S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መን እዩ ሃብታም፧

ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝተጠቕሰ ዓብዪ ሃይለ-ቃል ዝተዛረበ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንጎ ትምህርቱ ኣትዩመምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ ተዛረበለይ፡ምስ በሎ እዩ። ጐይታ ግና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሲቪላዊ ጕዳያት ኪጽመድ ስለ ዘይመጸ፡ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧ኢሉ መለሰሉ። ዋላ ነቲ ሓዉ እንተ ተዛረቦውን ሕራይ ኢሉ ኸይመቕሎ ይኽእል እዩ። ብእኡ ዝኣመነ ወደ መዝሙሩ እንተ ዀነ ጥራይ እዩ ዚስምዖ። ስለዚ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብቶም ብይን ሂቦም ፈጺሚ ኺገብሩ ዚኽእሉ ምድራውያን ሹማምንቲ- ሕጊ ኪኸይድ ነበሮ።

ጐይታ ግና በዚ ናይ ሰብ እዚ ሕቶ ተበጊሱ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ገንዘብን ስሰዐን ነቲ ህዝቢ ጽቡቕ ኣስተምህሮ ኺህብ ተላዕለ። ነቲ ህዝቢ፡ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስሰዐ ኸኣ ርእስኹም ሓልዉ፡ኢሉ ድሕሪ ምምዓዱ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምስላ ነገሮም። ዳርጋ ዅሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ግና፡ ዋላ እቲ ዝበዝሕ ንጡፍ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ እትርከብን እትምቅርን ስለ ዚመስሎ፡ ደድሕሪ ገንዘብ ኪጐይይ ባርያ ገንዘብ ኰይኑ ይርከብ። እቲ ባዕላትና ሰሪሕና ይኹን ሰሪቕና ዘብዛሕናዮን ዝኣከብናዮን ገንዘብ ጐይታና ዀይኑ ኪገዝኣና ንዕዘብ ኣሎና። ኣብዚ ዓለምና ድማ፡ገንዘብ፡ ንፉዕ ባርያ ግን ከኣ ሕሱም ጐይታ እዩዚብል ብሂል ኣሎ። ናይ ገንዘብካ ጐይታ እንተ ዄንካ፡ እቲ ገንዘብ ንፉዕ ኣገልጋሊኻ እዩ ዚኸውን። ከምቶም ባዕሎም ንዝሰርሕዎ ጣኦትኣምላኸይኢሎም ዚግዝኡ ዓያሱ እንተ ዄንካሉ ግና፡ ከም ሕሱም ጐይታ ብግፍዒ እዩ ዚገዛኣካ። ሓጢኣትካ ማዕሪኡን ልዕሊኡን ከም ዚበዝሕ እዩ ዚገብሮ። ሓሳዊ፡ ሰራቒ፡ መታለሊ፡ ስሱዕ፡ ቀናእ፡ ንፉግ (በቃቕ) ዕቡይ፡ ኣመንዝራ፡ ጨካን ወዘተ እዩ ዚገብረካ። ስለዚ ካብቲ ብገንዘብ እትህብትሞ ንላዕሊ ብሓጢኣት ኢኻ ብዝያዳ እትህብትም ማለት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና፡ ናብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፋትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጉድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቑ፡ ፍቕሪ ገንዘሰብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ካብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።ብምባል ብብዝሒ ገንዘብ ህይወት ዘይኰነስ ሞትን ስቓይን ብርሰትን ጥፍኣትን ከም ዚበዝሕ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ጢሞ 69,10) ንጉስ ሰለሞን እሞ ኸኣ፡ ክትህብትም ምድላይ ብእግዚኣብሄር ከም ዜቕጽዕ ገሊጹልና ዘሎ (ምሳ 2820) ምኽንያቱ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝዘርዘሮ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ስለ ዘለዎ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር፡ ሃብቲ ናይ እግዚኣብሄር ህያብ ምዃኑ እዩ ዚገልጸልና (ዘዳ 818 1ዜና 2912 መክ 519 ሆሴ 28) ብእግዚኣብሄር ዘይተዋህቦ ሃብቲ ኺእክብ ዚደልይ ሰብ ብዓመጽን ብስርቅን ብምትላልን ብስሰዐን ጥራይ እዩ ኺእክቦ ዚኽእል። ቀረጽን ግብርን ብዘይ ምኽፋል፡ ጕቦ ብምኽፋል ዝዓደገሉ ዋጋ ብሓሶት ብምግናን፡ ዚሸጠሉ ዋጋ ብስሰዐ ብምብዛሕ፡ ንሰራሕተኛኡ ግቡእ ደሞዝ ብዘይምኽፋል፡ ጥዑይ ዘይኰነ ንብረት ወይ ኣገልግሎት ብምሻጥ (ኣብ ጸባ ማይ ብምሕዋስ ዝዓይነቱ) ወዘተ ዝሃብተመ ሰብ ምስ ሃብታማት ኪቝጸር ድዩ፧ ከምዚ ዝብለ ሰብ ምስ ሸፋቱ፡ ሰረቕቲ እምበር ምስ ሃብታማት ኪቝጸር ኣይግባእን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ገንዘብ ናቱ ኣይኰነን። ነብዪ ኤርምያስ ነዚ ብኸምዚዝሃብተመሰብ፡እቲ ብዘይ ቅንዕና ሃብቲ ዚእክብ ሰብ፡ ከምታ ንዘይወለደቶ እንቋቝሖ እትሓቍፍ ቆቛሕ እዩ፡ ኣብ ፈረቓ ዕድሚኡ ይሓድጎ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ዓሻ ይኸውንብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ኤር 1711) እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብ ይትረፍ ብኣምላኽ ብሰብ እኳ ምስ ሃብታማት ኪቝጸር ኣይግብኦን እዩ። እቶም ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ከም ሃብታም ዚቘጽሩ፡ እቶም ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ከም እትርከብ ዚሓስቡ ጥራይ እዮም። ሃዋርያ ያእቆብ ነቶም ክርስትያን ኣመንቲ ዝዀኑ ሃብታማት ሰባትኣቱም ሃብታማት፡ እስኪ ሕጂኸ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይዋይ እናበልኩም ብኸዩ። ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ። ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪምስክረልኩምዩ፡ ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ። እንሆ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ (ሃብቲ) ኣኪብኩም ኣሎኹም። እንሆ፡ ውዕለት ናይቶም ግርሁኹም ዝዓጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ የእውይ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጸባኦት በጺሑ ኣሎ።ኢሉ ዝጸሓፎ ቓል፡ ዋላ ኣብቲ ክርስትያን ህዝቢውን እዚ ቐታሊ ኣበሳ እዚ ግኑን ምዃኑ ዜመልክተና እዩ (ያእ 51-4) ሓዊ ዀይኑ ዚበልዓካ፡ ንጥፍኣትካ ናብ እግዚኣብሄር ዜእውየልካሃብቲደኣ ሃብትነቱ ኣብ ምንታይ እዩ፧ እቲ ንቝስሊ ኣልኣዛር ብኣኽብላባቱ ዜልሕስ ዝነበረ ሃብታም ሰብኣይ ኣበይ ከም ዝኣተወ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝደለቦ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ኣብኡ ሓዲጉ፡ ንዘለኣለም ምሉእ ሓንቲ ነጥቢ ማይ እናለመነ ኣብ ስቓይን ሓውንዶ ኣይኰነን ዝነበረ፧ (ሉቃ 1619-31)

ናይዚ ጐይታ ዝነገረና፡ ግራቱ ዝቐደወሉ ሃብታም ሰብኣይ ታሪኽ፡ ድሕሪ ባይታኡ ዘይዝርዝር እኳ እንተ ዀነ፡ ዓሚጹ ዝኣከበ ዘይኰነስ፡ ግራቱ ብኣምላኽ ዝቐደወሉ ሰብ ከም ዝነበረ እዩ ዜመልክተና። ክንየው እቲ ጽሑፍ ክንሓስብ ከኣ ኣይተፈቕደልናን (1ቈረ 46) እቲ ግራቱ ምስ ቀደወሉ እሞ ነቲ እኽሉ ዚዓቝረሉ ቆፎ ከም ዘየልቦ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ድሮ ምሉእ ዝነበረ ቆፎኡ ኣፍሪሱ ኺሰርሖ እሞ፡ ነቲ ዅሉ እኽሊ ንእኡ ንርእሱ ጥራይ ኪገብሮ ወሰነ። እግዚኣብሄር ከኣ ንነፍሱ ጥራይ ኪሓስብ ምስ ረኣዮ፡ ነቲ እኽሉን ሃብቱን ከይተንከፈ ነታ ነፍሱ ኣሕደጎ እሞ፡ ነቲ ብዙሕ ዝጸዓረሉን ዝቐደወሉን ግራቱ ንኻልኦት ከም ዚኸውን ገበሮ። ጐይታ ካብቲ ምስላ ኽንመሃሮ ዚግብኣና ነጥቢ እንታይ ምዃኑ ኼመልክተና ከሎ፡እቲ ንርእሱ ዚእክብሰብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ከም ዘይኰነን ከም ሃብታም ከም ዘይቍጸርን ነጊሩና ኣሎ። ብቕንዕና ምህብታም ዝዀነ ኣበሳ ዘይብሉ ኽነሱ፡ ንርእስኻ ኢልካ ምእካብ ወይ ምህብታም ግን ኣዝዩ ኸቢድ ሓጢኣት እዩ። ካብዚ መለኮታዊ ቓል እዚ ኸም እንርድኦ፡ እግዚኣብሄር ንርእስና ኽንእክብ ኢሉ ሃብቲ ኣይህበናን እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ንርእስና ብክርስቶስ ዝተፈጠርናን ዝደሓንናን ጥሪት ኣምላኽ እምበር ናይ ገዛእ ርእስና ኣይኰንናን (1ቈረ 619,20 ቲቶ 214 ራእ 5910 1ጴጥ 29) ስለዚ ንርእስና ኽንነብር ዚፍቀደልና ኣይኰንናን (ሮሜ 147,8 2ቈረ 515) ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝዀነ፡ ንሕናን እቲ ዝተዋህበና ዅሉ ሃብትን ናይ እግዚኣብሄር ኢና። ስለዚ ንርእስና ኢልና ኽንእክብ ከሎና፡ ንገዛእ ርእስና ካብ ዋንነት ኣምላኽ ነኰብልላ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሃብቲውን ብዓመጻ ናትና ንገብሮ ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃበና ሃብቲ ንእግዚኣብሄርን ነቶም ናይ እግዚኣብሄር ድኻታትን ኸነገልግል እዩ ዚወሃበና። ነቲ እግዚኣብሄር ብልግሲ ዝሃበና ምድራዊ ሃብቲ ንርእስና ምእካብ ሓዲግና፡ ነቲ ንሱ ዚደልዮ ዕላማ ምስ እነውዕሎ፡ ናብ ሰማያዊ ሃብቲ እዩ ዚልወጥ። ነዚ ንምግላጽ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ኤፌሶን ቤተ ክርስቲያን ዚመርሕ ዝነበረ መንእሰይ ጢሞቴስ፡ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለው ሃብታማት፡ ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ንዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ከይእመኑ ኣዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም።ኢሉ ጸሓፈሉ (1ጢሞ 617,19) እምበኣር ንሓደ ሰብ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ሃብታም ዚገብሮ ነቲ ነገራዊ (ማተርያላዊ) ሃብቲ ናብ መንፈሳዊ ሃብቲ ኺልውጦ ምስ ዚኽእል እዩ። ነዚ ንብረታውን ገንዘባውን ሃብቲ ናብ መንፈሳዊ ሃብቲ እንተ ዘይለዊጥካዮ ግና፡ ቀዳማይ ወጽዓኡ ነቲ ባዕልኻ ዝኣከብካዮ ንኻልኦት ሓዲግካዮ ኽትከይድ ኢኻ። ብፍታውካ ምሃብ ምስ ኣበኻ፡ ንኣኻ ብሞት መንዚዑ ብምውሳድ ነቲ ሃብትኻ ንኻልኦት ኪህቦ እዩ። እቲ ኻልኣይ ወጽዓ ድማ፡ ከምቲ ሃዋርያ ያእቆብ ዝበሎ፡ ሓዊ ዀይኑ ኺበልዓካን፡ ኣብቲ መንበር ፍርዲ ኣንጻርካ ኺምስክርን እዩ። ስለዚ ድማ ጐይታና፡መዝገብካ (ሃብትኻ) ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ኵዒቶም ኣብ ዘይሰርቕዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።ኢሉ መዓደና (ማቴ 619-21) በዚ ጐይታ ዝበሎ ሰማያዊ ብልህነት፡ ነቲ ዝተዋህበና ገንዘብ ሕድሪ እንተ ዘይኣመሓርናዮ ኪዕንቅፈናን ኬጥፍኣናን እዩ። ናብ መንፈሳዊ ሃብቲ ዘይተለወጠ ምድራዊ ሃብቲ ብኸመይ ከም ዚጐድኣና፡ ጐይታ፡ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት፡ ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል።”  ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 1923,24) በታ ጸባብ ደገ ኸይንኣትው ክንዲ ገመል ዜግዝፈና ዘሎ፡ እቲ ደጌታት መንግስተ ሰማያት ኬግፍሓልና ዝተዋህበና ግን ከኣ ብጽድቂ ዘይተጠቐምናሉ ገንዘብ እዩ። ኣብዛ ሓጻር ዕምሪ ሃብታማትን ጥበበኛታትን፡ ኣብቲ ዘለኣለም ግና ዓያሱን ድኻታትን ክንከውን መሪጽና ኣሎና ማለት እዩ። እምበኣር ቀዳማይ፡ ሃብትና ብጽድቂ ዝተኣከበን ብእግዚኣብሄር ዝተዋህበናን ምዃኑ ነረጋግጽ፡ ካልኣይ ድማ ንርእስና ኢልና ዘይኰነስ ንእግዚኣብሄርን ንዕላማኡን ንኣክብ። ነቲ ብጽድቂ ዝኣከብናዮ ብጽድቂ እንተ ኣመሓደርናዮ፡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ሃብታማት ክንከውን ኢና።

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ 

ዕለት፥ ሰንበት መስከረም 2, 2018 (ነሓሰ 27, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 1479

ወሐመልማለ ለቅኔ ዕጓለ ኣመሕያው። ይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ። ወለዕጕሉ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ።

“ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ።”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 75-ፍጻ

 

ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 1216-26 

ያእ 214-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘኣትናቴዎስ

ግብ 71-9

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div