ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ካብቲ ኣብ ወንጌል፡ ማቴ 6 ፍቕዲ 24 ተጠቒሱ ዘሎ፡ “ንኽልተ ጐይታት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩ” ዚብል ሓሳብ እዩ ዚብገስ። እቲ ገንዘብ ዝጐይታኡ ሰብ፡ ብዛዕባ ዚምገቦን ዚኽደኖን እዩ ዚጭነቕ። እቲ ኣምላኽ ዝጐይታኡ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደኣ ይሓልይን ይግደስን እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ድልየታቱ ኣይጭነቕን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ንሓደ ጐይታ ጥራይ ምግዛእ ዕሽነት ኰይኑ ተሰሚዕዎም፡ ብሓንሳእ ንኽልተ ተጻረርቲ ጐይቶት ኣብ ሓደ ሰብነት ኬአንግዱ ዚደልዩ ሰባት ምብዛሖም እዩ።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ “ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ዋና እቲ ኣታኽልቲ ነቲ ሕርሻ ዜድልይ ኵሉ ድሕሪ ምድላው፡ ነቲ ኣታኽልቱ ዚከናኸኑ ሓረስቶት ረኺቡ፡ ብመገስ ሂብዎም ናብ መገሻኡ ኸደ። መገስ ማለት ርብዒ ሲሶ ወይ ፍርቂ ናይቲ እቶት እናወሰዱ ኼገግልዎ ዚግበር ስምምዕ ማለት እዩ። እቲ ወይኒ ፍረ ዚህበሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ብጽሒቱ ኼምጽኡሉ ባሮቱ እንተ ለኣኸ፡ እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቶም ኪገብርዎ ስለ ዝደለዪ፡ ነቶም ልኡኻት ንገሊኦም ወቒዖም ስጐጕዎም ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም። እቲ በዓል ኣታኽልቲ፡ “ንወደይሲ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑ” ኢሉ እንተ ለኣኾ ድማ፡ እቲ ርስቲ ንሓዋሩ ናታቶም ኪኸውን ኢሎም፡ “እዚ እቲ ወራሲ እዩ።
ድኻም ወዲ ሰብን ኃይሊ ኣምላኽን!
እምበኣርከስ ኣምላኽ ብምሕረቱ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ስለ ዝሃበና ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና። እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕልና ነፍስ ወከፍ ሰብ ብግህዶ እናተዛረብና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስና ነማዕቍብ ኣሎና እምበር ብተንኮል ኣይተመላለስናን፥ ንቓል ኣምላኽ ኣየጋጌናን፥ ነቲ ብህቡእ ዚግበር
ኣብቲ መስከረም 30 ዝነበረ ሰንበት፡ “መስቀል የልዕል እሞ ይስዓበኒ” ዚብል ኣርእስቲ ምርኣይና ዚዝከር እዩ። ጐይታ ኣስዕብ ኣቢሉ መስቀልና ኣልዒልና ኽንስዕቦ ዘድለየሉ ምኽንያት ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ንነፍሱ (ባዕሉ) ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና “ምዃኑ ዚገልጽ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣዝዩ ረቂቕ ብምዃኑ ብቐሊሉ ክትርድኦ ስለ ዜጸግም ምስቲ ዓውደ ንባብ ኣገናዚብካ ምርኣይ ዜድልዮ እዩ። እታ ነዚ ምስጢር እዚ ኽንርድኦ እተኽእለና፡ እታ ኣብ ፍቕዲ 9፡23 ተጠቒሳ ዘላ፡ “ዝዀነ ሰብ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ፡ (እንተሎ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ይቕበጽ) መዓልቲ መዓልቲ’ውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ” እትብል ሃይለ ቃል እያ።
ክብረ በዓለ-መስቀል፡ ምስ ምውላዕ ዳሜራን ምብራህ ሆየ፡ ሆየን ዘለዎ ዝምድና
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ