ሕመረት ወይ ማእከላይ መልእኽቲ ናይ ክርስትና፡ ንስሓ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ጸራግ መገዲ፡ እንኮ መልእኽቱ፡” መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ዚብል ነበረ (ማቴ 3፡1.2)። እቲ ጥምቀቱ ድማ “ጥምቀት ንስሓ” ይበሃል ነበረ (ግብ 19፡4)። ጐይታና ድማ ተጠሚቝን ንኣርብዓ መዓልታት ኣብ ምድረ በዳ ብዲያብሎስ ተፈቲኑ ምስ ተመልሰ፡ ንሱ’ውን መልእኽቱ፡ ልክዕ ከም ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ተነስሑ” ዚብል ኰነ። እቲ ዜገርም ኸኣ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱን ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱን ኺልእኮም ከሎ’ውን ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣዕጢቝ ምልኣኹ እዩ።
ካብዚ ድማ፡ ክርስትና ሓጢኣት ብዘይ ምፍጻም ዘይኰነስ፡ ብንስሓ ጀሚሩ ብንስሓ ዚፍጸም ጕዕዞ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሰናይ ክገብር ኣብ ዝደለዅሉ ኽፉእ እገብር፡ እዚ ሕጊ እዚ ድማ ባህርያዊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብውሽጠይሲ ብሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብቲ ሰብነተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርእይ ኣለኹ።” ዝበሎ፡ እዚ ውዱቕ ተፈጥሮና፡ ኵሉ ጊዜ ናብ ሓጢኣት እዩ ዚድርኸና (ሮሜ 7፡21-23)። ስለዚ ኽንዲ ዝደለናዮ እንተ ተጠንቀቕና፡ ፈጺሙ ሓጢኣት ዘይርከበና ንጹሃን ክንከውን ኣይከኣልን እዩ። ዋላ ብተግባርን ብቓላትን እንተ ዘይሓጣእና፡ እንተ ወሓደ ብሓሳብ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ጊዜ ኸም እንሓጥእ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እዚ ሓጥእ ስጋና፡ ልክዕ ከምዚ ኣዝዩ ብዙሕ ነዃላት ዘለዎ ናሕሲ እዩ። ዝናም ብዝዘነመ መጠን ማይ ናብ ውሽጢ ቤት ኣትዩ፡ ንሰብ ኬጠልቅይ ንንብረት ኬበላሽው ይረኣይ። ሓደ ሰብ እንተ ጸረፈና እንተ ሃረመና፡ ክንምልሰሉ ዓቕሚ እናሃለወና፡ ትዕግስቲ መሪጽና ኢድናን ኣፍናን ኣርኒብና ስቕ ኢልና ኽንዕገስ ይከኣል እዩ። ኣብቲ ውሽጢ ልብና ዚገማዳሕን ዜሽከርክርን ሓሳባት ግና፡ “እንኳዕ ሰብ ዚርእዮን ዚሰምዖን ኣይኰነ” ዜብል እዩ። ሰብ እንተ ዘይረኣዮ እኳ፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊት፡ “. . . ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ፡ ጐይታየ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ እንሆ፡ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ . . . ንብዘሎ መገደይ’ውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።” ዝበሎ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣእምሮና ብሓጥእ ሓሳባት ይብከልን ይናወጽን ከም ዘሎ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚፈልጥ (መዝ 139፡1-4)። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት ዘይብልና ንጹሃት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኻብ ሓጢኣት ነጻ ኺገብር ዚኽእል እንተ ዚኸውን፡ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ነዚ ዅሉ መከራን ውርደትን ኪቕበል ኣይመድለዮን ነይሩ። “ሓጢኣት የብለይን” ኢልካ ምሕሳብ ንርእሱ እቲ ዝዓበየ ሓጢኣት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። “ሓጢኣት የብለይን” ኢልካ ምሕሳብ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ሓጢኣት ምዃኑ፡ እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ሓጢኣት የብልናን” እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን። . . . ሓጢኣት ኣይገበርናን እንተ በልና፡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ንገብሮ ቃሉውን ኣባና የሎን።” ዝበሎ ቓል ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዜብርሃልና (1ዮሃ 1፡8,10)። ንርእስኻ ሓሳዊ ዝዀንካዮ ኸይኣክል፡ ንኣምላኽ ሓሳዊ ኽትብሎን ክትገብሮን ካብ ምፍታን ዚኸፍእ ሓጢኣት ኪህልው መቸም ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ከቢድ ድፍረት እዩ። ንጉስ ሰለሞን፡ “’ንልበይ ኣጽርየዮ፡ ካብ ሓጢኣተይ ነጺሀ’የ’ ኪብል ዚኽእል መን እዩ፧” ኢሉ ብምግራም ኪሓትት ዝገበሮ ከኣ ንሱ እዩ (ምሳ 20፡9)። ነታ፡ “ኣነስ ንጽህቲ እየ፡ ቍጥዓኡ ካባይ ኣርሒቑ ተመሊሱ እዩ” ዝበለት ቤት ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር ተቘጢዑ፡ “ሓጢኣት የብለይ ስለ ዝበልኪ፡ ምሳኺ ኣብ ፍርዲ ኽኣትው እየ።” ዝበለሉ ምኽንያት ኸኣ ንሱ እዩ (ኤር 2፡35)። ምኽንያቱ፡ እቲ መለኮታዊ ቓል፡ “ኵሎም ሓጢኦም ኽብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።” ኢሉ ደምዲሙ እዩ (ሮሜ 3፡23)። እቲ፡ “ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ ወይ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧ ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻ፡ ወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡ እንሆ ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን፡ ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ንጹሃት ኣይኰኑን። . . . እንሆ ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይኣምኖምን ንመላእኽቱ’ውን ጉድለት ይረኽበሎም።” ዚብል ቃል፡ ካብ ንጽህና ኣዚና ርሑቓት ምዃንና ዜርእየና እዩ (እዮ 25፡4-6 4፡18)። ኣብዛ ዓለም እዚኣ እናነበርካ “ሓጢኣት የብለይን” ምባልን፡ ኣብ ባሕሪ ኣቲኻ “ኣይጠልቀኹን” ምባልን ሓደ ዓይነትን ዜሕፍርን ዜፍርድን ኣበሃሃላ እዩ። እቶም ቅኑዓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ከም በዓል ቅዱስ ዳዊትን እዮብን፡ “ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። . . . እንሆ ብኣበሳ ተወለድኩ፡ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ። . . . ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ንፈራድየይ ደኣ ምሕረት ምለመንክዎ እምበር፡ ኣይምመለስኩሉን፡ . . . ኣነ ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ኣፈይ፡ “በደለኛ ኢኻ” ኢሉ ምፈረደኒ፡ ፍጹም እንተ ዝኸውን ኸኣ፡ ሕሱም ምገበረኒ ነይሩ።” እዮም ዚብሉ (መዝ 51፡3,5 እዮ 9፡15,20)።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሓሳብ፡ “ብሓቂዶ ሰብ ሓጢኣት ከም ዘይገበረ ይሓስብን ይዛረብን’ዩ፧” ዚብል ሕቶ ዜለዓዕል እዩ። ብርግጽ ከምኡ ኢሉ ብስውር ዚሓስብ ኰነ ብግሁድ ዚዛረብ ከይህልው ይኽእል እዩ። እንተ ዀነ ግብሪ ካብ ቃላት ንላዕሊ ብዓወታ ኸም ዘሰምዕ ግን ኣይንዘንግዓዮ። ሓጢኣት ከም ዘሎኻ እናፈለጥካ ንስሓ ዘይምእታው፡ ግብራዊ መልእኽቲ ናይቲ “ሓጢኣት የብለይን” ዚብል ስውር ኣተሓሳስባ እዩ። ክዳንና ወይ ኣካላትና ብገለ ዓይነት ርስሃት ኪጽየቕ ከሎ፡ ክዳን እንተ ዀይኑ ቐልጢፍና ንቕይሮ፡ ኣካላትና እንተ ዀይኑ ድማ ቀልጢፍና ንሓጽቦ። ዋላ ዚረኣይ ርስሓት ኣይሃልወና፡ ሰብነትና’ውን ኣይሽትት፡ ረሲሕና ኸም ዘሎና ስለ ዚርድኣና፡ ብቐጻልን ስሩዕን መገዲ ኣካላትና ንሕጸቦ እምበር ስቕ ኣይንብልን ኢና። ኣብቲ መንፈሳዊ ርስሓት ኪኸውን ከሎ ግና፡ ኵለንተናና ብሓጢኣት ዝተሰራሕና ኽሳዕ ዚመስል ብሓጢኣት ተመሊእና ኸሎና፡ ብንስሓ ኽንሕጸብ ከም ዘሎና ፈቲና ንርስዖ ኣሎና። ይትረፍ እቲ ንዓና’ውን ዚስወረና ሓጢኣትና፡ ብዛዕባ እቲ እዝግን ሰብን ዚፈልጥዎ ኣበሳና እንንስሓሉ ጊዜ እኳ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ሓደ ጊዘ ሓደ ኤርትራዊ ናብ ኬንያ ንሓጺር ስልጠና ምስ ከደ፡ ምስ ሓደ ኬንያዊ ኣብ ሓደ ኽፍሊ መደቀሲ ተዋህቦ። እቲ ኬንያዊ ብውሑዱ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ እንዳተሓጽበ፡ እቲ ኤርትራዊ ግን ሓንሳእ ከይተሓጽበ ወርሒ ኺመልእ ተቓረበ። እቲ መዳቕስቱ ምስ ምክት ዚሓድር ዘሎ ዀይኑ ኽሳዕ ዚስምዖ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ “ኣታ ሓወይ ኣካላትካ ኣይትሕጸብን ዲኻ፧” ኢሉ እንተ ሓተቶ፡ “ጽሩይ እየ ዘለኹ፡ ኣይረሳሕኩን” ኢልዎ ይበሃል። እቶም ነዚ ዝሰምዑ መምህራኖም ኺምህሩ ኣብ ዝኸድዎ ዅሉ ሃገር ከም ኣነቓቓሒ ዛንታ ይጥቀሙሉ ኣለው። ኣነ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ስልጠና ካብ ኣፎም እየ ሰሚዐዮ። እቲ ንስሓ ዘየዘውትር ክርስቲያን ድማ፡ ብሓጢኣት ጋዕዝዩ ኸሎ ንርእሱ ኸም ንጽህቲ ቘጺሩ ዚነብር፡ ርእሱ ንፍርዲ ዝሓጸየ ዓሻ ክርስቲያን እዩ። ጐይታ “ንቕሑ፡ እተዳለኹም ኩኑ” ዚብለና እኮ፡ “ኸይትሓጥኡ ተጠንቀቑ ሓጢኣት እንተ ጠበቐኩም ድማ፡ ቀልጢፍኩም ሓጢኣትኩም ኣጽሪኹም ተጠንቂቕኩም ተጸበዩ” ማለት እዩ። ደቂስካን ተዘንጊዕካን ከሎኻ ኣብቲ ግራት ልብኻን ሰብነትካን ሰይጣን ክርዳድ ሓጢኣት ዘሪኡልካ ኸይህልው ግራትካ ምፍታሽ ናይ ግድነት እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ” ተባህለልና (እብ 12፡1)። ሓደ እዋን ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ኣብ ልዕሊ መስዋእቶም ሓሪዱ ንደሞም ምስ ደም መስዋእቶም ዝጸንበሮ ገሊላውያን ነገርዎ። ንሱ ድማ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ ሰሊሆም ዝተባህለ ቦታ ግምቢ ወዲቑ ጸቒጡ ዝቐተሎም 18 ሰባት ብምጥቃስ፡ “ነዞም ገሊላውያን (ወይ ሰብ ኢየሩሳሌም) እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረከቦምሲ ካብ ኵሎም ገሊላውያን (ወይ ሰብ ኢየሩሳሌም) ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣይፋሎምን፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ክትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።” ኢሉ ኣጠንቀቖም (ሉቃ 13፡1-5)። ይሁዳ ኣስቆሮታውን ሃዋርያ ጴጥሮስን ክልቲኦም እዮም ንክርስቶስ ዝኸሓድዎ። እቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ክሕደት ክነሱ፡ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ፍልልይ ዘምጽአ ግና ንስሓ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመሪር ብኽያት ሓቀኛ ንስሓ ስለ ዝኣተወ፡ ናብቲ ሃዋርያዊ ማዕርጉን ኣገልግሎቱን ተመልሰ። ይሁዳ ግና ንንስሓ ከም ኣማራጺ ኺሓስቦ እኳ ስለ ዘይፈቐደ፡ ርእሰ ቕትለት ኪፍጽም መረጸ፡ ወዲ ጥፍኣት ዝገበሮ እምበኣር ሓጢኣት ምፍጻሙ ዘይኰነስ፡ ንስሓ ኺኣትው ብዘይ ምፍቃዱ እዩ።
ንስሓ ክንብል ከሎና፡ ተራ ጣዕሳ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ንስሓ ማለት ምምላስ ማለት ስለ ዝዀነ፡ ተነሲሕካ ማለት ኣንጻር ናይቲ ኽትከዶ ዝጸናሕካ ኣካይዳ ምኻድ ማለት እዩ። ስለዚ ውሽጣዊ ጣዕሳ ጥራይ ዘይኰነ ግብራዊ ለውጢ’ውን ኪህልዎ ይግባእ። ዮሃንስ መጥምቕ ነዚ ሓቂ እዚ፡ “ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 3፡8)። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ” ይብሎ (ግብ 26፡19,20)። ንሰብ ኤፌሶን ከኣ፡ “ንሓሶት ንየው በልዎ፡ . . . ነፍስ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ። . . . እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳው ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይትስረቕ።” ብምባል፡ ንንስሓ ዚግባእ ግብርን ፍረን እንታይ ማለት ምዃኑ ብኣብነታዊ ግብሪ ገሊጹሎም ኣሎ (ኤፌ 4፡25,28)። እምበኣር እግዚኣብሄር ብምሕረቱን ብሕያውነቱን ነዚ ዓብይ መድሓኒት እዚ ሂቡና ስለ ዘሎ፡ መዓልታዊ ህይወትና እናመርመርና፡ ካብቲ ብሰሪ ድኻም ስጋ ዝጠበቐና ሓጢኣት ርእስና ነጽርይ። ኣካል ናይታ ወርትግ ቀረባና ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን እንኽእል ብንስሓ ጥራይ እዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ንንስሓ ሓደ ኻብቲ ሾብዓተ ምስጢራት ገይራ ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ። እቲ ንንስሓና ብቑዕ ዚገብሮን፡ ሓጺቡ ነቲ ከም ጁኽ ዝቐይሐ ሓጢኣትና ከም በረድ ዜጻዕድዎን ደም ክርስቶስ ድሮ ፈሲሱልና እዩ። እቲ ንድሕነትና ዜድልይ ናይ እግዚኣብሄር ግደ ተፈጺሙ እዩ። ተሪፉ ዘሎን ዕድመና ምሉእ ክንፍጽሞን ዚግብኣና ግደ ናትና ኸኣ ንስሓ እዩ። ንስሓ ብደም ክርስቶስ ንኣመንዝራ ናብ ድንግል ኪቕይር ዚኽእል መንፈሳዊ ሃብቲ እዩ’ሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረልና ሰናይ ምኽሪ ኣዘውቲርና መዓልታዊ ንጠቐመሉ። ነዛ ዝሓለፈት ዘመነ ማርቆስ እካ ከይተጠቀምናላ ሓሊፍና እንተኮና፡ እንሆ ዘመነ ሉቃስ ኣምላኽ ብምሕረቱ ይህበና ኣሎ እሞ፡ ብንስሓ ዝነብር ህይወት ክህበና ንለምኖ። “በዛ ዓመት እልልታ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ።” (ዘሌ 25፡13) ናብቲ ሰማያዊ ርስቲ ብንስሓ ክንምለስ ፍቃዱ ይኹነልና።
ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት መስከረም 9, 2018 (ጳጉሜ 4, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 142 6-7 “ኣድኅነኒ እምእለ ረድኡኒ እስመ ይኄይሉኒ። ወአውጽኣ ኣሞቅሕ ለነፍስየ። ከመ እግነይ ለስምከ እግዚኦ።” ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ሓይሎምኒ እዮም እሞ፣ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ። ንስምካ ኸማሱስ፣” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
2ቆረ 6፡1-11
|
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ማቴ 4፡12-17 |
ያዕቆብ 5፡8-13 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘኣትናቴዎስ |
ግብ 5፡12-17 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ