“ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ (ኣምላኽ)፡ ንስኻትኩም “ኣቦ” ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብ’ዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ።” 1ጴጥ 1፡17።
እዚ ሰንበት’ዚ፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ’ቲ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ኣስተምህሮ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅንያት’ዩ። ካብ ንባባት ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኽንመሃሮ ተዳልዩልና ዘሎ ኣርእስቲ ኸኣ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ኣብ ዘመን ግሽነትና ብፍርሃት ኣምላኽ ክንመላለስ ከም ዚግብኣና ዚገልጽ’ዩ። ዘመን ግሽነትን ፍርሃት ኣምላኽን ፈጺሞም ኪፈላለዩ ዘይግብኦም ምዃኖም ክንፈልጥ ይግብኣና’ዩ። ከመይሲ ብዘይ ፍርሃት ኣምላኽ ዚንበር ዘመን-ግሽነት፡ መወዳእታ ዘይብሉ መሪር ናይ ስቓይ ዘመን’ዩ ዚወልድ። ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተገርሐን ዝተማእዘነን ዘመን ግሽነት ከኣ ንዘለኣለም መለኮታዊ ኽብሪ ዜጐናጽፍ ወርቃዊ ዘመን’ዩ። ንፍተው ንጽላእ፡ ይሕጸር ይንዋሕ፡ ዘመን ግሽነት ተሰሪዑልና ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ንነብር ኣለና። ነዛ ሓጻር ናይ ትዕዝብቲ ዘመን፡ ናብ ዘለኣለማዊ ረብሓ ወይ ወጽዓ ኽንልውጣ፡ ኣብ ናትና ምርጫ’ዩ ዚምርኰስ። እቲ በዛ ዘመን’ዚኣ ኺረብሕ ዚደልይ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ’ዩ ዚነብራ። እቲ ሳዕቤን ምርጫኡ ኼስተውዕል ዘይተኻእሎ ንጥፍኣቱ ዝዓሽወ ሰብ ከኣ፡ ንፍርሃት ኣምላኽ ንዒቑ ብፍትወት ስጋ’ዩ ዚነብራ። ኣብ’ዛ ዓለምዚኣ ተወሊድካ ምንባር ህያብ ናይ’ቲ ሉኣላውን ሰናይን ንኣምላኽ’ምበር፡ ምርጫ ናይ ሰብ ኣይኰነን። ኣብ’ዛ ብሕያውነቱ ዝሃበና ሓጻር ምድራዊት ህይወት ኴንና፡ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ወይ ዘለኣለማዊ ስቓይ ናይ ምንባር ምርጫን ትግባረን ግን ናትና ናይ ሰባት’ምበር ናይ ኣምላኽ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ብዛዕባ ዘመን ግሽነትናን ብዛዕባ ኣብ’ዚ ዘመን ግሽነትና ኽንነብሮ ዚግብኣና ዓይነት ናብራን ኣጸቢቕና ኽንፈልጥን ህይወትና ኽንምርምርን መገድና ኸነማእዝንን ስለ ዚግብኣና፡ ነዚ ዕለትን ሳምንትን’ዚ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ተሰሪዑልና ኣሎ።
“ዘመን ግሽነት” እንታይ ማለት’ዩ፧ ንምንታይ’ዩኸ ዘመን ግሽነት ተባሂሉ፧ ንሓደ ሰብ “ጋሻ’ዩ” ወይ’ውን “ኣብ ግሽነት (መገሻ)’ዩ ዘሎ” እንብሎ፡ እቲ ሕጂ ንሱ ዚርከበሉ ቦታ ንጊዚኡ ንሓጺር ጊዜ ጥራሕ ዚጸንሓሉ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ናብ’ቲ ቐዋሚ መንበሪኡ ዚምለስ ምዃኑ ምስ ዚፍለጥ’ዩ። እቲ ብግሽነት ዚጸንሓሉ ቕንያት ውሑድ መዓልታት ምስ ዚኸውን “መዓልታት ወይ ቅንያት ግሽነት” ንብሎ። ብዓመታት ዚቝጸር ምስ ዚኸውን ከኣ፡ “ዓመታት ወይ ዘመን ግሽነት” ኢልና ንጽውዖ። ንሕና ኸኣ ንዘለኣለም ክንነብር ዝተፈጠርና ሰባት ኢና። እዚ ዘለኣለማዊ ናብራና ኣብ ምድሪ’ዩ ዚፍልም። ብዘይካ’ቲ ንሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ’ዛ ምድሪ እንጸንሖ፡ ዳርጋ ዅሉ’ቲ ዘለኣለማዊ ዕድመና ካብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ወጻኢ እንነብር። ስለ’ዚ እዛ ዓለም’ዚኣ ንኣና ምድሪ ግሽነትና’ያ። እቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ እነሕልፎ ሓጺር ዕድመ ድማ ዘመን ግሽነትና’ዩ። እዚ ተመዲቡልና ዘሎ ሓጺር ዘመን ግሽነት፡ ክንምዘነሉ ዝተሰርዐ ናይ ትዕዝብቲ ጊዜ’ዩ። እቲ ዘለኣለማዊ ዕድመናን ቦታናን ኣበይ ከም ዚኸውን ዚውሰነሉ ጊዜ’ዩ። እቲ ትዕዝብቲ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘውረስና ናይ ባህርዩ መልክዕ ኣብ’ዛ ሓጥእ ዓለም’ዚኣ ኽንነብሮ ምኽኣልናን ዘይምኽኣልናን’ዩ። እቲ ዝኸኣላ ዝተረፈ ዘለኣለማዊ ዘመኑ ኣብ ሓጐስን ክብርን ኬሕልፎ’ዩ። እቲ ዘይከኣላ፡ ንኽብርን ሓጐስን ዘይበቅዕ ምዃኑ ብዓይነት ህይወቱ ዘረጋገጸ ሰብ ከኣ፡ ነቲ ደረት-ኣልቦ ዘመኑ ኣብ ስቓይን ውርደትን ኬሕልፎ’ዩ።
ብዛዕባ ዘመን ግሽነት ካብ ቅዱሳንና ኽንመሃረሉ ዚግብኣና ኣርኣያ ኣሎዶ፧ እንተ’ልዩ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሱ ዀኑ ዘይተጠቕሱ ናብ ቅድስና ዝበቕዑ ዅሎም ኣቦታትና፡ ብዛዕባ ዘመን ግሽነቶም ልዑል ኣፍልጦን ጥንቃቐን ዝነበሮም’ዮም። ነዛ ሓላፊት ዓለምን ህይወቶምን ከም ቀዋሚት ንዘይምርኣያ ስለ ዝተጠንቀቑ’ዮም ዝተዓወቱ። ከመይሲ ኣብ ሓላፊት ህይወት ከም ነባሪ፡ ኣብ ምድሪ ግሽነት ከም ብዓል ርስቲ ዄንካ ምንባር፡ ሓጢኣትካን ውርደትካን ዜብዝሕ ዕሽነታዊ ናብራ’ዩ። እቶም ነቲ ዘለኣለማዊ ናብራኦም ምስ ኣምላኽ ኬሕልፍዎ ዚደልዩ፡ ብኣተሓሳስባኦም ብኣዘራርባኦም ኰነ ብዅሉ ቕዲ-ህይወቶም ግሽነቶም ኪሕልዉን ኬንጸባርቑን’ም ዚደልዩ። ኣቦና ኣብርሃም፡ ሓደ ኻብ’ቶም ዘመን-ግሽነቶም ዘለለዩ ቕዱሳን ኣቦታትና’ዩ። ሳላ በረኸት ኣምላኽ፡ ቍጽሪ ጥሪቱ ምድሪ ኽትጾሮ ዘይትኽእል ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ ዝነበረ (ዘፍ 13፡6,7)። ልዕሊ 500 ዚግመቱ ባሮት ዝነበርዎ ብዓል ጸጋ ሃብታም’ዩ ዝነበረ (ዘፍ 14፡14,15)። ኣብ’ታ ምድሪ ስደተኛ’ኳ እንተ ነበረ፡ ገንዘብ ሂቡ መንበሪ ዚሃንጸሉ መሬት ዓዲጉ፡ ቤተ-መንግስቲ ዚመስል ገዛ ኺሃንጽ ምኸኣለ ነይሩ። ነታ ምድሪ’ቲኣ ኸም ዚርስተያ ዝተዋህቦ ተስፋ ኣምላኽ ብምእማኑ ጽድቂ ዝተቝጽረሉ ሰብ ምንባሩ ኸኣ ኣይንረስዕ። ኣቦና ኣብርሃም፡ ንዘመን ግሽነቱ ብኸመይ ይነብራ ኸም ዝነበረ ግና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ መስኪሩሉ ኣሎ።
“ኣብርሃም ናብ’ቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ (ዘለኣለማዊት) ኸተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብ’ታ ምድሪ ተስፋ ከም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ’ሞ፡ ምስቶም ነዛ ተስፋ’ዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።. . . እዚኣቶም ኵላቶም (ኣቤል፡ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያእቆብ፡ ሳራ) ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን’ሞ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። እቶም ከም’ዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ (ብናብራኦም) የርእዩ አለዉ። . . . ሕጂ ግና (ነታ) እትሓይሽ፡ ይናፍቑ አለዉ። ስለ’ዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊውሎም ኣሎ’ሞ፡ ኣምላኾም ኪበሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን’ዩ።” እብ 11፡8-10,13,14,16።
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ምስጢር’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ ኣቦና ኣብርሃም ኣብ’ታ ምድሪ ኸንኣን ጥራሕ ዘይኰነ ብመሰረቱ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ’ውን ጋሻን ስደተኛን ምዃኑ ምስትውዓሉ’ዩ፡ ኣብ ድንኳን ኪነብር’ምበር፡ መሰረት ዘለዎ መንበሪ ገዛ ኸይሃንጽ ዝገበሮ። ነባሪ ቤቱ እቲ ኣምላኽ ዝሃነጾ ቤትን ከተማን ምዃኑ ኣነጺሩ ዝፈለጠ ሰብ ነበረ። ንኣቤል ቅዱስን ቅቡልን መስዋእቲ ኬቕርብ ዘኽኣሎ፡ ንኖህ፡ ብዓቕሚ ሓንቲ ንእሽቶ ስድራ ቤት ዓባይ መርከብ-ምድሓን ኪሃንጽን ክእዘዝን ዘኽኣሎ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱ እንታ ዘይብሉ ጻድቕ ስብኣይ ዝዀነ፡ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ጋሻን ስደተኛን ምዃኖም እናሓሰቡ ስለ ዘነበሩ’ዩ (እብ 11፡4,7፣ ዘፍ4፡9)። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እናነበሩ ነታ ኣምላኽ ዝሃነጻ ሃገርን ከተማን ይናፍቑ ነበሩ። ካብ’ዚ ዘለዉዋ ዓለም እትሓይሽን እትበልጽን ካልእ ሃገር ከም ዘላ ብዓይኒ እምነት ዝረኣይዎን ዝተሳለምዋ ሰባት’ዮም። ነዚ ናፍቖቶም’ዚ ድማ፡ ብቓላት ልሳኖም ዘይኰነ፡ በቲ ግብራዊ ናብራኦም የርእዩ ነበሩ። ኣቦና ቕዱስ ዳዊት’ውን ነዚ ምስጢር ቕድስና’ዚ ኸም ዚግባእ ዘስተውዓለሉን፡ እግዚኣብሔር “ዝኸም ልበይ” ኢሉ ኽሳዕ ዚስምዮ ብግብሪ ዝነበረሉን ሰብ’ዩ ዝነበረ። ብቓላቱ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊምዎ’ዩ።
“ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ከም ኵሎም ኣቦታትና መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። ዕለታትና ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎት’የን፡ ዚነብር ከኣ የልቦን።” 1ዜና 29፡15። “ኣብ ቅድሜኻ ጋሻ፡ ከም ኵላቶምም ኣቦታተይ ስደተኛ’የ’ሞ ዎ ጐይታይ፡ ጸሎተይ ስማዕ . . . “ መዝ 39፡12።
እምበኣር ንሕና’ውን ነዛ ምስጢር ቅድስናን ዓወትን’ዚኣ እንተ ዘይፈሊጥናያን እንተ ዘይተመሪሕናላን፡ ነቲ’ዞም ቅዱሳን ኣቦታትና ዝረኸብዎ ሰማያዊ ርስትን ክብርን ኣይክንበቕዖን ኢና። ኣብ’ቲ ናይ እብራውያን ጥቕሲ ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነዚ ቕዱስ ኣተሓሳስባ’ዚ ዜጥርይ፡ እቲ ኣብ እምነት ዘሎ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እምነትና’ያ ነታ ስማያዊት ሃገር ክንናፍቕ፡ ነዛ ምድሪ ስደት’ዚኣ ድማ ክንንዕቕ እትገብረና። ኣብ እምነት እንተ ዘየሊና ግና ኵሉ ኣካይዳና ዓለማዊ ይኸውን፡ ነቲ ናይ ዘለኣለም ቤትናን ሃገርናን ግን ይትረፍ ክንናፍቕ ነዛ ኽንዝክራ’ኳ ንጽገም ኢና። እቲ ነዛ ሓላፊት ዓለም ከም ነባሪት ቤቱን ሃገሩን ዚርእይ ሰብ፡ ብፍትወት ስጋ ይምራሕ፡ ፍረ-ህይወቱ ድማ ሓጢኣት ጥራይ ይኸውን። እቲ ኸም ምድሪ ስደቱ ገይሩ ዚርእያ ግና፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ናይ’ታ ሰማያዊት ሃገሩ ናብራ’ዩ ዚነብር። ስለ’ዚ ፍረ ህይወቱ ጽድቅን ቅድስናን ጥራሕ’ዩ ዚኸውን። ብቕዱሳን ኣቦታትና ሃዋርያት ዝተዋህበና ምኽርን ትእዛዝን ግን። “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣለኹ። ካብ’ቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ።”
“ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተው። ሓደ’ኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን (ናብራ) ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም’ዩ’ምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም (ሓላፊት)’ያ፡ ፍትወታ ኸኣ (ሓላፊ’ዩ)፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”
“እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣሎኹ። . . . እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ’ምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ዚብል’ዩ (1ጴጥ 2፡12፣ 1ዮሃ 2፡15-17፣ ሮሜ 12፡1,2)። ከም’ቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣመልኪቱና ዘሎ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ኺትግብሮ ዚኽእል፡ እቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ጋሻን ስደተኛን ምዃኑ ዚፈልጥን ከምኡ ዀይኑ ዚነብርን ጥራሕ’ዩ። ንዘመን ግሽነትና ብጽድቅን ቅድስናን ክንነብሮ ዜኽእለና እንታይ’ዩ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ እቲ ናይ ኣርእስትና መሪሕ ጥቕሲ ብንጹር መሊሱልና’ሎ። ንዘመን ግሽነትና ጽድቅን ቅድስናን ክንፈርየሉ ዜኽእለና፡ ፈሪሃ-እግዚኣብሔር’ዩ። ዘመን-ግሽነትና ብፍርሃት እግዚኣብሔር እንተ ዘይኣመሓደርናዮ፡ ብዅለንተናና ዓለማውያን፡ ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣ ሰማያዊት ሃገር ዘይንበቅዕ ኴንና ኢና ንነብር። ኣብ ዘመን ግሽነትና ኸነማልአን ዚግብኣና ረቛሒታት፡ ክልተ’የን። ንሳተን ከኣ፦
1. ቅድስና ኽንለብስ (ክንመልእ)፡
2. ካብ’ቲ ዜርክሰና ሓጢኣት ርእስና ኸነንጽህ፡ እየን።
ነዚ ኽንገብር ዜኽእለና ጥበብና ኸኣ ፍርሃት እግዚኣብሔር ከም ዝዀነ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “. . . “ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶም’ውን ክመላለስ’የ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን’የ፡ ንሳቶም’ውን ህዝበይ ኪዀኑ’ዮም፡” ከም ዝበለ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። . . . እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት’ዚ ኻብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ’ቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።” ብምባል ገሊጽልና ኣሎ (2ቈረ 6፡16-18፣ 7፡1)። እግዚኣብሔር ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ህያው መቕደስ ክንኰኖ’ሞ፡ ኣባና ኺሓድርን ኪነብርን’ዩ ዚደልይ። ከም’ቲ ኣብ 1ቈረ 3፡16,17፦
“ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሓደ’ኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ (ብሓጢኣት) እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ’ዩ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ’ያ፡ እዛ ቤት ምቕደስ’ዚኣ’ውን ንስኻትኩም ኢኹም።” ተባሂሉልና ዘሎ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ዝረኸሰ ዘይኰነስ፡ ቅድስናኡ ኣብ ዝሓለወ መቕደስ ጥራሕ’ዩ ዚነብር። ናይ ዘመን ግሽነትና ዕላማ’ምበኣር፡ ንኣምላኽ ህያው መቕደስ ኴንካ ምግልጋል’ዩ። ቅድስና ናይ’ዚ ህያው መቕደስና ዚሕለው ከኣ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ።
ፍርሃት እግዚኣብሔር እንታይ ማለት’ዩ፧ ብኸመይ’ዩ ፍርሃት እግዚኣብሔር ንመቕደስ ስጋና ዜንጽሆን ዚቕድሶን፧ ቃል እግዚኣብሔር ብዚህበና መግለጺ መሰረት፡ ፍርሃት እግዚኣብሔር ማለት “ንጽድቂ ምፍታው፡ ንዓመጻ (ንሓጢኣት) ከኣ ምጽላእ” ማለት’ዩ (እዮ 28፡28)። ንጉስ ሰለሞን፦ “ንእግዚኣብሔር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ’ዩ፡ ኣነ’ውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ’የ።” ብምባል ትርጉም ፍርሃት እግዚኣብሔር ገሊጹልና’ዩ (ምሳ 8፡13)። ጐይታና ኢየሱስ፡ እቲ ናይ ፍርሃት እግዚኣብሔር ፍጹም ኣርኣያና’ዩ። ካብ ዕለተ ልደቱ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ፡ እቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኬርእዮ ዚግባእ ፍርሃት እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዚመስልን ብኸመይ ከም ዚግለጽን ብግብሪ ዘርኣየና ንሱ’ዩ። ንፍርሃት እግዚኣብሔር ብኸመይ ከም ዜርእየና፡ ኣብ’ቲ ብዛዕባኡ ብቕዱስ ዳዊት ዝተነግረን ብሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ዝተተርጐመን ትንቢት ተገሊጹልና ኣሎ። “ዎ ኣምላኽ፡ ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም’ዩ፡ ዘንጊ መንግስትኻ’ውን ዘንጊ ቕንዕና’ያ። ጽድቂ ትፈትው፡ ረሲእነት ትጸልእ፡ ስለ’ዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ።” መዝ 45፡6,7 (እብ 1፡8,9)።
መንፈስ ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዝነበሮ ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጹልና ኣሎ (ኢሳ11፡1,2)። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጊዜ ስቕለቱ ዘርኣዮ ፍርሃት ኣምላኽ’ውን ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኣሎ (እብ 5፡7)። ስለ’ዚ “ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣለና” ኽንብል እንተ ዄንና፡ ልክዕ ከም ጐይታና ንጽድቂ እነፍቅር ንሓጢኣት ከኣ እንጸልእ ክንከውን፡ ነዚ ምርጫና’ዚ ኸኣ ብግብሪ እነንጸባርቕ ክንከውን’ዩ ዚግባእ። ንኣምላኽ ምፍራህ ማለት ንኣምላኽ ብዝዘከርካ መጠን ክትርዕድን ከተንቀጥቅጥን ማለት ኣይኰነን። ከም’ዚ ዝበለ ስምዒት ንኣጋንንትን ነቶም ብኣታቶም ዚምርሑ ሰባትን ጥራሕ ዚምልከት’ዩ (ያእ 2፡19)። ናይቶም ንእግዚኣብሔር ዜፍቅሩ ሰባት ፍርሃት ግና፡ ከም’ዚ ናይ ጐይታና፡ ብግብራዊ መገድን ናብራን’ዩ ዚግለጽ። ስለ’ዚ ኸኣ ቃል እግዚኣብሔር፦ “ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሔር’ዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትስምዖ ኸኣ ኣይኪብይን’ዩ።” ብምባል ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ’ቶም ዘጥረይዎ ታሕጓስ’ምበር ጭንቀትን ራዕድን ከም ዘይፈጥር ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኢሳ 11፡3)። ንእግዚኣብሔር ዚፈርህ ሰብ ንህይወት ብቓልን ፍቓድን ናይ እግዚኣብሔር’ምበር፡ በቶም ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳቱ ኣይመርሓን’ዩ። ዘመን ግሽነት ከኣ ማእለያ ብዘይብሉ ንናይ ስምዒት ህዋሳትና ጸሚዱ ዚሕዝ ፍጻመታት ዝተመልአ’ዩ። ፍትወት ኣዒንት ዜለዓዕሉ ዅነታትን ተጓንፎታትን ማእለያ የብሎምን። ደድሕሪ ኣዒንትና እንተ ስዒብና፡ ኣመንዝራታት፡ ስሱዓት፡ ትዕቢተኛታት ኴንና ኢና እንተርፍ። ብፍርሃት ኣምላኽ ንምራሕ እንተ ዄንና ግን፡ ነዚ ኣበሳታት’ዚ እንጽየፈሉን እነርሕቐሉን ዓቕሚ ንረክብ (ምሳ 8፡13፣ መዝ 26፡4,5፣ 101፡3,4፣ እዮ 27፡4-6፣ ምሳ 8፡6,7)።
ብኸመይ’ዩ ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ዚሓድርን ዚዓዝዝን፧ ካብ ባዶ ተበጊሱ ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ኺሓድር ኣይክእልን’ዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ካብ ባዕሉ ኻብ እግዚኣብሔር’ዩ ዚርከብ። ንሱ ኸኣ ፍርሃቱ ኣብ ልብና ዜሕድረሉ ናቱ ጥበብ ኣለዎ። እቲ ቐዳማይ ምንጪ ናይ ፍርሃት ኣምላኽ፡ ቃል እግዚኣብሔር’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ሓቂ’ዚ፦
“ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ።” ብምባል ገሊጽልና ኣሎ (መዝ 119፡38)። ስለ’ዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ንነብዩ ሙሴ፦
“እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዚነብሩለን ኵሉን መዓልትታት (ኣብ ኵሉ ዘመን ግሽነቶም) ምፍራሀይ ኪመሃሩ፡ ንደቆም ድማ ኪምህሩ፡ ቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም።”
ኢሉ ኣዘዞ (ዘዳ 4፡10)። እቲ ኻልኣይ መገዲ ኸኣ፡ ጸሎት’ዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ልቡ ኺዓዝዘሉ ዚደልይ ሰብ ኬዘውትሮ ዚግባእ ከኣ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅዱስ ዳዊት፦ “ዎ እግዚኣብሔር ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡ መገድኻ ምሃረኒ፡ ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ።”
እናበለ ይምሕጸን ነበረ (መዝ 86፡11)። ኣስዒቡ’ውን፦ “ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፡ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ።” እናበለ እግዚኣብሔር ብፍርሃቱ ኺሕልዎን ኬማእዝኖን ንኣምላኹ ይልምን ነበረ (መዝ 141፡4)። እቶም ብሰሪ ሓጢኣቶም ብዙሕ መከራ ዝረኸቡ እስራኤላውያን፡ ጠንቂ ውድቀቶም እንታይ ምዃኑ፦
“ዎ እግዚኣብሔር ካብ መገድኻ ክንዘብል፡ ከይንፈርሃካ ድማ ልብና ኺተርር ዝሓደግካና ስለምንታይ ኢኻ፧ ስለ ባሮትካ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ። . . . ከም’ቶም ካብ ጥንቲ ዘይመለኽካዮም፡ ከም’ቶም ብስምካ ዘይተሰምዩ ዄንና ኣለና።” ብምባል ኣብ’ቲ ናይ ንስሓ ጸሎቶም ተኣሚኖም ኣለዉ (ኢሳ 63፡17,19)። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር፡ ፍርሃት ኣምላኽ ካብኡ ምዃና፦
“ንደሓን ርእሶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንደሓን ደቆምን ኪኸውንሲ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒ ሓደ ሓሳብን ሓደ ልብን ክህቦም’የ። ንኣታቶም ሰናይ ካብ ምግባር ከይዘሓጥሲ፡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፡ ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድር’የ።” ብምባል ኣረጋጊጹ’ዩ (ኤር 32፡39,40)። እግዚኣብሔር ዚገብሮም ተኣምራትን ኣብ ሓጥኣን ዜውርዶ ቕጽዓትን’ውን ሳልሳይ ኣብ ልቢ ሰብ ፍርሃት ኣምላኽ ዜሕድሩ ጥበባት’ዮም (ራእ 11፡13፣ ግብ 5፡1-11)።
እምበኣር፡ እዚ ኣብ ምድሪ ብህይወት እንነብረሉ ዓመታት ዘመን ግሽነትና ምዃኑ ንፈልጥን፡ ኣብኡ ድማ ከም ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኴንና ንነብርንዶ ኣለና፧ ንዘመን ግሽነትና እነመሓድረሉ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ኣለናዶ፧ እዚ ኽልተ ተዛማድን ኣገዳስን ኣርእስታት ኣብ ልብና እንተ’ልዩ፡ ናይ ህይወትና ፍረ፡ ጽድቅን ቅድስናን’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ኣጋይሽን ፈራህቲ ኣምላኽ ምዃንና ብግብራዊ መገዲዶ ነረጋግጽ ንህልው፧ ንዘመን ግሽነትካ ብፍርሃት ኣምላኽ ምስላምን ብፍትወት ስጋ ምግዕዛይን፡ ናይ ዘለኣላማዊ ህይወትን ክብርን፡ ከምኡውን ናይ ዘለኣለማዊ ስቓይን ውርደትን ዚኣክል ዓብይ ፍልልይ ስለ ዘለዎ፡ ንዘመን ግሽነትና ብፍርሃት ኣምላኽ ነማእዝና ምህላውና ወርትግ ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሕዳር ፲፱, ፳፻፲፬ ግዕዝ (28 ሕዳር 2021 ፈረ). መበል 12 ሰንበት: ቊ.19/፲፱ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ቈሎ 1፡21-ፍጻመ | 1ጴጥ 1፡13-ፍጻመ | ግብ 19፡27-ፍጻመ | ዮሃ 5፡17-27 | ዘእግዚእነ |
መዝ.፻፴፬፡፮ “እስመ አነ አእመርኩ ከም ዓቢይ እግዚአብሔር። ወአምላክነሂ እምኵሉ አማልክት። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።” ዓዲ፡ መዝ.፻፲፫፡፫ “አምላክነሰ ውስተ ሰማይ ላዕለ። በሰማይኒ ወበምድርኒ። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚኣብሔር።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ