም ሰብ ኣብ ምድሪ” ዚብል ጽዋ ሩስያውያን ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብ ዘዝኣተናዮ ጒዳያትን ኵነታትን፡ “ሕጂ ኣየነይቲ ልቢ’ያ ተድልየኒ፧” እናበልና ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሓት ኣልባብ (ልብታት) ሒዝና ኽንነብር ኣይግባእን’ዩ። እግዚኣብሔር ዘይጻወሮ ሰብ እንተ’ልዩ ብድርብ ልብን መንነትን ዚነብር ሰብ’ዩ (ያእ 1፡7,8፣ 4፡8፣ ማቴ 6፡24፣ 1ነገ 18፡21)። ስለ’ዚ ብዛዕባ ልቦና ኽንዛረብ ከለና፡ ብዛዕባ’ቲ ስጋውን መንፈሳውን ናብራና ኸነመሓድረሉ ዚግብኣና መንፈሳዊ ልቦና ንዛረብ ከም ዘለና ርዱእ’ዩ። መንፈሳዊ ልቦና፡ እከይን ሰናይን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነን ዘይኰነን፡ ንምድሓን ዚጠቅምን ዘይጠቅምን እንፈልጠሉን እንገብረሉን ልቦና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ዝመዓደና።
“እምበኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ’ዩ’ሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት’ምበር ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ከም እትመላለሱ ተመልከቱ፡ ምእንት’ዚ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ’ምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ። ዝርገት ኣለዎ’ሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ፡ . . . ንጐይታ እናተቐነኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዘራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። ንኣምላኽን ነቦን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኵኑ።” ኤፌ 5፡15-21።
ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ነዚ ናይ ልቦና መግለጺ ዝዀነ ባህርያትን ግብርታትን ካብ ምዕራፍ 4 ጀሚሩ ኽሳዕ ምዕራፍ 6 ብሰፊሑ ዘርዚርዎ ኣሎ። መንፈሳዊ ልቦና ዘየጥረየ ሰብ ነቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሰናይ ኪገብሮ፡ ነቲ ዘይተደላዪ እከይ ድማ ኼርሕቖ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ጥቕሲ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ መንፈሳዊ ልቦናና ኺግለጸሉ ዚድለይ ዘሎ ጊዜ፡ ክፉእ ቅንያት’ዩ። ክፉእ ቅንያትን ክፉእ ፍጻመታትን ኵነታትን ከኣ ናይ ሰብ ልቦና ወይ ዕሽነት ኪቐልዑ ዝተሰርዑ’ዮም። እቲ ዓሻ’ኳ ኵሉ ጊዜ ዓሻ ስለ ዝዀነ፡ ዋላ ኣብ ጥዑም ቅንያት’ውን ዕሽነቱ ኺዓግት ኣይክእልን’ዩ። እቲ መንፈሳዊ ልቦና ዘጥረየ ሓቀኛ ክርስትያን ግን፡ ክፉእ ጊዜን ኵነታትን ሰብን ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ልቦናኡ ንፈታውን ጸላእን ዜግህደሉ ምሹእ መድረኽ ከም ዝተሰርዓሉ ኣስተውዒሉ ኺሕጐስን ብልዑል ጥንቃቐ ኪመላለስን ይግብኦ።
እቲ ብመንፈሳዊ ልቦና ዘይሃብተመ ሰብ ግና፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ጊዜን ኵነታትን ዕሽነቱ ጥራሕ’ዩ ዜግህድ። ነብዪ ኤርምያስ ንዕሽነት ደቂ እስራኤል ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ’ሎ። “ህዝበይ ዓሻ’ዩ’ሞ፡ ኣይፈልጠንን’ዩ፡ ድንዙዛት ደቂ’ዮም’ሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታ’ዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡን’ዮም።” ኤር 4፡22። ካብ’ዚ ቓል’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ ልቦናን ጥበብን ናይ ሰብ ኣብ’ቲ ዚመርጾን ዚገብሮን ግብሪ’ዩ ዚምርኰስ። እቲ ሰናይ ዚገብር እቲ ንምድሓን ዝለበመ፡ እቲ እከይ ዚገብር ድማ እቲ ንጥፍኣቱ ዝዓሸወ’ዩ። ቃል እግዚኣብሔር ኣነጺሩ ኸም ዚነግረና፡ ናይ መወዳእታ ፍርድናን ድሕነትናን ኣብ ግብርና’ዩ ዚምርኰስ፡። ነታ ብእምነት ዝኣተናያ ድሕነት ብግብርና ኢና ንነብራ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ኸም’ዚ ዚስዕብ ዝተባህለልና።
“ፍቓድ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ’ምበር፡ “ጐይታይ፡ ጐይታይ” ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን። . . . ሽዑ ኣነ፡ “ኣቱም ገበርቲ- ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑ” ክብሎም’የ።” ማቴ 7፡21,23
“ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ’ዩ’ሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ’የ።” ማቴ 16፡27
“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ’ያ። ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጽ’ዮም’ሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።” ዮሃ 5፡28,29
“ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ’ዩ። ማለት ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዓጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም’ዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ’ምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና፡ ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም’ዩ። እከይ ንእትገብር ዘበለት ነፍሲ ሰብ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ’ዩ። . . . ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪወሃቦ’ዩ።” ሮሜ 2፡6-10
መሪሕ ጥቕስናኸ እንታይ’ዩ ዚምዕደናን ዚእዝዘናን ዘሎ፧ ኣብኡ ብንጹር በሪሁልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ለባምን ኣስተውዓልን ሰብ፡ ንልቦናኡ ብግብሩ’ዩ ዜርእዮ ወይ ዚገልጾ። ካልእ ጥበብን ካልእ መገድን የለን። ብቓላት ወይ ብስምዒታት (emotions) ጥራሕ ዚግለጽ ልቦና የለን። ትሕቲ’ዚ መሪሕ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዜብርሆ። ከም ኣብነት ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ዓያሱ መርኣያ ዝዀነ ባህርያት ከኣ ቅንእን ሻራን’ዮም። እዚ ዚኣክል ኣበሳን ግብሪ ዕሽነትን እናገበሩ ኸኣ ለባማትን ኣስተውዓልትን ከም ዝዀኑ ገይሮም ይምክሑን ይሕስዉን ነበሩ። ንልብኻ ብመሪር ቅንእን ሻራን ኣጋዕዚኻ ከተብቅዕ ልቦና (ጥበብ) ዝመልኣካ ሰብ ከም ዝዀንካ ንርእስኻ ምግማት፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ከቢድን ዕሽነት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ መንነት ናይ’ዛ ጠባሪት ልቦና’ዚኣ ድሕሪ ምቕልዑ፡ “ልቦናን ምስትውዓልን ኣሎኒ” ኪብል ዚኽእል መን ምዃኑ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሓስዉን። ኣብ’ቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ’ሞ፡ እዛ ጥበብ’ዚኣ፡ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ’ምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ (ጥበብ) ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ (ናይ ኣምላኽ) ጥበብ ግና፡ ቅድም ንጽህቲ’ያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ (ሻርነትን ግብዝናን ዘይብላ’ያ)። ያእ 3፡14-17
ስለ’ዚ ንሰብ ለባም ወይ ዘይለባም ዜብሎ፡ መጋብሩን ትሕዝቶ ልቡን’ዩ። ናይ ኣምላኽ ጥበብ ተሓሲምና ሰይጣናዊ ጥበብ ተዓጢቕና እንተ’ሊና፡ ዕሽነት ተቐኒቱና ኸም ዘሎ ደኣ ንተኣመን’ምበር፡ “ለባማት ኢና” እናበልና ብዝተጠበረ ልቢ ኣይንመካሕ። ምርጫኻን ዕጥቅኻን ኣበላሺኻ፡ ለባም ኪኽወን ኣይከኣልን’ዩ። ዝዀነ ሰብ “ለባም” ዚበሃል ሕጂ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ዚጠቕሞ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣቚሙ ኽብሪ ዜጐናጽፎ ግብርን ጥበብን እንተ መረጸ ጥራሕ’ዩ። ናይ ውዱቕ ሰብ ባህርይን ግብርን እናንጸባረቕካ፡ ናይ ጥዑይ ሰብ ቅጽላት ክትስለም ኣይከኣልን’ዩ። ሓደ እዋን። ናይ ስነ ቚጠባ ሊቃውንቲ ዝሓቘፈት ጉጅለ ናብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ከተማ ተጓዕዘት። እታ ኸተማ ሻውላት (slum area) ዝመልአት ከተማ ነበረት። ኣብታ ኸተማ ኺዛወሩ ኸለው ግና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዘይመስል ገዛውቲ ናይ ሳተላይት ሽሓንታት (dishes) ተተኺሉ ረኣዩ’ሞ፡ “ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሻውላት ክንድ’ዚ ዚኣክል ሸሓንታት ካበይ ዝመጸ’ዩ፧” ብምባል ተገረሙ። ቊጠባ ናይታ ሃገር ኪግምግሙ ዝመጹ ስለ ዝነበሩ፡ ስርሖም ምስ ጀመሩ፡ ከም ቅምሶ (sample) ናብ ዝተሓርያ ኣባይቲ ኸይዶም ተዓዘቡ። ኣብ ዝኣተውዎ ዅሉ ገዛ ግና ቴሌቪዥን ዚበሃል ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ብኣግርሞት ተዋሒጦም፡ ነቶም ሰብ ገዛ ምስ ሓተትዎም ከኣ፡ ብሕፍረት ዚምልስዎ ሰኣኑ። ዚጸግቡሉ ትሕዝቶ ምግቢ’ኳ ዘይብሎም ምዃኖም፡ ንሳቶምን ከባቢኦምን እናፈለጡ’ኳ፡ ብዘይብሎም ንብረት ሃብታማት ኪመስሉ ወሲኖም ነበሩ። ብጒዳይ ልቦና ዝመጸ ኸኣ፡ ኣብ ልብና ይኹን ኣብ ናብራና ጥር ትብል ናይ ልቦና ምልክትን ንብረትን ዘይብልና ኽነስና፡ ለባማት ዝዀንና ዚመስለናን ብልቦናና እንምካሕን ሰባት ምብዛሕና ድማ፡ ንምስልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዜሕፍርን ዜፈንፍንን ይገብሮ ኣሎ። ሻውላት ልብና ብንብረት ሰይጣን ተጻቢቡ ኸሎ፡ መንፈሳውያንን ናይ ኣምላኽ ሰባትን ዜምስለና ንጥፈታት እንተ ኣብዛሕና እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ነቶም ብቕንእን ሻራን ዕሽነቶም ዚገልጹ ዝነበሩ ምእመናንን ኣገልገልትን ናይ’ታ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ ቕዱስ ሃዋርያ፡ “ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን’ዩ፧” ኢሉ ዝሓተቶም። ናብ “ጉባኤ ለባማት” መጺእካ ኸም’ዚ ኢልካ ኽትሓትት ኣዝዩ ዜኽዕብን ዜቘጥዕን (offending) ሕቶ ኺመስል ይኽእል’ዩ። ዕለታዊ ግብሮምን ናብራኦምን ዝተዓዘበ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ሃዋርያ ግን በዚ ኣጋንንታዊ ጥበራ’ዚ ኣይዕሸውን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ “ልቦናኹም ብግብሪ ኣርእዩና” ኢሉ በድሆም። ዋላ ኣምላኽ’ውን ከምኣ’ዩ ዚደልይ። ኣብ መወዳእታ’ውን ንነፍሲ ወከፍና ከከም ግብርና ስለ ዚፈርደና፡ ብዘይካ ናብ ግብርና ናብ ካልእ ኣይጥምትን’ዩ።
ህዝቢ ነነዌ ኣዝዩ ሓጥእን ኪግምጠል ዝተበየነሉን ህዝቢ’ዩ ዝነበረ። እግዚኣብሔር ግና ሓንቲ ተስፋ እተስንቖ ምልክት ኣብ ልቢ’ቲ ህዝቢ ስለ ዝተዓዘበ፡ ካብ እስራኤል ናብ ነነዌ (ናይ ኣሶር) ነብዪ ለኣኸሎም። ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ኣምለኽቲ ጣኦት ክነሶም፡ ብዜደንቕ ንስሓ ተመልሱ። እቲ ኸቢድ ናይ ሰብን እንስሳን ጾም ምጻሞም፡ ክሻ ምኽዳኖም፡ ኣብ ሓመዅስቲ ምድቃሶም ከቢድ ስጒምቲ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንእግዚኣብሔር ዚምስጥ ግን ኣይነበረን። በዚ መንፈሳዊ ንጥፈታት’ዚ ዘይተዓብለኸትን ዘይተጐልበበትን ንልቢ ኣምላኽ እትረትዕን እተሕምቕን ነጥቢ ግን ኣልዒሎም ነበሩ። ንሳ ኸኣ፦ “ነፍሲ ወከፍ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገዱን ካብ’ቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ።” እትብል’ያ (ዮና 3፡8)። እግዚኣብሔር ናብ’ዞም ጣኦታውያን ኣህዛብ ናቱ ነብዪ ኺልእኽ ዝደረኸቶ ኸኣ፡ ልቢ ዅላቶም መርሚሩ ነዛ ፈዋሲት ሓሳብ ኣብ ውሽጦም ከም ዘላ ስለ ዝረኣየ’ዩ። ኣይሓፈረን ከኣ። እቲ ውጽኢት ከኣ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። “ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፡ ግብሮም ረኣየ፡ ኣምላኽ’ውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፡ ኣይገበሮን ከኣ።” ዮና 3፡10።
ካብ እከይ ተመሊሶም ግብሮም ከየጥዓዩ፡ ነቲ ኻልእ ኵሉ ናይ ንስሓ ንጥፈታት ጥራሕ ገይሮም ስቕ እንተ ዚብሉ ግና ብዕሽነቶምን ንእኡ ኼዐሽው ብምፍታኖምን ደኣ መሊሱ ቚጥዓኡ ነዲዱ ብዝኸፍአ መገዲ መጥፍኦም’ምበር ኣይምነሓፎምን ነይሩ። እቲ ናባታቶም ዝተላእከ ነብዪ ዮናስ ግና ግብሪ ልቦና ኣየርኣየን። ነቲ ዘኽበሮ ኣምላኽ ኣየኽበረን። ናብ ነነዌ ምስ ተላእከ፡ ናብኡ ኪኸይድ ስለ ዘይደለየ፡ እግዚኣብሔር ናብ ዘይርእዮን ናብ ዘይረኽቦን ሃገር ኪኸይድ ብመርከብ ሃደመ። ከቢድ ናይ ዕሽነት ምኽርን ግብርን ፈጸመ። እግዚኣብሔር ብማዕበል ገይሩ ምስ ቀልዖ’ሞ፡ እቶም መጓዕዝቱ፡ “እዚ ረኺቡና ዘሎ መከራ ብሰሪ መን’ዩ፧ ዕዮኻ እንታይ’ዩ፧ ኣበይ’ዩ ሃገርካ፧ ካበየናይ ህዝቢ ኢኻ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ ምስቲ ዝገበሮ ዘይሰማማዕ መልሲ ሃቦም። ካብ ገጽ ኣምላኽ ርሒቑ ዝሃደመ ሰብ ምዃኑ ባዕሉ ነጊርዎም ኬብቅዕ፡ “ንኣምላኽ ሰማይ እፈርሆ’የ” ኢሉ መለሰሎም። ንኣምላኽ ዚፈርሆ ሰብ ንኣምላኽ ይቐርቦን ይእዘዞን’ምበር ካብ ኣምላኽ ኣይሃድምን ኣይርሕቅን ከኣ’ዩ (ዮና 1፡8-12)። ነዚ ዚመስል ልቢ ዚሰኵዕ መለበሚ ታሪኽ ተጻሒፉልና ኽነሱ ነዚ ዕሽነት’ዚ ኽንደጋግም ምምራጽና ኣዝዩ ዜሕዝን’ዩ። ንጉስ ሰሎሞን፦ “ቈልዓ’ኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀይኑ፡ ብግብሪ የፍልጥ።”
ኢሉ’ሎ (ምሳ 20፡11)። “ንኣምላኽ ዚፈርሁ ክርስትያን” ምዃንና ብልሳንናን ናብ ቤተ ክርስትያን ብምምልላስናን እናተኣመንና ኸነብቅዕ፡ ኣብ’ቲ ዕለታዊ ናብራና ግና በታ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት ጥበብ ዘይኰነስ፡ በታ ኣጋንንታዊትን ሲኦላዊትን ጥበብ ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ተግባርናን ተኣምኖናን ንሓድሕዱ ይዋቓዕን ንዕሽነትና ብዝኸፍአ መልክዕ ይቐልዖን ስለ ዘሎ፡ ከም ሰብ ነነዌ ኣካይዳና ኽንልውጥ ኬድልየና’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ ናብ ቲቶስ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።“ንኣምላኽ ንፈልጦ ኢና” ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ሰናይ ነገር ዘበለ ኺገብሩ ዘይበቕዑን (ዘይኰነሎምን) ስለ ዝዀኑ ግና፡ ብተግባሮም ይኽሕድዎ።” ቲቶ 1፡16።
እምበኣር ርእስና ንመርምር’ሞ ግብርና ነጥዕይ። ነቲ ንህይወትና ዜበላሽዋ ዘሎ ግብርን ጥበብን ናይ ሰይጣን ዝዀነ፡ ቅንኢ፡ ሻራ፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ ሕምየት፡ ትዕቢት፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ስሰዐ ወዘተ ዝኣመሰሉ ዕሽነትና ዜግህዱ ተግባራት ንደርብይ። ብኣንጻሩ ነቶም ንክርስቶስ ዜምስሉና፡ ንምድሓን ከም ዝለበምና ዜረጋግጹልና ፍረ-መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ፡ ፍቕሪ፡ ምሕረት ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ቅንዕና፡ ሓቂ፡ ሰላም ወዘተ ዝኣመሰሉ ግብርታት ከኣ ቀወምቲ ንብረትናን ግብርናን ንግበሮም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ካብ ባዕላዊ ጥበራ ርእስና ንሓልው። ምኽንያቱ ባዕልኻ ንርእስኻ ካብ ምጥባር ዚኸፍእ ዕሽነት ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። እግዚኣብሔር እቲ ዘይጥበር ኣምላኽ፡ ኣተኵሩ ናብ ግብርና የቋምት ኣሎ’ሞ ኣብ ቅድሚኡ ብዘየባትኽ ልቦናን ምስትውዓልን ብግብራዊ መገዲ ንመላለስ። ንክርስቶስ ዘይመሰለ ሰብ፡ ናብ መንግስቲ ክርስቶስ ኣይከኣትውን’ዩ። ንክርስቶስ ምምሳል ከኣ ብዘይ’ዛ ኣምላኽ ዚምስክረላ ልቦና ስለ ዘይትርከብ፡ ኣብ ደምበ ለባማት ምህላውና ወርትግ ነረጋግጽ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሕዳር ፭, ፳፻፲፬ ግዕዝ (14 ሕዳር 2021 ፈረ). 10ይ ሰንበት: ቊ.13/፲፫ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
5፡1-13 | ያእ 3፡10-18 | ግብ 11፡1-11 | ዮሃ 15፡1-11 | ዘእግዚእትነ ማርያም |
መዝ ፸፱(፹)፡፰,፱ “ዐፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ። ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ኪያሃ። ወፄሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ።” “ጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካ'ውን ተኸልካያ። ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡ ሱር ሰደደት ምድሪ'ውን መልአት።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ