ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝተጠቕሰ ዓብዪ ሃይለ-ቃል ዝተዛረበ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንጎ ትምህርቱ ኣትዩ “መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ ተዛረበለይ፡” ምስ በሎ እዩ። ጐይታ ግና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሲቪላዊ ጕዳያት ኪጽመድ ስለ ዘይመጸ፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” ኢሉ መለሰሉ። ዋላ ነቲ ሓዉ እንተ ተዛረቦ’ውን ሕራይ ኢሉ ኸይመቕሎ ይኽእል እዩ። ብእኡ ዝኣመነ ወደ መዝሙሩ እንተ ዀነ ጥራይ እዩ ዚስምዖ። ስለዚ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብቶም ብይን ሂቦም ፈጺሚ ኺገብሩ ዚኽእሉ ምድራውያን ሹማምንቲ- ሕጊ ኪኸይድ ነበሮ።
ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ክርስትና ብዙሓት ዝተፈላለዩ ክስታትን ዘደንጽዉ ፍርድታትን ተራእዮም እዮም። ከም መንፈሳዊ ሥርዓት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ብጊዜ ጾመ-ኣርብዓ ዝኾነ ክሲ ይዕበ ይንኣስ፡ ከቢድ ነገር ይኹን
ሕመረት ወይ ማእከላይ መልእኽቲ ናይ ክርስትና፡ ንስሓ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ጸራግ መገዲ፡ እንኮ መልእኽቱ፡” መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ዚብል ነበረ (ማቴ 3፡1.2)። እቲ ጥምቀቱ ድማ “ጥምቀት ንስሓ” ይበሃል ነበረ (ግብ 19፡4)። ጐይታና ድማ ተጠሚቝን ንኣርብዓ መዓልታት ኣብ ምድረ በዳ ብዲያብሎስ ተፈቲኑ ምስ ተመልሰ፡ ንሱ’ውን መልእኽቱ፡ ልክዕ ከም ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ተነስሑ” ዚብል ኰነ። እቲ ዜገርም ኸኣ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱን ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱን ኺልእኮም ከሎ’ውን ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣዕጢቝ ምልኣኹ እዩ።
ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ብዘንበብክዎ ሓደ ዛንታ ጽሑፈይ ክጅምር ባህ ይብለኒ። ንሱ ከኣ ሓደ እዋን እዩ ይበሃል ኩሎም ኣራዊት መሮር ኣንጻር ኣባጎብየ ከይበደሎም ከሎ፥ ኣብ ሕማቕ ምኽሪ ይሓብሩ እሞ፥ ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ክቐትልዎ ይሰማምዑ። ግናኸ ናይ ድንጋጸ ነገር ግዲ ኮይኑ፡ ዕንቍርዖብ እቲ ዝሓሰብዎ ሕማቕ ምኽሪ ብምሥጢር ነባጎብየ ተካፍሎ። ንሱ ከኣ እቲ ኩነታት ከቢድዎ ከውርዶን ከደይቦን ምስ ጸንሐ፡ ንምዃኑ እገሌኸ
ኦ ጎይታ፣ ኣነ ሓጥእ ብምዃነይ ንስኻ ኣብ ልዕለይ ክትሓድር ብቑዕ ኣይኮንኩን‘ሞ ንነፍሰይ ክትፍወሲ ኢኺ፤ ሓጢአትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ በላ። ኣነ ብዘይካ እቲ ኣብ ደቂ ሰባት እትገብሮ ፍቕርኻን ምሕረትካን ርህራሄኻን ወላ ሓንቲ ነገር ዘይብለይን ካብ ኩሉ ሰናያት ደረቕን ጥራየይ ዘለኹን እየ። ንስኻ ካብ’ቲ ክግለጽ ዘይከኣል ክብርኻ ካብ ሰማያት ናብ ድርቅናና ዝወረድካን ኣብ መብልዕ ማል ክትውለድ ዝመጻእካን።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 1 ክሳዕ 8 ንዘሎ መዓልታት “ዮሃንስ” ኢላ’ያ እትሰምዮ። ነቲ ነብያት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝተነብዩሉ፡ ካብ ኣረጋውያን ወለዲ ብተኣምር ዝተወልደ፡ ብስራታዊ ገብርኤል ብዛዕባ ልደቱ ዝተዛረበሉ፡ ብልደቱ ብዙሓት ዝተሓጐስሉ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእ ኪእውጅን መገዱ ኺጸርግን ዝተሓርየ፡ ልዑል ትጽቢትን ክቱር ትሕትናን ዝተዓደለ፡ ንመለኮት ኬጥምቕ ጸጋን ክብርን ዝተዓደለ፡ እቲ ስጉው መለኮት ብልሳኑ “ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ኣይተንሰአን” ኢሉ ዝመስከረሉ ቕዱስ ዮሃንስ ንምዝካር ዝዓለመ ሳምንቲ ድማ እዩ (ማቴ 11፡7-13)።
ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈጸመን ገና ዝፍጸም ዘሎ ዕንወትን ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዘሎ እውናዊ ኩነታት ኩሉ ሰብ ምእንቲ ክፈልጦን
ጉባኤ ኣትክልቲ፡- ሓደ መዓልቲ ኩሎም ኣእዋም ኣብ ልዕሌኦም ንጉሥ ክቐብኡ ተሰማምዑ እሞ ተኣኪቦም በሉ ሓደ ካባና ንጉሥ ዝኾነና ንምረጽ ብእኡ ተመሪሕና ከኣ ንኺድ ተበሃሃሉ። ናብ ኣውልዕ ቀሪቦም ድማ
ጐይታና ነዚ መሪሕ ቃል’ዚ ዝተዛረበ፡ ንህዝቢ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ይህበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪረክብዎን ኬዛርብዎን ኢሎም ናብኡ መጹ። ኣብ ምልእቲ እስራኤል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናዞረ ይምህር ስለ ዝነበረ ምስ ስድራ ቤቱ ዜሕልፎ ጊዜ ነይርዎ ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። መብዛሕትኦም ኣዝማዱ ብእኡን ብትምህርቱን ስለ ዘይኣመኑ፡ “ተጸሊሉ’ዩ” ዚብል እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ካብቲ ዚምህረሉ ቦታ ሒዞም ኪወስድዎ ኸም ዝመጹ ወንጌላዊ ማርቆስ ኣዘንትዩልና ኣሎ (ማር 3፡21)። ሃዋርያ ዮሃንስ’ውን ኣብቲ ጊዜ እቲ እቶም ደቂ ዮሴፍ ኣሕዋቱ ብእኡ ኸም ዘይኣመኑ ነጊሩና ኣሎ (ዮሃ 7፡3-5)። ኣብዛ እዋን’ዚኣ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝመጹ ግና ኣይተገልጸን። ስድራኡ ከም ዝመጹ ኺንገሮ ኸሎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ (ማቴ 12፡9)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ