እዚ “ዳግማይ ትንሳኤ” ኢልና ነብዕሎ ዘሎና መዓልቲ እቶም ደቂ መዛሙርቱ ብሓደ ኣብ ሓንቲ ገዛ ተኣኪቦም ከለዉ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጋህደሉ መዓልቲ ንምዝካር ዝዓለመ በዓል እዩ። ቅድሚ ንኣታቶም ምርኣዩ፡ ንሒደት ቅዱሳት ኣንስትን ንሰብ ኤማሁስን ተራእይዎም እዩ። እተን ኣንስቲ መጺአን ከም ዝረኣያኦ ምስ ነገራኦም፡ እቲ ዘረባ’ቲ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ፈጺሞም ኣይኣመንወንን ነበሩ። ጐይታ ድማ ነዚ ዘይምእማኖም እዚ ምእንቲ ኺፍውስ፡ ንዅሎም ኪረኣዮም መረጸ። ምኽንያቱ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኰይኖም ንምልእቲ ዓለም ዚሰብክዋ ንሳቶም እዮም።
መራሒ 3 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ብዘይ ገበን።
ኣቱም ኣሕዋተይ እቲ ወሪዱኒ ዘሎ ነገር ንምስፋሕ ወንጌል ከም ዝኾነ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። ስለዚውን ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ከም ዘሎኹ በቶም ቤት መንግስቲ ዝሕልዉ ወተሃደራትን በቶም ኩሎም ዝተረፉን ተፈሊጡ ኣሎ።
ምሥጢረ ክህነት
ሕድገት
ጸጋ ቅዱስ ቁርባን
ማርያም መግደላዊት ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓንቲ ዀይና፡ ካብተን ንጐይታና ናብ ዝኸዶ ዅሉ ዝሰዓባኦ ቅዱሳት ኣንስቲ ነበረት። ጐይታ ነቶም ኣብኣ ዝሓደሩ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ኣውጺኡ ምሕረት ዝሃባ ፈዋሲኣ ስለ ዝነበረ ኣዝያ ተፈቅሮ ነበረት (ሉቃ 8፡2-3)። እንተ ዀነ፡ ነቲ እተፍቅሮ ጐይታ፡ እቲ ሕሱም ሞት ካብኣ ፈልዩ ስለ ዝወሰዶ ናብ ዓሚቚ ሓዘን ኣተወት። እቲ ቕድሚ ሞቱ ኺግበረሉ ዚግባእ ኵሉ ተማሊኡ ዘይተገብረሉ ዀይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ገና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት።
ክርስቶስ ማለት ክቡር ኢየሱስ ድማ ፈውሲ ማለት እዩ። እምበኣር ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ክቡር ጎይታ ሰማይን ምድርን ፈውሲ ኩሉ ፍጡርን ማለት እዩ። ትእዛዝ ክርስቶስ ዝፍጽምን ኣሰሩ ዝስዕብን ድማ ክርስቲያን ይበሃል።
ኣዳም ዝሞተ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈጸመ ምእማንን ዘይምእማንን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንሕናውን ብዘይ ግብሪ ኣሚነ ጥራይ ኢልና ምደሓንና ኔርና። እንተዀነ ኣዳም ብግብሪ ካብታ ዘይትብላዕ ኦም ስለዝበልዔ ክሕደቱ ብግብሪ ኣርኣየ። ሕጂ’ውን ሰብ ኣሚነ ክብል እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ሥጋ ክርስቶስ እንተዘይበልዐ፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝፍጸም ምእማን ጥራይ ህይወት ክረክብ እዩ ማለት ኣየስምዕን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፥ … (ዮሃ፡ 6፡55-56) ኣይምበለን። Read more...
እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ዚ ጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” ተባሂሉ ዝተነግረ እዩ (መዝ 118፡25-26)።
ሰላም ዝኽበርኩም አዳለውቲ እዚ መደብ ነዚ መንፈሳዊ መደብኩም ምስ ረኽብክዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ደስ ኢሉኒ’ሞ መንፈሳዊ ሰላምታይ ተቕበሉኒ ይብለኩም። ንቐፃሊ ድማ ዘሎኒ ሓበሬታን ርኢቶን ከምዝሰደልኩም ቃል ይአትወልኩም ሰላም ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራን!
ዲ/ን ብርሃነ ገ/ሚካኤል ካብ መቐለ-ኢትዮጵያ
እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ” ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ብርግጽ እቲ ቐዳማይ ልደትና እቲ ካብ ኣብራኽ ወለድና ዝተወለድናዮ ስጋዊ ልደት እዩ። በቲ ካብ ምዕራባውያን ዝተወርሰ ባህሊ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ነቲ ስጋዊ ልደቱ’ዩ ዓመት መጸ ብብዙሕ ወጻኢታት ኬኽብር ዚረኣይ። ነቲ ዝዓበየን ንዘለኣለማዊ ዕጫኡ ዚውስንን ካልኣይ ልደቱ ዚዝክር ግና ዳርጋ የልቦን ኪብሃል ዚከኣል እዩ። እቲ ቐዳማይ ልደትና ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ናይ ምንባር ዕድል ኪፈጥረልና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ልደት ግና ኣብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንባር ረብሓን ክብርን እዩ ዜውርሰና።
ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ኣሕዋትን ወለድን። ከመይ ኣለኹም? ኣብ ስራሕኩም እግዚኣብሄር ክሕግዘኩም ናይ ወትሩ ጊዜ ጸሎተይ እዩ። ኣነ ካብ ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ትቕመጡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሩህ ተስፋ ክጽበ እየ ጸኒሐ። እንሆ ብሩህ ተስፋይ ሓደ ኢሉ ጀሚሩስ ድሮ እኳ ፕሮፈሶር ብክህነት ክቕባእ ሰሚዐ ኣለኹ እሞ ሓጎሰይ ወሰን ስኢነሉ ብሓጎስ ነቢዐ። እሞ ንኹልኹም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ እንቋዕ ሓጎሰኩም። ኣምላኽ እምነትና ይባርኽ። ንስኹም ከኣ ኣጆኹም ኣሕዋትን ወለድን እናበልኩ ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን።
ሰላም, ቻው።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ