“ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትረኣዩ ኸይትገብሩተጠንቀቁ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።” ማቴ 6፡1
እዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ካብ ፍቕዲ ሓሙሽተ ዚጅምር እኳ እንተ ዀነ መሰረትን ኣርእስትን ናይቲ መልእኽቲ ግና ኣብ ፍቕዲ ሓደ’ዩ ዚጅምር። እዚ ኣርእስቲ እዚ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ከረን ስብከት ኣርእስትታት ሓደ እዩ።
ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ካብቲ ኣብ ወንጌል፡ ማቴ 6 ፍቕዲ 24 ተጠቒሱ ዘሎ፡ “ንኽልተ ጐይታት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩ” ዚብል ሓሳብ እዩ ዚብገስ። እቲ ገንዘብ ዝጐይታኡ ሰብ፡ ብዛዕባ ዚምገቦን ዚኽደኖን እዩ ዚጭነቕ። እቲ ኣምላኽ ዝጐይታኡ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደኣ ይሓልይን ይግደስን እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ድልየታቱ ኣይጭነቕን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ንሓደ ጐይታ ጥራይ ምግዛእ ዕሽነት ኰይኑ ተሰሚዕዎም፡ ብሓንሳእ ንኽልተ ተጻረርቲ ጐይቶት ኣብ ሓደ ሰብነት ኬአንግዱ ዚደልዩ ሰባት ምብዛሖም እዩ።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ “ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ዋና እቲ ኣታኽልቲ ነቲ ሕርሻ ዜድልይ ኵሉ ድሕሪ ምድላው፡ ነቲ ኣታኽልቱ ዚከናኸኑ ሓረስቶት ረኺቡ፡ ብመገስ ሂብዎም ናብ መገሻኡ ኸደ። መገስ ማለት ርብዒ ሲሶ ወይ ፍርቂ ናይቲ እቶት እናወሰዱ ኼገግልዎ ዚግበር ስምምዕ ማለት እዩ። እቲ ወይኒ ፍረ ዚህበሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ብጽሒቱ ኼምጽኡሉ ባሮቱ እንተ ለኣኸ፡ እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቶም ኪገብርዎ ስለ ዝደለዪ፡ ነቶም ልኡኻት ንገሊኦም ወቒዖም ስጐጕዎም ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም። እቲ በዓል ኣታኽልቲ፡ “ንወደይሲ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑ” ኢሉ እንተ ለኣኾ ድማ፡ እቲ ርስቲ ንሓዋሩ ናታቶም ኪኸውን ኢሎም፡ “እዚ እቲ ወራሲ እዩ።
ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ወትሩ ኣብ ቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ኣዝዩ ቅቡል ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። እቶም ናይ እምነት መራሕትና ዝኾኑ ነቢያትን ሓዋርያትን ዝበዝሐ ጸሎቶም ብንብዓትን ውሽጣዊ ስምዒትን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ