እዚ ዕለት እዚ፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ “በዓለ-ሓዋርያት” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። ካብ በዓል መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ድማ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያንና “ጾመ ሃዋርያት” ኢላ ዝሰመየቶ ጾም ኢና ተጸሚድና ጸኒሕና። ነዚ ዕለት እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ወንጌል ንባብ ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይን ንኽንደይን ንመንን ንሃዋርያነት ከም ዝሓረየ ዚገልጸልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ኻብቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ሰባት ንሃዋርያት ንምሕራይ ዝተጠቕመሉ ረቛሒታት እንታይ ምንባሩ ኣይገልጸልናን እዩ።
ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ክርስትና ብዙሓት ዝተፈላለዩ ክስታትን ዘደንጽዉ ፍርድታትን ተራእዮም እዮም። ከም መንፈሳዊ ሥርዓት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ብጊዜ ጾመ-ኣርብዓ ዝኾነ ክሲ ይዕበ ይንኣስ፡ ከቢድ ነገር ይኹን
ድሕሪ በኣተ-ክረምት (ምእትው ክረምቲ) እዚ ዕለት እዚ ኻልኣይ ሰንበት ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ምስላ ዘርእን ዘራእን’ ኢና ዝረኣና፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ክንመሃር ተሰሪዑልና ኣሎ። እዚ ኽቡርን ረቂቕን ምስላ እዚ፡ ንውልቀ ክርስትያንን ብዓባያ ንቤተ ክርስትያንን ኣዝዩ ዓብዪ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ኺትርጕመሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታና ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ዚትርጐም ኣብ ማቴ 13፡37-43 “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ (ክርስቶስ) እዩ።
ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ብዘንበብክዎ ሓደ ዛንታ ጽሑፈይ ክጅምር ባህ ይብለኒ። ንሱ ከኣ ሓደ እዋን እዩ ይበሃል ኩሎም ኣራዊት መሮር ኣንጻር ኣባጎብየ ከይበደሎም ከሎ፥ ኣብ ሕማቕ ምኽሪ ይሓብሩ እሞ፥ ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ክቐትልዎ ይሰማምዑ። ግናኸ ናይ ድንጋጸ ነገር ግዲ ኮይኑ፡ ዕንቍርዖብ እቲ ዝሓሰብዎ ሕማቕ ምኽሪ ብምሥጢር ነባጎብየ ተካፍሎ። ንሱ ከኣ እቲ ኩነታት ከቢድዎ ከውርዶን ከደይቦን ምስ ጸንሐ፡ ንምዃኑ እገሌኸ
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመና” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት’ዚ ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ምስናይ ትርጕሙ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈጸመን ገና ዝፍጸም ዘሎ ዕንወትን ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዘሎ እውናዊ ኩነታት ኩሉ ሰብ ምእንቲ ክፈልጦን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ