ሰብ ብሰንኪ ስስዐን ህርፋን ሕጊ እግዚኣብሔር እንተዘይጥሒሱ ብሰላም ከም ዝነብር ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ሰብ ንጊዚያዊ ጥቕምን ሓጎስን ኢሉ ሕጊ ኣምላኽ ምስ ዝጥሕስ ዝወርዶ ሽግርን መከራን ከቢድ
ጐይታና ነቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱ በብኽልተ ድሕሪ ምምዳብ፡ እቲ ዚግባእ መምርሕን ስልጣንን ኣዕጢቝ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ” ኢሎም ኪሰብኩ ለኣኾም። በቲ ዝተኣዘዝዎ መሰረት ተልእኾኦም ፈጺሞም ኵላቶም ናብኡ ተመልሱ። ነቲ ዝለኣኾም ጐይታ ድማ ጸብጻቦም ኪህብዎ ጀመሩ። ካብቲ ዝፈጸምዎ ተልእኾ እቲ ብዝያዳ ዝመሰጦም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዝተመከርዎ ስልጣን ነበረ። “ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለው፡” ኢሎም ብሓጐስ ነገርዎ። ጐይታ ድማ፡ ነቲ ሓጐሶም ዜዕዝዝ፡ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ረኣኽዎ” ዚብል ብስራት ነገሮም።
ቤተ ክርስቲያን ማለት ሕፃን ሽማግለ ድኻ ሃብታም ሰብኣይ፡ ሰበይቲ ዝተማህረ፡ ዘይተማህረ ከይተባህለ ብዘይ ፍልልይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ወይ ሠለስተ ብስመይ ኣብ ዝተኣከብኩሙሉ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ኣለኹ።
ጾም ማለት ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን ምሓላው (ምቑጣብ) ማለት እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣
ጐይታና ኣብታ ተታሒዙ ዚስቀለላ ናይ መወዳእታ ፋሲካ ኣይሁድ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጽባቐ ናይቲ ቤት መቕደስ ኬዛርብዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና ነቲ ሓሳባቶም ገና ብቓላት ከይገለጽዎ ኸለው ኣብ ልቦም ከሎ ኣስተውዒልዎ ነበረ። ከምቲ ቕዱስ ዳዊት፡ “ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒ’ውን ንምቕማጠይን ምትንሳአይን ትፈልጦ፡ ንሓሰበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይ’ውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።” ዝበሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ’ውን ከም ኵሉ ዚፈልጥን ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ፍጹም ኣምላኽን መጠን፡ ነቲ ኺብልዎ ዝደለዩ ሓሳብ ኣስተውዒልዎን ፈሊጥዎን ነበረ (መዝ 139፡1-4)።
እዚ ዝስዕብ ዓንቀጻት ንመንግሥቲ ኤርትራ ብናይ ጽልእን ቂምን ኣረኣእያ ገምጊሙ ብናይ ገበን ሚዛን ዝፈርድ ሓሳባት ኣይኮነን። ከምኡውን ነቲ መንግሥቲ
እዚ ዕለት እዚ፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ “በዓለ-ሓዋርያት” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። ካብ በዓል መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ድማ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያንና “ጾመ ሃዋርያት” ኢላ ዝሰመየቶ ጾም ኢና ተጸሚድና ጸኒሕና። ነዚ ዕለት እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ወንጌል ንባብ ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይን ንኽንደይን ንመንን ንሃዋርያነት ከም ዝሓረየ ዚገልጸልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ኻብቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ሰባት ንሃዋርያት ንምሕራይ ዝተጠቕመሉ ረቛሒታት እንታይ ምንባሩ ኣይገልጸልናን እዩ።
ሎሚ እንተንሕተት፡ እከለ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ንጐይታና ኢየሱስ ክሰቅልዎ ከለዉ ንይሁዳን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ጲላጦስን… ምሓበርካዮምን ስቐልዎ’ዶ ምበልካ ወይስ ኣይፋለይን ትብል? ናይ መብዛሕትና መልሲ በዚ ሎሚ እንፈልጦ ዋእ!
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ