እዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ’ቲ ኣኽሊል ምስጢራት ዝዀነ “ምስጢረ ቍርባን” ሰፊሕን ዓሚቝን ትምህርታዊ መሰረት ዘንበረሉኽፍሊ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ እቲ ዚግባእ ርድኢት ኪህልዎን እቲ ዚግባእ ስጕምትን ኪወስድ ዘይከኣለ ክርስትያን፡ እቲ ንርእሱ ንሓደጋ ዝመጠወ ዓሻ ክርስትያን እዩ። ብዛዕባ ኻልኦት ኣብያተ እምነታት ክንዛረብ እኳ እንተ ዘይደፈርና፡ ኣብዚ ናይ ሓበሻና ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን በዚ ምስጢር እዚ ዚምልከት ኣዚና ድሒርናን ካብ ጸጋ ጐዲልናን ከም ዘሎና ነጋሪ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ።
እዚ ምስጢር እዚ፡ ኣዝዩ ዓብይን ረቂቕን ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ንብዙሓት ንምርድኡ ዀነ ንምቕባሉ ጭንቂ ዀይንዎም፡ ንድሕሪት ኪምለሱን ካብ ክርስቶስ ኪፍለዩን ቀሲብዎም እዩ። ጐይታ ግና ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኼእትዎ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ፡ ንሃዋርያቱ ኸይተረፈ ነዚ ምስጢር እዚ ምእማኑን ምትግባሩን ዜጸግሞም እንተ ዀይኑ፡ ኪኸዱ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋጊጹሎም እዩ። እምበኣር ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን ግቡእ ርድኢት ካብ ምውናን ሓሊፍና ብግብራዊ ስጕምቲ ኽነብረሉ ዚግብኣና ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን እዩ። ጐይታና፡ ብዛዕባ ብስጋኡን ደሙን ዚፍጽሞ ምስጢር ገና ካብ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ ጽላሎታዊ መልእኽቲ ሂቡና እዩ። ንሱ ድማ በቲ ኻብ ሰማይ ዘውረዶ ማናን፡ በቲ ንመስዋእቲ ዚቐርብ ዝነበረ ገንሸል እዩ። ማና፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እምበር ካብ ምድሪ ዝተወስደ እንጌራ ዘይምዃኑ፡ እቲ ዝዓበየ ጽላሎታዊ ምስሊ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን እዩ። ስለዚ ድማ ጐይታ “ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ፡ ካብኡ ዚበልዕ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ” ኢሉ ኣረጋገጸልና (ዮሃ 6፡50,51)። መዓልታዊ ዚወርድን ዚእከብን ምዃኑ፡ ኪተርፍን ኪሓድርን ዘይክእል ምዃኑ ወዘተ ርኢኻ ብሓቂ ንስጋ ክርስቶስ ዚውከል ፍጹም ምስሊ ከም ዝዀነ የረጋግጸልና። “ናይ ዕለት እንጌራና ሃበና” ኢልና ኽንጽልይ ከሎና፡ ብዛዕባ እዚ ነባሪ እንጌራ እዚ እምበር ብዛዕባ እቲ ብጻዕርና እንረኽቦ እንጌራ ስጋ ኸም ዘይኰነ፡ “ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሓቲምዎ እዩ’ሞ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ (ብልዕኹም) ኣይትግበሩ።” ብዚብል ቃል ኣረጋጊጹልና እዩ (ዮሃ 6፡27)። እቲ ዚሰውእዎ ገንሸል ፋሲካ’ውን ብትኽክል ናይ ስጋኡን ደሙን ምስሊ ኣብ ብሉይ ኪዳን ምዃኑ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብሰፊሑ ዝተገልጸ ምስጢር እዩ። ጐይታና ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን ነዚ ዚስዕብ ዓሚቝ ምስጢራት ገሊጹልና ኣሎ።
1. ናይ ዘለኣለም ህይወት የውህብ፦ ጐይታ፡ “ኢየሱስ በሎም፡ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ’ውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።” ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኣብሪሁልና ኣሎ (6፡53-54)። ስለዚ እቲ “ብክርስቶስ ኣሚነ’የ” ዚብል ክርስትያን፡ ብዘይ እዚ ሰጋ እዚ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ትንሳኤን ከም ዘይህልዎ ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። እምበኣር እቲ ካብዚ ስጋን ደምን እዚ ከይካፈል ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ዝወሰነ ሰብ፡ ውሉድ ትንሳኤ ከይከውንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከይረክብን ወሲኑ ኸም ዘሎ ኼስተውዕል ይግብኦ። ብሓቂ ብክርስቶስ ኣሚንካ እንተ’ሊኻ ነዚ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ ጐይታና ብኣጽንዖት ዝተዛረበሉ ቓሉ ኣሚንካ ዘይተተግብረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። መብዛሕትኡ ምእመን ካብ ስጋኡን ደሙን ድሕሪ ምኽፋሉ ሓጢኣት ምግባር ስለ ዜፍርሆ ኸም ዘይወስድ እዩ ዚዛረብ። ብመሰረቱ እዚ ምስጢር እዚ ንስርየት ሓጢኣት፡ ንሓጢኣተኛታት ተባሂሉ ዝተሰርዐ እዩ። ስለዚ “ሓጥእ’የ” ኢሉ ኻብ ቅዱስ ቍርባን ዚሃድም ሰብ፡ ልኽዕ ከምቲ “ሕሙም’የ ኢሉ ካብ ሓኪምን መድሃኒትን ዚሃድም ሰብ እዩ። ካብቲ “ንኸይንካፈል ዓጊቱና” እንብሎ ሓጢኣት ንላዕሊ፡ እዚ ምኽንያት እዚ እቲ ዝኸፍአ ሓጢኣት እዩ። ጐይታ ነዚ ምስጢር እዚ ኺሰርዖ ኸሎ፡ ነቲ ሕብስቲ ባሪኹ ድሕሪ ምቝራሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ’ሞ ብልዑ” በሎም፡ ጽዋእ ወይኒ ኣልዒሉ ድሕሪ ምብራኽ ከኣ፡ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ፡ ካብዚ ኵልኻትኩም ስተዩ።” ኢሉ ነዚ ስርዓት እዚ ዝሰርዓሉ ዕላማ ኣነጺሩ ነጊሩና እዩ (ማቴ 26፡26-28)። ምስናይ ሓጢኣትና ብድፍረት ክንወስዶ ኸም ዘይግብኣና፡ ቅድም ብሓቀኛን ግብራውን ንስሓ ርእስና ኸነጽርይ ከም ዚግባኣና ዘየተሓትት እዩ። ካብ ንሓጢኣት ምድሕዳግ፡ ነቲ ብጐይታ “ውሰድዎ” ዝተበሃልና ስጋኡን ደሙን ምሕዳግ ግን፡ ካብኡ ንላዕሊ ፍዳ ዘየልቦ ዀይኑ እምበር፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ምኽላእ እኳ ዚውሕዶ፡ “ካብ ስጋኻን ደምካንሲ ሓጢኣተይ ይሕሸኒ” ዝዓይነቱ ኸቢድ ኣበሳ እዩ።
2. ንሕና ኣብ ክርስቶስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣባና ኺነብር ይረድኣና፦ነዚ ሓቂ እዚ ጐይታ፡ “እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰትይ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ።” ብዚብል ቃል ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ (6፡56)። ክርስቶስ ኣባና ንሕናውን ኣብኡ ዘይንነብር እንተዄንና ቀዳማይ ጕድኣቱ ፈጺምና መንፈሳዊ ፍረ ኸነፍርይ ዘይንኽእል ምዃኑ እዩ (ዮሃ 15፡4-7)። ካልኣይ ጕድኣቱ ድማ ቃሉ ኣባና ኺሓድር ዘይክእል ምዃኑ እዩ (1ዮሃ 2፡24)። ሳልሳይ ድማ፡ ንቓሉ ኽንሕልዎን ክንእዘዞን ኣይንኽእልን ኢና (1ዮሃ 3፡24)። ብወዲ ኣምላኽ ኸም ዘይኣመንና ዜረጋግጽ ምዃኑ ድማ ራብዓይ መረጋገጺ እዩ (1ዮሃ 4፡15)። ፍረ ዘይብልና፡ ንቓሉ ኽንእዝዝ ዘይንኽእል ድኹማት ክርስትያን ዚገብረና ዘሎ ድማ ካብቲ ክርስቶስ ዝኣዘዞን ዝሰርዖን ቀንዲ ምስጢር ምፍላይና እዩ። እቶም ቅዱሳት ሃዋርያቱ ግና፡ ኣብታ ህይወቶም ክርስቶስ እምበር ንሳቶም ይነብሩ ኸም ዘየለው ኽሳዕ ዚእመኑ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ርግጸኛታት ነበሩ (ገላ 2፡20)። ከምቲ ኣብ ሮሜ 8፡10 “ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና በቲ ሓደ ወገን እቲ ስጋኹም ብሰሪ ሓጢኣት ምውት እዩ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ እግዚኣብሄር ስለ ዘጽደቐኩም እቲ መንፈስኩም ህያው እዩ።” ተባሂሉልና ዘሎ፡ እቲ ድሕነትን ጸድቅን ዚናፍቕ ኵሉ፡ ክርስቶስ ኣብኡ ኸም ዘሎ (ኸም ዚነብር) ርግጸኛ ኪኸውን ናይ ግድን እዩ። ኣባና ሓዲሩ ከም ዘሎ ድማ፡ ብግምት (by assumption) ዘይኰነስ፡ በዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ምስጢር ብግብራዊ መገዲ ኸነረጋግጾ እዩ ዚግብኣና።
3. ምእንቲ ክርስቶስ ክንነብር የኽእለና፦ነዚ ሓቂ እዚ ጐይታና፡ “ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣከኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘለኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ።” ብዚብል ቃል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (6፡57)። ብመሰረቱ ክርስቶስ ጐይታና፡ ርእሱ መስዋእቲ ዝገበረ፡ ደሙ ዘፍሰስ፡ ኪዕድገናን ናይ ርእሱ ኺገብረልናን ስለ ዝደለየ እዩ (1ቈረ 6፡19,20 ቲቶ 2፡14 ራእ 5፡9,10)። ስለዚ ካብታ ናይ ክርስቶስ ንምዃን ዝኣመንናላ መዓልቲ ንደሓር ናይ ገዛእ ርእስና ስለ ዘይኰንና፡ ንእኡ ጥራይ እምበር ንርእስና ኢልና ኽንነብር ኣይፍቀደልናን ኣይግብኣናን ኸኣ እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ድሕሪ ሕጂ እቶም (ብህይወት) ዘለው፡ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን (ክርስቶስ) እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ። . . . ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር የልቦን እሞ ንርእሱ ዚመውት ኸኣ ሓደ እኳ የልቦን፡ ብህይወት እንተ ነበርና ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና።” ብምባል ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ (2ቈረ 5፡15 ሮሜ 14፡7-8)። ስለዚ በዚ ብኽቡር ደም ዝተዓደገ ህይወት፡ ንዋንኡ ሓዲግካ ንርእስኻ ምንባር ኣዝዩ ኸቢድ ጥልመትን ዓመጽን እዩ። ስጋኡን ደሙን ምውሳድ ድማ ካብዚ ግብሪ ዓመጻ እዚ ምእንቲ ኼድሕነና’ዩ ዝተሰርዓልና። እቲ ሕብስቲ ስጋ ክርስቶስ፡ እቲ ወይኒ ድማ ደም ክርስቶስ ምዃኑ ኣሚንካ ክትወስድ ከሎኻ፡ “ምእንቲ ነዚ ዝሞተለይ ስጋን ዝፈሰሰለይ ደምን ክነብር እየ” ኢልካ ኺዳን ትኣትው ከም ዘሎኻ ክትዝንግዖ ኣይግባእን። እቲ ከይወስድ ዝወሰነ “ክርስትያን” እቲ ኣብ ዘይናቱ ስጋ ንርእሱ ኺነርብ ዝመረጸ፡ ንክርስቶስን ንቓሉን ኪጻረር ዝተዓጥቀ ሰብ እዩ። ነቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን ዝሃቦ ምስክር ዘይኣመኖን ዘይተግበሮን ሰብ፡ ንሱ ንክርስቶስ ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ። በቲ ንድሕነቱን ንጽድቁን ዘሰርዐ ምስጢር ኪሓጥእን ኪጠፍእን መሪጹ ኣሎ ማለት እዩ። ብዙሓት ምእመናን፡ ከነቐስድን ቃል እግዚኣብሄር ክንሰምዕን ናብቲ ስጋኡን ደሙን ተዳልዩ ዚጽበየና ዘሎ ቤተ ክርስቲያን መጺእና ኸነብቅዕ፡ ካብኡ ኸይተኻፈልና ረጊጽና ኢና ንወጽእ። ጐይታ ግና፡ “ዅልኻትኩም ካብዚ ብልዑን ስተዩን” ኢሉ እዩ ዝኣዘዘና። ሓደ ዘመድና ወይ ፈታዊና ዚብጽሓና ሰብ፡ ምድራውን ሓላፍን ምግቢ ኣዳልዩ ኺዕድመና ኸሎ፡ “ዓዳምን መኽበሪ፡ ኣባይን መሕሰሪ” ኢልና ንመኽበሪና ኸይነሕስር ትሕዝቶና ሒዝና ኽብሪ እናተሰምዓና ተኣኒንና ኢና እንኸይድ። ክርስቶስ፡ እቲ ንጉስ ነገስታትን፡ ጐይታ ጐይቶትን ዝዀነ ክቡር ኣምላኽ ኪዕድመና ከሎ ግና፡ ይትረፍ ነቲ ህያው ቃሉን ፍቓዱን፡ ነቲ ምስላ ኣቦታትና ዘኺርና እኳ ነቲ ኽቡር ጐይታ ነሕስር ከም ዘሎና ንርስዖ ኣሎና። ነቶም በቲ ንጉስ ናብ መርዓ ወዱ ዝተዓደሙ እሞ ዚመስልን ዘይመስልን ምኽንያት ኣቕሪቦም ዝኣበዩ ዕዱማት “ካብቶም እተዓደሙ ሰባት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕምን እዩ” ብምባል ፍርዱ ሃበ (ሉቃ 14፡24)። ጐይታ ነዚ ምስላ እዚ ዝመሰለ፡ ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ዝተቐመጡ ሓደ ሰብ፡ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ” ምስ በሎ እዩ (ሉቃ 14፡15)። እቶም ተገቢእዎም ካብቲ ቕዱስ መኣዲ ናይ ስጋኡን ደሙን ዝተኻፈሉ፡ ኣብ ሰማያት ምስ ኣብርሃምን ይስሃቕን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም (ማቴ 8፡11)። ጐይታ ነቶም ኣብ ምጽኣቱ ተዳልዮም ዝጸንሕዎ ኣብ መኣዲ ኣቐሚጡ ባዕሉ ተዓጢቑ ኸም ዜገልግሎም ባዕሉ ገሊጹ እዩ (ሉቃ 12፡36,37)። ነቲ ኣብ ምድሪ ዘዳለዎ መኣዲ ዝተሓሰመን ረጊጽዎ ዝኸደን ሰብ ግና፡ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መኣዲ ኪሳተፍ ፈጺሙ ኣይብቝዕን እዩ። “እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዓደሙ ብጹኣን እዮም” ተባሂሉልና ስለ ዘሎ፡ ነዚ ብጽእና እዚ ምእንቲ ኽንበቕዖ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ብቤተ ክርስቲያን ዝተዳለወልና መኣዲ ስጋኡን ደሙን ተገቢኡና ንካፈሎ። ነቲ ናብ ድርብ መኣዲ ዝዓደመና ቅዱስ ገንሸል ክብሪ ይኹን!!
ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ነሓሰ 26, 2018 (ነሓሰ 20, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 145፡14-15 ዐይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ ኣንተ ትሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ ትሰፍሕ የማነከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበሥርዓትከ “እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዂሎም ይድግፎም፡ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዂሎም የልዕሎም። ኣዒንቲ ዂሎም ንኣኽ ኣይጽበያ፡ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም።” ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
እብ 3፡1-ፍጻ
|
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 6፡41-ፍጻ |
ያእ 5፡1-12 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘኤጲፋንዮስ (ዐቢይ) |
ግብ 22፡1-22 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ