“ከም’ቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝአ፡ ጸጋ’ውን ከምኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ’ዩ።” ሮሜ 5፡21
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 6 ክሳዕ 7 (ወይ 13) ዘሎ ቕንያት “ኣስተምህሮ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ኣስተምህሮ” ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዜስተምሃሮ ትምህርቲ ዝሰርሖም ተኣምራትን ዜመልክት ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ’ዩ። እዚ ናይ’ዚ ዓመት መበል 11 ሰንበት ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ናይ ሮሜ 5፡10-ፍጻሜ ንባብ’ዩ። እዚ ንባብ’ዚ ሓቝፍዎም ካብ ዘሎ ዓበይቲ ኣርእስታት ሓደ ኸኣ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብምንታይ ከም ዚገዝእ ዜብርሃልና’ዩ። ጸጋ ኣብ ህይወትና ብጽድቂ ምስ ዚዓይይን ምስ ዚገዝእን፡ ናይ መወዳእታ ፍሪኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚኸውን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ’ዚ ምድራዊ ናብራና ብጽድቂ ምንባር ኣዝዩ ዚኸብደና ሰባት ስለ ዝዀንና፡ እዚ ኣርእስትን ኣስተምህሮን’ዚ ንኣና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ደቂ እስራኤል ደለይቲ ጽድቂ ኽነሶም፡ ብጽድቂ ምንባር ዝተሳእኖም፡ ናብ ጽድቂ ኺበጽሑ ዘይተኻእሎም ኰይኖም ተረፉ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዜሕዝን መንፈሳዊ ሃለዋቶም ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም ጽድቂ ዘይደልዩ ኣህዛብ፡ ጽድቂ ረኸቡ። እዚ ኸኣ እቲ ብእምነት ዚመጽእ ጽድቂ’ዩ። እስራኤል ግና ነቲ ናብ ጽድቂ ዜብጽሕ ሕጊ እናደለይዎስ፡ ናብ’ቲ ናብ ጽድቂ ዜብጽሕ ሕጊ ኣይበጽሑን፡ ስለምንታይ፧ ብግብሪ’ምበር ብእምነት ስለ ዘይደልይዎ’ዩ፡ ብእምኒ መዓንቀፊ ኸኣ ተዓንቀፉ። እዚ ኸኣ ጽሑፍ’ዩ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ዜንደልህጽ ከውሕን (ንሱ ከኣ ክርስቶስ) አንብር ኣለኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሓፍርን’ዩ።” ሮሜ 9፡30-33 ካ.ት
“ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንትኦም ናብ ኣምላኽ ዜቕርቦ ጸሎትን፡ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺድሕኑ’ዩ። ኣብ ዝተጋገየ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ’ዩ’ምበር፡ ብኣምላኾም ቀናኣት (ደለይቲ ጽድቂ) ከም ዝዀኑስ ኣነ እምስክረሎም ኣለኹ። ነቲ ብኣምላኽ ዚመጽእ ጽድቂ ስኣን ምፍላጦም፡ ጽድቂ ርእሶም ኬቝሙ ብምድላዮም፡ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኺጸድቕ፡ ክርስቶስ መደምደምታ ሕጊ-ሙሴ’ዩ።” ሮሜ 10፡1-4 ካ.ት
ካብ’ዚ ኣገላልጻ’ዚ ኸም እንርድኦ፡ ክልተ ዓይነት ጽድቂ’ዩ ዘሎ፦
1ይ ብኣምላኽ ዚመጽእ ጽድቂ (ጽድቂ ኣምላኽ)፡
2ይ ብሰብ ዚግበር ጽድቂ (ጽድቂ ሰብ)።
እግዚአብሔር ከኣ ነቶም ብናቱ ጽድቂ ንዝጸደቑ’ምበር፡ ብጽድቂ ሰብ ንዝጸደቑ ኣይቅበሎምን’ዩ። ምኽንያቱ ጽድቂ ሰብ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ከመይ ከም ዝዀነ፡ ብነብዪ ኢሳይያስ ገሊጹልና’ዩ።
“ነቶም ተሓጕሶም ጽድቂ ዚገብሩን ከም ፍቓድካ ዚነብሩን ትቀባበሎም። ንሕና ግና ሓጢኣት ገበርና፡ ንስኻ ድማ ኰረኻልና፡ ንሕና ኣብ ሓጢኣትና ነዊሕ ዘመን ነበርና፡ ከመይ ኢልና ደኣ ኽንድሕን ኢና፧ ኵላትና ብሓጢኣትና ረኺስና፡ ጽድቅና’ውን ከም ጨርቂ መርገም (ከም ጽዩቕ ክዳን) ኰነ፡ ኵላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልና፡ ኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቍጸና ኣሎ። ገጽካ ኸውልካልና፡ ብሰሪ ኣበሳና ኸኣ ደርበኸና ኢኻ’ሞ፡ ብጸሎት ንኣኻ ዚጽውዕን ክትሕግዞ ኢሉ ናባኻ ዜእውይን (ንኣኻ ኪሕዝ ኢሉ ዚትንስእን) ሓደ’ኳ የልቦን።” ኢሳ 64፡5-7 (ቀ.ት + ካ.ት)
ከም ጨርቂ መርገም፡ ከም ጽዩቕ ክዳን ዝዀነ ጽድቂ ሰብ ሒዝካ እግዚአብሔር ኪቕበለካ ኽትጽበይ ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ናይ ብሓቂ ኺድሕንን ኪጸድቕን ዚደልይ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኪለብስ ይግብኦ ማለት’ዩ።
ነዚ ጽድቂ’ዚ ኻበይ ኢና እንረኽቦ፧ ሰብ፡ ከመይ ገይሩ ጽድቂ ኣምላኽ ኪገብር ይኽእል፧ ብርግጽ ጽድቂ ኣምላኽ ብዓቕሚ ሰብ ኪግበር ኣይከኣልን’ዩ። ጽድቂ-ኣምላኽ፡ ብኣምላኽ ጥራሕ’ዩ ዚፍጸም። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ’ዩ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣና ጽድቂ-ኣምላኽ ኬፈጽምን ኬልብስን ዝተገልጸ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። “ንስኻትኩም ግና ኻብኡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘሎኹም፡ ንሱ እቲ ኻብ እግዚአብሔር ዝተዋህበና ጥበብ’ዩ። በዚ ጥበብ’ዚ ድማ ጽድቅን ቅድስናን ድሕነትን ኰነልና።” 1ቈረ 1፡30,31 ካ.ት
ጐይታና ባዕሉ’ውን፦ “እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ’የ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነ’ውን ኣብኡ፡ ንሱ’ዩ ብዙሕ ፍረ (ጽድቂ) ዚፈርይ፡ ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።” ኢሉና’ዩ (ዮሃ 15፡5 ካ.ት)። እቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፎ መልእኽታት፡ ኣብ’ዚ ቓል ጐይታና መሰረት ዝገበረ’ዩ። ኣባና ሓዲሩ ጽድቂ ኣምላኽ ክንገብር ዜኽእለና፡ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ’ዩ። ብዘይ ብእኡ፡ ማለት ክርስቶስ ኣባና ሓዲሩ ዘይገበሮ ጽድቂ ኽንገብር እንተ ተጋደልና ጽድቅና ኸም ጨርቂ መርገም ፍንፉን ኰይኑ’ዩ ዚተርፍ። ናይ እስራኤላውያን ዕሽነት ኣብኡ’ዩ ዝተገልጸ። ነቲ “ብኣይ ኢኹም እትድሕኑ” ኢሉ ዝመጾም ጐይታ ቐቲሎም፡ “ብሕጊ ሙሴ ኢና እንጸድቕን እንድሕንን” ኢሎም ተሓሰምዎ። ስለ’ዚ ኸኣ በቲ ኼድሕኖም ዝመጸ እምኒ-መኣዝን ተዓንቂፎም ወደቑ፡ ናብ ጽድቂ ኸይበጽሑ ድማ ተረፉ። ነቶም “ጽድቅና’ዩ” ኢሎም ብእምነት ዝተቐበልዎን ኣብ ልቦም ዘሕደርዎን ኣህዛብ ግን፡ ጽድቅን ቅድስናን ድሕነትን ኰነሎም።
ጐይታና ኸመይ ገይሩ’ዩ ንጽድቂ ኣምላኽ ክንግዛእን ጽድቂ ኣምላኽ ክንፍጽምን ዜኽእለና፧ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና መሊስዎ ኣሎ። በቲ ኣባና ብዘይ ልክዕ ዜውሕዞ ጸጋኡ’ዩ ጽድቂ ኣምላኽ ክንፍጽም ዜኽእለና። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪትዎ ኸም ዘሎ፡ ሓጢኣት ብሞት ገይሩ ኣብ ህይወትና ኸም ዚገዝእ፡ ጸጋ ድማ ብጽድቂ-ኣምላኽ ገይሩ ኣብ ህይወትና ይገዝእ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንሕና ናይ ዘለኣለም ህይወት ንቕበል። ኣብ’ቲ ዘንበብናዮ ናይ ሮሜ 3፡24,26 ጥቕሲ በቲ ክርስቶስ ጐይታና ዚህበና ጸጋ ኸም እንጸድቕ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ወንጌሉ፡ ክርስቶስ ጐይታና ምልኣት ጸጋ ሒዙ ዝተገልጸሉ ዕላማ ኣብሪህዎ’ዩ።
“እቲ ቓል ስጋ ኰነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ (ኣብ ማእከልና) ሓደረ። ..... ሕጊ ብሙሴ ተዋሂቡ’ዩ’ሞ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምበኣርከ ንሕና ዅላትና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።” ዮሃ 1፡14,16,17
ቅድሚ ጐይታና ብስጋ ምግላጹ፡ ጸጋ ኣምላኽ ነይሩ’ዩ። ጸጋ ብምልኣት ዝተገልጸ ግና ጐይታና ምልኣት ጸጋኡ ሒዙ ብስጋ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ’ዩ። ምልኣት ጸጋኡ ሒዙ ዝተገልጸ ድማ፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ምእንቲ ኺህበና’ዩ። ምኽንያቱ ብዘይ’ዚ ጸጋ’ዚ ጽድቂ-ኣምላኽ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ጸጋ ማለት ከኣ “ዜኽእል ሓይሊ ናይ ኣምላኽ” ማለት’ዩ። ብሓጢኣት ዝወደቐን ዝተዳኸመን ስጋ ስለ ዝለበስና፡ ሓጢኣት’ምበር ጽድቂ-ኣምላኽ ክንገብር ዓቕሚ የብልናን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ድኻም ስጋና ኺገልጽ ከሎ፦ “ስለ’ዚ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። .... ኣነ ግና ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ’የ።”
ኢሉና ኣሎ (ሮሜ 7፡14,18 ካ.ት)። ንሓጢኣት ዝተሸጥካ እንተ ዄንካ ሓጢኣት’ምበር ጽድቂ ናይ ምግባር ዓቕምን ፍቓድን ኣይህልወካን’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ጐይታና ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሕጊ መርገምን ብደሙ ዝዓደገና (ገላ 3፡13,14 ፣ 1ጴጥ 1፡18,19 ፣ ራእ 5፡9,10 ፣ ኤፌ 1፡7 ፣ ቈሎ 1፡20-23)። እቲ ንሓጢኣት ዝተሸጠ ሓጢኣት የዘውትር፡ እቲ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ኸኣ ብጸጋኡ ጽድቂ ኣምላኽ ይገብር። እቲ በቲ ብክርስቶስ ዝረኸቦ ጸጋ ንጽድቂ ኣምላኽ ከይግዛእ ዝኣበየ፡ ብኣንጻሩ “ብገዛእ ጻዕረይ’የ ዝጸድቕ” ኢሉ ንዘቕበጸ ሰብ ግና፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ንስኻትኩም፡ እዞም ሕጊ ብምፍጻም (ባዕላትኩም) ክትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፡ ካብ ጸጋ ኸኣ ወዲቕኩም ኢኹም። ንሕና (ሃዋርያት) ግና፡ ነታ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እትመጽእ ናይ ጽድቂ ተስፋ ብእምነት ሃረር እናበልና ንጽበይ ኣለና።” ብምባል ሳዕቤን ምርጫኦም ኣፍለጦም (ገላ 5፡4,5 ካ.ት)። ብሓሳብ ስጋ፡ ንሕጊ ኣምላኽን ንጽድቂ ኣምላኽን ክትግዛእ ኣይከኣልን’ዩ። ንጽድቂ ኽትግዛእ ዜኽእለና፡ ጸጋ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ሮሜ 8፡7,8 ካ.ት)።
ጸጋኸ ብኸመይ’ዩ ንጽድቂ ኽንግዛእ ዜኽእለና፧ እቲ ብስጋ ዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂኸ ንምንታይ’ዩ ዘየጽድቐና፧ ሰብ ዝቐተለ ገበነኛ፡ ንሓደ ሽሕ ጥሙያት ብምግቢ ስለ ዝዓንገለ፡ ካብ ገበንን ተሓታትነቱን ነጻ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንሕሉፍ ሓጢኣትና ጽድቂ ብምግባር ክንስርዞ ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ፦ “ንብዘሎ’ቲ ሕጊ ሓልዩ (ኼብቅዕ) ኣብ ሓንቲ (ጥራሕ) ዚብድል ብዅሉ’ዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ “ኣይትዘምው” ዝበለ “ኣይትቅተል” ድማ በለ። ስለ’ዚ (ዋላ) እንተ ዘይዘሞኻ’ኳ ካብ እትቐትልሲ መፍረስ ሕጊ (ሓጢኣተኛ) ኢኻ።” ያእ 2፡10,11 ካ.ት
ስለ’ዚ በቲ ዝገበርካዮ ሰናይ ግብሪ፡ ጽድቂ ኪቝጸረልካ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝበደልካዮ ቐዳማይ በደል፡ ከም ዘይተገብረ ጌርካ ኽትድምስሶ ይግብኣካ። ነቲ ዝበደልካዮ በደል ከም ዘይተገብረ ጌርካ ምድምሳስ ከኣ ሰብ ኪገብሮ ኣይክእልን’ዩ። ጐይታና ጥራሕ’ዩ ብደሙ ሕድገት ሓጢኣት ኣጐናጺፉ ኻብ ማእሰርትና ኺፈትሓና ዚኽእል። ነዚ ኸኣ ብሃብቲ ጸጋኡ ገይሩ’ዩ ዚፍጽሞ። እቲ ዝተዋህበና ሃብቲ ጸጋኡ ኽልተ ኣገደስቲ ተግባራት ብምፍጻም’ዩ ዚረድኣና።
1ይ ንበደልና ሕድገት ከም እንረክብ ብምግባር
2ይ ንሓጢኣት ተሓሲምና ንጽድቂ ክንገዝእ ብምሕጋዝ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ኽንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረየና። ስለ ዘፍቀረናን ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለ ዝነበረን ከኣ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና። እዚ ኸኣ እቲ በቲ ዜፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ክቡር ጸጋ ምእንቲ ኺምስገን ኢሉ’ዩ። ብእኡ፡ ማለት ብደሙ ድሕነት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ኸኣ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና። ንሱ ነዚ ጸጋ’ዚ ብዅሉ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ልዕሌና ኣፍሰሶ። ጽቡቕ ፍቓዱ ዀይኑ ኸኣ ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ኣቐዲሙ ዝመደቦ ናይ ፍቓዱ ምስጢር ኣፍለጠና። እዚ ኸኣ፡ እቲ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ ምእንቲ ኪጥቕለል’ዩ።” ኤፌ 1፡4-10 ካ.ት
“ቀደም፡ ንሕናውን ኵልና ኸምኦም፡ ትምኒት ስጋና እናፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርና ከም’ቶም ካልኦት ቍጥዓ ኣምላኽ ዚግብኣና ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ’ታ ብእኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት’ኳ እንተ ነበርና ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና፡ ብክርስቶስ ገይሩ ኸኣ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና። እዚ ኸኣ ነቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተገልጸልና ሕያውነት፡ ማለት ነቲ መዘና ዘይብሉ ሃብቲ ጸጋኡ ምእንቲ ኼርእይ ኢሉ’ዩ። ንክርስቶስ ብምእማን ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ’ዩ’ምበር ካባኻትኩም ኣይኰነን።” ኤፌ 2፡3-8 ካ.ት
እዚ ጸጋ’ዚ’ዩ መንቅብን ኣበርን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ኬቝመናን ውሉድ ኣምላኽ ዚገብረናን። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ “ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም” ዚብሉሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ንሓጢኣትና ብሕድገት ደምሲሱ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ክንገብር ኣኽኢሉ የድሕነና፡ ወረስቲ መንግስተ ሰማያት ከኣ ይገብረና።
ብጸጋ’ዩ ዚጽደቕ ማለት ግብሪ ጽድቂ ኽንገብር ኣየድልየናን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን!! ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ’ዩ። እቲ ብጸጋ ዝጸደቐ’ዩ ዝበዝሐ ግብሪ ጽድቂ ዚገብር። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ዝሓደረ ጸጋ፡ ብርቱዕ ናይ ጽድቂ ጥምየትን ጽምእን’ዩ ዜሕድረልና። ጐይታና፦ “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ’ዮም’ሞ፡ ብጹኣን’ዮም።” ኢሉና ኣሎ (ማቴ 5፡6)። እዚ ተስፋኡ’ዚ ኸኣ፡ በቲ ኻብ ምልኣት ጸጋኡ ዚህበናን ዜውሕዘልናን ጸጋኡ’ዩ ዚፍጽሞ። ኣቐዲምና ኣብ ዮሃ 1፡16,17 ኸም ዘንበብናዮ፡ “ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐቢልና” ኢና። ኣብ’ቲ ናይ ኤፌሶን መልእኽቲ’ውን “(ኵሉ) ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ናባና ኣውሓዞ” ኢሉና’ሎ (ኤፌ 1፡8-10)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ገና “ሳውል” ከሎ፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕሱም ሰጓጕን ገፋዕን’ዩ ዝነበረ። እዚ ዅሉ ተግባሩ ኸኣ ጽድቂ ምእንቲ ኺረክብ ዝገበሮ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኸኣ “(ብጽድቂ ጸጋ ዘይኰነስ)፡ ብጽድቂ ሕጊ መንቅብ ዘይብለይ’የ” ኽሳዕ ምባል በጺሑ ነበረ። ጐይታና ብጸዳል ብርሃኑ ኣዒንቲ ልቦናኡ ምስ ከፈተሉ ግን፡ ብጽድቂ ሰብ መንቅብ ዘይብልካ ምዃን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጨርቂ መርገም ከም ዝዀነ ስለ ዘስተውዓለ፡ “እንተ ዀነ ነዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ከም ክሳራ (ከም ወጽዓ) ቈጸርክዎ። .... እዚ ኸኣ ነቲ ሕጊ ኣብ ምፍጻም ዝተመስረተ ናይ ገዛእ ርእሰይ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ንክርስቶስ ኣብ ምእማን ዝተመስረተ ካብ እግዚአብሔር ዝዀነ ጽድቂ ንምርካብ’ዩ። ብምባል ተኣመነ (ፊል 3፡7,9 ካ.ት)። እዚ ድማ በቲ ኻብ ክርስቶስ ዝውሓዘልና ጸጋ’ዩ ዚትግበር’ዩ። ጽድቂ ኣምላኽ ምግባር ዚምህረናን ዜኽእለናን ጸጋ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተቐበሎ ጸጋ፦
“ኣብ ርእሲ’ቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፡ ጸጋ ጐይታና ኣባይ ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ። “ክርስቶስ ኢየሱስ ነቶም ሓጥኣን ኬድሕን መጸ” ዚብል እሙን’ዩ፡ ብምሉኡ ኽንቅበሎ ዚግብኣና ቓል’ዩ። ካብ ኵሎም ሓጥኣን ዝገደደ ኸኣ ኣነ’የ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ’የ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፡ ማለት ክርስቶስ ኢየሱስ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ ቅድም ኣባይ ብምግላጽ፡ ናይ’ቶም ናይ ዘልኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ኣርኣያ ገበረኒ።” ብምባል መስከረ (1ጢሞ 1፡14-16 ካ.ት)። ጸጋ ጐይታና ቅድሚ ምቕባሉ ንርእሱ ከም “መንቅብ ዘይብሉ ጻድቕ ሰብ” ይፈልጣ ነበረ። ጸጋ ጐይታና ምስ ተቐበለ ግና፡ ካብ ኵሎም ሓጥኣን እቲ ዝገደደ ምዃኑ ተኣመነ። ብጸጋ ጽድቂ ኣምላኽ ምስ ተቐበለ ግና፡ እቲ ናይ ቅድም ትምክሕቱ ተለዊጡ።
“ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ መን’ዩ ዚቃወመና፧ እቲ ንወዱ’ኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ’ምበር፡ ዘይነሓፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን’ዩ፧ ኣምላኽ’ዩ እቲ ዜጽድቕ። እቲ ዜጽድቖም ኣምላኽ ካብ ኰነ፡ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽ (ብሓጢኣቶም) ዚኸስሶም መን’ዩ፧ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ አረ ኻብ ምዉታት’ኳ ዝተንስአ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ’ዩ።” ኪብል በቕዐ (ሮሜ 8፡31-34)። እግዚአብሔር ብደም ቅዱስ ወዱ ብሕድገት ሓጢኣት ካብ ኵነኔ ኣድሒኑ ብጸጋኡ ጽድቁ ምስ ሃበና፡ ብድሕሪኡ ጽድቂ ምግባር ባህርይና ይኸውን። ምኽንያቱ ኻብ’ቲ ጽድቂ ኸይንገብር ሓሊኹ ዝሓዘና ማእሰር ሓጢኣት ፈቲሑና’ዩ (ሮሜ 7፡14-25 ፣ 8፡1,2 ካ.ት ፣ ቈሎ 2፡11-15 ካ.ት)። እቲ ኣባና ብምልኣት ዝሓደረን ጽድቂ ኣምላኽ ዘልበሰናን ጸጋ፡ ጽድቂ-ኣምላኽ ክንመሃርን ክንገብርን ከም ዜክእለና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገለጸልና።
“እቲ ምድሓን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ተገሊጹ’ዩ። እዚ (ጸጋ’ዚ) ንግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ርእስና ብምግታእ (ብጥንቃቐን) ብጽድቅን ብመንፈሳውነትን ክንነብር ይምህረና ኣሎ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።” ቲቶ 2፡11-14 (ቀ.ት+ካ.ት)።
እዚ ጥቕሲ’ዚ፡ ጸጋ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜድሕነና ዜብርሃልና’ዩ። ጸጋ ኣምላኽ ንሓጢኣት እምቢ ኽንብል፡ ክንነጽግ፡ ክንክሕድ ይምህረና። ኣይ ሓጢኣት ኣይ ጽድቂ ዄንካ ኪንበር ኣይከኣልን ስለ ዝዀነ፡ ብኸመይ ብጽድቂ፡ ርእስና ብምግታእ (ብጥንቃቐ)፡ ብመንፈሳውነት ከም እንነብር ከኣ ይምህረና። ብኸም’ዚ ድማ እታ ብጸጋ ጐይታና ዝተቐበልናያን ዝለበስናያን ጽድቂ ኣምላኽ ትግለጽ ማለት’ዩ። “ጸጋ ኣምላኽ ጽድቂ ይምህረና” ማለት፡ ጽድቂ ናይ ምግባር ተመክሮን ልምምድን ባህርይን ኣባና ይሃንጽ ማለት’ዩ። ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና መንፈሳውነት እንተ ሃኒጽና፡ ጽድቂ ዝምርጫናን ዝተመክሮናን ብሱላት ንኸውን። ክርስትያን ኽነስና ገና ስጋውያን እንተ ዄንና ግን፡ ሓጢኣትን ስጋዊ ትምኒትን’ምበር፡ ጽድቂ ናይ ምግባር ፍቓድን ዓቕምን ዘይብልና ዘይዓበዩ ህጻናት ንኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብግሩም መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ኣነ ግና ኣሕዋተይ፡ ከም ስጋውያን፡ ብክርስቶስ ከኣ ገና ከም ዘይዓበዩ ህጻናት’ምበር፡ ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን። ዕጹም ብልዒ ዘይኮነ ጸባ መገብኩኹም፡ ከመይ ድልዋት ኣይነበርኩምን፡ ሕጂውን ገና ዝተዳሎኹም ኣይኰንኩምን። እዚ ኸኣ ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም’ዩ። ኣብ ማእከልኩም ቅንእን ባእስን ካብ ዚህሉስ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧” 1ቈረ 3፡1-3 ካ.ት
“ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ዚበሃል ብዙሕ ነይሩና፡ ዘይትሰምዑ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም ግና ኽንገልጸልኩም ብርቱዕ’ዩ። ሕጅስ ድሮ መምህራን ክትኰኑ’ኳ ምተገብኣኩም ነይሩ። እንተ ዀነ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ መባእታ ትምህርቲ ከም ብሓድሽ ዚምህረኩም የድልየኩም ኣሎ። ጸባ ደኣ’ምበር ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን’ዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ፡ ቈልዓ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ነገር ጽድቂ ተመክሮ የብሉን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብተመክሮ ገዛእ ርእሶም ዜላምዱ ብጹሓት’ዩ።” እብ 5፡11-14 ካ.ት
“ሽዑ ሰባት .... መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ኪኾኑ’ዮም። ካብ’ዚኣቶም ርሓቕ። ገለ ኻብ’ኣቶም ናብ ገዛ ሰብ እናኣተዉ ነተን ሓጢኣት ዝመልአን ብትምኒት ዘበለ ዅሉ ዚድፍአ፡ ድኹም መንፈስ ዘለወን ኣንስቲ ዚማርኹ’ዮም። እዘን ኣንስቲ እዚ’ኣተን ኵሉ ሳዕ ዚመሃራ፡ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይክእላ’የን።” 2ጢሞ 3፡2-7 ካ.ት
በቲ ናይ “መልእኽቲ ናብ እብራውያን” ጥቕሲ መሰረት፡ ጽቡቕን ክፉእን ክንፈልይ፡ ንጽድቂ ኽንመርጽን ክንላመዶን ዜኽእለና፡ እቲ ኻብ ጐይታና ዝተቐበልናዮ ዋሕዚ ጸጋ’ዩ። እቲ ንጸጋ ዝነዓቐ፡ ካብ ጸጋ ዝወደቐ፡ ንጸጋኡ ዘባኸነ ሰብ ግን፡ ሓጢኣት ናይ ምግባር ተመክሮን ውሕልነትን ጥራሕ’ዩ ዚህልዎ። እግዚአብሔር ብዛዕባ እስራኤላውያን “ደድሕሪ ፍትወትኪ ንምጕያይሲ መገዲ ንምርካብ ክንደይ ኰታ ጮለ ኢኺ። ስለ’ዚ ድማ ብመገዲ ኽፍኣት መላመዲት (ኣሰልጣኒት) ኢኺ።.... ህዝበይ ዓሻ’ዩ’ሞ፡ ኣይፋልጠንን’ዩ፡ ድንዙዛት ደቂ’ዮም’ሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታት’ዮም ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን’ዮም።”
ዝበሎ ቓል ኪዝከር ይግባእ (ኤር 2፡33 ፣ 4፡22)። ብጸጋ ኣምላኽ ዝደሓነን ዝጸደቐን ሰብ ግን ብኣንጻሩ፡ ሰናይን ጽድቅን ንምግባር ኣዝዩ ጥበበኛ፡ እከይ ምግባር ግን ዘይፈልጥን ዘይክእሎን ሰብ’ዩ ዚኸውን። እግዚአብሔር ብወዱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋ ዘውሓዘልና ግብሪ ጽድቅና (ሰናይ ግብርና) እምብዛ ምእንቲ ኺበዝሕ’ዩ። “ጸጋ ስለ ዘጽደቐኒ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ዝሃልከሉ ምኽንያት የብለይን፡ ሓጢኣት እንተ ገበርኩ ድማ ብግብረይ ስለ ዘይደሓንኩስ ጸገም የብሉን” ዚብል ዓሻ ሰብ እንተ’ልዩ ግን፡ ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ናብ ፍልጠት ሓቂ ዘይበጽሐ ደንቈሮን ድንዙዝን ዝዀነ፡ ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ዚነብር፡ ስም ኣምላኽ ዚጸርፍን ዜጽርፍን ናይ ቤተ ክርስትያን ነውሪ ዝዀነ ሰብ’ዩ። እቲ ኣቦታትና ሃዋርያት ዚመሃሩና “ምስጢር ተዋህዶ” ግን፡ ጽድቅና ብጸጋ ኸም ዚበዝሕ’ዩ ዚገልጽ። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ብጸጋ ሰናይ ግብርና ስለ ዚዓዝዝ ከኣ’ዩ ጐይታና ኣብ መወዳእታ ዓለም “ንነፍሲ ወከፍ ከከም እምነቱ ዘይኰነስ ከከም ግብርና” ዚፈርደና (ማቴ 16፡27 ፣ ሮሜ 2፡6-7 ፣ 1ጴጥ 1፡17 ፣ ራእ 20፡12)። ነቲ ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ፡ ግብረ-ጽድቂ ንምፍራይ ዘይጥቀመሉ ክርስትያን፡ ከም ጨንፈር ካብ’ቲ ጕንዲ-ወይኒ ተሰሊዑ ኣብ ሓዊ ኺድርበይ’ዩ (ዮሃ 15፡6)። ኣብ ውሽጥና ሰናይ ግብሪ ናይ ምግባር ብርቱዕ ቅንኣት (ድልየት) እንተ ዘይብልና፡ ነፍስና ጽድቂ ንምግባር ትጠምይን ትጸምእን እንተ ዘየልያ፡ ጸጋና ኸም ዝተገፈፈ ፡ ካብ ጸጋ ኸም ዝወደቕና፡ ከቶ ኸም ዘይደሓንና ርግጸኛታት ንኹን። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ከም ብሓድሽ ብጸጋ ዝወለደናን ዝፈጠረናን ንምንታይ ምዃኑ፦ “ከመይሲ ንሕና ነቲ (ንኽንገብሮ ኢሉ) ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳለወልና ሰናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና።”
ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኤፌ 2፡10 ካ.ት)። ሰናይ ግብሪ ንምግባር እኩይ ግብሪ ንዘይምግባርን ኢና ብጸጋ እንድሕን። ግብሪ ጽድቂ ዘይነዘውትር እንተ ዄንና ጸጋ ኣባና ኣይገዝእን ኣይሰርሕን ኣሎ ማለት’ዩ። ጸጋ ብጽድቂ ኣብ ህይወትና ከይገዝእ እንተ ኣቢናዮ፡ ነቲ ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ኽቡር ጸጋ ረጊጽናዮን ክሒድናዮን ኣለና ማለት’ዩ። ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽብ፡ እቲ ንጸጋ ተገዚኡ ሰናይ ግብሩ ዘዕዘዘ’ዩ።
“(ኣምላኽ) ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ’ዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዓጊሶም ግርማን ክብርን (ዘይሙማትን) ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም’ዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ’ምበር ንሓቂ (ንጸጋ) ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና፡ ቍጥዓን መዓትን ኪወርዶም’ዩ። እከይ ንትገብር ዘበለት ኵላ ነፍሲ ሰብ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ’ዩ። .... ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪወሃቦ’ዩ ....።” ሮሜ 2፡6-10።
እምበኣር ህይወትና ኣጸቢቕና ንመርምር፡ ንጸጋ ብጽድቂ ንግዝኦ ኸም ዘለና ድማ ነረጋግጽ። በቲ ብጸጋ ዚርከብ ጽድቂ ኣምላኽ’ምበር፡ በቲ ብስጋ ዚግበር ጽድቂ-ሰብ ኣይንመላለስ። ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽንጐናጸፍ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዚውሕዘልና ጸጋ ንመላለስ። ከመይሲ ብጸጋ ምንባር ማለት ኣብ ክርስቶስ ምንባር ማለት’ዩ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሕዳር ፲፪, ፳፻፲፬ ግዕዝ (21 ሕዳር 2021 ፈረ). መበል 11 ሰንበት: ቊ.18(፲፰) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ሮሜ 5፡10-ፍጻመ | 1ዮሃ 5፡13-ፍጻመ | ግብ 13፡38-43 | ማቴ 6፡1-15 | ዘእግዚእትነ ማርያም |
መዝ ፸፯(፸፰)፡፰ "ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።" ዓዲ መዝ.፻፪(፻፫)፡፱-፲ "ኢይቀሥፍ ወትረ ወኢይትመዓዕ ዘልፈ። አኮ በከመ ኃጢአትነ ዘገብረ ለነ። ወኢፈደየነ በከመ አበሳነ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ