ዕለት 13 ጥሪ 2006 ጥልመት ናይ እምነት ዝተፈጸመላ ፈታኒት ዕለት እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ እምነት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሓደ ዓቢይ ናይ እምነት ጅግንነት ዝተፈጸመላ እትድነቕ ዕለት እያ። 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምእንቲ እታ ዝመሓሉላ ሃይማኖት ከም ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየኒ መን እዩ ? ጸበባዶ ?
ስደት ዶ ?ጥሜትዶ ? ዕርቃንዶ ? ድንገትዶ ? ሞት ኮነ ሕይወት መላእኽቲ ኮኑ ገዛእቲ፡ዘሎ ኾነ ዝመጽእ፡ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ ካልእ ፍጥረትውን እንተኾነ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ክፈልየና ዝኽእል ከምዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ። ብምባል እምቢ ንክሕደትን ምፍራስ ሕግን ክብሉ ከለዉ ዮፍታሀ ዲመጥሮስን ሰዓብቱ ጳጳሳትን ድማ ብፍርሕን ጉርሕን ሃይማኖቶምን ኣምላኾምን ጠሊሞም ኣለዉ።ሓዋርያዊ ማሕላ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ዕለተ ቅብኣቶም ኣብ ቅድሚ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብ25 ሚያዝያ 2004 ነዚ ዝስዕብ መንፈሳዊ ማሕላ ምሒሎም።
ኣነ ኣቡን እንጦንዮስ ብዘይ ዓቕመይ ብጸጋ እግዚኣብሔር ንሓንቲ ቅዱስት ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ኤርትራ ንፓትርያርክነት ዝተጸዋዕኩ፡
ብስሉስ ቅዱስ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ እምላኽ እኣምን፡ ብኣምላኽነት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እኣምን፡…. ብሰለስተ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት፡-
ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ናይ ፓትርያርክ ብሓደራን ብግቡእን ክፍጽም እግዚኣብሔር ክሕግዘኒ ንኣምላኸይ እልምን።
ብጹዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ፡ብጹኣን ጳጳሳትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኩሉኹም ቤተ ክህነትን ምእመናንን እታ እግዚኣብሔር ካብ ኢደይ ዝሓተኒ መጓሰ ክርስትና ብእምነት ምእንቲ ክሕልዋ ቅዱሳን ኣቦታተይን ክቡራን ኣሕዋተይን ብምኽርን ብግብርን ክትተሓባበሩኒ እናተላበኹ ኣብ ቅድሚ ኩሉኹም ርእሰይ የትሕት ኣሎኩ።
ጸልዩ ሊተ ኣበውየ ወኣሓውየ!(ኣቦታተይን ኣሕዋተይን ጸልዩለይ)።
ናይ ሕልና መልእኽቲ ካብ ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ኩሎም ክርስቶሳውያን ምእመናን
ኣቱም ኣሕዋተይ እቲ ወሪዱኒ ዘሎ ነገር ንምስፋሕ ወንጌል ከም ዝኾነ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። ስለዚውን ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ከም ዘሎኹ በቶም ቤት መንግስቲ ዝሕልዉ ወተሃደራትን በቶም ኩሎም ዝተረፉን ተፈሊጡ ኣሎ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣሕዋት ድማ ኣነ ስለ ዝተኣሰርኩ ኣብ ጎይታ ጸንዑ። ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋርውን ኣዝዮም ትብዓት ረኸቡ። ገሊኦም ብቕንእን ባእስን ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። እዞም ዳሕሮት ንወንጌል ስለ ዝተማጎትኩላ ከም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ።
እቶም ቀዳሞት ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኬምጽኡለይ ደልዮም ብቕንዕና ዘይኮነስ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። እሞከ ደኣ እንተ ብተንኮል እንተ ብቅንዕና ብዝኾነ መገዲ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ ።በዚ እሕጎስ ኣሎኹ ። ገናውን ክሕጎስ እየ። ከመይ እዚ ኩሉ ብጸሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን ንድሕነተይ ከም ዝድግፈኒ እፈልጥ እየ። ተግባረይ ንምፍጻም ከይሓፍር ከኣ በዓል ምሉእ ሃረርታን ተስፋን እየ። ከምቲ ኩሉ ሳዕ ሕጂውን እንተ ኾነ እንተ ብሕይወት እንተ ብሞት ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮ እየ። ከመይ ንዓይ ሕይወት ማለት ክርስቶስ እዩ። ሙማት ከኣ ረብሓይ እዩ።(ፊልጵስዩስ 1፡12-21።)
ደቂቀ እንጦንዮስ
ተመሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮለጅ
ኮርፐስ ክርስቲ ቴክሳስ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ