ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 1 ክሳዕ 8 ንዘሎ መዓልታት “ዮሃንስ” ኢላ’ያ እትሰምዮ። ነቲ ነብያት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝተነብዩሉ፡ ካብ ኣረጋውያን ወለዲ ብተኣምር ዝተወልደ፡ ብስራታዊ ገብርኤል ብዛዕባ ልደቱ ዝተዛረበሉ፡ ብልደቱ ብዙሓት ዝተሓጐስሉ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእ ኪእውጅን መገዱ ኺጸርግን ዝተሓርየ፡ ልዑል ትጽቢትን ክቱር ትሕትናን ዝተዓደለ፡ ንመለኮት ኬጥምቕ ጸጋን ክብርን ዝተዓደለ፡ እቲ ስጉው መለኮት ብልሳኑ “ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ኣይተንሰአን” ኢሉ ዝመስከረሉ ቕዱስ ዮሃንስ ንምዝካር ዝዓለመ ሳምንቲ ድማ እዩ (ማቴ 11፡7-13)።
ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ብእግዚኣብሄር ዓብዪ ኽብሪ ዝተዓደለ ቕዱስ ዮሃንስ እዮም፡ ፈሪሳውያን፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧ ብዛዕባ ርእስኻኸ እንታይ ትብል፧” ኢሎም ዝሓተትዎ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ዀነ ስጋዊ መንነቱ ብዙሕ ኪዛረቦ ዚኽእል ምንጪ ዝነበሮ ሰብ እዩ። ብኣብኡ ዀነ ብኣዲኡ ካብ ዘርኢ እቲ ንኽህነት ዝተሓርየ ሌዊን ኣሮንን እዩ። ካብቶም ኣብ ዘመን ንጉስ ዳዊት በብማይቤቶም ኣብ ዕስራን ኣርባዕተን ጉጅለታት ዝተመቕሉ ካህናት ካብቲ ሻምናይ ዕጫ ዝወጸሉ ኻብ ክፍሊ ኣብያ እዩ። ነዚ ወለዶ’ዚ እንተ ዚዝርዝረሎም ነቶም ብስጋ ዚምክሑ ሓተትቱ ዜዕግብ መልሲ እዩ ዝነበረ። ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነቱ እንተ ዀነውን ዜሐብን እምበር ዜሕፍር መንነት ኣይነበሮን። ቅድሚ ሾብዓተ ሚእቲ ዓመታት ነብዪ ኢሳይያስ፡ ቅድሚ 400 ዓመታት ድማ ነብዪ ምልክያስ ብዛዕባኡ ዝተነበዩሉ እዩ። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽውን፡ “ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ (ክርስቶስ) ኪኽይድ እዩ” ኢሉ ዝመስከረሉ እዩ (ሉቃ 1፡17)። ኣብኡ ዘካርያስ ከይተረፈ፡ “ኣታ ህጻን፡…ነብዪ ልዑል ክትብሃል ኢኻ” ብመንፈስ ቅዱስ ዝተነበይሉ ሰብ እዩ። (ሉቃ 1፡76,77)። ብቐጥታ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኸም ዝተዛረቦውን ባዕሉ ኣብ ዮሃ 1፡33,34 ገሊጹ ኣሎ። እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ ምዃኑ ብነብያትን ብመላእኽትን ተነጊሩ ኼብቅዕ፡ “ኢልያስ ዲኻ፧” ምስ በልዎ “ኣይኰንኩን” ኢሉ መለሰ። “ነብዪ ናይቲ ልዑል” ተባሂሉ ኽነሱ፡ “እቲ ነብዪ ዲኻ፧” ምስ በልዎ’ውን “ኣይኰነኩን” በሎም። ብኣይኰንኩን ሕቶኦም ምስ ጸንቀቖ፡ “መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧” ብምባል፡ ናይ መንነት ምርጫታት ምቕራብ ሓዲጎም፡ ብዛዕባ መንነቱ ባዕሉ ኺዛረብ ዕድል ሃብዎ። ንሱ ድማ “ኣነስ ድምጺ እየ” እምበር፡ “ሰብ እየ” ኽብሎም እኳ ኣይመረጸን። ነቶም ርእስኻ ኣዕቢክኻ ምርኣይ ዝልማዶም ኣይሁድ፡ እዚ መልሲ ፈጺሙ ኺርድኦም ኰነ ኺወሓጠሎም ኣይክእልን እዩ። ርእሱ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ስለ ዘትሓተ፡ ርእሱ ልዕል ዜብል ኪዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ ኹሉ ኸኣ ልዕል ኪብል ዘይልወጥ ሕጊ እዩ’ሞ ካብ ኣንስቲ ካብ ዝተወልዱ ዅሎም ዝዓብየ ኪኸውን በቲ ትሕትና ዜፍቅርን ንርእሱ’ውን ትሑት ዝዀነ ጐይታ ኢየሱስ ክብሪ ተዋህቦ (ሉቃ 18፡14)።
እምበኣር ዮሃንስ፡ መጥምቀ መለኾት፡ ኪጸርጎ ዝመጸ መገዲ እዚ ኸም ዝዀነ ነስተውዕል። እግርና ዚረግጾ መገዲ ዘይኰነስ፡ ልብናን መንፈስናን ኪኸዶ ዚግባእ መገዲ እዩ ዝጸረገ። እዚ ንቕዱስ ዮሃንስ ዝቐረበሉ ሕቶ ንነፍሲ ወከፍና እንተ ዝቐርበልና፡ ናትና መልስኸ እንታይ ምዀነ ነይሩ፧ ምናልባት ነዚ ሕቶ’ዚ ኸም ዘለዎ ዚሓትተና ሰብ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ኸየጋጥመና ይኽእል እዩ። እንሓልፎምን ዜጋጥሙናን ኵነታት ግና ምሉእ መዓልቲ ብዘይምቍራጽ ኪሓትቱና እዮም ዚውዕሉ። ንሕና’ውን ሕቶታት ምዃኖም እዃ ኸየስተውዓልናዮም ኣሉ ብዘይበሃል ግብራዊ መገድታት ክንምልሶም ኢና እንውዕል። እቲ ብቓላት ትሓቲትና እንህቦ መልሲ ዘይኰነስ፡ እቲ ብግብሪ ብዛዕባ መንነትና እንህቦ መልሲ ድማ’ዩ እቲ ሓቀኛ መግለጺ ናይ መንነትና ዚኸውን። “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ዝሓትት ፈታዊ ይኹን ጸላኢ እንተ ዘይረኸብና እኳ፡ ልብናን ሕልናናን ግና ኵሉ ጊዜ ኺሓትተና ዚግባእ ሕቶ እዩ። እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ውሽጡ ዘየቃልሕ ሰብ፡ ርእሱ ምምርማርን ምፍታሽን ዝረስዐ ሰብ እዩ። ርእሱ ምምርማር ዝረስዐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዝመጠወ ሰብ እዩ።
ሓደ ሰብ ኪብድለካ፡ ኪጸርፈካ ወይ ኪሃርመካ ከሎ፡ ቀጥታዊ ደኣ ኣይኰነን እምበር ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ “ንስካ መን ኢኻ፧” ኢሉ ይሓትተና ከም ዘሎ ምስውዓል ኣዝዩ ዓብይ ብልህነት እዩ። ምኽንያቲ መን ምዃንካ ነቲ ነዚ በዳሂ ዅነታት ንእትህቦ ዓይነት መልሲ ይውስኖ እዩ። ስለዚ መልሲ ቅድሚ ምሃብካ፡ ነቲ “ኣነ መን እየ፧” ዚብል ሕቶ ክትምልሶ ይግባእ። ነዚ ሕቶ’ዚ ዘሎካ መልሲ “ክርስትያን፡ ውሉድ ኣምላኽ፡ ወደ መዝሙር ክርስቶስ፡ ውሉድ ብርሃን፡ ኣቕሓ ክብሪ እየ” ዚብል እንተ ዀይኑ፡ እትህቦ መልሰ ግብሪ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ምሕረት ኪኸውን እዩ። ብኣንጻሩ መልስኻ፡ “ዓለማዊ (ስጋዊ)፡ ውሉድ ድያብሎስ፡ ኣቕሓ ውርደትን ቍጥዓን፡ ውሉድ ጸልማት” ዚብል እንተ ዀይኑ ድማ፡ ዝገደደ ምጽራፍ፡ ምትህርራም፡ ምኽሳስ፡ ምጽላእ፡ ምቕያም፡ ምሕማይ፡ ሕነ ምፍዳይ ወዘተ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ሓደ በዳሂ ዅነታት ኪገጥመካ ኸሎ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፡ መንነትካ ኣግህድ” ይብለካ ኸም ዘሎ ኣስተውዒልካ ዝዀነ ግብረ መልሲ ቅድሚ ምሃብካ ርእስኻ ገቲእካ መንነትካ ኽትምርምር ይግብኣካ።
ሓደ ኣንጻር ጾታካ ዝኹነ ሰብ ምስ ዘጓንፈካ እሞ፡ ምስኡ ኽትምንዝር ብኣፋዊ ቓላት ኰነ ብኣካላዊ ቛንቋ ኪዕድመካ ኸሎ፡ ሕጂውን እታ ሕቶ ኣብ ቅድሜኻ ተገቲራ ኸም ዘላ ዘክር። “ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ናይ ክርስቶስ ሰዓቢ እየ ዚብል መልሲ እንተልዩካ፡ ልክዕ ከምቲ ዮሴፍ፡ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ዋንነት ስልጣን ዘለዋ እመቤቱ፡ ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ “ምሳይ ደቅስ” ምስ በለቶ፡ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ዝበላ፡ ንስኻ’ውን መንነትካ ዘይፈቕደልካ ተግባር ካብ ምፍጻም ርእስኻ ኣብ ምግራእ ክትዕወት ኢኻ (ዘፍ 39፡ 7-12)። ዮሴፍ ካብ ንጊዚኡ ምስኣ ብሓጢኣት ባህ ዝብሎ፡ ንጽህናኡን ቅድስናኡን ዓቂቡ ንመንነቱን ንኣምላኹን ኣኽቢሩ መከራ ኪጸግብ መረጸ። ብኣንጻሩ፡ “ውሉድ ድያብሎስ፡ ኣመንዝራን ርኹስን እየ” ዚብል መንነት እንተ መሪጽካ ግና፡ ሰብ ኪፈታተነካ’ውን ኣየድልየካን እዩ። ከምቲ ሰይቲ ጶጢፋር ዝገበረቶ፡ ባዕልኻ መስሓቲ፡ ዓማጺ፡ በዓል ኪዳንካ ጠሊምካ ምስ ካልኦት ብምዝማው ኣመንዝራ ምዃንካ ኢኻ እተረጋግጽ።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንዕዮ ወንጌል ንቤተ ክርስትያን ዕሽርካን ናይ ፍታው ህያባትካን ክትህብ፡ ንዝደኸየ፡ ዝጠመየ፡ ዝዓረቐ፡ ዝሓመመ፡ ዝተኣስረ፡ ዝሓዘነ ክትረድእ፡ ክትበጽሕ፡ ከተጸናንዕ ዚዕድምን ዚብድህን ኩነታት የጋጥመካ። ኣብዛ ህሞት እዚኣ፡ “ኣነን እቲ ዘሎኒ ዅሉን ናይ እግዚኣብሄር እየ” ዚብል ንጹር መንነት እንተልዩካ፡ ንዕዮ ወንጌል ኰነ ነቲ ረዲኤትካ ዜድልዮ ሰብ፡ ዓቕምኻ ዚፈቕዶ ዅሉ ትህብን ትረድእን። ብኣንጻሩ ንስኻን ትሕዝቶኻን ናይ ገዛእ ርእስኻ ምዃንካ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነ ከም ፍቓድ ርእስኻ እትመላለስ “ጐይታ ርእሱ” እንተ ዄንካ ግና ንኣምላኽ ዕሽሩን መባኡን ትኸልኦ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ኣብ ሚል 3፡8 “ናባይ ተመለሱ፡ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ‘ንስኻትኩም ግና ብምንታይ’ሞ ኢና ንምለስ፧’ በልኩም። ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ። ንስኻትኩም ግና ሰረቕኩምኒ። ‘ብምንታይ’ሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም፡ ንስኻትኩም፡ ህዝቢ ብምሉኣትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፡ ብመርገም ተረገምኩም።” ኢልዎ ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ከም “ሰራቕን፡ ውሉድ መርገምን” እዩ ዚፈልጠካ። ንስኻ ግና ነቲ ገንዘብካ ዘምጻእካዮ፡ ኣብ ጁባ ሰብ ኢድካ ኣእቲኻ ስለ ዘይሰረቕካዮ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ መንነትካ እንተ ትሕተት፡ “ብረሃጹ ዚናበር ወረጃን ጭዋን ሰብ” ጌርካ ምገለጽካያ (ሚክ 3፡7-9)። ኣብቲ ኣብ ሉቃ 10፡29-37 ተገሊጹ ዘሎ “ምስላ ሕያዋይ ሳምራዊ”፡ ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወዲቑ ተዘሚቱ ተኸትኪቱ ዚደምይ ዝነበረ ግዳይ፡ እቶም ብእኡ ዝሓለፉ ኻህንን ሌዋውን ሓንቲ ኸይረድእዎ ረጊጾምዎ ሓለፉ። ነፍሲ ወከፎም “መን ኢኻ ተባሂሎም እንተ ዚሕተቱ ግና “ኣነ ካህን ልዑል ኣምላኽ እየ” እቲ ኻልኣይ ድማ “ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዝተፈሌኹ ሌዋዊ (ዲያቆን) እየ ምበሉ ነይሮም። ግብሮም ግና ጥቓ ኣምላኽ ዚቐርብ መንነት ከም ዘይብሎም ኣቃሊዕዎም እዩ። እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ግን፡ በዞም ካህንን ሌዋውን ከም ኣምላኽ ዘይብሉ ርኹስን ኣረማውን ሰብ እዩ ዚግለጽ። በቲ ዝገበሮ ግብሪ ሕያውነት ግና ካብቲ ናይቲ ኻህንን ሌዋውን ንላዕሊ ናብ ኣምላኽ ዝቐረበን ዝኸበረ መንነት ከም ዘለዎ ኣረጋገጸ።
ናይ ስነ ልቦና ሊቃውንቲ፡ ወዲ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ውሳነታት ከም ዚውስን ይገልጹ እዮም። ስለዚ መዓልታዊ ልዕሊ 200 ጊዜ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ዚብል ሕቶታት ይቐርበልና ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ውሳነታትናን፡ እቲ ኣብ ውሳነታትና ተመርኵስና እንውስኖ ስጕምትታትን እዮም ንመንነትና ዜቝሙ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ መንነቱ እንተ ዚሕተት “ሓዋርያ እየ” ኺብል ድሕር ከም ዘይብል ዜጠራጥር ኣይኰነን። ግብሩ ግና “ወዲ ጥፍኣት” ምዃኑ ብዓውታ መስከረሉ። እቶም ንርእሶም ከም ገበርቲ ተኣምራትን ነብያትን” ዚፈልጥዋ፡ ጐይታ ግና ነዚ መንነቶም እዚ ኸም ዝይፈልጦ፡ ንሱ ኸም ገበርቲ ዓመጻ ጥራሕ ከም ዚፈልጦም ነገሮም (ማቴ 21-23)። ንሕና ድማ መጸውዒና “ክርስትያን ተዋህዶ”፡ ግብርና ግን እግዚኣብሄር ዘይጾሮ “ጋዶ” ኰይኑ ኣብ ናይ መንነት ቅልውላው ከይንህልው ርእስና ንመርምር። ክቡር መንነት ዘለዎ ሰብ፡ ኣምላኽ ዜኽብሮ ኽቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ክቡር ቃላት ይዛረብ፡ ክቡር ግብርታት ከኣ ይገብር። ብኣንጻሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይበቅዕ ሕሱር መንነት እንተልዩና ድማ ኵሉ ነገርና ሕሱር ኪኸውን እዩ። እምበኣር ነፍሲ ወከፍ ዜጋጥሙና ውሳነን ስጕምትን ክንወስድ ዚሓትቱ ዅነታት፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሎም ይሓቱና ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኺህልወና እንደልዮ መንነት ዚምጥን ግብረ መልሲ ብምሃብ፡ መንነትና ንርእስና ንኣምላኽን፡ ንዚዕዘበና ዅሉ ሰብን ነግህደሉ። እዚ ዘመን ሉቃስን ሓድሽ ዓመትን ቅንያት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ክንምርምር ዓቢ ዕድል እዩ’ሞ ንጠቀመሉ። እግዚኣብሄር ብጸግኡ ይደግፈና።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት መስከረም 16, 2018 (መስከረም 6, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 85:10-11
“ሥህል ወርትዕ ተራከባ። ጽድቅ ወሰላም ተሳዓማ። ርትዕሰ እምድር ሠረጸት” “ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፣ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊል፣ ጸድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
2ቆረ 6፡1-11
|
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 1፡15-38 |
ያእ 2፡1-14 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘኣትናቴዎስ |
ግብ 18፡24-ፍጻ |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ