እዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ’ቲ ኣኽሊል ምስጢራት ዝዀነ “ምስጢረ ቍርባን” ሰፊሕን ዓሚቝን ትምህርታዊ መሰረት ዘንበረሉኽፍሊ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ እቲ ዚግባእ ርድኢት ኪህልዎን እቲ ዚግባእ ስጕምትን ኪወስድ ዘይከኣለ ክርስትያን፡ እቲ ንርእሱ ንሓደጋ ዝመጠወ ዓሻ ክርስትያን እዩ። ብዛዕባ ኻልኦት ኣብያተ እምነታት ክንዛረብ እኳ እንተ ዘይደፈርና፡ ኣብዚ ናይ ሓበሻና ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን በዚ ምስጢር እዚ ዚምልከት ኣዚና ድሒርናን ካብ ጸጋ ጐዲልናን ከም ዘሎና ነጋሪ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ።
ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝተጠቕሰ ዓብዪ ሃይለ-ቃል ዝተዛረበ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንጎ ትምህርቱ ኣትዩ “መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ ተዛረበለይ፡” ምስ በሎ እዩ። ጐይታ ግና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሲቪላዊ ጕዳያት ኪጽመድ ስለ ዘይመጸ፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” ኢሉ መለሰሉ። ዋላ ነቲ ሓዉ እንተ ተዛረቦ’ውን ሕራይ ኢሉ ኸይመቕሎ ይኽእል እዩ። ብእኡ ዝኣመነ ወደ መዝሙሩ እንተ ዀነ ጥራይ እዩ ዚስምዖ። ስለዚ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብቶም ብይን ሂቦም ፈጺሚ ኺገብሩ ዚኽእሉ ምድራውያን ሹማምንቲ- ሕጊ ኪኸይድ ነበሮ።
ዕለት 13 ጥሪ 2006 ጥልመት ናይ እምነት ዝተፈጸመላ ፈታኒት ዕለት እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ እምነት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሓደ ዓቢይ ናይ እምነት ጅግንነት ዝተፈጸመላ እትድነቕ ዕለት እያ። 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምእንቲ እታ ዝመሓሉላ ሃይማኖት ከም ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየኒ መን እዩ ? ጸበባዶ ?
ሕመረት ወይ ማእከላይ መልእኽቲ ናይ ክርስትና፡ ንስሓ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ጸራግ መገዲ፡ እንኮ መልእኽቱ፡” መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ዚብል ነበረ (ማቴ 3፡1.2)። እቲ ጥምቀቱ ድማ “ጥምቀት ንስሓ” ይበሃል ነበረ (ግብ 19፡4)። ጐይታና ድማ ተጠሚቝን ንኣርብዓ መዓልታት ኣብ ምድረ በዳ ብዲያብሎስ ተፈቲኑ ምስ ተመልሰ፡ ንሱ’ውን መልእኽቱ፡ ልክዕ ከም ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ተነስሑ” ዚብል ኰነ። እቲ ዜገርም ኸኣ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱን ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱን ኺልእኮም ከሎ’ውን ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣዕጢቝ ምልኣኹ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ