ኣብቲ መስከረም 30 ዝነበረ ሰንበት፡ “መስቀል የልዕል እሞ ይስዓበኒ” ዚብል ኣርእስቲ ምርኣይና ዚዝከር እዩ። ጐይታ ኣስዕብ ኣቢሉ መስቀልና ኣልዒልና ኽንስዕቦ ዘድለየሉ ምኽንያት ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ንነፍሱ (ባዕሉ) ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና “ምዃኑ ዚገልጽ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣዝዩ ረቂቕ ብምዃኑ ብቐሊሉ ክትርድኦ ስለ ዜጸግም ምስቲ ዓውደ ንባብ ኣገናዚብካ ምርኣይ ዜድልዮ እዩ። እታ ነዚ ምስጢር እዚ ኽንርድኦ እተኽእለና፡ እታ ኣብ ፍቕዲ 9፡23 ተጠቒሳ ዘላ፡ “ዝዀነ ሰብ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ፡ (እንተሎ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ይቕበጽ) መዓልቲ መዓልቲ’ውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ” እትብል ሃይለ ቃል እያ።
ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ክርስትና ብዙሓት ዝተፈላለዩ ክስታትን ዘደንጽዉ ፍርድታትን ተራእዮም እዮም። ከም መንፈሳዊ ሥርዓት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ብጊዜ ጾመ-ኣርብዓ ዝኾነ ክሲ ይዕበ ይንኣስ፡ ከቢድ ነገር ይኹን
ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብዚ ለይቲ እዚ ኺዝምርዎ ዝሓደሩ መዝሙር፡ “ወመኑ መሓሪ ዘከማከ” ዚብል እዩ። “ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን ኣሎ” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ኸኣ እዩ።ጐይታና’ውን ኣብቲ ዝተነበበልና ንባብ ውንጌል፡ ነቶም ንሰብ ምፍራድን ምዅናንን እምበር ካልእ ጥበብ ዘይነበሮም ፈሪሳውያን፡ “ ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን” ዚብል ሃይለ ቃል ከም ዝተዛረቦም ተጻሒፉልና ኣሎ።
ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ብዘንበብክዎ ሓደ ዛንታ ጽሑፈይ ክጅምር ባህ ይብለኒ። ንሱ ከኣ ሓደ እዋን እዩ ይበሃል ኩሎም ኣራዊት መሮር ኣንጻር ኣባጎብየ ከይበደሎም ከሎ፥ ኣብ ሕማቕ ምኽሪ ይሓብሩ እሞ፥ ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ክቐትልዎ ይሰማምዑ። ግናኸ ናይ ድንጋጸ ነገር ግዲ ኮይኑ፡ ዕንቍርዖብ እቲ ዝሓሰብዎ ሕማቕ ምኽሪ ብምሥጢር ነባጎብየ ተካፍሎ። ንሱ ከኣ እቲ ኩነታት ከቢድዎ ከውርዶን ከደይቦን ምስ ጸንሐ፡ ንምዃኑ እገሌኸ
ኦ ጎይታ፣ ኣነ ሓጥእ ብምዃነይ ንስኻ ኣብ ልዕለይ ክትሓድር ብቑዕ ኣይኮንኩን‘ሞ ንነፍሰይ ክትፍወሲ ኢኺ፤ ሓጢአትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ በላ። ኣነ ብዘይካ እቲ ኣብ ደቂ ሰባት እትገብሮ ፍቕርኻን ምሕረትካን ርህራሄኻን ወላ ሓንቲ ነገር ዘይብለይን ካብ ኩሉ ሰናያት ደረቕን ጥራየይ ዘለኹን እየ። ንስኻ ካብ’ቲ ክግለጽ ዘይከኣል ክብርኻ ካብ ሰማያት ናብ ድርቅናና ዝወረድካን ኣብ መብልዕ ማል ክትውለድ ዝመጻእካን።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብዕለት ጥቅምቲ 7, 2018 “ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ኣብ ማቴ 6፡25-34 መሰረት ብምግባር ከም ዝተመሃርናን፡ ናይ ጭንቀት ዓብይ መድሓኒት ድማ፡ “ቀዳምነት ሂብካ ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይ” ምዃኑ ምድምዳምናን ዝዝከር እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸመይ ኢኻ እትደልያ፧ ዝጠፍአት ዕንቁ ምድረ-ቤት ገዛኻ ኰስቲርካ፡ ዝጠፍአት በጊዕ ኣብ ሩባን ኵርባን ኰሊልካ ኢኻ ትደልያ። ድልያ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸምዚ ዝተጠቕሰ መገዲ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈጸመን ገና ዝፍጸም ዘሎ ዕንወትን ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዘሎ እውናዊ ኩነታት ኩሉ ሰብ ምእንቲ ክፈልጦን
ጉባኤ ኣትክልቲ፡- ሓደ መዓልቲ ኩሎም ኣእዋም ኣብ ልዕሌኦም ንጉሥ ክቐብኡ ተሰማምዑ እሞ ተኣኪቦም በሉ ሓደ ካባና ንጉሥ ዝኾነና ንምረጽ ብእኡ ተመሪሕና ከኣ ንኺድ ተበሃሃሉ። ናብ ኣውልዕ ቀሪቦም ድማ
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ንዘሎ ቕንያት “ዘውእቱ ኣባ ዮሐኒ ዘጽጌ” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ንሎሚ እምበኣር ከም ፍቃድ ኣምላኽ ካብዚ ናይ ቅዳሴ ንባብ ወንጌል ማቴ 6፡33,34 ተበጊስና ክንመሃር ኢና። ጐይታ ኣብ ወንጌል ካብ ዝመሃሮ ማእለያ ዘይብሉን ዓበይትን ትምህርትታት፡ ንዕለታዊ ናብራን ኵለንተናዊ ዅነታትን ናይ ወዲ ሰብ ዚጸልው ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዚዳረግ ኣሎ ኽትብል ኣጸጋሚ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ