ብዘይካ ክንሰቅል ክንስቀል ዘይብሉ!።
ወዮም ኣባ በእንተ ከርሱ በዓል ኣባ በእንተ ከርሱ
ኣባ በዓል በእንተ ርእሱኣባ በዓል በእንተ ልብሱ
ስልጣን መን ቀደመ ተጓይዮም ወዮ ማሕላ ፈሪሱ
እቲ ቁዱስ ስፍራ ብግብሮም ረኺሱ
ንሕና ዝመሰለና ዝመንኮሱ
ንሶም ምስ ዓለም ቃል ኪዳን ክነግሱ
ውእ ትግዜ ድዩ ኣኺሉ ተጠሪሱ
እንታይዩ ዝኹሉ ጠፊኡናኾ ጥርሱ
እቲ ሓላፍነት ክርስቶስ ሸለል ኢልካ
ምስ ሄሮዶስ ክትመክር መአዝንካ ሲሒትካ
ን መልክዕ ጥራሕ ዘፈር ክዳንካ ኣንዊሕካ
ንሰብ ከተጥፍእ ብ ለይቲ ምስ ኣረሚ እናወዓልካ
ብ ማኪና ብምግያጽ ጫማካ ወዲኻ
ኩሉ ቅድሚ ሃይማኖት ኮይኑ ጭርሖኻ
ኣየ ከመይ ኪኸውን እዩ ኾን ቲ መወዳእታኻ
ዋእ አረ ብልብኻ ዲኻ ተጸሊልካ
ምስ ቃል ኪዳን ክትታኣታቶ ዓይንኻ ናረኣኻ!
ትፈልጦዶ ትኸውን!
ትፈልጦዶ ትኸውን እቲ ጽወዐኻ
መሳርሒ ዓለም ክትከውን ንጥፍኣት ተሸጥካ
ን ተዋህበካ ጸጋ ከም ድያብሎስ ረጊጽካ
ኢሰውረና ኣይትለክመና ጥራሕ በቲ ትሰርሖ ዘለኻ
እምበር በዓል ቤትስ ይመጽእ ኣሎ ክህበካ ዓስብኻ
ናብ ዲንን ሓውን ደርብዩ መክሊትካ ከሕድገካ
ኣንቱም ህዝቢ ዝግበር ዘሎ እሞ ረኣይዎ
እቶም ቅዱሳን ጥራሕ እግርም ዘምጽእዎ
ወዮም በዓ ቅዱስ ጀወርግስ ተሰይፎም ዘምጽእዎ
ሃወርያት ሰማእታት ጻድቃን ሂወቶም ሂቦም ዘጽንሕዎ
እውይ በሉ ናብ ኣምላኽ ርድኣና በልዎ
ፈተውቲ ዓለም መጺኦምሎሚ መኣዝኡ ዘጥፍእዎ
ኣንቱም ሰባት!
ኣንቱም ሰባት ብዘይካ ክንሰቅል ክንስቀል ዘይብሉ
ሃይማኖት ጠንጢኖማ ብረብሓ ይታለሉ
ኣኽሊል ግን ገይሮም ንዓና ከታልሉ
ሳጥናኤል ውን እኮ መልኣኽ እዩ ነይሩ
ግን ከ ተሰጊጉ ዕልዋ ብምግባሩ
እዚኦም ከኣ ዊስኪ ተተርኢሶም ምስ ነገስታት ዝውዕሉ
ን ወንገል ጎስዮም ኣብ ፖለቲካ ሃሰው ይብሉ
ገለ ፈንዩልና ኣምላኽ ትሰዓት ግዲ ኣኽIሉ
ኦርተደክሳውያን ንቅሑ ናብ ኣምላኽ ተማህለሉ
ምናል ባሽ መገዲ ቅዱስ ገብሪኤል ጎሲናያ ከይንህሉ
ነስተውዕል ነፍስና ምስኦም ከይንህሉ
ኑቁም በቢ ህላወነ በሉ
ከም ዩሁዳ ነቦኦም ብ ጠቅሚ ዝሸጡ
ክንደይ ኣለዋ ኣባጊዖም ቁጽረን ዘይፈልጡ
መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝረሓቆም ብኹሉ ተፈልጡ
ወንገል ከተልዕለሎም ከም ሕሱም ዘዕለብጡ
ኣብ ክንዲ መጽሓፍ ቅዱስ ቢራ ዝጭብጡ
ኣብ ክንዲ ብስብከተ ወንገል ብ ኣልኮል ልቦም ዝሓበጡ
ኣንቱም ኣሕዋት
ኣንቱም ኣሕዋት በጃኹም ኣእዉዩ ናብ ሰማየ ሰማያት
ኣምላከ እስራኤል ርድኣና ንበሎ ብጸሎት ምስናይ ንብዓት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ