ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝሓ ዓለም፡ ‘ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡’ ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ ‘ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።” ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 11፡29,30)። ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።” ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 2፡21)።
መራሒ 3 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ብዘይ ገበን።
ኣቱም ኣሕዋተይ እቲ ወሪዱኒ ዘሎ ነገር ንምስፋሕ ወንጌል ከም ዝኾነ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። ስለዚውን ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ከም ዘሎኹ በቶም ቤት መንግስቲ ዝሕልዉ ወተሃደራትን በቶም ኩሎም ዝተረፉን ተፈሊጡ ኣሎ።
ምሥጢረ ክህነት
ሕድገት
ጸጋ ቅዱስ ቁርባን
ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌልን ካልኦት ንባባትን ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘብዓልናዮ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዚምልከቱ እዮም። እቲ ንምእመናንን ኣገልገልትን ዚወሃብ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ዓለም ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ ኽሳዕ ዘለኣለም ምሳና ዚነብር እዩ። እዚ መንፈስ‘ዚ ድማ ብክርስቶስ ንዚኣምንን ንዚስዕብን ኵሉ ዚወሃብ ምዃኑ ቓሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዚነብር ቅብኣት (መንፈስ ቅዱስ) ኵሉ ጊዜ ይምህረናን ይመርሓናን እዩ።
ክርስቶስ ማለት ክቡር ኢየሱስ ድማ ፈውሲ ማለት እዩ። እምበኣር ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ክቡር ጎይታ ሰማይን ምድርን ፈውሲ ኩሉ ፍጡርን ማለት እዩ። ትእዛዝ ክርስቶስ ዝፍጽምን ኣሰሩ ዝስዕብን ድማ ክርስቲያን ይበሃል።
ኣዳም ዝሞተ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈጸመ ምእማንን ዘይምእማንን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንሕናውን ብዘይ ግብሪ ኣሚነ ጥራይ ኢልና ምደሓንና ኔርና። እንተዀነ ኣዳም ብግብሪ ካብታ ዘይትብላዕ ኦም ስለዝበልዔ ክሕደቱ ብግብሪ ኣርኣየ። ሕጂ’ውን ሰብ ኣሚነ ክብል እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ሥጋ ክርስቶስ እንተዘይበልዐ፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝፍጸም ምእማን ጥራይ ህይወት ክረክብ እዩ ማለት ኣየስምዕን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፥ … (ዮሃ፡ 6፡55-56) ኣይምበለን። Read more...
ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ጀሚርና ኽሳዕ እዚ ዕለት እዚ ንኣስታት ሾብዓተ ሰናብቲ ኽንዝኽሮን፡ ንእኡ ዚምልከቱ ንባባት ኸነንብብን፡ ከምቲ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ “ክርስቶስ ተንስኣ እምሙታን” እናተባሃሃልና ክሳዕ እዛ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ብእኡ ሰላምታና ኽንለዋወጥ ኢና ጸኒሕና። ምኽንያቱ እቲ “ተስፋ ኣቦ” ዝተሰምየ መንፈስ ቅዱስ ኽንቅበል ዘብቅዓና ትንሳኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ሰላም ዝኽበርኩም አዳለውቲ እዚ መደብ ነዚ መንፈሳዊ መደብኩም ምስ ረኽብክዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ደስ ኢሉኒ’ሞ መንፈሳዊ ሰላምታይ ተቕበሉኒ ይብለኩም። ንቐፃሊ ድማ ዘሎኒ ሓበሬታን ርኢቶን ከምዝሰደልኩም ቃል ይአትወልኩም ሰላም ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራን!
ዲ/ን ብርሃነ ገ/ሚካኤል ካብ መቐለ-ኢትዮጵያ
እዚ ናይዚ ዕለት’ዚ ንባብ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ብዛዕባ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ እዩ። ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።
ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ኣሕዋትን ወለድን። ከመይ ኣለኹም? ኣብ ስራሕኩም እግዚኣብሄር ክሕግዘኩም ናይ ወትሩ ጊዜ ጸሎተይ እዩ። ኣነ ካብ ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ትቕመጡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሩህ ተስፋ ክጽበ እየ ጸኒሐ። እንሆ ብሩህ ተስፋይ ሓደ ኢሉ ጀሚሩስ ድሮ እኳ ፕሮፈሶር ብክህነት ክቕባእ ሰሚዐ ኣለኹ እሞ ሓጎሰይ ወሰን ስኢነሉ ብሓጎስ ነቢዐ። እሞ ንኹልኹም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ እንቋዕ ሓጎሰኩም። ኣምላኽ እምነትና ይባርኽ። ንስኹም ከኣ ኣጆኹም ኣሕዋትን ወለድን እናበልኩ ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን።
ሰላም, ቻው።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ