ሎሚ እንተንሕተት፡ እከለ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ንጐይታና ኢየሱስ ክሰቅልዎ ከለዉ ንይሁዳን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ጲላጦስን… ምሓበርካዮምን ስቐልዎ’ዶ ምበልካ ወይስ ኣይፋለይን ትብል? ናይ መብዛሕትና መልሲ በዚ ሎሚ እንፈልጦ ዋእ!
ጾም ማለት ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን ምሓላው (ምቑጣብ) ማለት እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣
ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌልን ካልኦት ንባባትን ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘብዓልናዮ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዚምልከቱ እዮም። እቲ ንምእመናንን ኣገልገልትን ዚወሃብ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ዓለም ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ ኽሳዕ ዘለኣለም ምሳና ዚነብር እዩ። እዚ መንፈስ‘ዚ ድማ ብክርስቶስ ንዚኣምንን ንዚስዕብን ኵሉ ዚወሃብ ምዃኑ ቓሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዚነብር ቅብኣት (መንፈስ ቅዱስ) ኵሉ ጊዜ ይምህረናን ይመርሓናን እዩ።
ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ጀሚርና ኽሳዕ እዚ ዕለት እዚ ንኣስታት ሾብዓተ ሰናብቲ ኽንዝኽሮን፡ ንእኡ ዚምልከቱ ንባባት ኸነንብብን፡ ከምቲ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ “ክርስቶስ ተንስኣ እምሙታን” እናተባሃሃልና ክሳዕ እዛ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ብእኡ ሰላምታና ኽንለዋወጥ ኢና ጸኒሕና። ምኽንያቱ እቲ “ተስፋ ኣቦ” ዝተሰምየ መንፈስ ቅዱስ ኽንቅበል ዘብቅዓና ትንሳኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
እዚ ናይዚ ዕለት’ዚ ንባብ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ብዛዕባ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ እዩ። ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ