ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ብዛዕባ ክልተ መስተንክር ዝዀኑ ተኣምራት ናይ ኣምላኽናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶ ዜዘንትው እዩ። እቲ ቐዳማይ ማዕበል ናይ ምህዳእ ተኣምር፡ መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ፡ “ጐይታ ሕገ ተፈጥሮ ምዃኑ ኼመልክተና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ተኣምር ከኣ “መላኽ ኣጋንንቲ” ምዃኑ ዜመልክተና እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዋላ እኳ ብዕልወት ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝወጹን ንእግዚኣብሄርን ሰዓብቱን ዚጻረሩ እንተ ዀኑ፡ ገና ኻብ ምልክን ቍጽጽርን ናይ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኸም ዘይዀኑ ዘርእየና ተኣምር እዩ።
ናይዚ መዓልቲ እዚ ናይ ወንጌል ንባብ ማእከላይ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ዮሃ 5፡24 ተገሊጹ ዘሎ፡ “እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” ዝብል እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚርከብ ብቓል ክርስቶስ እዩ።
“…ብኽፍኣቱ ዝጠዓስን ስለምንታይ ክፉእ ገበርኩ ዝብልን የልቦን፡፡ ንሕና ለባማት ኢና ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ኣሎ ይብሉ።…ብምኽሪ ርእሶምን ናይ ህልኽ ልቦምን ይኸዱ። ክንዲ ንቕድሚት ናብ ሰናይ ምድፋእሲ ንድሕሪት ናብ ክፍኣት ተመልሱ።…ንድምጺ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ዘይሰምዑ ተግሳጽ ዘይቅበሉ ምዃኖም ንገሮም ኢኻ። ሓቂ ጠፊኣ እያ፡ ብኣኣ ዝዛረብ’ውን ሓደ እኳ የሎን። ኤር 7፡24-28; 8፡4
ኣብዚ ናይዚ ዕለተ ሰንበት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሂቡና ዘሎ መጠንቀቕታ ኻብዚ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ርእስና ብንጽህና ኽንሕልው እዩ። ግብዝነት ማለት ኣምሰሉ ምዃን፡ ውሽጥኻን ደጌኻን ነንበይኑ ዀይኑ ድርብ መንነት ምሓዝ፡ ዕላማኻን ተግባርካን ዝተፈላለየ ምዃን ማለት እዩ። ጐይታና ብዛዕባ ኽብደት ናይዚ ኣበሳ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ከረን ስብከቱ ኺምህሮ ምድላዩ፡ ንዕቱብነት ናይቲ መልእኽቱ ዜመልክተና እዩ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትውን ደጋጊሙ ካብ ግብዝነት ኪሕለዉ ንደቀ መዛሙርቱን ነቲ ህዝብን ይዛረቦም ነበረ።
ምሥጢረ ክህነት
ሕድገት
ጸጋ ቅዱስ ቁርባን
ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራን ኢትዮጵያን)፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ቕንያት እቲ ኣብ ወቕቲ ክራማት ተዘሪኡ ናብ ፍረ ዝበቕዐ በብዓይነቱ እኽልታት ዚእከበሉ ናይ ቀውዒ ወርሓት እዩ። ስለዚ ድማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብዚ ዕለት እዚ፡ “ጸገየ ወይን፡ ወፈርየ ሮማን” እናበሉ መዝሙር ሰንበት ሰንበት ብምዝማር ነቲ ብፍርያት ምድሪ ዝባረኸና እግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ይስምንዑ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ